ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንደቅኻ ምሃሮም

ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ—ህይወት ኣኮኡ ኣድሓነ

ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ—ህይወት ኣኮኡ ኣድሓነ

ሃዋርያ ጳውሎስ ሰዓብቲ የሱስ ዝዀኑ ኣዝማድ ከም ዝነበርዎ ትፈልጥዶ፧ *— ሓብቱን ወዳን ሰዓብቲ የሱስ እዮም ነይሮም። እዚ ወዲ ሓብቱ ኸኣ ንህይወት ጳውሎስ ኣድሓነ። ስሙን ስም ኣዲኡን ዘይንፈልጦ እኳ እንተ ዀንና፡ እንታይ ከም ዝገበረ ግን ንፈልጥ ኢና። ብዛዕባ እዚ ኽትሰምዕ ትደሊዶ፧—

ጳውሎስ ካብ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ተመሊሱ ኣብ የሩሳሌም ነበረ። እዋኑ ድማ ብ56 ድ.ክ. እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ተኣሲሩ ፍርዱ ይጽበ ነበረ። ጸላእቱ ግን ኣብ ቤት ፍርዲ ኪቐርብ ዘይኰነስ፡ ኪቐትልዎ እዮም ደልዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ንጳውሎስ ኣብ መገዲ ተጸብዮም ዚቐትልዎ ኣስታት 40 ሰብኡት ኣዳለዉ።

ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ብገለ መገዲ ብዛዕባ እቲ ውዲት ፈለጠ። እንታይ ከም ዝገበረ ትፈልጥዶ፧— ከይዱ ንጳውሎስ ነገሮ። ጳውሎስ ከኣ ንሓደ ኻብቶም ሓለቓ ሚእቲ ጸዊዑ፡ “እዚ ወድዚ ንሓለቓ ሽሕ ዚነግሮ ዘረባ አለዎ እሞ፡ ናብኡ ዀታ ኣእትወለይ” በሎ። እቲ ሓለቓ ሚእቲ ነቲ ወዲ ናብቲ ቅላውዴዎስ ሊስያስ ዝስሙ ሓለቓ ሽሕ ወሲዱ ኣገዳሲ ሓበሬታ ኸም ዘለዎ ነገሮ። ቅላውዴዎስ ነቲ ወዲ ንበይኑ ወሰዶ፡ እቲ ወዲ ኸኣ ኵሉ ነገር ነገሮ።

ቅላውዴዎስ ነቲ ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ፡ “እዚ ንኣይ ከም ዘፍለጥካኒ ንሓደ እኳ ኣይትንገር” ኢሉ ኣጠንቀቖ። ድሕሪኡ፡ ንኽልተ ሓላቑ ሚእቲ ጸዊዑ፡ ናብ ቂሳርያ ዚኸዱ 200 ዓቀይታይ፡ 70 ፈረሰኛ፡ ከምኡውን 200 ሰብ ኲናት ኬዳልዉ ነገሮም። ለይቲ ሰዓት ሰለስተ እቶም 470 ዝዀኑ ሰብኡት ንጳውሎስ ሒዞም ናብቲ ኣብ ቂሳርያ ዝነበረ ፌሊክስ ዝስሙ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ብደሓን ኣብጽሕዎ። ቅላውዴዎስ ኣብታ ናብ ፌሊክስ ዝጸሓፋ ደብዳበ ብዛዕባ እቲ ንጳውሎስ ንምቕታል ተኣሊሙ ዝነበረ ውዲት ገለጸ።

ስለዚ፡ እቶም ኣይሁድ ንጳውሎስ ኣብ ቤት ፍርዲ ቂሳርያ ኪኸስዎ እዮም ተገዲዶም። ይኹን እምበር፡ ንጳውሎስ ዚኸሱሉ ዋላ ሓንቲ መርትዖ ኣይነበሮምን። ኰይኑ ግን፡ ጳውሎስ ንኽልተ ዓመት ብዘይፍትሓዊ መገዲ ተኣስረ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ ሮሜ ኣብ ቤት ፍርዲ ኪቐርብ ይግባይ በለ፣ ናብኡ ኸኣ ተላእከ።—ግብሪ ሃዋርያት 23:16–24:27፣ 25:8-12

ካብዚ ብዛዕባ ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ዚገልጽ ጸብጻብ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧— ቅኑዕ ዘበለ ኽንዛረብ ትብዓት ከም ዚሓትትን ከምኡ እንተ ጌርና ህይወት ሰባት ከነድሕን ከም እንኽእልን ኢና እንመሃር። የሱስ፡ ጸላእቱ “ኪቐትልዎ ይደልዩ” ምንባሮም እናፈለጠ ኽነሱ፡ ንሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብዘይ ምቍራጽ ይነግሮም ነበረ። ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ነጊሩና ኣሎ። ከምኡ ኽንገብር ዲና፧ ልክዕ ከም ወዱ ሓብቱ ንጳውሎስ ትብዓት እንተ ኣልዩና፡ እወ ኸምኡ ኽንገብር ኢና።—ዮሃንስ 7:1፣ 15:13፣ ማቴዎስ 24:14፣ 28:18-20

ጳውሎስ ነቲ መንእሰይ ብጻዩ ዝነበረ ጢሞቴዎስ፡ “ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ፡ በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ” በሎ። (1 ጢሞቴዎስ 4:16) ወዱ ሓብቱ ንጳውሎስ ነዚ ኣኮኡ እተዛረቦ ዜተባብዕ ቃላት ኣብ ግብሪ ኸም ዘውዓሎ ኣየጠራጥርን እዩ። ንስኻኸ ኸምኡ ኽትገብር ዲኻ፧

^ ሕ.ጽ. 3 ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዑ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ፡ ነቶም ቈልዑ ኽትሓቶም ከም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።