ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግብራዊ መምርሒ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

ግብራዊ መምርሒ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

ግብራዊ መምርሒ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

ምኽሪ እንተ ደሊኻ፡ ማእለያ ዘይብሉ ምኽሪ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሰባት ንርእሶም ኪሕግዙ ተባሂሉ ዚዳሎ ጽሑፋትን ካልእ ነገራትን ኣብ ዓለም ቅልጡፍ ዕቤት ዜርኢ ንግዲ ዀይኑ ኣሎ። ኣብ ከም ብዓል ብሪጣንያ፡ ላቲን ኣመሪካ፡ ጃፓን፡ ከምኡውን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝኣመሰላ እተፈላለያ ሃገራት፡ ርእስኻ ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዚዳሎ መጻሕፍቲ ብዙሕ ዝርጋሐ ኣለዎ። ብዛዕባ እዚ ዚገልጽ ቪድዮታትን ሰሚናራትን መደባት ተለቪዥንን እውን ህቡብ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ። ካብ ተመራማሪ ስነ-ኣእምሮ፡ ኣማኻሪ ሓዳር፡ ወይ ኣገልጋሊ ቤተ-ክርስትያን ሓገዝ ከይደለኻ ንጸገማትካ ባዕልኻ ኽትፈትሖ ኸም እትኽእል እዩ ዚገልጽ። እዚ መምርሒታት እዚ ነየናይ መዳያት ህይወት እዩ ዚትንክፍ፧

ካብቲ ብዙሕ ተቐባልነት ዘለዎ ኣርእስትታት፡ ብሕታዊ ዕግበት ምርካብ፡ መጻምድቲ ምንዳይ፡ ከምኡውን ውሉዳት ምዕባይ ይርከቦ። ንጭንቀት፡ ንሓዘን፡ ከምኡውን ብሰንኪ ፍትሕ ንዚመጽእ ሳዕቤን ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ ዚሕብር ጽሑፋት ከኣ ኣሎ። ብዛዕባ ኻብ መጠን ንላዕሊ ምብላዕ፡ ሽጋራ ምትካኽ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ብዙሕ ምስታይ ዚገልጽ ምኽሪ እውን ተጠላቢ እዩ። እቲ ምኽሪ ግን ግብራዊ ድዩ፧ መብዛሕትኡ እዋን ግብራዊ ኣይኰነን። ስለዚ እምበኣር፡ “ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይአምን፡ ለባም ግና ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን” ዚብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጠንቀቕታ ኣብ ግምት ምእታው ጥበባዊ እዩ።—ምሳሌ 14:15

ርእስኻ ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዚዳሎ መጻሕፍቲ፡ ካብቲ ስእሊ፡ ሕሳብ፡ ወይ ቋንቋ ንኽትመሃር ዚሕግዝ መጽሓፍ መምሃሪ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። ከመይሲ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መጽሓፍ መምሃሪ፡ ፍሉይ ስልጠና ኻብ ምውሳድ ኣማራጺ ኪኸውን ዚኽእል ኣብ ርእሲ ምዃኑ ውጽኢታውን ብዋጋ ሕሱርን እዩ። ብዛዕባ ንግዲ፡ ሓዳር፡ ውሉዳት ምዕባይ፡ ወይ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዚገልጽ ርእስኻ እትሕግዘሉ መጻሕፍቲ ግን ካብዚ እተፈልየ እዩ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ንሓደ ዓይነት ፍልስፍና ወይ መገዲ ህይወት ክትስዕብ እዩ ዜተባብዕ። ስለዚ፡ ‘ነዚ ምኽሪ እዚ ዚህብ ዘሎ መን እዩ፧ ምንጪ እቲ ሓበሬታኸ እንታይ እዩ፧’ ኢልካ ምሕታት ጥበባዊ እዩ።

ክኢላታት ዚህብዎ ርእይቶ፡ ወትሩ ኣብቲ ብውሕሉል መገዲ እተኣከበ መርትዖታት እተመርኰሰ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ገሊኦም ክኢላታት፡ ነቲ ሰባት ኪሰምዕዎ ዚደልዩ ምንጋሮም ብዙሕ ገንዘብ ከም ዜምጽእ ስለ ዚፈልጡ፡ ተቐባልነት ኪረክብ ዚኽእል ምኽሪ ይህቡ። ኣብ ሓንቲ ሃገር እሞ ኸኣ እዚ ንግዲ እዚ ኣብ ዓዓመት ልዕሊ ሸሞንተ ቢልዮን ዶላር እዩ ዜኽስብ።

ርእስኻ ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዚዳሎ መጻሕፍቲ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ግብራዊ፧

ካብቲ ርእስኻ ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዚዳሎ መጻሕፍቲ፡ ግብራዊ ምኽሪ ኽትረክብ ኢኻ እትጽበ። ሓድሓደ እዋን ግን ዕምቈት ዘይብሉን ዘይጭቡጥን ኰይኑ እዩ ዚጸንሓካ። እዚ መጻሕፍቲ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ‘ብኣወንታዊ መገዲ ትሓስብ እንተ ዄንካ፡ ክትዕወት ኢኻ። ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ እንተ ኣልዩካ፡ ከም ገንዘብ፡ ጥዕና፡ ባህ ዜብል ርክብ ዝኣመሰለ እትደልዮ ነገራት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ’ ዚብል ምኽሪ እዩ ዚህብ። እዚ ምኽሪ እዚ ግን ግብራዊ ድዩ፧ ነቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥመካ ሕማቕን ጽቡቕን ክትዋጽኣሉ ይሕግዘካ ድዩ፧

ብዛዕባ እቲ ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብን ሓዳርን ዚገልጽ ህቡብ መጻሕፍቲ እስከ ኸም ኣብነት ንርአ። ሕጉስን ድልዱልን ስድራ ቤት ንምህናጽ ይሕግዝ ድዩ፧ ኵሉ ሳዕ ከምኡ እዩ ማለት ኣይኰነን። ሓንቲ ወሃቢት ርእይቶ፡ ነቲ ንፍቕሪ ብዚምልከት እተጻሕፈን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ህቡብ ዝዀነን ርእስኻ ንምሕጋዝ ተባሂሉ እተዳለወ መጻሕፍቲ ብዛዕባ ዝጸሓፈ ደራሲ ርእይቶኣ ኽትህብ ከላ፡ “እቶም ኣንበብቲ ብኸመይ ጽቡቕ ርክብ ከም ዚምስርቱን ርእሰ-ተኣማንነት ከም ዜማዕብሉን ይምህር” በለት። ጸሓፊ እዚ መጻሕፍቲ እዚ፡ ንሓደ ቐጻልነት ዘይብሉ ርክብ ተጻዊርካ ምንባር፡ ርእስኻ ምትላል ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። እምበኣር፡ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ፡ ጸገማትካ ኣለሊኻ ኽትፈትሖ ምጽዓር ዘይኰነስ፡ ደስ ዝበለካ ኽትገብር ከም እትኽእል እዩ ዚሕብር ዘሎ።

እቲ ርእስኻ ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዚዳሎ መጻሕፍቲ፡ እተወሰነ ጽቡቕ ምኽሪ ኺህልዎ ኸም ዚኽእል ዚከሓድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግን፡ ጐዳኢ ምኽሪ እውን ኪህብ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ሓጋዚ ምኽሪ ዚህብ ክኢላ፡ ብዛዕባ ኻልእ ጕዳይ ሕማቕ ምኽሪ ይህብ ይኸውን። ካብቲ እዚ መጻሕፍቲ እዚ ዚህቦ ማእለያ ዘይብሉ፡ መብዛሕትኡ እዋን ከኣ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ርእይቶታት ነየናይ ከም እትቕበል ምውሳን ኣጸጋሚ እዩ። ናይ መን ምኽሪ ኢኻ ደኣ እሞ ኽትኣምን እትኽእል፧ ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘እቲ ምኽሪ ብግቡእ ምርምር እተገብረሉ ድዩ፡ ወይስ ንብሕታዊ ኣረኣእያ እቲ ጸሓፊ እዩ ዜንጸባርቕ፧ እቲ ጸሓፊ፡ ሃብቲ ንምድላብ ወይ ተፈላጥነት ንምርካብ ዘለዎ ድሌት ክሳዕ ክንደይ እዩ ጸልይዎ፧’

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንነዊሕ እዋን ብሉጽ ምዃኑ ዘመስከረ መጽሓፍ እዩ። ብዛዕባ እቲ ርእስኻ ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዚዳሎ መጻሕፍቲ ዚትንክፎ ጕዳይን ብዛዕባ ኻልእን ግብራዊ ምኽሪ ይህብ እዩ። ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት፡ “በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ . . . ሓድሽ ሰብ ልበሱ” ንዚብል ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ደሪኽዎም እዩ። (ኤፌሶን 4:23, 24) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምንጪ ጸገማትና ንኸነለሊ ምስትውዓል ይህበና፡ ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ኸም እንኽእል ከኣ ይምህረና። ልዕሊ ዅሉ ድማ ቅኑዕ ዘበለ ኽንገብር ሓያልን ግብራውን መተባብዒ ይህበና። እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ክትገልጽ እያ።