ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግዳያት ህቦብላ ሚያንማር ረዲኤት ረኸቡ

ግዳያት ህቦብላ ሚያንማር ረዲኤት ረኸቡ

ግዳያት ህቦብላ ሚያንማር ረዲኤት ረኸቡ

ብ2 ግንቦት 2008 ናርጊስ ዚበሃል ህቦብላ ንሚያንማር ኣዕነዋ፡ ኣህጉራዊ ዜና ኸኣ ዀነ። ብሰንኪ እቲ ህቦብላ ኣብ ከባቢ ደልታ ኢራዋዲ ምዕልቕላቕ ምስ ተፈጥረ፡ ዳርጋ 140,000 ዝዀኑ ሰባት ከም ዝሞቱ ወይ ሃለዋቶም ከም ዘይተረኽበ ተፈልጠ።

እቲ ዜገርም ግን፡ ካብቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዋላ ሓደ እተጐድአ ኣይነበረን። መብዛሕትኦም ካብቲ ሓደጋ ኺድሕኑ ዝኸኣሉ፡ ኣብቲ ብግቡእ እተሃንጸ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ስለ እተዓቝቡ እዩ። ኣብ ሓደ ኸባቢ፡ እቲ ምዕልቕላቕ ማይ 5 ሜተር ብራኸ ኣብ ዝበጽሓሉ ግዜ፡ 20 ናይ የሆዋ መሰኻኽርን 80 ደቂ እቲ ዓድን ኣብ ናሕሲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ደይቦም ንትሽዓተ ሰዓት ዚኣክል ጸንሑ። ኵሎም ድማ ድሒኖም እዮም። እቲ ዜሕዝን ግን፡ ኣብታ ዓዲ ዚነብሩ 300 ሰባት ሞይቶም እዮም። ኣብ ሓያሎ ዓድታት፡ ካብ ኵሉ ህንጻታት፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዘይዓነወ።

ድሕሪ እቲ ህቦብላ ኽልተ መዓልቲ ጸኒሑ፡ እቲ ኣብ ያንጎን ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብታ ኣብ ኣፍ ደልታ ኣብ ቦቲንጎን እትርከብ ጉባኤ፡ ጕጅለ ረድኤት ለኣኸ። እታ ጕጅለ ነቲ ዝዓነወ ኸባብን ንሰረቕትን ንዝጨነወ ሬሳን ሓሊፋ፡ ሩዝን ደረቕ ምግብን ማይን ሽምዓን ሒዛ ኣብ ቦቲንጎን በጽሐት። ናብቲ ኸባቢ ኻብ ዝመጹ ጕጅለ ረድኤት ድማ እቶም ናይ መጀመርታ እዮም ነይሮም። ነቲ ሒዞምዎ ዝመጹ ረድኤት ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ሃብዎም፡ ንኼተባብዕዎም ኢሎም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መደረ ኣቕረቡሎም፣ ኵሉ ንብረቶም ብሰንኪ እቲ ህቦብላ ስለ ዝጠፍአ ድማ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ዓደልዎም።

እቶም በቲ ህቦብላ እተጠቕዑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣረኣእያኦም ኣዝዩ ዜደንቕ ነበረ። ኣባል ሓንቲ ኣብ ከባቢ እቲ ዕንወት ዘጋጠሞ ኢራዋዲ እትርከብ ጉባኤ ኸምዚ በለ፦ “ኵሉ ንብረትና ጠፊኡ። ኵሉ ኣባይትና ዓንዩ። ኵሉ ኣእካልና በሪሱ። ኵሉ እቲ እንሰትዮ ማይ እውን በቲ ውሕጅ ተበኪሉ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ካልኦት ሰባት ኣይተጨነቑን። ኣብ የሆዋን ኣብ ውድቡን ተወከሉ። ኣብታ ዓዲ ኽንጸንሕ ወይ ናብ ካልእ ኽንከይድ ንዚወሃበና ዝዀነ ይኹን መምርሒ ኽንቅበሎ ኢና።”

ኵሉ ንብረቶም ዝሰኣኑ 30 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓጐስ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ እናዘመሩ ናብቶም ምግብን ክዳንን መዕቈብን ዚህብዎም ጕጅለ ረድኤት ንምብጻሕ ንዓሰርተ ሰዓት ተጓዕዙ። ኣብኡ ቕድሚ ምብጻሖም ግን፡ ኣብ ጥቓኦም ኣብ እትርከብ ሓንቲ ኸተማ፡ ኣኼባ ወረዳ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይካየድ ከም ዝነበረ ሰምዑ። መንፈሳዊ ምግቢ ንኺረኽቡን ምስ ክርስትያናት ኣሕዋቶም ንኺሓብሩን መጀመርታ ኣብቲ ኣኼባ ኺእከቡ ወሰኑ።

ኣብ ኵሉ እቲ ህቦብላ ዘጥቅዖ ኸባቢ፡ ካብ ኣባይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 35 ዓነወ፡ 125 ብኸፊል ተጐድአ፡ 8 ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ብመጠኑ ተጐድአ። እቲ ዜሐጕስ ግን መሳለጥያታት እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከቢድ ጕድኣት ኣይበጽሖን።

ኣብ ፈለማ ብሰሪ እቲ ህቦብላ ዝወደቐ ዓበይቲ ኣግራብ ነቲ መገዲ ስለ ዝዓገቶ፡ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚኣቱ ዀነ ኻብኡ ዚወጽእ ኣይነበረን። እቲ ህቦብላ ቝሩብ ዝግ ካብ ዚብል ሒደት ሰዓታት ጸኒሑ ግን፡ ልዕሊ 30 ኣባላት እቲ ጨንፈር ነቲ ኣግራብ ብኢዶም ኪኣልይዎ ጀመሩ። ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ሰባት ድማ ብምግራም ይርእይዎም ነበሩ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን፡ እተወሰና ኣሓት ዝሑል መስተን ፍረታትን ሒዘን መጻ፣ ነቶም ዚሰርሑ ዝነበሩን ነቶም ደንጽይዎም ዝነበረ ጐረባብትን ድማ ዓደላኦም። ሓደ ጋዜጠኛ ነዚ ምስ ረኣየ፡ “እዞም ብትግሃት ዚዓዩ ዘለዉ ሰባት እንታዎት እዮም፧” ኢሉ ሓተተ። መን ምዃኖም ምስ ነገርዎ ኸኣ፡ “ብዙሓት ሰባት ከምዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜርእይዎ ዘለዉ ዝኣመሰለ ናይ ሓቂ መንፈስ ምትሕብባር እንተ ዜርእዩስ መን ምሃበ!” በለ።

እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ረዲኤት ናብቶም ኣሕዋት ንኼብጽሑ፡ ውዓል ሕደር ከይበሉ ኣብ ክልተ ኽፍልታት እታ ሃገር ክልተ ኮሚተ ረዲኤት መስረቱ። ብኣማእታት ዚቝጸሩ ወለንተኛታት ኣብቲ ጕጅለ ረዲኤት ዓየዩ። ነቶም ኣባይቶም ዝዓነወ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ሓደስቲ ኣባይቲ ተሰርሓሎም። ኣባላት ሓንቲ ኻብቶም ጕጅለታት ረዲኤት ንሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ሓድሽ ቤት ኪሰርሑላ ምስ መጹ፡ ጐረባብታ ደንጽይዎም ይጥምትዎም ነበሩ። ሓንቲ ኻብቶም ጐረባብታ፡ “እዛ ናይ የሆዋ ምስክር ብቤተ ክርስትያና ቤታ ተሃንጸላ። ካብ ቡድሃውያን ፈተውተይ ኪሕግዘኒ ዝመጸ ግን የለን። ክትሰብከለይ ከላ ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ነበረኒ!” በለት።

ሰራሕተኛታት ህንጸትን ኮሚተ ረዲኤትን ኣብ ታንሊን ንሓንቲ ዳርጋ ዓንያ ዝነበረት ቤት ኪርእይዋ ምስ መጹ፡ እታ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ስድራ ቤት፡ “ቤትና ደሓን እዩ ዘሎ። ጸገም የለን፡ ኣብዚ ኽንነብር ንኽእል ኢና። ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቤት ዝበሃል እኳ የብሎምን። ኬድኩም ንዓታቶም ሓግዝዎም” ምስ በለቶም፡ ከብዶም በልዓቶም።

ኣብ ሓደ ኸባቢ ያንጎን፡ ገሊኦም ሰባት ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ሓደ ቤተ ክርስትያን፡ ኬዕቍቡ ኸዱ። ይኹን እምበር፡ እቲ ቤተ ክርስትያን ተዓጽዩ ስለ ዝነበረ ዋላ ሓደ ኺኣቱ ኣይከኣለን። እቶም ሰባት ኣዝዮም ተበሳጭዮም ነቲ ማዕጾ ሰይሮም ኪኣትዉ ደለዩ። ብኣንጻሩ ግን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ እዋን እቲ ህቦብላ ንሓያሎ ሰባት ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኬዕቍቡ ሓጊዞምዎም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ዳላ ኣብ እትርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ን20 ዝዀኑ ተስፋ ቘሪጾም ኬዕቍቡ ዝመጹ ጐረባብቶም ተቐቢሎምዎም እዮም። ንጽባሒቱ፡ እቶም ስድራ ቤታት ዚምለሱሉ ኣባይቲ ኣይነበሮምን፡ ጠምዮም ከኣ ነበሩ። እቲ ሰብኣይ፡ ሩዝ ዚሸይጥ ሰብ ረኸበ እሞ ንዅሎም እቶም ሰባት ኪምግብ ዚኽእል ዓደገ።

ኣብ ያንጎን ዚነብሩ ገሊኦም ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪዀኑ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግን ኣብ እተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያናት እዮም ዚካፈሉ። ድሕሪ እቲ ህቦብላ፡ ኵሎም ኣባላት እታ ስድራ ቤት ናብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባ መጹ። ስለምንታይ፧ ሓንቲ ኣባል እታ ስድራቤት፡ “ቤተ ክርስትያንና ድሕሪ እቲ ህቦብላ ኪበጽሑና ምዃኖም ነጊሮምና እኳ እንተ ነበሩ፡ ቅልቅል ግን ኣይበሉን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እዮም መጺኦም። ንስኻትኩም ሩዝን ማይን ሂብኩምና። ካብተን ካልኦት ኣብያተ ክርስትያናት እተፈለኹም ኢኹም” በለት። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ኣባላት እታ ስድራ ቤት፡ “የሆዋ ኣውያትና ይሰምዕ” ኣብ ዘርእስቱ ዓንቀጽ ግምቢ ዘብዐኛ ምይይጥ ኪግበር ከሎ፡ ባህ ኢልዎም ብዙሕ ሓሳብ ሂቦም እዮም።

ሓንቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ እተጽንዕ ዝነበረት ሰበይቲ፡ ድሕሪ እቲ ህቦብላ ሰሙን ጸኒሓ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ መጸት። ኣብቲ ኣኼባ፡ ነቶም ካብቲ ህቦብላ ዝደሓኑ ንምሕጋዝ እንታይ ከም እተገብረ እትገልጽን ብዛዕባኦም ዘዘንቱ ተመክሮታት እትነግርን ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እተላእከት ደብዳበ ተነበት። እታ ደብዳበ ኽትንበብ ከላ እታ ሰበይቲ ኽትበኪ ጀመረት። ኵሎም እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደሓን ምህላዎም ምስ ሰምዐት፡ ኣዝዩ ገሪምዋ ተሓጐሰት። ድሕሪዚ፡ ረዲኤት ተዋህባ፡ ኣብ ጥቓ ቤታ ኸኣ ድንኳን ተሰርሓላ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓቂ ኸም እተኸናኸንዋ ገለጸት።

የሱስ፡ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃ. 13:35) ወደ መዝሙር ያእቆብ ከኣ ናይ ሓቂ እምነት ብሰናይ ግብሪ ኸም እትስነ ኣጕልሐ። (ያእ. 2:14-17) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዘን ቃላት እዚኣተን ኣርዚኖም ስለ ዚርእይወን፡ ነቶም እተሸገሩ ብምሕጋዝን ብምድጋፍን ከምዚኣ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ኼርእይዎም ይጽዕሩ እዮም።

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ እምነት ብሰናይ ግብሪ ኸም እትስነ ይገልጽ