ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓድሽ ልደት ብብሕቲ ዚግበር ውሳነ ድዩ፧

ሓድሽ ልደት ብብሕቲ ዚግበር ውሳነ ድዩ፧

ሓድሽ ልደት ብብሕቲ ዚግበር ውሳነ ድዩ፧

ንሰብ ሓድሽ ልደት ከም ዚረክብ ዚገብሮ መን እዩ፧ ገሊኦም ሰበኽቲ ንሰማዕቶም፡ ዳግማይ እተወልዱ ክርስትያናት ኪዀኑ ኺምሕጸንዎም ከለዉ፡ “ካልኣይ ክትውለዱ ብግዲ እዩ” ዚብል ቃላት የሱስ ይጠቕሱ። (ዮሃንስ 3:7 ትርጕም 1990) እዞም ሰበኽቲ እዚኣቶም፡ ነዘን ቃላት እዚኣተን ከም ትእዛዝ ገይሮም ይጥቀሙለን እዮም፣ ብኻልእ ኣበሃህላ “ዳግማይ ተወለዱ!” ኢሎም ይዛረቡ እዮም። ስለዚ፡ ነቲ የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ ምሕላውን ሓድሽ ልደት ንምርካብ ዜድሊ ስጕምትታት ምውሳድን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ዚምርኰስ ምዃኑ ይሰብኩ። ብመሰረት እዚ ኣተሓሳስባ እዚ፡ ሓድሽ ልደት ብብሕትኻ እትገብሮ ምርጫ እዩ። እዚ ግን ምስቲ የሱስ ንኒቆዶሞስ ዝነገሮ ነገር ዚሰማማዕ ድዩ፧

ቃላት የሱስ ተጠንቂቕና ምስ እነንብቦ፡ ሓደ ሰብ ዳግማይ ኪወለድ ወይ ከይውለድ ባዕሉ ኺመርጽ ከም ዘይክእል ይሕብረና። ከመይ ጌርና ኸምኡ ኽንብል ንኽእል፧ እታ፡ “ካልኣይ ጊዜ እንተ ዘይተወልደ” ኢላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ መግለጺት፡ “ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። * ስለዚ፡ ብመሰረት እዚ ኣተራጕማ እዚ፡ እቲ ሓድሽ ልደት “ካብ ላዕሊ፡” ማለት ካብ ሰማይ ወይ ‘ካብ ኣቦ’ እዩ ዚርከብ። (ዮሃንስ 19:11፣ ያእቆብ 1:17) እወ፡ ኣምላኽ እዩ ኻልኣይ ከም እትውለድ ዚገብር።—1 ዮሃንስ 3:9

ነታ፡ “ካብ ላዕሊ” እትብል መግለጺት ኣብ ኣእምሮና እንተ ሒዝና፡ ሓደ ሰብ ባዕሉ ሓድሽ ልደት ኪረክብ ዘይክእለሉ ምኽንያት ንኽንርድኦ ኣይከብደናን እዩ። ብዛዕባ ስጋዊ ልደት እሞ ሕሰብ። ብምርጫኻ ዲኻ ተወሊድካ፧ ኣይኰነን! ሳላ ኣቦኻ ኢኻ ኽትውለድ ክኢልካ። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ ኣምላኽ ሓድሽ ልደት ከም እንረክብ እንተ ዘይገይሩ፡ ዳግማይ ክንውለድ ኣይንኽእልን ኢና። (ዮሃንስ 1:13) ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ብብዝኂ ምሕረቱ ብሓድሽ ልደት ውሉድ ዝገበረና ኣምላኽ፥ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይመስገን” ኪብል እምበኣር ሓቁ እዩ።—1 ጴጥሮስ 1:3 ትርጕም 1990።

ትእዛዝ ድዩ፧

ገሊኦም ሰባት ግን፡ ‘ሓደ ሰብ ዳግማይ ንኺውለድ ባዕሉ ኺውስን ዘይክእል እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ ደኣ እዩ የሱስ፡ “ካልኣይ ክትውለዱ ብግዲ እዩ” ዝበለ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። እዚኣ ጽብቕቲ ሕቶ እያ። ቃላት የሱስ ትእዛዝ እንተ ዀይኑ፡ ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ ዝዀነ ነገር ክንገብር ኣዚዙና ማለት ምዀነ። እዚ ርትዓዊ ኣይመስልን እዩ። ነተን፡ “ካልኣይ ክትውለዱ ብግዲ እዩ” ዚብላ ቓላት ደኣ እሞ ብኸመይ ኢና ኽንርድአን ዘሎና፧

ነታ ሓረግ በቲ በዅሪ እተጻሕፈትሉ ቛንቋ ተጠንቂቕና ምስ እንምርምራ፡ ብመልክዕ ትእዛዝ ከም ዘይተዘርበት ክንርኢ ንኽእል ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብመልክዕ መግለጺ እያ ተዘሪባ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ የሱስ፡ “ካልኣይ ክትውለዱ ብግዲ እዩ” ኺብል ከሎ፡ ሓደ ሓቂ እዩ ዚገልጽ ነይሩ ደኣ እምበር፡ ትእዛዝ ኣይኰነን ዚህብ ነይሩ። “ካብ ላዕሊ ኽትውለዱ ብግዲ እዩ” በለ።—ዮሃንስ 3:7

ነዚ ኣብ መንጎ ትእዛዝን መግለጽን ዘሎ ፍልልይ ንምብራህ፡ ነዚ ዚስዕብ ምሳሌ እሞ ሕሰበሉ። ንሓንቲ እተፈላለየ ኣብያተ-ትምህርቲ ዘለዋ ኸተማ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ሓንቲ ኻብተን ኣብያተ-ትምህርቲ ነቶም ካብታ ኸተማ ርሒቖም ዚነብሩ ደቀባት እትኸውን ቤት ትምህርቲ እያ። ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ኻብቶም ደቀባት ዘይኰነ መንእሰይ ንርእሰ-መምህራን እታ ቤት ትምህርቲ፡ “ኣብ ቤት ትምህርትኹም ክምዝገብ እደሊ እየ” በሎ። እቲ ርእሰ-መምህራን ከኣ፡ “ንኽትምዝገብ፡ ወደባት ክትከውን ኣሎካ” ኢሉ መለሰሉ። እዚ ርእሰ-መምህራን እዚ ትእዛዝ ኣይኰነን ዚህቦ ዘሎ። “ወደባት ኩን!” ኣይኰነን ዚብሎ ዘሎ። ናብታ ቤት ትምህርቲ ንኺኣቱ ዜድልዮ ብቕዓታት እዩ ዚገልጸሉ ዘሎ። ብተመሳሳሊ፡ የሱስ፡ “ካልኣይ ክትውለዱ ብግዲ እዩ” ኺብል ከሎ፡ ‘ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው’ ዜድሊ ብቕዓት ጥራይ እዩ ዚገልጽ ነይሩ።

መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ሓድሽ ልደት ትተኣሳሰር እያ። ‘ዕላማ ሓድሽ ልደት እንታይ እዩ፧’ ንዚብል ሕቶ ድማ መልሲ ትሕብር እያ። መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ምፍላጥና፡ ዳግማይ ልደት እንታይ ማለት ምዃኑ ብልክዕ ንኽንርድኦ ዚሕግዝ ወሳኒ ነገር እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 3 እተፈላለየ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ንዮሃንስ 3:3 በዚ መገዲ እዚ ተርጒምዋ ኣሎ። ንኣብነት፡ ብ1956 እተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ፡ “ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ” ይብል።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መንጎ ሓድሽ ልደትን ስጋዊ ልደትን እንታይ ምምስሳል ኣሎ፧