ዮኣስ ብሰንኪ ሕማቕ ዕርክነት ንየሆዋ ሓደጎ
ንደቅኻ ምሃሮም
ዮኣስ ብሰንኪ ሕማቕ ዕርክነት ንየሆዋ ሓደጎ
ኣብታ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ዝነበረትላ ኸተማ የሩሳሌም፡ ኣዝዩ ሕማቕ ነገር ኣጋጠመ። ንጉስ ኣሓዝያ ተቐትለ። ድሕሪኡ ዓታልያ ኣደ ኣሓዝያ ዝገበረቶ ነገር ንኽትኣምኖ ዜጸግም እዩ። ንደቂ ኣሓዝያ፡ ማለት ንደቂ ደቃ ቐተለቶም። ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧— * ሓደ ኻብቶም ደቂ ደቃ ዘይኰነስ፡ ባዕላ ገዛኢት ክትከውን ስለ ዝደለየት እያ።
ይኹን እምበር፡ ሓደ ኻብቶም ንዓታልያ ደቂ ደቃ ዝነበረ ዮኣስ ዝስሙ ሕጻን ደሓነ፣ ዓባዩ ድማ ብዛዕባ እዚ ፈጺማ ኣይፈለጠትን። ብኸመይ ከም ዝደሓነ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧— ነቲ ሕጻን፡ የሆሸባ ዝስማ ኣሞ ነበረቶ፡ ንሳ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ሓብኣቶ። ከምዚ ኽትገብር ዝኸኣለት ግን፡ ሰብኣያ ዮያዳ፡ ሊቀ ኻህናት ስለ ዝነበረ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ክልቲኦም ንዮኣስ ካብ ሓደጋ ኣድሓንዎ።
ዮኣስ ንሽዱሽተ ዓመት ኣብ ቤተ መቕደስ ተሓቢኡ ነበረ። ኣብኡ ኸሎ ድማ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ሕግታቱን ተማህረ። ዮኣስ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ምስ ኰነ፡ ዮያዳ ንኼንግሶ ስጕምቲ ወሰደ። ዮያዳ ኸመይ ገይሩ ኸምዚ ኸም ዝገበረ፡ እታ ንዮኣስ ዓባዩ ዝነበረት እክይቲ ንግስቲ ዓታልያ ድማ እንታይ ከም ዘጋጠማ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧—
ዮያዳ ነቶም ንነገስታት የሩሳሌም ዚዕጅቡ ፍሉያት ሓለውቲ ብምስጢር ጸውዖም። ንሱን ሰበይቱን ንወዲ ንጉስ ኣሓዝያ ብኸመይ ከም ዘድሓንዎ ነገሮም። ድሕሪኡ ንዮኣስ ኣምጺኡ ነቶም ሓለውቲ ኣርኣዮም፡ ሕጋዊ ገዛኢ ምዃኑ ኸኣ ፈለጡ። መደብ ድማ ኣውጽኡ።
ሽዑ ዮያዳ ንዮኣስ ኣምጺኡ ኣንገሶ። እቶም ህዝቢ “ኣእዳዎም እናኣጣቕዑ ድማ፤ ንጉስ ህያው ይኹን፡ በሉ።” እቶም ሓለውቲ ንዮኣስ ምእንቲ ኼዕቍብዎ፡ ከበብዎ። ዓታልያ ነቲ መግለጺ ሓጐስ ምስ ሰምዐት፡ እናጐየየት ከይዳ ነቲ ተግባር ተቓወመቶ። ዮያዳ ግን ነቶም ሓለውቲ ትእዛዝ ሃቦም፡ ቀተልዋ ኸኣ።—2 ነገስት 11:1-16።
ዮኣስ ንዮያዳ ምስማዑን ቅኑዕ ዘበለ ምግባሩን ዝቐጸለዶ ይመስለካ፧— ክሳዕ እቲ ዮያዳ ብህይወት ዝነበረሉ እዋን ከምኡ ገይሩ እዩ። እቶም ህዝቢ ነቲ ብኣቦኡ ኣሓዝያን ብኣቦሓጎኡ ዮራምን 2 ነገስት 12:1-16።
ተረሲዑ ዝነበረ ንመጸገኒ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ዚኸውን ገንዘብ ከም ዚህቡ እውን ገይሩ እዩ። ዮያዳ እቲ ሊቀ ኻህናት ምስ ሞተ ግን፡ እንታይ ከም ዘጋጠመ እስከ ንርአ።—ኣብቲ እዋን እቲ፡ ዮኣስ ወዲ 40 ዓመት ነበረ። ምስቶም ንየሆዋ ዜገልግልዎ ኣብ ክንዲ ዚሓብር፡ ምስቶም ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዜምልኹ ሰባት ተዓራረኸ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዘካርያስ ወዲ ዮያዳ፡ ካህን የሆዋ ነበረ። ዘካርያስ ብዛዕባ እቲ ዮኣስ ዚገብሮ ዝነበረ ምስ ፈለጠ፡ እንታይ ዝገበረ ይመስለካ፧—
ዘካርያስ ንዮኣስ፡ ‘ንየሆዋ ስለ ዝሓደግካዮ፡ ንሱ ኸኣ ሓዲጉካ እዩ’ በሎ። ዮኣስ በዘን ቃላት እዚኣተን ኣዝዩ ስለ እተቘጥዐ፡ ንዘካርያስ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ኣዘዘ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፡ ዮኣስ ካብ ቀታሊት እኳ እንተ ደሓነ፡ ሕጂ ግን ባዕሉ ንዘካርያስ ኣቕተሎ!—2 ዜና መዋእል 24:1-3, 15-22።
ካብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል፧— ከምታ እክይትን ጨካንን ዝነበረት ዓታልያ ኽንከውን ኣይንደልን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ልክዕ ከምቲ የሱስ ዝመሃረና፡ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና፡ እንተላይ ንጸላእትና ኸነፍቅር ኣሎና። (ማቴዎስ 5:44፣ ዮሃንስ 13:34, 35) ከምቲ ዮኣስ ዝገበሮ ቕኑዕ ዘበለ ኽንገብር እንተ ጀሚርና ድማ፡ ምስቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎን ንኸነገልግሎ ዜተባብዑናን ሰባት ክንተዓራረኽ ኣሎና።
[እግረ-ጽሑፍ]
^ ሕ.ጽ. 3 ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዓ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ፡ ነቲ ቘልዓ ሓሳባቱ ንኺገልጽ ከተተባብዖ ኸም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።
ሕቶታት፦
○ ዮኣስ ብኸመይ እዩ ዝደሓነ፧ ካብ መንከ እዩ ዝደሓነ፧
○ ዮኣስ ሕጋዊ ንጉስ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ እንታይ ጽቡቕከ እዩ ዝገበረ፧
○ ዮኣስ ሕማቕ ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧ ንመንከ እዩ ዝቐተሎ፧
○ ካብዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታ እንታይ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል፧
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ዮኣስ ካብ ሞት ደሓነ