ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጾም ናብ ኣምላኽ ዝያዳ የቕርበካ ድዩ፧

ጾም ናብ ኣምላኽ ዝያዳ የቕርበካ ድዩ፧

ጾም ናብ ኣምላኽ ዝያዳ የቕርበካ ድዩ፧

‘ጾም ብዛዕባ መንፈሳውነት ንኸተስተንትንን ስጋዊ ነገራት ኣብ ህይወት ኣገዳሲ ኸም ዘይኰነ ንኽትዝክርን ዚሕግዝ እዩ።’—ሰዓቢት እምነት ካቶሊክ

‘ጾም ምስ ኣምላኽ መንፈሳዊ ርክብ ንኺህልወካ ይሕግዝ።’ —ሃይማኖታዊ መምህር ኣይሁድ

‘ኣብ እምነተይ፡ ጾም ግዴታ እዩ፣ ንኣምላኽ ዘሎኒ ተወፋይነትን ምስጋናን ዚገልጸሉ ዓንዲ እዩ። ንኣምላኽ ስለ ዘፍቅሮ እየ ዝጸውም።’ —ሰዓቢ እምነት ባሃኢ

ጾም፡ ብዙሓት ሃይማኖታት ዓለም ዜዘውትራኦ ተግባር እዩ፣ ሰዓብቲ እምነት ሂንዱነት፡ ቡድህና፡ ኣይሁድነት፡ እስልምና፡ ጃይንነት እውን ይጾሙ እዮም። ብዙሓት ሰባት ንእተወሰነ እዋን ምጻም፡ ናብ ኣምላኽ ከም ዜቕርቦም ይኣምኑ።

ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ክትጸውም ኣሎካ ድዩ፧ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ይብል፧

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እተገብረ ጾም

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ብእተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎ ጾም ይጾሙ ነበሩ። ገሊኦም ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ኣዝዮም ከም ዝጐሃዩ ወይ ከም እተነስሑ ንምግላጽ (1 ሳሙኤል 7:4-6)፡ ሞገስ ወይ መምርሒ ኣምላኽ ንምርካብ (መሳፍንቲ 20:26-28፣ ሉቃስ 2:36, 37)፡ ወይ ከኣ ኬስተንትኑ ኸለዉ ዝያዳ ምእንቲ ኼተኵሩ ኢሎም ይጾሙ ነበሩ።—ማቴዎስ 4:1, 2

ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣምላኽ ዘይሰምሮ ጾም እውን ይጠቅስ እዩ። ንኣብነት፡ ንጉስ ሳኦል ንሓንቲ መናፍስቲ ጥንቈላ ዘለዋ ቕድሚ ምጥያቑ፡ ጾይሙ ነበረ። (ዘሌዋውያን 20:6፣ 1 ሳሙኤል 28:20) ኢዛቤልን እቶም ንሃዋርያ ጳውሎስ ኪቐትልዎ ውዲት ዝኣለሙ ጥሩፋትን እውን ጾም ኣዊጆም ነበሩ። (1 ነገስት 21:7-12፣ ግብሪ ሃዋርያት 23:12-14) ፈሪሳውያን ኣዘውቲሮም ብምጻም ኣጸቢቖም ይፍለጡ ነበሩ። (ማርቆስ 2:18) ኰይኑ ግን፡ የሱስ ኰነኖም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እውን ተቐባልነት ኣይረኸቡን። (ማቴዎስ 6:16፣ ሉቃስ 18:12) ገሊኦም እስራኤላውያን ሕማቕ ይሕልኑን ይገብሩን ብምንባሮም፡ የሆዋ ነቲ ዝጾምዎ ጾም ግዲ ኣይገበረሉን።—ኤርምያስ 14:12

ካብዚ ኣብነታት እዚ ኸም እንርእዮ፡ ምጻም ንበይኑ ኣይኰነን ንኣምላኽ ዜሐጕሶ። እንተዀነ ግን፡ ሓያሎ ቕኑዓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብምጻሞም፡ ሞገስ ኣምላኽ ረኺቦም እዮም። እሞኸ ክርስትያናት ኪጾሙ ኣለዎምዶ፧

ጾም ንክርስትያናት ግዴታ ድዩ፧

እስራኤላውያን ኣብ ዓመት ሓንሳእ፡ ኣብ መዓልቲ ዕርቂ ‘ነፍሶም ኬዋርዱ፡’ ማለት ኪጾሙ ብሕጊ ሙሴ ተኣዚዞም ነበሩ። (ዘሌዋውያን 16:29-31፣ መዝሙር 35:13) የሆዋ ንህዝቡ ኺጾሙ ዝኣዘዞም ትእዛዝ፡ እዚ ጥራይ እዩ ነይሩ። * ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ነዚ ትእዛዝ እዚ ኺእዘዙ ነበሮም። ክርስትያናት ግን ሕጊ ሙሴ ኺሕልዉ ትጽቢት ኣይግበረሎምን እዩ።—ሮሜ 10:4፣ ቈሎሴ 2:14

የሱስ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጠቒሱ ዘሎ ገይሩ እኳ እንተ ጾመ፡ በዚ ተግባር እዚ ግን ዚፍለጥ ኣይነበረን። ደቀ መዛሙርቱ ኺጾሙ ኣብ ዚደልዩሉ እዋን፡ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም እኳ እንተ ሓበሮም፡ ፈጺሙ ግን ኪጾሙ ኣይኣዘዞምን። (ማቴዎስ 6:16-18፣ 9:14) ንሱ ምስ ሞተ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ዚጾሙ እተዛረበ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ (ማቴዎስ 9:15) እዚ ትእዛዝ ኣይነበረን። ንሱ ምስ ሞተ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብዙሕ ከም ዚሓዝኑን ሸውሃቶም ከም ዚዕጾን ጥራይ እዩ ዚሕብር ነይሩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ ዝጾሙ ቐዳሞት ክርስትያናት ዚገልጽ ክልተ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ሓደ ሰብ ካብ ቅኑዕ ድራኸ ተበጊሱ ኺጸውም እንተ መሪጹ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ኣለዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:2, 3፣ 14:23) * ስለዚ፡ ክርስትያናት ናይ ምጻም ግዴታ የብሎምን። ኰይኑ ግን፡ ሓደ ሰብ ኪጸውም እንተ ደልዩ፡ ካብ ሓድሓደ ሓደጋታት ኪጥንቀቕ ኣለዎ።

ጾም ካብ ዜምጽኦ ሓደጋታት ተጠንቀቕ

ሓደ ኻብቲ ጾም ኬምጽኦ ዚኽእል ሓደጋታት፡ ምምጽዳቕ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ሓቂ ዘይብሉ ትሕትና’ ኸይህልወና የጠንቅቐና እዩ። (ቈሎሴ 2:20-23 ትርጕም 1990) ኣብ ሓደ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ፡ ሓደ ዕቡይ ፈሪሳዊ ኣዘውቲሩ ስለ ዚጸውም፡ ካብ ካልኦት ዚበልጽ ኰይኑ ኸም እተሰምዖ ተገሊጹ ኣሎ፣ ኰይኑ ግን፡ ኣምላኽ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ኸም ዘይቅበሎ ኣየጠራጥርን እዩ።—ሉቃስ 18:9-14

ከም እትጸውም ንሰባት ምሕባር ወይ ካልእ ሰብ ስለ ዝበለካ ኢልካ ምጻም፡ ጌጋ እዩ። ብመሰረት ማቴዎስ 6:16-18፡ ጾም ብብሕቲ ኺግበር ዘለዎ ነገር፡ ማለት ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኪተርፍ ዘለዎ ነገር ምዃኑን ንኻልኦት እውን ክትሕብር ከም ዘይብልካን፡ የሱስ ምዒዱ ኣሎ።

ጾም ንሓጢኣት ከም ዚሽፍን ጌርካ ኺውሰድ የብሉን። ሓደ ዚጸውም ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ኪረክብ እንተ ዀይኑ፡ ንሕግታት ኣምላኽ ኪሕሉ ኣለዎ። (ኢሳይያስ 58:3-7) ጾም ንበይኑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ልባዊ ንስሓ እዩ ናብ ሕድገት ሓጢኣት ዚመርሕ። (ዮኤል 2:12, 13) ሕድገት ሓጢኣት እንረክብ፡ በቲ ብመስዋእቲ ክርስቶስ ኣቢሉ እተገልጸ ጸጋ የሆዋ ምዃኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ የጕልሕ እዩ። ብዝዀነ ይኹን ግብሪ፡ እንተላይ ብጾም ኣቢልና ሕድገት ሓጢኣት ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና።—ሮሜ 3:24, 27, 28፣ ገላትያ 2:16፣ ኤፌሶን 2:8, 9

ኢሳይያስ 58:3 ድማ ካልእ ልሙድ ጌጋ ተጕልሕ። እስራኤላውያን ብምጻሞም ንየሆዋ ሓደ ነገር ዝገበሩሉ ዀይኑ ስለ እተሰምዖም፡ ውሬታ ኪኸፍሎም ይጽበዩ ምንባሮም ትሕብር እያ። “ስለምንታይ ደኣ ጾምና፡ ንስኻ ድማ ዘይርኤኻና፧ ስለምንታይከ ነፍስና ኣሕሳእና፡ ንስኻውን ግዱ ዘይገበርካ፧” ኢሎም ሓተቱ። ሎሚ እውን ብዙሓት ሰባት ብምጻሞም፡ ኣምላኽ ውሬታ ኺመልሰሎም ይጽበዩ እዮም። ከምዚ ዓይነት ኣኽብሮት ዝጐደሎን ዘይቅዱስ ጽሑፋውን ኣረኣእያ ኸቶ ኣይሃልወና!

ገሊኦም ድማ ብጾም፡ ንርእስኻ ብምግራፍ፡ ወይ ከምኡ ብዝኣመሰለ ነገራት ጌርካ ንሰብነትካ ብምሕሳም፡ ሞገስ ኣምላኽ ኪርከብ ከም ዚከኣል ይኣምኑ እዮም። ቃል ኣምላኽ ግን፡ “ምሕሳም ስጋ፡” ሕማቕ ትምኒት ንምስናፍ፡ “ገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ” ብምባል ነዚ ሓሳብ እዚ ይዅንኖ እዩ።—ቈሎሴ 2:20-23

ሚዛናዊ ኣረኣእያ

ጾም ግዴታ ኣይኰነን፣ ጌጋ እውን ኣይኰነን። እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሓደጋታት ኪውገድ እንተ ተኻኢሉ፡ ኣብ ገሊኡ ዅነታት ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ኣምልኾና ቕቡል ንኪኸውን ኢልና ኸነተኵረሉ ዚግባእ ነገር ኣይኰነን። የሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” እዩ፣ ንኣገልገልቱ ድማ ሕጉሳት ኪዀኑ እዩ ዚደልዮም። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW) ቃሉ እውን፡ “ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን፡ ብዅሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ” ይብል።—መክብብ 3:12, 13

ኣምልኾና ተሓጒስና እንገብሮ ኪኸውን ኣለዎ፣ ኰይኑ ግን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንጾም ምስ ሓጐስ ፈጺሙ ኣየተሓሕዞን እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ምግቢ ዘይምምጋብና ንጥዕናና ዚጸልዎ ወይ ንሓይልና ዚጽንቅቖ እሞ ነቲ ፈጣሪና ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ኪገብርዎ ዝሃቦም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምእዋጅ ዜሐጕስ ዕዮ ኽንዓዪ ኸለና ዜሸግረና እንተ ዀይኑ፡ ብንጹር ዕንቅፋት እዩ ዚዀነና።

ንጹም ኣይንጹም ብዘየገድስ፡ ንኻልኦት ክንፈርድ የብልናን። በዚ ጕዳይ እዚ ዝመጸ ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ክርክር ኪለዓል የብሉን፣ ምኽንያቱ፡ “መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብልዕን መስተን ኣይኰነትን።”—ሮሜ 14:17

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 12 እቲ ቐቅድሚ በዓል ጱሪም፡ ኣስቴር ዝጾመቶ ጾም፡ ኣምላኽ ባሪኽዎ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ትእዛዝ ዝሃበ ግን ንሱ ኣይነበረን።

^ ሕ.ጽ. 14 ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንጾም ዚምልከት ሓቅነት ዘይብሉ መግለጺ ዝሓዘ እዩ፣ እዚ ወሰኽ እዚ ግን ኣብቲ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፋት ግሪኽ ኣይርከብን።—ማቴዎስ 17:21፣ ማርቆስ 9:29፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:30 ኪንግ ጀምስ ቨርሽን፣ 1 ቈረንቶስ 7:5 ኪንግ ጀምስ ቨርሽን።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ፈሪሳውያን ኣብ ዝጾሙሉ ዝነበሩ እዋን ሓቂ ዘይብሉ ትሕትና የርእዩ ነበሩ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“መንግስቲ ኣምላኽሲ . . . ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብልዕን መስተን ኣይኰነትን”

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ሳጹን]

ጾም ኣርብዓ ደኣኸ፧

ጾም ኣርብዓ ነቲ ክርስቶስ ን40 መዓልቲ ዝጾሞ ጾም ንምዝካር ተባሂሉ እዩ ዚግበር። ኰይኑ ግን፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ጾሙ ኺዝክሩ ኸቶ ኣይኣዘዞምን፣ ከምኡ ይገብሩ ምንባሮም ዚሕብር ዋላ ሓንቲ መርትዖ እውን የልቦን። ቅድሚ በዓል ትንሳኤ ዚግበር ጾም ኣርብዓ እተጠቕሰሉ ናይ ፈለማ ዜተኣማምን ሓበሬታ፡ ኣብተን ኣታናስዩስ ብ330 ድ.ክ. ዝጸሓፈን ደብዳበታት እዩ ዚርከብ።

የሱስ ቀቅድሚ ሞቱ ዘይኰነስ፡ ደድሕሪ ጥምቀቱ ስለ ዝጾመ፡ ገሊአን ሃይማኖታት ንጾም ኣርብዓ ኣብተን ቅድሚ በዓል ትንሳኤ ዘሎ ሰሙናት ዚገብራኦ ምዃነን ዜደንጹ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብኣቈጻጽራ ጎርጎርዮስ ኣብ መጀመርታ ዓመት ን40 መዓልቲ ምጻም፡ ኣብ መንጎ ጥንታዎት ባቢሎናውያንን ግብጻውያንን ግሪኻውያንን ልሙድ ነበረ። እዚ “ክርስትያናዊ” ዚበሃል ልምዲ፡ ካብኦም እተለቅሕዎ ምዃኑ ግልጺ እዩ።