ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጸገማትካ ኻብ ኣምላኽ ዝወረደ መቕጻዕቲ ድዩ፧

ጸገማትካ ኻብ ኣምላኽ ዝወረደ መቕጻዕቲ ድዩ፧

ጸገማትካ ኻብ ኣምላኽ ዝወረደ መቕጻዕቲ ድዩ፧

ሓንቲ ኣብ መፋርቕ 50ታት ዕድሚኣ እትርከብ ሰበይቲ፡ ሕማም መንሽሮ ኸም ዘለዋ ምስ ፈለጠት፡ “ዝቕጻዕ ዘለኹ ዀይኑ እዩ ዝስምዓኒ” በለት። ብዛዕባ እቲ ቕድሚ ዓመታት ዝገበረቶ ሕማቕ ተግባራት እናሓሰበት፡ “እዚ፡ ሓጢኣት ከም ዝፈጸምኩ፡ ኣምላኽ ንዓይ ዚነግረሉ መገዲ እዩ” ኢላ ደምደመት።

ብዙሓት ሰባት ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበርዎ ሕማቕ ነገራት ኣምላኽ ዚቐጽዖም ዘሎ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ሃንደበታዊ ብዝዀነ ሽግራት ኪወሓጡ ኸለዉ፡ “ስለምንታይ ንዓይ ከምዚ ይበጽሓኒ፧ እንታይ እየ ገይረ፧” ኢሎም ኪቝዝሙ ይስምዑ ይዀኑ። ጸገማት የጋጥመና ምህላዉ፡ ኣምላኽ ከም ዘይተሓጐሰልና ዜመልክት ጌርና ኽንድምድም ኣሎናዶ፧ እቲ ዜጋጥመና ጸገማት ብሓቂ ኻብ ኣምላኽ ዝወረደ መቕጻዕቲ ድዩ፧

እሙናት ኣምለኽቲ መከራ ኣጋጢምዎም

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ እዮብ ዚበሃል ሰብኣይ እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ። ብሃንደበት ዝነበሮ ሃብቲ ሰኣነ። ቀጺሉ፡ ብርቱዕ ህቦብላ ንዓሰርተ ደቁ ቐተሎም። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ዜማስንን ዜፈንፍንን ሕማም ሓመመ። (እዮብ 1:13-19፣ 2:7, 8) እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት፡ “ኢድ ኣምላኽ ወቒዓትኒ” ኸም ዚብል ገበሮ። (እዮብ 19:21) ልክዕ ከምቶም ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ዚስምዖም፡ ኣምላኽ ዚቐጽዖ ዘሎ ዀይኑ እዩ ተሰሚዕዎ ነይሩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ግን እዮብ ፈተናታት ቅድሚ ምሕላፉ፡ ኣምላኽ ባዕሉ ንእዮብ፡ “ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፉእ ዚርሕቕን ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ” ኢሉ ኸም ዝጸውዖ ይገልጸልና እዩ። (እዮብ 1:8) ካብዚ ኣገላልጻ እዚ ኸም እንርድኦ፡ እቲ እዮብ ዘጋጠሞ ሽግራት፡ ካብ ኣምላኽ ዝወረደ መቕጻዕቲ ኸም ዘይኰነ ንጹር እዩ።

ከም ሓቂ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ነቶም ቅኑዓት ውልቀ-ሰባት ዘጋጠሞም መከራ ዚገልጽ ብዙሕ ጸብጻባት ሒዙ ኣሎ። ዮሴፍ እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ እኳ እንተ ነበረ፡ ንዓመታት ግን ፍትሓዊ ብዘይኰነ መገዲ ተኣሲሩ እዩ። (ዘፍጥረት 39:10-20፣ 40:15) እቲ እሙን ክርስትያን ዝነበረ ጢሞቴዎስ ከኣ ‘ዚመላለሶ ሕማም’ ነበሮ። (1 ጢሞቴዎስ 5:23) እቲ ፈጺሙ ሓጢኡ ዘይፈልጥ የሱስ ክርስቶስ እውን ከይተረፈ፡ ብጭካነ ተገፊዑን ብዜሰቅቕ መገዲ ሞይቱን እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:21-24) ስለዚ፡ ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ኣምላኽ ከም ዘይተሓጐሰልካ ጌርካ ምድምዳም ጌጋ እዩ። ኣምላኽ በቲ ዜጋጥመና ሽግራት ተሓታቲ እንተ ዘይኰይኑ ደኣ፡ መን እዩ ተሓታቲ፧

ጠንቂ ጸገማትና

ጠንቂ እቲ እዮብ ዘጋጠሞ መከራ፡ ሰይጣን ድያብሎስ ምዃኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። (እዮብ 1:7-12፣ 2:3-8) ብተወሳኺ፡ “ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና፡ ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ፡ ወይለኹም” ኪብል ከሎ፡ ቀንዲ ምንጪ እቲ ሎሚ ዜጋጥመና ዘሎ ጸገማት፡ ሰይጣን ምዃኑ እዩ ዚገልጽ። (ራእይ 12:12) “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኸም ምዃኑ መጠን፡ ንሓያሎ ሰባት ኣብቲ ብዙሕ ስቓይን ጓሂ ልብን ዜስዕብ እኩይ ተግባራት ንኺካፈሉ ጽልዋ ይገብረሎም እዩ።—ዮሃንስ 12:31፣ መዝሙር 37:12, 14

ይኹን እምበር፡ ድያብሎስ ብዅሉ እቲ ዜጋጥመና ጸገማት ተሓታቲ ኸም ዝዀነ ጌርና ንምኽሳስ ክንህወኽ የብልናን። ብሰንኪ እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን፡ ጕድኣት ዜስዕበልና ዘይጥበባዊ ውሳነ ንገብር ኢና። (መዝሙር 51:5፣ ሮሜ 5:12) ንኣብነት፡ ብዛዕባ ሓደ ፈትዩ ብግቡእ ዘይምገብን እኹል ዕረፍቲ ዘይረክብን ሰብ እሞ ሕሰብ። ብሰንኪ እዚ፡ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም እንተ ኣጋጢምዎ፡ ንሰይጣን ተሓታቲ ኺገብሮ ኣለዎዶ፧ ኣይፋሉን። እቲ ሰብ እቲ ብሰንኪ እቲ ዝገበሮ ሕማቕ ውሳነ ጥራይ እዩ መሪር ሳዕቤን ዓጺዱ። (ገላትያ 6:7) ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳሌ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኪገልጽ ከሎ፡ “ሰብ ብዕሽነቱ መገዱ ይገላብጥ” ይብል።—ምሳሌ 19:3

ብተወሳኺ፡ “ጊዜን ኣጋጣምን” ብሰንኪ ዜምጽኦ ነገራት ብዙሕ ባህ

ዘየብል ኵነታት ከም ዜጋጥም ከነስተውዕል ኣሎና። (መክብብ 9:11) ብሃንደበት ዝናም ዝወቕዖ ሰብ እሞ ሕሰብ። እንተ ቝሩብ ኪጥልቂ ወይ ምሉእ ብምሉእ ኪጥስጥስ፡ እቲ ዝነበሮ ቦታ ወሳኒ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብዚ “ኽፉእ ዘመን” እዚ፡ ሕማቕ ኵነታት ቀልጢፉ መከራ ኼምጽእ ይኽእል እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ብውልቂ ማዕረ ኽንደይ በቲ ነገር ከም እንትንከፍ ዚውስኖ፡ ግዜን ኵነታትን እዩ፣ ነዚ ኸኣ ክንቈጻጸሮ ኣይንኽእልን ንኸውን። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ ኵሉ ግዜ መከራ እናኣጋጠመና ኽንነብር ኢና ማለት ድዩ፧

ኵሉ መከራ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኬብቅዕ እዩ

እቲ ዜሐጕስ፡ የሆዋ ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ እዋን ንዅሉ መከራ ኼወግዶ እዩ። (ኢሳይያስ 25:8፣ ራእይ 1:3፣ 21:3, 4) እዚ ኽሳዕ ዚኸውን ግን፡ የሆዋ፡ ሎሚ ነቲ ኣብ ቅድሜና ተዘርጊሑልና ዘሎ ዜደንቕ መጻኢ እናኣማዕደና ፈተናታት ንኽንጻወር ዜኽእለና ‘ንምህሮናን ንምጽንናዕን ዚኸውን ጽሑፋት’ ብምሃብ፡ ብዛዕባና ኸም ዚሓሊ ኣርእዩ እዩ። (ሮሜ 15:4፣ 1 ጴጥሮስ 5:7) ኣብቲ እዋን እቲ፡ እቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዓት ዚዀኑ ሰባት፡ ካብ ዝዀነ ይኹን መከራ ናጻ ዀይኖም ኣብ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።—መዝሙር 37:29, 37

ሓሲብካ ትፈልጥዶ፧

እኩያት ጥራይ ድዮም ጸገማት ዜጋጥሞም፧—እዮብ 1:8

ንዅሉ ጸገማትና ተሓታቲ ሰይጣን ድዩ፧—ገላትያ 6:7

ጸገማት ከም ዘለዎ ኪቕጽል ድዩ፧—ራእይ 21:3, 4

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

“ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም።”—መክብብ 9:11