ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዅሉ ገግዜኡ ኣለዎ

ንዅሉ ገግዜኡ ኣለዎ

ንዅሉ ገግዜኡ ኣለዎ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ነገር ከኣ ገጊዜኡ አለዎ” ይብል። እቲ ነዘን ቃላት እዚኣተን ዝጸሓፈን ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን፡ ንምውላድ ይኹን ንሙማት ግዜ ኸም ዘለዎ፡ ንምህናጽ ኰነ ንምፍራስ ግዜ ኸም ዘለዎ፡ ከምኡውን ንምፍቃርን ንምጽላእን ግዜ ኸም ዘለዎ ሓበረ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ “እቲ ዓያዪ ሰብሲ ረብሓ ጻዕሩ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ትዕዝብቱ ገለጸ።—መክብብ 3:1-9

ገሊኦም ሰባት ነዘን ቃላት እዚኣተን ኬንብብወን ከለዉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተ ዀነ፡ ኵሉ ነገራት ኣቐዲሙ ኸም እተወሰነ ከም ዚምህር ይድምድሙ፣ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንእምነት ጽሕፍቶ ዚድግፍ ይመስሎም። ኰይኑ ግን፡ ብሓቂ ኸምኡ ድዩ፧ ኣብ ህይወት ዘጋጥም ዘበለ ዅሉ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ጽሕፍቶ ኸም ዝዀነ ንዚገልጽ ሓሳብ መጽሓፍ ቅዱስ ይድግፎ ድዩ፧ ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሓደ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ እነንብቦ ነገር ምስቲ ኣብ ካልእ ቦታ ዘሎ ኺሰማማዕ ኣለዎ። እምበኣር፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16

ጊዜን ኣጋጣምን

ሰሎሞን ኣብ መጽሓፍ መክብብ ከምዚ ኢሉ እውን ጸሓፈ፦ “ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ከኣ ጕያ ንፈጣናት፡ ውግእ ንጀጋኑ፡ እንጌራ ንጥበበኛታት፡ ሃብቲ ነእምሮኛታት፡ ሞገስ ንብልህታት ከም ዘይኰነሎም፡ ተመሊሰ ርኤኹ።” ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ዝበለ፧ “ግናኸ ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም” ኢሉ ገለጸ።—መክብብ 9:11

ሰለሞን፡ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ዝዀነ ይኹን ነገር ብጽሕፍቶ ኣቐዲሙ ኸም እተወሰነ ኣይኰነን ዚሕብር ዘሎ፣ የግዳስ፡ ሰባት ናይቲ ዚገብርዎ ነገራት ውጽኢት ኣቐዲሞም ብትኽክል ኪገልጹ ኸም ዘይክእሉ እዩ ዚሕብር ነይሩ፣ ከመይሲ፡ “ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም” እዩ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ንሓደ ሰብ ዝዀነ ይኹን ነገር ዜጋጥሞ፡ ጽቡቕ ነገር ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን ወይ ከኣ ሕማቕ ነገር ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን ኣብቲ ቦታ ብምጽናሑ እዩ።

ንኣብነት፡ ነታ “ጕያ ንፈጣናት . . . ከም ዘይኰነሎም” እትገልጽ ሓሳብ እስከ ርአ። ብዛዕባ እቲ ብ1984 ኣብ ሎስ ኣንጀለስ፡ ካሊፎርንያ፡ ሕ.መ.ኣ. እተኻየደ ህቡብን ዜስደምምን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናይ 3000 ሜተር ውድድር ጕያ ኦሎምፒክ ሰሚዕካ ወይ ኣንቢብካ ትኸውን ኢኻ። ንብሪጣንያን ንሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ዚውክላ ኽልተ ጐየይቲ፡ መዳልያ ወርቂ ኺረኽባ ይጽበያ ነበራ። ኣብ መንጎ እቲ ውድድር ግን ንሓድሕደን ተጋጨዋ። ብሰንኪ እዚ ድማ እታ ሓንቲ ወዲቓ ኻብቲ ውድድር ወጸት፡ እታ ሓንቲ ኸኣ ተስፋ ብምቝራጻ ሻብዐይቲ ዀይና ወድአት።

እዚ ነገራት እዚ ዘጋጠመ ብሰሪ ጽሕፍቶ ድዩ፧ ገሊኦም ሰባት ከምኡ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። ኰይኑ ግን፡ ኣብቲ ውድድር ኪዕወታ ዘይከኣላ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ዘይሓሰቦ ሓደጋ ኣጋጢምወን ስለ እተጋጨዋ እየን። እቲ ምግጫወንከ ናይ ጽሕፍቶ ጕዳይ ድዩ፧ ኣብዚ እውን እንተ ዀነ፡ ገሊኦም ሰባት ‘እወ’ ኢሎም ይምልሱ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ ወሃብቲ ርእይቶ ኸም ዝገለጽዎ፡ እዚ ሓደጋ እዚ ኼጋጥም ዝኸኣለ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ መንጎ እዘን ብማዕረ ድልዱላት ዝዀና ጐየይቲ ዝነበረ ንምዕብላል ዚግበር ሓያል ውድድር እዩ። እወ፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፡ “ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም።” ሓደ ሰብ ብግቡእ ይዳሎ ብዘየገድስ፡ ኵሉ ሳዕ ንውጽኢት እቲ እተገብረ ጻዕሪ ዚጸሉ ሃንደበታዊ ረቛሒታት ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ምስ ጽሕፍቶ ዋላ ሓንቲ ርክብ የብሉን።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ” ኺብል ከሎ ደኣ እሞ እንታይ ማለቱ እዩ፧ ንውጽኢት እቲ ኣብ ህይወትና ዜጋጥም፡ ማለት ንመወዳእታና ዚጸሉ ነገር ክንገብር ንኽእልዶ፧

ንዅሉ ጻዕሪ ዚኸውን ብሉጽ ግዜ

እቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ንሓደ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፈ ጸሓፊ፡ ብዛዕባ ጽሕፍቶ ዝዀነ ይኹን ውልቀ-ሰብ ወይ ብዛዕባ እቲ ኣብ መወዳእታ ዜጋጥም ውጽኢት ህይወት ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽን ንደቂ ሰብ ብኸመይ ከም ዚጸልዎምን እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ከምኡ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ሓሳባት ነዚ ይገልጸልና። ሰሎሞን፡ ‘ዘዘመኑ ዘለዎ’ ብዙሕ ነገራት ድሕሪ ምጥቃሱ፡ “ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኺጽዕሩ ዝሀቦም ዕዮ ርኤኹ። ንዅሉ በብግዜኡ ጽቡቕ ገበሮ” ኢሉ ጸሓፈ።—መክብብ 3:10, 11

ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብዙሕ ዕዮ ሂብዎም እዩ፡ ሰሎሞን ከኣ ንመብዛሕትኡ ዘርዚርዎ ኣሎ። ኣምላኽ ዝደለናዮ ኽንገብር ዜኽእለና ናይ ምምራጽ ናጽነት እውን ሂቡና እዩ። ይኹን እምበር፡ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ብሉጽ ፍረ ኸም ዜፍሪ ዚገብሮ ፍሉይ ግዜ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ነታ ኣብ መክብብ 3:2 እትርከብ፡ “ንምትካል ጊዜ አለዎ፡ ነቲ እተተኽለ ምምንቋስ ድማ ጊዜ አለዎ” እትብል ሓሳብ እስከ ርአ። ሓደ ሓረስታይ፡ ነፍሲ ወከፍ እኽሊ ዚዝርኣሉ ነናቱ ግዜ ኸም ዘለዎ ይፈልጥ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ነዛ ቐላል ሓቂ እዚኣ ዕሽሽ ብምባል ኣብ ግጉይ ግዜ ወይ ወቕቲ እንተ ዘርአኸ፧ ኣበርቲዑ ሰሪሑ ኽነሱ፡ ጽቡቕ ምህርቲ እንተ ዘይረኺቡ፡ ብጽሕፍቶ ድዩ ኼማርር ዘለዎ፧ ኣይፋሉን! ጽቡቕ ምህርቲ ዘይረኸበ ነቲ እኽሊ ኣብቲ ፍሉይ ግዜኡ ስለ ዘይዘርኦ ጥራይ እዩ። ነቲ ኣምላኽ ዘውጸኦ ተፈጥሮኣዊ ስርዓት ስዒቡ እንተ ዚዘርእ ነይሩ ግን፡ ጽቡቕ ምህርቲ ምረኸበ ነይሩ።

ስለዚ፡ ኣምላኽ ንጽሕፍቶ ውልቀ-ሰባት ወይ ንውጽኢት ፍጻመታት ዘይኰነስ፡ ምስ ዕላማኡ ብምስምማዕ ንንጥፈታት ደቂ ሰብ ዚቈጻጸር እተወሰነ ስርዓታት እዩ ሰሪዑ። እምበኣር፡ ደቂ ሰብ ብውጽኢት ጻዕርታቶም ኪሕጐሱ እንተ ደልዮም፡ ንዕላማ ኣምላኽን ንግዜ ዘለዎ ኣረኣእያን ኪርድኡ፡ ምስዚ ተሰማሚዕዖም ከኣ ኪዓዩ ኣለዎም። ኣቐዲሙ እተወሰነን ዘይልወጥን ነገር፡ ጽሕፍቶ ውልቀ-ሰባት ዘይኰነስ፡ ዕላማ ኣምላኽ እዩ። የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ፡ “እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ . . . ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ፡ ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር፡ ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ” በለ።—ኢሳይያስ 55:11

እቲ “ኬቕንዕ እዩ” እተባህለሉ ብዛዕባ መጻኢ ምድርን ደቂ ሰብን ዚገልጽ “ቃል” ወይ ዕላማ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ብዛዕባ ግዜ ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ እዩ፧

ሰሎሞን፡ ኣምላኽ “ንዅሉ በብግዜኡ ጽቡቕ ገበሮ” ድሕሪ ምባሉ እተዛረቦ ሓሳባት፡ ናይዚ መልሲ ይህበና እዩ፣ “ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ ስኢኑ ኽነሱስ፡ ኣምላኽ ንዘለኣለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ” በለ።—መክብብ 3:11

ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዙሕ እኳ እንተ ተጻሕፈ፡ ኵልና ግን ኣብ ሓደ እዋን፡ ብዛዕባ ትርጕም ህይወትናን መወዳእታናን ሓቲትና ንፈልጥ ኢና። ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመናት ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት፡ ህይወት ኪበሃል ከሎ ላዕልን ታሕትን ኢልካ ምስራሕን ኣብ መወዳእታኡ ሙማትን ጥራይ ከም ዝዀነ ምቕባል ከቢድዎም እዩ። ከመይሲ፡ ንሕና ሰባት ብዛዕባ ሕጂ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ መጻኢ እውን ስለ እንሓስብ፡ ካብ ካልኦት ህያዋን ፍጡራት ፍልይ ዝበልና ኢና። ንዘለኣለም ከየቋረጽና ኽንነብር እውን ንብህግ ኢና። ስለምንታይ፧ ከምቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚገልጾ፡ ኣምላኽ “ንዘለኣለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ።”

ሰባት ነዚ ባህጊ እዚ ንምዕጋብ፡ ድሕሪ ሞት ህይወት እንተ ኣልዩ ይሓቱ እዮም። ገሊኦም ድሕሪ ሙማትና ብህይወት እትቕጽል ነገር ከም ዘላ ይሓስቡ። ገሊኦም ከኣ ዳግም እናተወለድና ኸም እንነብር ይኣምኑ። ገሊኦም ድማ ህይወትና ብጽሕፍቶ ኸም እተወሰነን ክንቅይሮ ኸም ዘይንኽእልን ይሓስቡ። እቲ ዜሕዝን ግን፡ ዋላ ሓደ ኻብዚ መግለጺታት እዚ ዜዕግብ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከምኡ ዘይኰነሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ፡ “ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ ስኢኑ” ይብል።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመናት፡ ኣብ መንጎ ናይ ምፍላጥ ባህግን ክትፈልጥ ዘይምኽኣልን ዘሎ ሱር ዝሰደደ ግጭት፡ ንፈላስፋታት ኣጨኒቕዎም እዩ። ኰይኑ ግን፡ ነዚ ባህጊ እዚ ኣብ ልብና ዘንበሮ ኣምላኽ ካብ ኰነ፡ ንምዕጋቡ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ንምፍላጥ ኣብኡ ምውካልና ርትዓዊ ደይኰነን፧ መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተ ዀነ ብዛዕባ የሆዋ፡ “ኢድካ ትኸፍት እሞ፡ ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ” ይብል እዩ። (መዝሙር 145:16) ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ፡ ብዛዕባ ሞትን ህይወትን ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምድርን ንደቂ ሰብን ዘውጸኦ ዘለኣለማዊ ዕላማ ዜዕግብ መልሲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።—ኤፌሶን 3:11

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

‘ጕያ ንፈጣናት ኣይኰነሎምን።’—መክብብ 9:11

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ሓደ ሓረስታይ ኣብ ግቡእ ግዜ ብዘይምዝራኡ ምህርቱ ትሑት እንተ ዀይኑ፡ ብጽሕፍቶ ድዩ ኼማርር ዘለዎ፧

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣምላኽ ‘ንዘለኣለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ስለ ዘንበሮ፡’ ብዛዕባ ህይወትን ሞትን ንሓስብ