ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ምሕረት ተማህረ

ብዛዕባ ምሕረት ተማህረ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

ብዛዕባ ምሕረት ተማህረ

ዮናስ ንኺሓስብ እኹል ግዜ ነይርዎ። ልዕሊ 800 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ጕዕዞ ኺገብር ነበሮ፣ ነዚ ድማ ብእግሩ ኺጐዓዞ ስለ ዝነበሮ፡ ሓደ ወርሒ፡ ምናልባት እውን ካብኡ ንላዕሊ ዚወስድ እዩ ነይሩ። ፈለማ፡ ካብቲ ዝሓጸረ መገዲ ወይ ካብቲ ብዙሕ ሓደጋ ዘይብሉ መገዲ ሓዲኡ ኺመርጽ፡ ድሕሪኡ ስንጭሮታትን ኣኽራንን ጥሒሱ ኺጐዓዝ ነበሮ። ወሰነ ወስን እቲ ሰፊሕ ምድረ-በዳ ሶርያ ኪጐዓዝ፡ ከም ኤፍራጥስ ዝበለ ብርቱዕ ኣፍላጋት ኪሰግር፡ ኣብ ሶርያን መሰጶታምያን ኣሶርን ኣብ ዚርከብ ከተማታትን ኣቝሻትን ድማ ምስ ጓኖት ተጸጊዑ ኺሓድር ነበሮ። መዓልትታት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን፡ ብዛዕባ እታ ምስ ነፍሲ ወከፍ ስጕሚ ናብኣ እናቐረበ ዚኸይድ ዝነበረ ኣዝያ ዘፍርሃቶ ኸተማ ነነዌ ሓሰበ።

ዮናስ ብርግጽ ዝፈለጦ ሓደ ነገር እንተ ኣልዩ፡ ካብዚ ዕዮ እዚ ኺሃድም ዘይክእል ምዃኑ እዩ። ነዚ ኣቐዲሙ ፈቲንዎ ነይሩ። ናብታ ደጀን ኣሶራውያን ዝዀነት ከተማ ኸይዱ መልእኽቲ ኼብጽሕ የሆዋ ምስ መዘዞ፡ ብኡንብኡ ናብ ኣንጻሩ ኣንፈት ገጻ ኣብ እትጐዓዝ መርከብ ተሰቒሉ ነይሩ። የሆዋ ህቦብላ ንፋስ ሰደደ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ዮናስ ብሰንኪ ዘይምእዛዙ፡ ንህይወት እቶም ኣብታ መርከብ ዚርከቡ ዅሎም ለኪምዎም ኪጠፍእ ከም ዚኽእል ፈለጠ። ነቶም ተባዓት ባሕረኛታት ምእንቲ ኼድሕኖም ኢሉ፡ ናብ ባሕሪ ኺድርብይዎ ነገሮም። ሰጋእ መጋእ እናበሉ ኸምቲ ዝበሎም ገበሩ፣ ንሱ እውን ኣኺልዎ ዚመውት መሲልዎ ነይሩ። የሆዋ ግን ንዮናስ ዚውሕጥ ዓብዪ ዓሳ ኣዳለወ። እቲ ዓሳ ድማ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ብዘይ ገለ ጕድኣት ናብ ገምገም ባሕሪ ኣብጸሖ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዮናስ በቲ ዘጋጠሞ ተደኒቑን ብዝያዳ ምእዙዝ ኰይኑን ነበረ። *ዮናስ ምዕራፍ 1, 2

የሆዋ ንዮናስ ናብ ነነዌ ኪኸይድ ካልኣይ ግዜ ምስ ኣዘዞ፡ እቲ ነብዪ ብተኣዛዝነት ናብ ምብራቕ ገጹ ነዊሕ ጕዕዞ ገበረ። (ዮናስ 3:1-3) እንተዀነ ግን፡ ካብቲ የሆዋ ዝሃቦ ተግሳጽ ብዝረኸቦ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ተቐዪሩዶ፧ ንኣብነት፡ ኪጥሕል ከሎ ኣድሒንዎ፡ ብሰንኪ እቲ ዘርኣዮ እብያ ኣይቀጽዖን፡ ዕዮኡ ንኺፍጽም ከኣ ካልኣይ ዕድል ሂብዎ እዩ፣ በዚ ኸምዚ የሆዋ ምሕረት ገይሩሉ እዩ። ድሕሪ እዚ ዅሉ ነገራት እዚ፡ ዮናስ ንኻልኦት ምሕረት ምግባር ተማሂሩዶ፧ ዘይፍጹማት ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ንምሕረት ቀልጢፎም ኣይመሃርዋን እዮም። ካብቲ ንዮናስ ዘጋጠሞ፡ እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

መልእኽቲ ፍርድን ዜደንቕ ምላሽን

ዮናስ ንነነዌ ኸምቲ የሆዋ ገይሩ ዚርእያ ኣይኰነን ርእይዋ። “ነነዌ ግና ኣዝያ ዓባይ ከተማ . . . እያ” ዚብል ነንብብ። (ዮናስ 3:3) ኣብ መጽሓፍ ዮናስ፡ የሆዋ ንነነዌ “ዓባይ ከተማ” ኢሉ ኸም ዝጸውዓ ሰለስተ ሳዕ ተመዝጊቡ ኣሎ። (ዮናስ 1:2፣ 3:2፣ 4:11) እዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዓባይ ወይ ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

ነነዌ ሓንቲ ኻብተን ኒምሮድ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ዝደኰነን ቀዳሞት ከተማታት ብምዃና፡ ጥንታዊት እያ ነይራ። ምስተን ምስኣ ለጊበን ዚርከባ እተፈላለያ ኸተማታት ሓዊስካ፡ ኣዝያ ሰፋሕ ከተማ ስለ ዝነበረት፡ ካብ ሓደ ጫፋ ናብ ካልእ ጫፋ ብእግሪ ንምኻድ ሰለስተ መዓልቲ ይወስድ ነበረ። (ዘፍጥረት 10:11፣ ዮናስ 3:3) ዓበይቲ ኣብያተ-መቕደስ፡ ድልዱል መካበብያ፡ ካልእ ዓበይቲ ህንጻታት እውን ስለ ዝነበራ፡ እተደንቕ እያ ነይራ። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ኣገዳሲት ዝገበራ ግን፡ እዚ ዅሉ ረቛሒታት ኣይኰነን። ንዕኡ ዜገድሶ ዝነበረ፡ እቶም ሰባት እዮም ነይሮም። ነነዌ ኣብቲ ግዜ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ነበራ። ብዙሕ ክፍኣት ይገብሩ እኳ እንተ ነበሩ፡ የሆዋ ግን ይሓልየሎም ነበረ። ህይወት ሰብ ኣኽቢሩ እዩ ዚርኢ፣ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ንኺንሳሕን ቅኑዕ ምግባር ንኺመሃርን ተኽእሎ ኸም ዘለዎ እውን ይፈልጥ እዩ።

ዮናስ ኣብ መወዳእታ ናብ ነነዌ ምስ በጽሐ፡ እቲ ልዕሊ 120,000 ዚኣክል ብዝሒ ህዝባ ዝያዳ ኣፍሪህዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። * ምናልባት መልእኽቱ ንምዝርጋሕ ዚምሽእ ማእከላይ ቦታ ንምርካብ ኢሉ፡ ናብ ማእከል እታ ሓሰኽሰኽ እትብል ዝነበረት ከተማ ንምብጻሕ ምሉእ መዓልቲ እዩ ተጓዒዙ። ነዞም ሰባት እዚኣቶም ብኸመይ እዩ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉሎም፧ ቋንቋ ኣሶራውያን ይኽእልዶ ነይሩ እዩ፧ ወይ የሆዋ ብተኣምር ገይሩ ነዚ ኽእለት እዚ ሂብዎ ድዩ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኣይንፈልጦን ኢና። ምናልባት ዮናስ ንመልእኽቱ በቲ ኣብ ዓዱ ዚዝረብ እብራይስጢ እናተዛረበ፡ ብኣስተርጓሚ ገይሩ ናብ ሰብ ነነዌ ኣመሓላሊፍዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ መልእኽቱ ሓጺርን ብሰባት ዘይፍቶን እዩ ነይሩ፣ “ነነዌ ኣርብዓ መዓልቲ ጸኒሓ ኽትግምጠል እያ” ኢሉ ኣወጀ። (ዮናስ 3:4) ብትብዓት ደጋጊሙ ኣወጀ። ከምኡ ብምግባሩ፡ ዜደንቕ ትብዓትን እምነትን ኣርኣየ፣ ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ እዘን ባህርያት እዚኣተን የድልያኦም እየን።

ዮናስ ኣቓልቦ ሰብ ነነዌ ሰሓበ። ተጻብኦን ተቓውሞን ኬጋጥሞ ኸም እተጸበየ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡ ግን፡ ሓደ ዜደንቕ ነገር ኣጋጠሞ። እቶም ህዝቢ ሰምዕዎ! ቃላቱ ኸም ባርዕ ናብ ኵሉ ተላብዐ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ብምልእታ እታ ኸተማ፡ ብዛዕባ እቲ ዮናስ እተነበዮ ጥፍኣት ክትዘራረብ ጀመረት። ብዛዕባ እዚ፡ ዮናስ ዝጸሓፎ ጸብጻብ ከምዚ ይብል፦ “ሰብ ነነዌ ኸኣ ንኣምላኽ አመኑ፡ ጾም ድማ አወጁ፡ ካብ ዓበይቶም ክሳዕ ንእሽቱኦምውን ክሻ ተኸድኑ።” (ዮናስ 3:5) ኵሎም ሃብታማትን ድኻታትን፡ ብርቱዓትን ድኹማትን፡ ንኣሽቱን ዓበይትን ናይ ንስሓ መንፈስ ኣርኣዩ። እዚ ወረ እዚ ናብ እዝኒ እቲ ንጉሶም በጽሐ።

እቲ ንጉስ እውን ንኣምላኽ ፈርሆ። ካብ ዝፋኑ ተንስአ፡ ባርኖሱ ቐንጠጠ፡ ከምቲ ህዝቡ ዚኽደንዎ ዝነበሩ ዓይነት ሓርፋፍ ክዳን ተኸድነ፡ “ኣብ ሓሙዅስቲ ድማ ተቐመጠ።” ምስ “ዓበይቶም” ወይ መኳንንቶም ብሓባር ኰይኑ፡ ነቲ እቶም ህዝቢ ብውልቆም ዝጀመርዎ ጾም፡ ሃገራዊ ኣዋጅ ከም ዚኸውን ገበሮ። ኵሎም ሰባት፡ እንተላይ እንስሳታት ዘቤት ክሻ ኪኽደኑ ኣዘዘ። * ህዝቡ ብእከይን ብዓመጽን ይመላለሱ ኸም ዝነበሩ ብትሕትና ተኣመነ። እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንንስሓኦም ርእዩ ምሕረት ኪገብረሎም ከም ዚኽእል ተስፋኡ ኺገልጽ ከሎ ድማ፡ “ኣምላኽ እንተ ተመልሰን እንተ ተጣዕሰን፡ ንሕና ኸይንጠፍእ ከኣ ካብ ጕሁር ቍጥዓኡ እንተ ተመልሰ፡ መን ይፈልጥ፧” በለ።—ዮናስ 3:6-9

ገሊኦም ሓያስያን፡ ሰብ ነነዌ ቐልጢፎም ከምዚ ዓይነት ልባዊ ለውጢ ምግባሮም፡ ብዓይኒ ጥርጣረ ይርእይዎ እዮም። ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ ግን ከምዚ ዓይነት ምንቅስቓስ እተገብረ፡ ብሰንኪ እቲ እቶም ህዝቢ ዝነበሮም ማሪታዊ እምነታት ወይ ተለዋዋጢ ባህርይ ዘይምዃኑ ይገልጹ እዮም። ዝዀነ ዀይኑ፡ ጸኒሑ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ንንስሓ ሰብ ነነዌ ጠቒስዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 12:41) ነቲ ፍጻመታት እቲ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ስለ ዝረኣዮ፡ ብዛዕባ ዚፈልጦ ነገር እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (ዮሃንስ 8:57, 58) የሆዋ ግን ንስሓ ሰብ ነነዌ ምስ ረኣየ፡ እንታይ እዩ ገይሩ፧

ኣብ መንጎ ምሕረት ኣምላኽን ድርቅና ሰባትን ዘሎ ፍልልይ

ጸኒሑ ዮናስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ኣምላኽ ከአ ካብ እኩይ መገዶም ከም እተመልሱ፡ ግብሮም ረአየ፡ ኣምላኽውን ነቲ ኼውርደሎም ኢሉ እተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ፡ ኣይገበሮን ከኣ።”—ዮናስ 3:10

ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ነነዌ ኼውርዶ ዝሓሰቦ ፍርዲ፡ ጌጋ ምዃኑ ወሲኑ ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ፡ “ኵሉ መገዱ ፍርዲ [“ፍትሒ፡” NW] እዩ እሞ፡ . . . ግብሩ ፍጹም እዩ፡ ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ” ይብል። (ዘዳግም 32:4) የሆዋ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ነነዌ ነዲዱ ዝነበረ ጽድቃዊ ቝጥዓኡ ኣዝሓሎ። እቶም ሰባት ከም እተለወጡ ረኣየ፡ ኬውርደሎም ሓሲቡ ዝነበረ መቕጻዕቲ ድማ ድሕሪ ደጊም ከም ዘይግብኦም ተገንዘበ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽ ምሕረቱ ኼርእዮም ወሰነ።

የሆዋ ኸምቲ ብዙሕ ግዜ ብመራሕቲ ሃይማኖት ዚግለጽ ዓይነት ደረቕን ንሕስያ ዘይብሉን ተሪርን ኣምላኽ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ሚዛናውን ልዙብን መሓርን ኣምላኽ እዩ። እኩያት ከምቲ ሰብ ነነዌ ዝገበርዎ ገይሮም ኪንስሑን መገዶም ኪቕይሩን ስለ ዚህንጠ፡ ኣብ ልዕሊኦም መቕጻዕቲ ኼውርድ ኣብ ዚውስነሉ እዋን፡ ፈለማ ኣብ ምድሪ ብዚርከቡ ወኪላቱ ኣቢሉ መጠንቀቕታ ይህብ እዩ። (ህዝቅኤል 33:11) የሆዋ ንነብዪ ኤርምያስ፡ “ሓደ ጊዜ ብናይ ህዝብን ብናይ መንግስትን ክምንቍስን ከፍርስን ከጥፍእን እዛረብ አሎኹ። እቲ እተዛረብኩሉ ህዝቢ ኻብ እከዩ እንተ ተመልሰ ግና፡ ኣነ ኸኣ ነቲ ንእኡ ኽገብሮ ኢለ ዝሐሰብክዎ እኩይ እጥዐሰሉ እየ” ኢሉ ነገሮ።—ኤርምያስ 18:7, 8

እሞኸ ዮናስ እተነበዮ ትንቢት ናይ ሓሶት ድዩ ነይሩ፧ ኣይኰነን፣ ከም መጠንቀቕታ ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ሰብ ነነዌ ብሰንኪ እቲ እኩይ መገዶም እዩ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም፣ ነቲ መገዶም ድማ ቀየሩ። ናብቲ እኩይ መገዶም እንተ ዚምለሱ ኸኣ፡ ፍርዲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኦም ምተፈጸመ። ጸኒሑ ድማ ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎም።—ጸፎንያስ 2:13-15

ዮናስ ኣብቲ እተጸበዮ እዋን ጥፍኣት ብዘይምምጻኡ ኸመይ ተሰሚዕዎ፧ “ግናኸ እዚ ንዮናስ ኣዝዩ ኣጕሀዮ፡ ኰረየውን” ዚብል ነንብብ። (ዮናስ 4:1) ነቲ ዅሉ ዚኽእል ይገንሖ ኸም ዘሎ ዜምስል ጸሎት እውን ከይተረፈ ጸለየ! ካብ ሃገሩ ኺወጽእ ከም ዘይነበሮ ኣመተ። የሆዋ ንሰብ ነነዌ ኸም ዘየጥፍኦም ይፈልጥ ምንባሩ፡ ኣብ ፈለማ ናብ ተርሲስ ዝሃደመሉ ምኽንያት ድማ እዚ ምዃኑ ተዛረበ። ድሕሪኡ፡ ብህይወት ካብ ምንባር ሙማት ከም ዚሓይሽ ብምግላጽ፡ ኪመውት ለመነ።—ዮናስ 4:2, 3

ንዮናስ ዝረበሾ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ኵሉ እቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝነበረ ነገራት ክንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና፣ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ሰብ ነነዌ ጥፍኣት ከም ዝኣወጀ ግን ንፈልጥ ኢና። ንሳቶም ኣሚኖምዎ እዮም። ድሕሪኡ ግን እቲ ጥፍኣት ኣይመጸን። ኣደዳ ላግጺ ኸይከውን፡ ነብዪ ሓሶት እውን ከይበሃል ፈሪሁዶ ይኸውን፧ ዝረበሾ ነገር እዚ ይኹን እቲ ብዘየገድስ፡ ብንስሓ እቶም ህዝቢ ዀነ በቲ የሆዋ ዝገበሮ ምሕረት ኣይተሓጐሰን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣማረረን ኣስተማሰለን፣ ከም እተዋረደ ዀይኑ እውን ተሰምዖ። የሆዋ ግን ብምሕረቱ፡ እቲ እተደቝሰ ሰብኣይ ጽቡቕ ነገር ከም ዘለዎ ረኣየ። ንዮናስ በቲ ዘርኣዮ ንቕጽና ኣብ ክንዲ ዚቐጽዖ፡ “ብምዅራይካስ ጽቡቕዶ ትገብር አሎኻ፧” ኢሉ ብለውሃት እተመራምር ሕቶ ሓተቶ። (ዮናስ 4:4) ዮናስ ነዛ ሕቶ እዚኣ መሊሱላዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኣይነግረናን እዩ።

የሆዋ ንዮናስ ብኸመይ ከም ዝመሃሮ

እቲ ተስፋ ቘሪጹ ዝነበረ ነብዪ ኻብ ነነዌ ወጺኡ ናብ ዓዱ ገጹ ኣይከደን፣ የግዳስ ናብቲ ብምብራቕ ዚርከብ ኣኽራን ገጹ ኸደ። ኣብኡ ንእሽቶ መጽለሊ ሰርሐ፣ ንነነዌ ዚወርዳ ኺርኢ ድማ፡ ኣብኣ ተቐመጠ። ምናልባት ጥፍኣታ ኺርኢ ይምነ ነይሩ ይኸውን። የሆዋ ነዚ ደረቐኛ ሰብኣይ እዚ ብኸመይ እዩ መሓሪ ንኪኸውን ዝመሃሮ፧

የሆዋ ብሓንቲ ለይቲ ሓንቲ ተኽሊ ኣብቈለ። ዮናስ ካብ ድቃሱ ምስ ተንስአ፡ ነታ ተኽሊ ዓብያ ረኣያ፣ ሰፊሕ ኣቝጽልቲ ስለ ዝነበራ ድማ ካብታ ንሱ ዝሰርሓ ዘይትረብሕ መጽለሊት ኣጸቢቓ ዝሓሸት ጽላል ኰነቶ። በዚ መንፈሱ ተሓደሰ። “ዮናስውን በታ ተኽሊ ኣዝዩ ተሓጐሰ፡” (ትርጕም 1990) ምናልባት እውን በረኸትን ሞገስን ኣምላኽ ከም ዝረኸበ እተርኢ ምልክት ገይሩ ርእይዋ ይኸውን። ግናኸ፡ የሆዋ ንዮናስ ካብ ዋዕን ካብቲ ብንቕጽናኡ ዘምጸኦ ቝጥዓኡን ጥራይ ኣይኰነን ኬናግፎ ደልዩ። ልቡ ኺትንክፎ እዩ ደልዩ። ስለዚ፡ ነታ ተኽሊ ሓሰኻ ኸም ዚበልዓ ገበረ። ኣስዒቡ “ውዑይ ንፋስ ምብራቕ” ሰደደ፣ እቲ ዋዒ ድማ ንዮናስ “ክሳዕ ዜሕለሉ” ኣመረሮ። በዚ ኸኣ ዮናስ መንፈሱ ተደቝሰ፣ ኪመውት ድማ ንኣምላኽ ለመኖ።—ዮናስ 4:6-8

የሆዋ እውን ከም ብሓድሽ ንዮናስ፡ በታ ተኽሊ ኪቝጣዕ ዚግብኦ እንተ ዀይኑ ሓተቶ። ዮናስ ከኣ ኣብ ክንዲ ዚንሳሕ፡ “ክሳዕ ሞት ክቝጣዕ እኳ ይግብኣኒ” ኢሉ መለሰ። ሽዑ፡ እቲ የሆዋ ኺህቦ ዝደለየ ትምህርቲ ብንጹር ዚገልጸሉ ባይታ ተነጽፈ።—ዮናስ 4:9

ኣምላኽ ንዮናስ፡ ብሞት ሓንቲ ዘይደኸመላን ዘየዕበያን፡ ብሓንቲ ለይቲ ድማ ዝበቘለት ተኽሊ ኸም ዝሓዘነ ኣረድኦ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ኣነኸ ነታ ዓባይ ከተማ ነነዌ፡ የማኖም ካብ ጸጋሞም ኪፈልዩ ዘይኽእሉ፡ ካብ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ዚበዝሑ ሰብን ብዙሓት እንስሳን ዘለውዋዶ ኣይርሕርሓላን እየ፧” ኢሉ ዘረባኡ ደምደመ።—ዮናስ 4:10, 11 *

ኣገዳስነት እዚ ውድዓዊ ትምህርቲ እዚ ተረዲኡካዶ፧ ዮናስ ነታ ተኽሊ ንምክንኻን ዋላ ሓንቲ ዝገበሮ ነገር ኣይነበረን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ የሆዋ ንሰብ ነነዌ ምንጪ ህይወቶም እዩ ነይሩ፣ ከምቲ ኣብ ምድሪ ንዚርከቡ ዅሎም ፍጡራቱ ዚገብሮ ድማ ዓንጊልዎም እዩ። ከመይ ገይሩ እዩ ዮናስ ካብ ህይወት እቶም 120,000 ሰባትን ማሎምን ንላዕሊ ንሓንቲ ተኽሊ ኣኽቢሩ ዝረኣያ፧ ንጥቕሚ ርእሱ ጥራይ ስለ ዝሓሰበ ደይኰነን፧ ነታ ተኽሊ ዝሓዘነላ እውን፡ ንዕኡ ብብሕቲ ስለ ዝጠቐመቶ ጥራይ እዩ። ነነዌ ብዘይምጥፋኣ ዘቘጥዖ እውን፡ ከይዋረድን ሓቁ ምንባሩ ምእንቲ ኺርአን ካብ ዝነበሮ ስምዒት ተላዒሉ፡ ብዛዕባ ርእሱ ጥራይ ይሓስብ ስለ ዝነበረ ደይኰነን፧

ብሓቂ ዓሚቝ ትምህርቲ እዩ ተዋሂብዎ! እሞኸ ዮናስ ነቲ ትምህርቲ ኣብ ልቡ ኣሕዲርዎዶ፧ እታ ብስሙ እትጽዋዕ መጽሓፍ፡ ነቲ የሆዋ ዝሓተቶ ሕቶ ምላሽ ከይሃበትሉ እያ እትዛዘም። ገሊኦም ሓያስያን፡ ዮናስ ፈጺሙ ምላሽ ከም ዘይሃበ ይገልጹ ይዀኑ። ከም ሓቂ ግን፡ መልሱ ኣብኡ ኣሎ። እታ መጽሓፍ ንባዕላ መልሱ እያ እትሕብረና ዘላ። ነታ ብስሙ እትጽዋዕ መጽሓፍ፡ ዮናስ ከም ዝጸሓፋ ዚሕብር መርትዖታት ኣሎ። እቲ ነብዪ ናብ ዓዱ ብሰላም ተመሊሱ፡ ነቲ ዛንታኡ ኺጽሕፍ ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ዝያዳ ጥበብን ትሕትናን ዘጥረየ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ፡ ርእሱ እናነቕነቐ ጌጋታቱን እብያኡን ምሕረት ንኸይገብር ዘርኣዮ ድርቅናኡን ኪጽሕፍ ከሎ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ዮናስ ካብቲ የሆዋ ዝሃቦ ጥበባዊ ትምህርቲ ኸም እተማህረ ኣየጠራጥርን እዩ። መሓሪ ንኪኸውን ተማሂሩ እዩ። ንሕናኸ፧

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 4 ኣብ ናይ 1 ጥሪ 2009 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ—ካብ ጌጋታቱ ተማህረ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 9 ብግዜ ዮናስ፡ እታ ርእሲ ኸተማ እስራኤል ዝነበረት ሰማርያ፡ ካብ 20,000 ክሳዕ 30,000 ዚኣኽሉ ተቐማጦ ነበርዋ፣ እዚ ድማ ምስ ብዝሒ ህዝቢ ነነዌ ኺነጻጸር ከሎ፡ ትሕቲ ርብዒ ማለት እዩ። ኣብቲ ነነዌ ዕምርቲ ዝነበረትሉ ግዜ፡ ኣብ ዓለም ዝዓበየት ከተማ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ።

^ ሕ.ጽ. 11 እዚ ተግባር እዚ ዘይልሙድ ዚመስለና እኳ እንተ ዀነ፡ ብግዜ ጥንቲ ግን ይግበር ነይሩ እዩ። ሄሮዶተስ ዚበሃል ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ጥንታውያን ፋርሳውያን ብሞት ሓደ ዚፈትውዎ ጀነራሎም ኪሓዝኑ ኸለዉ፡ ንማሎም እውን ኣብቲ ሓዘኖም ዚገልጹሉ ልምድታት ኣሳቲፎምወን ምንባሮም ገሊጹ ኣሎ።

^ ሕ.ጽ. 24 ኣምላኽ፡ እቶም ህዝቢ የማኖም ካብ ጸጋሞም ኪፈልዩ ዘይክእሉ ገይሩ ምጥቃሱ፡ ብዛዕባ ስርዓታት ኣምላኽ ከም ቈልዑ ዘይፈልጡ ምዃኖም እዩ ዚሕብር።

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣምላኽ፡ እኩያት ከምቲ ሰብ ነነዌ ዝገበርዎ ኺንስሑን መገዶም ኪቕይሩን እዩ ዚህንጠ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣምላኽ ንዮናስ ብዛዕባ ምሕረት ንምምሃር፡ ሓንቲ ተኽሊ ተጠቕመ