ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከተማ ቈረንቶስ ብዓልቲ ኽልተ መርሳ

ከተማ ቈረንቶስ ብዓልቲ ኽልተ መርሳ

ከተማ ቈረንቶስ ብዓልቲ ኽልተ መርሳ

ካርታ ግሪኽ እንተ ተመልኪትካ፡ መብዛሕትኡ ኽፋል እታ ሃገር ብሓንቲ ሓውሲ ደሴትን ኣብ ደቡብ እትርከብ ደሴት እትመስል ምድርን ከም ዝቘመ ኸተስተብህል ትኽእል ኢኻ። ንኽልቲአን ሓደ ቐጢን ክሳድ መሬት እዩ ዜራኽበን፣ ግፍሒ እዚ ኽሳድ መሬት እዚ ድማ፡ ኣብ ዝጸበበ ኽፋሉ ሽዱሽተ ኪሎ ሜተር ጥራይ እዩ። እዚ ኸኣ ክሳድ መሬት ቈረንቶስ ተባሂሉ ዚፍለጥ ኰይኑ፡ ነታ ኣብ ደቡብ እትርከብ ሓውሲ ደሴት ጰሎጶነስ ምስቲ ኣብ ሰሜን ዚርከብ ቀንዲ ኽፋል እታ ሃገር የራኽባ።

እቲ ኽሳድ መሬት ብኻልእ መገዲ እውን ኣገዳሲ እዩ። ብሸነኽ ምብራቑ ናብ ባሕሪ ኤጀያን ምብራቓዊ መዲተራነያንን ዚመርሕ ወሽመጥ ሳሮን ኪርከብ ከሎ፡ ብሸነኽ ምዕራቡ ኸኣ ናብ ባሕሪ ኢዮንያን ባሕሪ ኣድርያቲክን ዝመርሕ ወሽመጥ ቈረንቶስ ስለ ዚርከብ፡ ድልድል ባሕሪ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ። ኣብ ማእከል እዚ ዅሉ ድማ ከተማ ቈረንቶስ ትርከብ፣ እዛ ኸተማ እዚኣ ሓንቲ ኻብተን ጳውሎስ ኣብ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ዝበጽሐን ኣገደስቲ ቦታታት ክትከውን ከላ፡ ብግዜ ጥንቲ ብብልጽግናኣን ብምሾታን ብብዕልግናኣን ትፍለጥ ነበረት።

ስትራተጅያዊት ከተማ

ከተማ ቈረንቶስ ኣብ ምዕራባዊ ጫፍ እዚ ኣገዳሲ ኽሳድ መሬት እያ ተደኲና። ክልተ ወደባት ወይ መርሳታት ነበራኣ፣ እታ ብሸነኽ ምዕራብ እቲ ኽሳድ መሬት እትርከብ ለካዩም እትበሃል ክትከውን ከላ፡ እታ ብሸነኽ ምብራቕ እትርከብ ድማ ክንክርኤስ ትበሃል። ስትራቦ ዚበሃል ናይ ጂኦግራፊ ምሁር ንቈረንቶስ ከም ብዓልቲ ኽልተ መርሳ ገይሩ ገሊጽዋ ኣሎ። ከተማ ቈረንቶስ ብሰንኪ እቲ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣኣ፡ ነቲ ኻብ ሰሜን ናብ ደቡብ ብመሬት ዚግበር ንግድን ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ ብባሕሪ ዚግበር ንግድን ክትቈጻጸር ከኣለት።

ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፡ መራኽብ ካብ ምብራቕ (ካብ ንእሽቶ እስያን ሶርያን ፊንቄን ግብጽን) ከምኡውን ካብ ምዕራብ (ካብ ኢጣልያን ስጳኛን) ጽዕነት ሒዘን ይመጻ እሞ፡ ኣብ ሓዲኡ መርሳ ድሕሪ ምርጋፍ፡ ብመሬት ኣቢሎም ናብቲ ኻልእ ጫፍ እቲ ኽሳድ መሬት የጐዓዕዝዎ ነበሩ። ኣብኡ ድማ እቲ ጽዕነት ኣብ ካልእ መራኽብ ምስ ተጻዕነ፡ ጕዕዞኡ ይቕጽል ነበረ። ንእስ ዝበላ መራኽብ በቲ ዲዮልኮስ ተባሂሉ ዚፍለጥ ኣብቲ ኽሳድ መሬት እተሰርሐ መገዲ ጐቲቶም የሕልፍወን ነበሩ።—ኣብ  ገጽ 27 ዚርከብ ሳጹን ርአ።

ባሕረኛታት በቲ ኽሳድ መሬት ኣቢሎም ኪኸዱ ዚመርጹ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ ምኽንያቱ፡ እዚ ኻብቲ ብዙርያ ደቡባዊ ጰሎጶነስ ዚግበር ብብዝሒ ማዕበል ዚለዓለሉ 320 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ሓደገኛ ጕዕዞ የናግፎም ነበረ። ባሕረኛታት፡ ብፍላይ ብጽንፊ ማሊያ ኺሓልፉ ኣይደልዩን እዮም ነይሮም፣ “ብዙርያ ጽንፊ ማሊያ እንተ ኼድካ፡ ዓድኻ ኽትምለስ ኣይትሕሰብ” ተባሂሉ እውን ይዝረበላ ነይሩ እዩ።

ክንክርኤስ—ዝጠሓለ መርሳ

ካብ ቈረንቶስ ንሸነኽ ምብራቕ 11 ኪሎ ሜተር ኣቢላ ርሒቓ እትርከብ ወደብ ክንክርኤስ፡ መወዳእታ እቲ ኻብ እስያ እተዘርግሐ መስመራት ባሕሪ እያ ነይራ። ሎሚ ብሰንኪ እቲ ኣብ መወዳእታ ራብዓይ ዘመን ድ.ክ. ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ፍርቂ ኽፋል እቲ ወደብ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ እዩ ዘሎ። ስትራቦ ንክንክርኤስ፡ ንጥፈታት ዝበዝሓ ሃብታም ወደብ ከም ዝዀነት ገይሩ እዩ ገሊጽዋ፣ ሉክዩስ ኣፕዩሊዩስ ዚበሃል ሮማዊ ፈላስፋ ድማ፡ “መራኽብ ብዙሓት ኣህዛብ ዜዘውትራኣ ዓባይን ብርትዕትን መርሳ” ኢሉ ጸዊዕዋ ኣሎ።

ብግዜ ሮማውያን፡ እቲ መርሳ ምስ ታኮ ፈረስ ዚመሳሰል ናብ ውሽጢ ባሕሪ ዚኣቱ ኽልተ መድረኽ ወደብ ነበሮ፣ ኣብ መንጎኡ ድማ ካብ 150-200 ሜተር ዝምግፋሑ መእተዊ ነበሮ። ክሳዕ 40 ሜተር ዝንውሓተን መራኽብ ናይ ምቕባል ክእለት ነበሮ። ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሸነኽ እተገብረ ፍሕረት፡ ክፋል ቤተ መቕደስ እታ ኣይሲስ እትበሃል ኣምላኽ ተረኺቡ እዩ። እቲ ኣብ መንጽር እቲ መርሳ ዚርከብ ህንጻታት እውን፡ መቕደስ ኣፍሮዳይቲ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እዘን ክልተ ኣማልኽቲ እዚኣተን፡ ሓለውቲ ባሕረኛታት ጌርካ እየን ዚረኣያ ነይረን።

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ሰፋይ ድንኳን ኰይኑ ንኺዓዪ ዘኽኣሎ፡ እቲ ኣብቲ ወደብ ዚግበር ዝነበረ ንግዳዊ ንጥፈታት ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:1-3) ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ፡ ኢን ዘ ስተፕስ ኦቭ ሰይንት ፖል ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ትብል፦ “ሓጋይ ኪቐርብ ከሎ፡ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ሰፈይቲ ድንኳን፡ ሰፈይቲ ጋንጽላ እውን ዝነበሩ፡ ካብቲ ኺዓይዎ ዚኽእሉ ስራሕ ንላዕሊ ይረኽቡ ነበሩ። ሓጋይ ንምሕላፍ ክልቲኡ መርሳታት ብመራኽብ ስለ ዝመልእን ኪጐዓዛሉ ኣብ ዘይክእላ እዋን ዚጐድለን ንምምላእ ስለ ዚጽዕራን፡ እቶም ኣብ ለካዩምን ክንክርኤስን ዚርከቡ ሸቃጦ ንዝዀነ ይኹን ነዊሕ ጋንጽላ ኺሰፊ ዚኽእል ሰብ ዚኸውን ስራሕ ነይርዎም ኪኸውን ኣለዎ።”

ጳውሎስ ንዓመትን መንፈቕን ኣብ ቈረንቶስ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ብ52 ድ.ክ. ካብ ክንክርኤስ ናብ ኤፌሶን ከደ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:18, 19) ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ኣርባዕተ ዓመት፡ ኣብ ክንክርኤስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተመስረተት። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ነታ ፌቤን እትበሃል ካብ “ማሕበር ክንክርኤስ” ዝዀነት ክርስትያን ሰበይቲ ኺድግፍዋ ኸም ዝሓተቶም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና።—ሮሜ 16:1, 2

ሎሚ ናብ ክንክርኤስ ዚኸዱ በጻሕቲ፡ ኣብቲ ዑናታት ዝጠሓለ መርሳ ዚርከቦ ሓቒቕ ዚመስል ማያት ኪሕምብሱ ይኽእሉ እዮም። ቅድሚ ብዙሕ ዘመናት፡ እዚ ቦታ እዚ ሓያሎ ክርስትያናውን ንግዳውን ንጥፈታት ዚካየደሉ ምንባሩ መብዛሕትኦም ኣየስተውዕልዎን እዮም። እታ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ እቲ ኽሳድ መሬት እትርከብ፡ መርሳ ለካዩም እትበሃል ካልእ ናይ ቈረንቶስ ወደብ እውን ከምኡ እዩ ኣጋጢምዋ።

ለካዩም—ኣፍ ደገ ምዕራብ

ካብ ዕዳጋ ቈረንቶስ ናብቲ ኽልተ ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ዚርሕቕ ለካዩም ዚበሃል ምዕራባዊ መርሳ ዚወስድ፡ “መገዲ ለካዩም” ተባሂሉ ዚፍለጥ እተጸርገ ጐደና ኣሎ። መሃንድሳት፡ ኣብቲ ቦታ እቲ ወደብ ምእንቲ ኺሃንጹን ንእተዓሸጋ መራኽብ ካብቲ ኻብ ወሽመጥ ዚመጽእ ብርቱዕ ንፋስ ንምክልኻልን ኢሎም ንገለ ኽፋል እቲ ገምገም ባሕሪ ኣዕሚቖምዎ እዮም። ኣብ ሓደ እዋን፡ እዚ ሓደ ኻብቲ ኣብ መዲተራነያን ዚርከብ ዝዓበየ ወደባት ነበረ። ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ብዝገበርዎ ፍሕረት፡ ዑናታት እቲ ኸም ግምቢ መብራህቲ ዀይኑ ዜገልግል ሃልሃልታ ዚሕዝ ሓወልቲ ፖሳይዶ ዚበሃል ኣምላኽ ኣውጺኦም እዮም።

እቲ ብድርብ መናድቕ ተሓጺሩ ዝነበረ መገዲ ለካዩም፡ መገዲ ኣጋርን ህንጻታት መንግስትን ኣብያተ-መቕደስን ኣዕኑድን ድኳናትን ነበሮ። ኣብኡ ድማ ጳውሎስ ምስ ዓደግቲ፡ ሃታዋት፡ ሰብ ድኳን፡ ባሮት፡ ነጋዶ፡ ከምኡውን ምስ ካልኦት ኪራኸብ ክኢሉ ኪኸውን ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ንዕዮ ስብከቱ ምሹእ ነበረ።

ለካዩም ንግዳዊ ንጥፈታት ዚካየደላ ወደብ ጥራይ ኣይኰነትን ነይራ፣ የግዳስ፡ ዓብዪ መደበር ሓይሊ ባሕሪ እውን ነይርዋ እዩ። ብ700 ቅ.ክ. ኣቢሉ ኣሚኖክሊስ ዚበሃል ሰራሕ መርከብ ዝዀነ ብዓል ቈረንቶስ፡ ኣብ ለካዩም ነታ ሓያል መርከብ ውግእ ከም ዝነበረት ዚንገረላ ሰለስተ ተርታ መቕዘፊ ዘለዋ መርከብ ከም ዝመሃዛ፡ ገሊኦም ይገልጹ እዮም። ሰብ ኣቴና ነታ ሰለስተ ተርታ መቕዘፊ ዘለዋ መርከብ፡ ኣብቲ ብ480 ቅ.ክ. ንሓይሊ ባሕሪ ፋርስ ኣብ ሰላሚስ ዝሰዓሩሉ ወሳኒ ዓወት ተጠቒሞምላ እዮም።

እቲ ኣብ ሓደ እዋን ብዙሕ ንጥፈታት ዝነበሮ ወደብ፡ ሎሚ “ጸሊምን ጨዋምን ቀላያት” ኰይኑ ኣሎ። ቅድሚ ሓያሎ ዘመናት፡ ሓንቲ ኻብተን ኣብ መዲተራነያን ዚርከባ ዝዓበያ ወደባት ኣብኡ ምንባራ ዚሕብር ዋላ ሓንቲ ነገር የለን።

ቈረንቶስ ንክርስትያናት ጸገማት ኣምጽአት

መርሳታት ቈረንቶስ ኣብ ልዕሊ እቲ ንንግዳዊ ንጥፈታት ከም ወደብ ኰይነን ዚህባኦ ኣገልግሎት፡ ነቶም ተቐማጦ እታ ኸተማ ሓያል ጽልዋ ዜሕድራ ኣፍ ደገታት እውን ኰይነን ነይረን እየን። ብቐዳምነት፡ እዘን ወደባት እዚኣተን ንግድን ሃብትን ይስሕባ ነበራ። ቈረንቶስ ካብቲ ኻብ ወደብ እትረኽቦ ዝነበረት ልዑል ክፍሊት፡ ከምኡውን ካብቲ ጽዕነትን መራኽብን ብመሬት ብምጕዕዓዝ እትረኽቦ ዝነበረት ቀረጽ፡ ብዙሕ ሃብቲ ደለበት። ብዘይካዚ፡ ካብቲ ብመሬት ዚግበር ምጕዕዓዝ እውን ግብሪ ትስልዕ ነይራ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ሻውዓይ ዘመን ቅ.ክ.፡ መንግስቲ ኻብ ዕዳጋታት እታ ኸተማን ካብ ኣገልግሎት ወደባትን ዝኣከቦ ቐረጽ ኣዝዩ ብዙሕ ብምንባሩ፡ ካብ ዜጋታቱ ግብሪ ምእካብ ኣቋረጸ።

ቈረንቶስ ካብቶም ኣብኣ ዚጸንሑ ነጋዶ እውን ተወሳኺ ኣታዊ ትረክብ ነበረት። መብዛሕትኦም ኣብቲ ምሾት ዝበዝሖን ብዕሉግን ድግሳት ይሳተፉ ነበሩ። ባሕረኛታት እውን ናብ ቈረንቶስ ይውሕዙን የሀብትምዋን ነበሩ። ስትራቦ ኸም ዝገለጾ፡ ገንዘቦም ኣብኡ ይዘርዉ ነበሩ። ተቐማጦ እታ ኸተማ ድማ፡ ከም ጽገና መራኽብ ዝኣመሰለ ሓያሎ ኣገልግሎታት የቕርቡ ነበሩ።

ብግዜ ጳውሎስ፡ እታ ኸተማ 400,000 ዚኣኽሉ ተቐማጦ ኸም ዝነበርዋ እዩ ዚንገረላ፣ ስለዚ፡ ሮሜን እስክንድርያን ኣንጾክያ ናይ ሶርያን ጥራይ እየን ብብዝሒ ተቐማጦ ዚበልጻኣ ነይረን። ኣብታ ኸተማ፡ ግሪኻውያን፡ ሮማውያን፡ ሶርያውያን፡ ግብጻውያን፡ ከምኡውን ኣይሁድ ይነብሩ ነበሩ። ተጓዓዝቲ፡ በጻሕቲ ጸወታታት ኣትለቲክስ፡ ስነ-ጥበባውያን፡ ፈላስፋታት፡ ነጋዶ፡ ከምኡውን ካልኦት ሰባት ብወደባታ ኣቢሎም ብቐጻሊ ይውሕዙ ነበሩ። እዞም በጻሕቲ እዚኣቶም ነቲ ኣብኡ ዚርከብ ኣብያተ-መቕደስ ህያባት ይህቡ፡ ንኣማልኽቲ ድማ ይስውኡ ነበሩ። እዚ ዅሉ ንቈረንቶስ ውዕውዕትን ብልጽግትን ከተማ እኳ እንተ ገበራ፡ ሓደ ነገር ግን ኣኽፊልዋ እዩ።

እታ ኢን ዘ ስተፕስ ኦቭ ሰይንት ፖል ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “እታ ኣብ መንጎ ክልተ ወደባት እተደኰነት ቈረንቶስ፡ ክትራቐቕን ሕማቕ ኣመላት እቶም መራኽቦም ኣብ መርሳታታ ዘዕረፉ ጓኖት ኣህዛብ ክትወርስን ጀመረት” በለት። ምብራቓውያን ኰነ ምዕራባውያን ዝነበሮም ድኽመታትን ሕማቕ ኣመላትን ኣብታ ኸተማ ይተሓዋወስ ነበረ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ቈረንቶስ ብስነ-ምግባር ስለ እተበላሸወትን ፋሉል ስለ ዝዀነትን፡ ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ ካብ ኵሉ ዝገደደት ብዕልግትን ነውራምን ከተማ ዀነት። ኣነባብራ ሰብ ቈረንቶስ፡ ንዝሩግን ንርኹስን ዓይነት ህይወት ዚወሃብ መጸውዒ ዀነ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕረ-ንዋይን ርኽሰትን ንመንፈሳዊ ጥዕና ክርስትያናት ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ነበረ። ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ኣምላኽ ብዚቕበሎ ዓይነት ኣካይዳ ንምምልላስ፡ ማዕዳ የድልዮም ነበረ። ስለዚ ድማ፡ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ኣብ ዝለኣኸን መልእኽትታት ንስስዐን ንዘረፋን ንርኽሰትን ኣትሪሩ ዀነኖ። ነተን መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሰን መልእኽትታቱ ኸተንብብ ከለኻ፡ ነቲ ኣብኡ ዝነበሩ ክርስትያናት ዜጋጥሞም ዝነበረ ሕማቕ ጽልዋ ኽትግምቶ ትኽእል ኢኻ።—1 ቈረንቶስ 5:9, 10፣ 6:9-11, 18፣ 2 ቈረንቶስ 7:1

ኰይኑ ግን፡ ከተማ ቈረንቶስ ካብ እተፈላለዩ ቦታታት ንዝመጹ ሰባት ዝሓቘፈት ምንባራ፡ ረብሓታት ነይርዎ እዩ። እታ ኸተማ ብዙሕ ሓሳባት ዚውሕዘላ ቦታ እያ ነይራ። ተቐማጦኣ ካብተን ጳውሎስ ዝበጽሐን ካልኦት ከተማታት ዝሓሸ ሰፊሕ ኣረኣእያ ነበሮም። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ወሃብ ርእይቶ፡ “ኣብዛ ጥንታዊት ወደባዊት ከተማ፡ ምብራቕ ምስ ምዕራብ ይራኸብ ነበረ፣ እዚ ድማ ነቶም ተቐማጦኣ ናብ ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሓድሽ ሓሳብን ፍልስፍናን ሃይማኖትን የቃልዖም ነበረ” በለ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ኣብታ ኸተማ ሃይማኖታዊ ተጻዋርነት ነበረ፣ እዚ ድማ ነቲ ጳውሎስ ኣብኡ ዝገበሮ ስብከት ኣቀላጢፉሉ ኪኸውን ኣለዎ።

እተን ክልተ መርሳታት ቈረንቶስ፡ ማለት ክንክርኤስን ለካዩምን፡ ንብልጽግናን ዝናን እታ ኸተማ ኣበርክቶ ገይረን እየን። እዘን መርሳታት እዚኣተን እውን፡ ክርስትያናት ኣብ ቈረንቶስ ንምንባር ኣጸጋሚ ኸም ዚዀኖም ገይረን እየን። እዛ ሕጂ ዘላ ዓለምና እውን ተመሳሳሊት እያ። ከም ፍቕረ-ንዋይን ርኽሰትን ዝኣመሰለ ዜበላሹ ጽልዋታት፡ ፍርሃት ኣምላኽ ንዘለዎም ውልቀ-ሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ሓደገኛ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ዝሃቦም መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ማዕዳ ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ኣሎና።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

 ዲዮልኮስ—ጽዕነት መርከብ ብመሬት ምጕዕዓዝ

ኣብ ኣጋ መወዳእታ ሻውዓይ ዘመን ቅ.ክ.፡ መትረብ ንምስራሕ እተገብረ መደባት ምስ ፈሸለ፡ ገዛኢ ቈረንቶስ ዝነበረ ፐሪያንደር፡ ጽዕነት መርከብ ብስግር እቲ ኽሳድ መሬት ዚጐዓዓዘሉ ብብልሓት እተሰርሐ መገዲ ኣዳለወ። * እዚ ዲዮልኮስ ማለት “ጐቲትካ ምስጋር” ዝትርጕሙ መገዲ እዚ፡ ጸፋሕቲ ኣእማን እተነጽፎ መገዲ ዀይኑ፡ ኣብ ማእከሉ ስብሒ እተለቕለቐ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ሓዲድ ኣለዎ። ኣብ ሓዲኡ መርሳ ኻብ መርከብ እተራገፈ ጽዕነት፡ ኣብ ዓረብያታት ይጸዓን እሞ፡ ባሮት በቲ ሓዲድ ኣቢሎም ጐቲቶም ናብቲ ኻልእ ጫፍ የስግርዎ ነበሩ። ሓድሓደ ግዜ ንእስ ዝበላ መራኽብ ምስ ጽዕነተን ጐቲቶም የስግርወን ነበሩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 29 ብዛዕባ ኣሰራርሓ ዘመናዊ መትረብ ቈረንቶስ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 22 ታሕሳስ 1984 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 25-27 ዝወጸት፡ “መትረብ ቈረንቶስን ታሪኹን” እትብል ዓንቀጽ ርአ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ግሪኽ

ወሽመጥ ቈረንቶስ

ወደብ ለካዩም

ጥንታዊት ቈረንቶስ

ጰሎጶነስ

ክንክርኤስ

ክሳድ መሬት ቈረንቶስ

ወሽመጥ ሳሮን

ባሕሪ ኢዮንያ

ጽንፊ ማሊያ

ባሕሪ ኤጀያ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ መራኽብ ጽዕነት ብመትረብ ቈረንቶስ ይሓልፋ እየን

[ምንጪ ስእሊ]

Todd Bolen/Bible Places.com

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

መርሳ ለካዩም

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

መርሳ ክንክርኤስ