ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባይ ብሓቂ ዚግደስ ኣሎዶ፧

ብዛዕባይ ብሓቂ ዚግደስ ኣሎዶ፧

ብዛዕባይ ብሓቂ ዚግደስ ኣሎዶ፧

ብዛዕባ ጸገማትካ ብሓቂ ዚርድኣልካ ኸም ዘየለ ስለ እትሓስብ፡ ጽምዋን ሓጋዚ ዘይብልካን ኰይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ካልኦት ብዛዕባ ጸገማትካ ይፈልጡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብዛዕባኻ ግን ብሓቂ ዘይግደሱ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን።

ሽግራት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ህይወትና ልክዕ ከም ዘይቋርጽ ማዕበል ኪመስል ይኽእል እዩ። ሓድሓደ እዋን፡ እቲ ዜጋጥመና ጸገማት ዚደቍስን ዘይፍትሓውን ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። ስምዒታዊ ማህሰይቲ፡ ጭንቀት፡ ዘልምስ ሓደጋ፡ ሕዱር ሕማም ወይ ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ እውን፡ መብዛሕትኡ እዋን ክንጻወሮ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓጋዝን ተስፋን ዘይብልና ዀይኑ ስለ ዚስምዓና ኻበይ ምጽንናዕ ክንረክብ ከም እንኽእል ንሓስብ ንኸውን። ብዛዕባና ብሓቂ ዚግደስ ኣሎዶ፧

“ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ይግደሰልና

ኣምላኽ፡ “ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን” ከም ዝዀነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 1:3) እቲ የሆዋ ዝስሙ ኣምላኽና ምጽንናዕ ከም ዜድልየና ይፈልጥ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ምጽንናዕ” እትብል ቃል፡ ኣምላኽ ነቲ ዘጋጠመና ነገራት ይርድኦ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኬጸናንዓና እውን ከም ዚብህግ ብዚገልጽ እተፈላለየ መገዲ ብዙሕ ሳዕ ይጠቕሳ እዩ። እዚ ምፍላጥና ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ ኻልኦት ተገዳስነቶም የርእዩና ኣየርእዩና ብዘየገድስ፡ ኣምላኽ ከም ዚሓልየልና ንኽንኣምን የኽእለና።

ቅዱሳት ጽሑፋት፡ የሆዋ ንሰባት ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ከም ዚሓልየሎም ብንጹር ይገልጸልና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ስፍራ እየን፡ ንእኩያትን ንሰናያትን ከኣ ይቋመታኦም” ይብል። (ምሳሌ 15:3) ብተመሳሳሊ ኣብ እዮብ 34:21፡ “ኣዒንቱ ኣብ መገዲ ሰብ እየን እሞ፡ ንዅሉ ስጕምቶም ይርእዮ እዩ” ዚብል ነንብብ። የሆዋ ነቲ እንገብሮ ሕማቕ ኰነ ጽቡቕ ነገራት ይርእዮ እዩ፡ ንዅነታትና ኣጸቢቑ ስለ ዚፈልጥ ከኣ ከከም ኵነታትና ይምልሰልና። እቲ ረኣዪ ወይ ነብዪ ዝነበረ ሃናኒ ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ እተዛረቦ ቓላት ነዚ የረጋግጸልና እዩ። ሃናኒ፡ “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ” በለ።—2 ዜና መዋእል 16:7, 9

ኣዒንቲ የሆዋ ብኻልእ ምኽንያት እውን ይቋመታና እየን። የሱስ፡ “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን” ኢሉ ገለጸ። (ዮሃንስ 6:44) የሆዋ፡ ሓደ ሰብ ብዛዕባኡ ዝያዳ ንኺፈልጥ ባህጊ እንተ ሃልይዎ ምእንቲ ኺርኢ ተገዲሱ ንልቢ ሰብ ይምርምር እዩ። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ድማ ብዜደንቕ መገዲ ተገዳስነቱ የርእዮ። ንኣብነት፡ ኣብ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ እትነብር ሓንቲ ሰበይቲ፡ ናይ መንሽሮ መጥባሕቲ ኽትገብር ናብ ሆስፒታል ኣተወት። ናይ ሓቂ ሃይማኖት ክትረክብ ምእንቲ ኺሕግዛ ንኣምላኽ ለመነቶ። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ሰብኣያ ነታ ሽዑ ንግሆ ናብ ቤቱ ኻብ ዝመጹ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተቐበላ፡ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ * ዘርእስታ ብሮሹር ሒዙላ መጸ። እታ ሰበይቲ ነታ ብሮሹር ምስ ኣንበበታ፡ ኣምላኽ ንጸሎታ ምላሽ ከም ዝሃባ ተገንዘበት። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ተሰማምዐት፡ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ድማ ርእሳ ንኣምላኽ ወፍያ ተጠምቀት።

ኣብ መጽሓፍ መዝሙር፡ ከም ንጉስ ዳዊት ዝኣመሰሉ ጥንታዎት እብራውያን ጸሓፍቲ መዝሙር ዝገለጽዎ፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ ብዛዕባ ዜርእዮም ፍቕራዊ ሓልዮት ዚገልጽ ልቢ ዚትንክፍ ኣገላልጻ ይርከብ እዩ። ኣብ መዝሙር 56:8፡ ንጉስ ዳዊት ንኣምላኽ፡ “ንንብዓተይ ኣብ ጭልፎኻ አከብካዮ፡ ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተጻሕፈን፧” ኢሉ እተዛረቦ ለመና ንረክብ ኢና። እዚ ምምስሳል እዚ ኸም ዚሕብሮ፡ ዳዊት፡ የሆዋ ንስቓዩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዜሕድረሉ ስምዒታዊ ጽልዋ እውን ከም ዚርዳእ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። የሆዋ ነቲ ንዳዊት ከም ዚነብዕ ዝገበሮ ብስምዒታዊ መዳይ ዘሕለፎ ስቓይ ይዝክሮ ነበረ። ብሓቂ እምበኣር፡ ፈጣሪና ንዅሎም እቶም ፍቓዱ ንምግባር ዚጽዕሩ ዀነ፡ “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ” ይቋመቶም እዩ።

እታ ፍልጥቲ ዝዀነት መዝሙር 23 እውን ፍቕራዊ ሓልዮት ኣምላኽ እትገልጽ ካልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ እያ። ኣብቲ ናይ መእተዊ ቓላታ ንየሆዋ ምስ ሓደ ሓላዪ ጓሳ እያ እተመሳስሎ። “እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፡ ዚጐድለኒ የብለይን” ከኣ ትብል። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዚነብር ጓሳ ንዅለን ኣባጊዑ ይሓልየለን፡ ስም እውን የውጽኣለን እዩ። መዓልታዊ ናብኡ እናጸውዐ፡ ሓልዮት ብዘለዎ መገዲ ይደራርዘን፡ መቝሰልቲ ኸይህልወን ድማ የናዲ። ገለ መቝሰልቲ እንተ ረኺቡ፡ ቀልጢፉ ምእንቲ ኺሓዊ ዘይቲ ወይ ቅብኢ ይገብረሉ። እታ በጊዕ እንተ ሓሚማ፡ ፈውሲ ብግዲ የውሕጣ፣ ወዲቓ ምእንቲ ኸይትመውት ድማ ቅንዕ የብላ። እዝስ የሆዋ ነቶም ናብኡ ዚቐርቡ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚሓልየሎም ዜርኢ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ምምስሳል ኰን እዩ!

ጸሎትን ትንሳኤን—ኣምላኽ ከም ዚግደስ ዜርኢ መርትዖ

እዝን ካልእ ማራኺ መዝሙራትን ንኸነንብቦ ጥራይ ኣይኰነን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ። የግዳስ፡ እቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ሓገዙ ኸም ዜድልዮም ንምግላጽ ብኸመይ ከም ዝለመኑ፡ ከምኡውን ነቲ ኻብኡ ዝረኸብዎ መምርሕን በረኸትን ብኸመይ ከም ዘማሰዉሉ ዜርኢ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺታት፡ ኣምላኽ ከም ዚሓልየሎም ዝነበሮም ጽኑዕ እምነት ብንጹር የንጸባርቕ። ንሕና እውን ነዚ ልባዊ ቓላት ምንባብናን ብዛዕባኡ ምስትንታንናን፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ተመሳሳሊ ስምዒት ንኺህልወና ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። እቲ ናይ ጸሎት መሰናድዎ፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ኸም ዚሓሊ ዜረጋግጽ ሓያል መርትዖ እዩ።

ይኹን እምበር፡ ሓድሓደ እዋን ብሰንኪ ጸገማትና ዓቕልና ስለ ዚጸበና፡ ብኸመይ ክንጽሊ ኸም ዘለና ይሕርብተና ይኸውን። እዚ ግን የሆዋ ብዛዕባ ጸገማትና ንኸይፈልጥ ይዓግቶ እዩ ማለት ድዩ፧ ሮሜ 8:26 ነዚ ኽትምልስ ከላ፡ “መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣና፡ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና” ትብል። እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ እቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘቕረብዎ መንፈስ ዝነፈሶ ጸሎት፡ ስምዒትና ኺገልጽ ከምኡውን ጸሎትና ኣብ ቅድሚ እቲ ‘ሰማዒ ጸሎት’ ዝዀነ የሆዋ ኺስማዕ ከም ዚኽእል እትሕብር እያ።—መዝሙር 65:2

ተስፋ ትንሳኤ፡ ኣምላኽ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ተገዳስነት ከም ዘለዎ ዜርኢ ኻልእ ዜእምን መርትዖ እዩ። የሱስ ክርስቶስ፡ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ድምጺ የሱስ] ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ” በለ። (ዮሃንስ 5:28, 29) እታ ኣብዚ “መቓብር” ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል፡ ብዚግባእ ክትትርጐም ከላ “ናይ ዝኽሪ መቓብር” ማለት እያ። ኣምላኽ፡ ሓደ ዝሞተ ሰብ ብህይወት ከሎ እንታይ ዓይነት ሰብ ምንባሩ ኸም ዚዝክር እያ እትሕብር።

ሕስብ እሞ ኣብሎ፡ ኣምላኽ ንሓደ ሰብ ናብ ህይወት ኪመልሶ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ፡ ነቲ ዝወረሶን ዘማዕበሎን ባህርያት፡ ከምኡውን ንምሉእ ዝኽረቱ ሓዊስካ ብዛዕባኡ ዅሉ ነገር ኪፈልጥ ኣለዎ! (ማርቆስ 10:27) እዚ ድሕሪ ኣሽሓት ዓመታት እውን እንተ ዀነ ኻብ ዝኽሪ ኣምላኽ ኣይጠፍእን እዩ። (እዮብ 14:13-15፣ ሉቃስ 20:38) ስለዚ፡ ሞይቶም ዘለዉ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ምስ ምሉእ ዝርዝራቶም ኣብ ዝኽሪ የሆዋ ኣምላኽ እዮም ዘለዉ። እዝስ ኣምላኽ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ይግደስ ምዃኑ ዜርኢ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ መረጋገጺ ዀን እዩ!

የሆዋ ዓስቢ ይህብ

ፍቕራዊ ተገዳስነትን ሓልዮትን ኣምላኽ ክንረክብ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ብቐዳምነት፡ ከም እንኣምኖን ከም እንእዘዞን ከነርኢ ይግባእ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ ኣብ ኣምላኽ እምነት ምሕዳርን ሓልዮቱ ምርካብን ዘሎ ምትእስሳር ኪገልጽ ከሎ፦ “ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከአልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪአምን ይግብኦ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—እብራውያን 11:6

እታ ንኣምላኽ እተሐጕሶ እምነት፡ ክልተ መዳያት ከም ዘለዋ ኣስተብህል። ቀዳማይ፡ ኣምላኽ ‘ከም ዘሎ ኽንኣምን፡’ ማለት ተኣዛዝነትናን ኣምልኾናን ዚግብኦ ልዑላዊ ገዛኢ ምዃኑ ኣፍልጦ ኽንህብ ይግባእ። ካልኣይ፡ “ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦም” ክንኣምን ኣሎና። ናይ ሓቂ እምነት፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ድሕንነት እቶም ዚደልይዎ ኸም ዚግደስን ዓስቦም ከም ዚህቦምን ምእማን ተጠቓልል። ንስኻ እውን ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕን ምስቶም ንዕኡ ዚእዘዙ ብምሕባርን፡ ዓስብን ፍቕራዊ ሓልዮትን ኣምላኽ እተውህብ ዓይነት እምነት ክትህልወካ ትኽእል እያ።

ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ጕዳያት ደቂ ሰብ ተገዳስነት ከም ዘይብሉ እዮም ዚኣምኑ። ከምቲ ኽንርእዮ ዝጸናሕና ግን፡ ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ኣብኡ ናይ ሓቂ እምነት ዘለዎም ሰባት ኣዝዩ ኸም ዚግደስ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይሕብር እዩ። ሎሚ ህይወት ብእተፈላለየ ዜጨንቕ፡ ዜሻቕል፡ ዜጕሂ፡ ከምኡውን ዚጐድእ ነገራት ዝመልአት እኳ እንተ ዀነት፡ ተስፋ ኽንቈርጽ የብልናን። ከመይሲ፡ የሆዋ ኣምላኽ ይግደሰልና እዩ። ደገፉ ንኽንረክብ ኣብኡ ኽንውከል ብፍቕሪ ተደሪኹ ዓዲሙና ኣሎ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ፡ ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን” በለ።—መዝሙር 55:22

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 7 ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኹ ኸም ዚግደሰልካ ዜርኢ እምነትካ ዜደልድል ጥቕስታት

“ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ።”—2 ዜና መዋእል 16:9

“ንንብዓተይ ኣብ ጭልፎኻ አከብካዮ፡ ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተጻሕፈን፧”—መዝሙር 56:8

“እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፡ ዚጐድለኒ የብለይን።”—መዝሙር 23:1

“ኣታ ጸሎት እትሰምዕ፡ ኵሉ ስጋ ናባኻ ኺመጽእ እዩ።”—መዝሙር 65:2

“ንስኻ ምጸዋዕካኒ፡ ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ፡ ነቲ ተግባር ኢድካ ምናፈቕካዮ ኔርካ።” —እዮብ 14:15

“እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪአምን ይግብኦ እዩ።”—እብራውያን 11:6

“ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ፡ ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን።”—መዝሙር 55:22