ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ንሕጻናት፡ ኣብ ሰማይ መላእኽቲ ኪዀንዎ ኢሉ ይወስዶም ድዩ፧

ኣምላኽ ንሕጻናት፡ ኣብ ሰማይ መላእኽቲ ኪዀንዎ ኢሉ ይወስዶም ድዩ፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ኣምላኽ ንሕጻናት፡ ኣብ ሰማይ መላእኽቲ ኪዀንዎ ኢሉ ይወስዶም ድዩ፧

ሓደ ሕጻን ኪመውት ከሎ፡ ፈተውቲ ነቶም ሓዘንተኛታት ስድራ ቤት፡ “ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ተወሳኺ መልኣኽ ስለ ዝደለየ እዩ” ብምባል ኬጸናንዕዎም ይፍትኑ እዮም። እዝስ ቅኑዕዶ ይመስለካ፧

ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ተወሰኽቲ መላእኽቲ ምእንቲ ኺህልውዎ ኢሉ ሕጻናት ከም ዚሞቱ ዚገብር እንተ ዀይኑ፡ ስምዒት ዘይብሉ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ጨካን እዩ ማለት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ከምኡ ኣይብልን እዩ። (እዮብ 34:10) ሓደ ርሕሩሕ ኣቦ ስድራ ቤቱ ምእንቲ ኼስፍሕ ኢሉ፡ ንሓደ ሕጻን ካብ ወለዱ መንዚዑ ኣይወስድን እዩ። ኰይኑ ግን፡ ካብቲ እታ ቐንዲ ባህርዩ ፍቕሪ ዝዀነት የሆዋ ንላዕሊ ርሕራሐ ዘለዎ ወላዲ የለን። (1 ዮሃንስ 4:8) እታ ዓባይ ፍቕሩ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጭካነ ዝመልኦ ተግባር ንኺገብር ኣይተፍቅደሉን እያ።

ንርእስኻ፡ ‘ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ተወሰኽቲ መላእኽቲ የድልይዎ ድዮም፧’ ኢልካ ሕተት። መጽሓፍ ቅዱስ ኵሉ ግብርታት ኣምላኽ ጽቡቕን ፍጹምን ምዃኑ ይገልጽ እዩ። (ዘዳግም 32:4) ንሚልዮናት መላእኽቲ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ብቐጥታ ፈጢሩ እዩ፡ ዋሕዲ ዚበሃል ከኣ የብሉን። (ዳንኤል 7:10) ኣምላኽ ብገለ መገዲ ቝጽሪ እቶም ዜድልይዎ መላእኽቲ ብጌጋ ቐሚሩዶ ይኸውን፧ ፈጺሙ ዘይከውን እዩ! እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ፈጺሙ ኸምዚ ዓይነት ጌጋ ኣይገብርን እዩ። ብርግጽ፡ የሆዋ እተወሰኑ ሰባት ከም ክፍሊ እታ ሰማያዊት መንግስቲ መጠን መንፈሳውያን ፍጡራት ንኪዀኑ እኳ እንተ ሓረየ፡ እዚኣቶም ግን ብሕጻንነቶም ኣይኰኑን ዚሞቱ።—ራእይ 5:9, 10

ኣምላኽ ንሕጻናት ኣብ ሰማይ መላእኽቲ ምእንቲ ኪዀኑ ኻብ ምድሪ ዘይወስደሉ ኻልእ ምኽንያት ከኣ፡ ምስቲ ንሕጻናት ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ስለ ዘይሰማማዕ እዩ። ኣብ ገነት ኤድን፡ ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን፡ “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን” በሎም። (ዘፍጥረት 1:28) ሕጻናት ውህበት ኣምላኽ እዮም፡ ነቲ ንምልእቲ ምድሪ ብጻድቕ ስድራ ቤት ኪመልኣ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ድማ ኣድለይቲ እዮም። ሕጻናት ኪሞቱን መንፈሳውያን ፍጡራት ኰይኖም ኪቕየሩን ዕላማኡ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕጻናት “ውህበት እግዚኣብሄር” ከም ዝዀኑ የረጋግጽ። (መዝሙር 127:3) እቲ ኣምላኽ ፍቕሪ ዝዀነ የሆዋ ንወለዲ ዝሃቦም ውህበት መሊሱዶ ይወስዶ እዩ፧ ኣይፋሉን!

ኣብ ዘይግዜኡ ዚመውት ሕጻን ንወለዲ ብርቱዕ ሓዘንን ጕድኣትን ስቓይን የስዕበሎም እዩ። እሞኸ እቶም ብሓዘን እተደቝሱ ወለዲ እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧ ኣምላኽ ማእለያ ንዘይብሎም ሚልዮናት ሰባት ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኸም ዜተንስኦም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተመባጺዑ እዩ። ሕጻናት ምሉእ ጥዕና ሒዞም ምስ ዚፈትውዎም ሰባት እንደገና ኺራኸቡ ኣብ ኣእምሮኻ እሞ ስኣሎ። (ዮሃንስ 5:28, 29) ፍቓድ ኣምላኽ፡ ሕጻናት ዓብዮም ንህይወት ኬስተማቕሩ፡ ከምኡውን ብዛዕባኡን ብዛዕባ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማን ኪመሃሩ እዩ። ስለዚ፡ ዝሞቱ ሕጻናት ኣብ ሰማይ መላእኽቲ ኣይኰኑን እዮም፣ የግዳስ፡ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንኺትንስኡ ይጽበዩ እዮም ዘለዉ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሕጻናትን ዓበይትን ፍቕራዊ ሓልዮት ፈጣሪና እናረኸቡ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ንዘለኣለም ብሓጐስ ኬምልኽዎ እዮም።