ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብምስትውዓል ስጕምቲ ወሰደት

ብምስትውዓል ስጕምቲ ወሰደት

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

ብምስትውዓል ስጕምቲ ወሰደት

ኣቢጋይል ኣብ ገጽ እቲ መንእሰይ ስንባደ ኣንበበት። ኣዝዩ ፈሪሁ እዩ ነይሩ፣ ሓቁ ኸኣ እዩ። ከመይሲ፡ ዓብዪ ሓደጋ እዩ ኣንጸላልዩ ነይሩ። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ 400 ዚዀኑ ተዋጋእቲ ነቶም ኣብ ቤት ላባን ሰብኣይ ኣቢጋይል ዚርከቡ ዅሎም ደቂ ተባዕትዮ ንኪቐትልዎም ይመጹ ነበሩ። ስለምንታይ፧

እዚ ዅሉ ብሰንኪ ናባል እዩ ኣጋጢሙ። ከምቲ ዅሉ ሳዕ ዚገብሮ፡ ጭካነን ድርቅናን ዝመልኦ ስጕምቲ ወሰደ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ንፍቑር መራሒ ሓደ እሙንን ብዚግባእ ዝሰልጠነን ጭፍራ ተዋጋእቲ ብጌጋ ጸረፎ። ድሕሪኡ፡ ሓደ ኻብቶም ጓሳ ኪኸውን ዚኽእል ሰራሕተኛታት ላባን፡ ንኸተድሕኖም ገለ ነገር ከም እትገብር ብምትእምማን ናብ ኣቢጋይል መጸ። ሓንቲ ሰበይቲ እሞ ኣንጻር ሰራዊት እንታይ እያ ኽትገብር እትኽእል፧

ፈለማ ግን እስከ ብዛዕባ እዛ ንፍዕቲ ሰበይቲ ቝሩብ ንመርምር። ኣቢጋይል መን እያ ነይራ፧ እቲ ጸገም ዝጀመረኸ ብኸመይ እዩ፧ ካብቲ ዘርኣየቶ እምነት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

“ኣዝያ ኣስተውዓሊትን መልክዔኛን”

ኣቢጋይልን ናባልን ብባህሪኦም ፈጺሞም ኣይራኸቡን እዮም ነይሮም። ናባል ንፍዕቲ ሰበይቲ እዩ ረኺቡ፣ ንሱ ግን ንዓኣ ዚኸውን ሰብኣይ ኣይነበረን። ሓቂ እዩ፡ ናባል ሃብቲ ነይርዎ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ንርእሱ ኽብ ኣቢሉ ይርእያ ነበረ፣ ካልኦት ግን ብኸመይ ይርእይዎ ነበሩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ላባን ገይሩ ብዜስተናዕቕ መገዲ እተገልጸ ሰብ የለን። ስሙ እውን እንተ ዀነ፡ “ጽሉል” ወይ “ዓሻ” ማለት እዩ። እዚ ስም እዚ ወለዱ ዘውጽኡሉ ይኹን ወይ ደሓር እተዋህቦ ብዘየገድስ፡ ከም ስሙ እዩ ነይሩ። “ጨካን ግብሩ ድማ ክፉእ ነበረ።” ዓሻን ሰኽራምን ብምንባሩ፡ ኣዝዩ ይፍራህን ይጽላእን እዩ ነይሩ።—1 ሳሙኤል 25:2, 3, 17, 21, 25

ይኹን እምበር፡ ኣቢጋይል ካብኡ ኣዝያ እተፈልየት እያ ነይራ። “ኣቦይ ተሓጐሰ” ዝትርጕሙ ስም ከኣ እዩ ነይርዋ። ብዙሓት ኣቦታት፡ በተን ምልኩዓት ደቆም ይሕበኑ እዮም፣ ንሓደ ጥበበኛ ኣቦ ዝያዳ ዘሐጕሶ ግን ውሉዱ ውሽጣዊ ጽባቐ ምስ ዚህልዎ እዩ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ሓደ ደጋዊ ጽባቐ ዘለዎ ሰብ ንኸም ምስትውዓል፡ ጥበብ፡ ትብዓት፡ ወይ ከኣ እምነት ዝኣመሰለ ባህርያት ኬማዕብል ከም ዘለዎ ኣይግንዘብን እዩ። ኣቢጋይል ግን ከምኡ ኣይነበረትን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኣ፡ “ኣዝያ ኣስተውዓሊትን መልክዔኛን ነበረት” ይብል።—1 ሳሙኤል 25:3

ሎሚ ገሊኦም ሰባት፡ እዛ መስተውዓሊት ሰበይቲ ንሓደ ዘይረብሕ ሰብኣይ ምምርዓዋ የገርሞም ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ መብዛሕትኡ መውስቦ፡ ወለዲ ብዘማጽእዎ ይግበር ምንባሩ ኣይትረስዕ። ዋላ እውን ወለዲ ኣየማጽእዎ፡ እቲ ዚህብዎ ፍቓድ ግን ኣዝዩ ኣገዳሲ ነበረ። ወለዲ ኣቢጋይል በቲ ናባል ዝነበሮ ሃብትን ዝናን ስለ እተማረኹ ድዮም እዚ መውስቦ እዚ ኸም ዚፍጸም ገይሮም፧ ድኽነት ድዩ ኸምዚ ኸም ዚገብሩ ገይርዎም፧ እቲ ምኽንያት ብዘየገድስ፡ ናባል ዝነበሮ ሃብቲ፡ ንፉዕ ሰብኣይ ከም ዚኸውን ኣይገበሮን።

ጥበበኛታት ወለዲ ንውሉዳቶም ንመውስቦ ኣኽቢሮም ኪርእይዎ ኸም ዘለዎም ይምህርዎም እዮም። ደቆም ንገንዘብ ኢሎም ኪምርዓዉ ወይ ገና ብንእስነቶም ከም በጽሕታት ሓላፍነት ብምስካም ምስ ኣንጻር ጾታ ዕርክነት ኪምስርቱ ኣየተባብዕዎምን እዮም። (1 ቈረንቶስ 7:36) ይኹን እምበር፡ ኣቢጋይል ብዛዕባ እዚ ዋላ ሓንቲ ኽትገብር ኣይትኽእልን እያ ነይራ። እቲ ምኽንያት ብዘየገድስ፡ ንናባል ተመርዓወቶ፣ ነቲ ዝነበረቶ ኣጸጋሚ ዅነታት ብዚግባእ ክትጥቀመሉ ድማ ቈሪጻ ነበረት።

“ሰጐጎም”

ናባል ንዅነታት ኣቢጋይል ዝያዳ ኸም ዚጋደድ ገበሮ። ከመይሲ፡ ነቲ ብነብዪ ሳሙኤል እተቐብአን ካብ ሳኦል ቀጺሉ ዚነግስን እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ዝነበረ ዳዊት እዩ ጸሪፍዎ። (1 ሳሙኤል 16:1, 2, 11-13) ካብቲ ቐናእን ቀታልን ዝነበረ ንጉስ ሳኦል ይሃድም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከኣ ምስቶም 600 ዚዀኑ እሙናት ተዋጋእቱ ኣብ በረኻ ሰፊሩ ነበረ።

ናባል ኣብ ማዖን ይነብር ነበረ፣ ኣብ ቀርሜሎስ ይሰርሕ፡ ምናልባት እውን ኣብ ጥቓኡ መሬት ይውንን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። * እዚ ቦታ እዚ ኣዝዩ ልሙዕን ኣባጊዕ ንምርባሕ ዚምሽእን ብምንባሩ፡ ናባል 3,000 ኣባጊዕ ነበራኦ። ኵሉ ሸነኽ እቲ መሬት ግን ሰብ ዘይነብሮ ቦታ እዩ ነይሩ። ብሸነኽ ደቡብ፡ በረኻ ጳራን ነበረ። ብሸነኽ ምብራቕ ድማ እቲ ናብ ባሕሪ ጨው ዚወስድ መገዲ ብስንጭሮታትን በዓትታትን ዝመልአ በረኻ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ኸባቢ እዚ እዮም ዳዊትን ሰቡን ሃዲኖም እናበልዑ ዀነ ብዙሕ ጸገማት እናሕለፉ ዚነብሩ ነይሮም። ብተደጋጋሚ ኸኣ ምስ ጓሶት እቲ ሃብታም ዝነበረ ናባል ይራኸቡ ነበሩ።

እዞም ጻዕረኛታት ተዋጋእቲ፡ ነቶም ጓሶት ብኸመይ እዮም ዚሕዝዎም ነይሮም፧ ሓሓሊፉ ኻብኦም ኣባጊዕ ኪወስዱ ይኽእሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ከምኡ ግን ኣይገበሩን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ልክዕ ከም መካበብያ ዀይኖም ንመጓሰን ኣገልገልትን ላባን ይሕልውዎም ነበሩ። (1 ሳሙኤል 25:15, 16) ጓሶትን ኣባጊዕን ብዙሕ ሓደጋ እዩ ዜጋጥሞም። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብዙሓት ጐሓሉ ነበሩ። ሰሜናዊ ዶብ እስራኤል ከኣ ናብቲ ቦታ ቐረባ ስለ ዝነበረ፡ ካብቲ ኸባቢ ዝመጹ ጭፍራ ኸተርትን ሰረቕትን ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ የውርዱ ነበሩ። *

ንዅሎም እቶም ኣብ በረኻ ዝነበሩ ሰብኡት ምምጋብ፡ ኣዝዩ ኸቢድ ሓላፍነት እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ሓደ መዓልቲ ዳዊት ሓገዝ ንምሕታት ዓሰርተ መልእኽተኛታት ናብ ናባል ለኣኸ። ኣብ ጽቡቕ እዋን ከኣ እዩ ኸምኡ ገይሩ። ከመይሲ፡ ኣባጊዕ ዚቝረጻሉ ወይ ዚቕምቀማሉ እዋን ብምዃኑ፡ ልግሲ ምሃብን ድግስ ምግባርን ልሙድ እዩ ነይሩ። ዳዊት፡ ትሕትና ዝመልኦ ኣዘራርባ ብምጥቃም ንቓላቱ ተጠንቂቑ እዩ መሪጽዎ። ንዕድመ ናባል ኣኽቢሩ ብምርኣይ፡ “ንወድኻ ዳዊት” ኢሉ ተዛረበ። እሞኸ ናባል እንታይ ምላሽ ሃበ፧—1 ሳሙኤል 25:5-8

ኣዝዩ ተቘጥዐ! እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ መንእሰይ ብዛዕባ እዚ ንኣቢጋይል ኪገልጸላ ኸሎ፡ “ሰጐጎም” በላ። ናባል ኣዝዩ ስሱዕ ብምንባሩ፡ ብዛዕባ እቲ እንጌራኡን ማዩን ዝሓረዶ ሕሩዱን ተዛረበ። ንዳዊት ከኣ ከም ዘይረብሕ ሰብ ገይሩ ኣላገጸሉ፣ ካብ ጐይታኡ ምስ ዝሃደመ ኣገልጋሊ ድማ ኣመሳሰሎ። እቲ ዝነበሮ ኣረኣእያ ምስ ኣመለኻኽታ እቲ ንዳዊት ዚጸልኦ ዝነበረ ሳኦል ተመሳሳሊ እዩ ነይሩ። ክልቲኦም ኣረኣእያኦም ካብ የሆዋ እተፈልየ ነበረ። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ንዳዊት የፍቅሮ ነበረ፣ ከም ዓለወኛ ኣገልጋሊ ዘይኰነስ፡ ኣብ መጻኢ ንጉስ እስራኤል ከም ዚኸውን ሰብ ገይሩ ኸኣ እዩ ዚርእዮ ነይሩ።—1 ሳሙኤል 25:10, 11, 14

እቶም ዳዊት ዝለኣኾም ሰባት ተመሊሶም መጺኦም ኵሉ ነገር ምስ ነገርዎ፡ ዳዊት ኣዝዩ ሓረቐ። “ነፍሲ ወከፍኩም ሴፍኩም ተዐጠቑ” ኢሉ ኸኣ ኣዘዞም። ንሱ እውን ተዓጢቑ ምስ 400 ዚዀኑ ሰብኡት ኰይኑ ኸደ። ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ቤት ናባል ዚርከብ ወዲ ተባዕታይ ከም ዜጥፍእ ከኣ መሓለ። (1 ሳሙኤል 25:12, 13, 21, 22) ዜሕርቕ ምኽንያት እኳ እንተ ነበሮ፡ እቲ ንሕርቃኑ ዝገለጸሉ መገዲ ግን ጌጋ እዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ” ይብል። (ያእቆብ 1:20) ኰይኑ ግን፡ ኣቢጋይል ብኸመይ እያ ንስድራ ቤታ ኸተድሕን እትኽእል፧

‘ኣእምሮኺ ብሩኽ ይኹን’

ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፡ ኣቢጋይል ነቲ እተፈጸመ ዓብዪ ጌጋ ንምዕራይ ስጕምቲ ወሲዳ እያ። ከም ናባል ሰብኣያ ዘይኰነስ፡ ንምስማዕ ፍቓደኛ ነበረት። እቲ መንእሰይ ኣገልጋሊ ብዛዕባ ናባል ኪዛረብ ከሎ፡ “ሓደ እኳ ኺዛረቦ ዘይኽእል ወዲ ብልያል እዩ” በለ። * (1 ሳሙኤል 25:17) እቲ ዜሕዝን፡ ናባል ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዝነበሮ ኽብ ዝበለ ኣረኣእያ፡ ዘረባ ሰብ ከም ዘይሰምዕ ገበሮ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ከምዚ ዝበለ ትዕቢት ልሙድ እዩ። እቲ መንእሰይ ግን ኣቢጋይል ካብኡ እተፈልየት ምዃና ይፈልጥ ነበረ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ነቲ ጸገም ኬካፍላ ናብኣ ዝቐረበ።

ኣቢጋይል ብዛዕባ እዚ ድሕሪ ምሕሳብ፡ ቀልጢፋ ስጕምቲ ወሰደት። ኣብዛ ጸብጻብ እዚኣ ጥራይ ኣርባዕተ ግዜ “ቀልጢፋ” ስጕምቲ ብዛዕባ ምውሳዳ ዚገልጽ ግሲ ንረክብ ኢና። ንዳዊትን ሰቡን ዚኸውን ህያብ ከኣ ኣዳለወት። እዚ ድማ እንጌራ፡ ወይኒ፡ ኣባጊዕ፡ ጥቡስ ሰዊት፡ ጐጎ ዘቢብ፡ ከምኡውን ጐጎ በለስ ዜጠቓልል ነበረ። ኣቢጋይል ልክዕ ከምታ ጸኒሓ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ እተጠቕሰት ደገኛ ሰበይቲ፡ ኣብ ቤታ ብዛዕባ ዝነበረ ዅሉ ነገራት ትፈልጥን ትቈጻጸርን ነበረት። (ምሳሌ 31:10-31) ነቲ ዘዳለዋቶ ምግቢ ብኣገልገልታ ገይራ ቐቅድሚኣ ለኣኸቶ፣ ንበይና ኸኣ ሰዓበቶም። “ንሰብኣያ ናባል ግና ኣይነገረቶን።”—1 ሳሙኤል 25:18, 19

ኰይኑ ግን፡ ኣቢጋይል ንርእስነት ሰብኣያ ኣይተኽብርን እያ ነይራ ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ናባል ኣንጻር ቅቡእ ኣገልጋሊ የሆዋ እዩ እኩይ ነገራት ገይሩ፣ እዚ ስጕምቲ እዚ ኸኣ ኣብ ብዙሓት ንጹሃት ኣባላት ስድራ ቤቱ ሞት ዜስዕብ ነበረ። ኣቢጋይል ስጕምቲ እንተ ዘይትወስድ ነይራ፡ ኣብ ገበን ሰብኣያ ተኻፋሊት ደይኰነትን እትኸውን፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ ካብ ሰብኣያ ንላዕሊ ንኣምላኽ ተኣዘዘት።

ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ኣቢጋይል ምስ ዳዊትን ሰቡን ተራኸበት። ቀልጢፋ ድማ ካብ ኣድጊ ወሪዳ ንዳዊት ሰገደትሉ። (1 ሳሙኤል 25:20, 23) ድሕሪኡ፡ ንሰብኣያን ንስድራ ቤታን ምሕረት ኪግበረሎም ሓያል ልመና ብምቕራብ ንዳዊት ናይ ሓቂ ስምዒታ ገለጸትሉ። እቲ ዘረባኣ ውጽኢታዊ ኪኸውን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

ብዛዕባ እቲ ጸገም ሓላፍነት ከም እትወስድ ብምግላጽ፡ ዳዊት ይቕረታ ኺገብረላ ሓተተቶ። ሰብኣያ ልክዕ ከም ስሙ ዘይረብሕ ከም ዝዀነ ኽትገልጽ ከላ፡ ዳዊት ንኸምዚ ዓይነት ሰብኣይ ምቕጻዑ ንኽብረቱ ኸም ዜጕድሎ እያ እትሕብሮ ነይራ። ዳዊት “ውግእ እግዚኣብሄር” ከም ዚዋጋእ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ከም ወኪል የሆዋ ገይራ ኸም እትርእዮ ሓበረት። ብዘይካዚ፡ ‘የሆዋ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሓለቓ ኸም ዚገብሮ’ ብምዝራብ፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ዳዊትን ብዛዕባ ንዕኡ ዚህቦ ንግስናን ዝኣተዎ መብጽዓ ኸም እትፈልጦ ገለጸት። ብተወሳኺ እውን፡ ዳዊት ደም ከም ዜፍስስ ዚገብሮ፡ ጸኒሑ ድማ “ንምስቃቕ ልቢ” ዜሳጥሖ ስጕምቲ ኸይወስድ ተማሕጸነቶ። እታ ኣብዚ “ንምስቃቕ ልቢ” ተባሂላ ዘላ ሓረግ፡ ናይ ሕልና ምውቃስ እያ እተመልክት። (1 ሳሙኤል 25:24-31) ከመይ ዝበለ ሕያውነት ዝመልኦን ልቢ ዚትንክፍን ቃላት ኰን እዩ!

ዳዊት እንታይ ምላሽ ሃበ፧ ነቲ ኣቢጋይል ዘምጽኣቶ ተቐቢሉ፡ “እቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽትቅበልኒ ዝሰደደኪ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ኣእምሮኺ ድማ ብሩኽ ይኹን፡ ንስኺውን ኣብ ደም ካብ ምእታው፡ ሎሚ መዓልቲ ዝኸልከልክኒ ብርኽቲ ኹኒ” በላ። ምስኡ ኽትራኸብ ቀልጢፋ ብምምጻኣ ኣመስገና፣ ኣብ ደም ካብ ምእታው ከም ዝኸልከለቶ ድማ ተኣመነ። “ዘረባኺ ሰሚዔ፡ . . . ናብ ቤትኪ ብሰላም ደይቢ” ኸኣ በላ።—1 ሳሙኤል 25:32-35

“እኔኹ ገረድካ”

ዳዊትን ኣቢጋይልን ምስ ተፈላለዩ፡ ኣቢጋይል ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ዝርርብ ትሓስብ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ፣ ኣብ መንጎ እቲ እሙንን ሕያዋይን ዝነበረ ዳዊትን እቲ እተመርዓወቶ ጨካን ሰብኣይን ንዘሎ ፍልልይ እውን ኣስተብሂላትሉ ኽትከውን ኣለዋ። ኰይኑ ግን፡ ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ኣይሓሰበትን። ከመይሲ፡ “ኣቢጋይል ድማ ናብ ናባል መጸት” ዚብል ነንብብ ኢና። እወ፡ ክሳዕ ዚከኣላ ነቲ ኸም ሰበይቲ መጠን ዘለዋ ግደ ንኽትፍጽም ብምቝራጽ ናብ ሰብኣያ ተመልሰት። ብዛዕባ እቲ ንዳዊትን ንሰቡን ዝሃበቶም ህያብ ክትነግሮ ነበራ። ምኽንያቱ፡ ኪፈልጥ መሰል ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ እቲ እተወገደ ሓደጋ ኻብ ካልእ ሰብ እንተ ሰሚዑ ዝገደደ ውርደት ስለ ዜምጽእ፡ ክትነግሮ ነበራ። ሽዑ ምስ ተመልሰት ግን ክትነግሮ ኣይከኣለትን። ከመይሲ፡ ከም ምሳሕ ንጉስ ዝበለ ድግስ ኣዳልዩን ኣዝዩ ሰኺሩን እዩ ነይሩ።—1 ሳሙኤል 25:36

ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ትብዓትን ምስትውዓልን ብምርኣይ፡ ክሳዕ ስኽራኑ ዚሓድጎ፡ ማለት ክሳዕ ንጽባሒቱ ጸንሐት። ስኽራኑ ምስ ሓደጎ ብህዱእ ልቢ ኺሰምዓ ይኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ገና ግን ኪቝጣዕ ይኽእል ነበረ። ይኹን እምበር፡ ኵሉ ነገር ነገረቶ። ብሓርቖት ኪግንፍል፡ ምናልባት እውን ኪንድር ተጸብያ ኽትከውን ኣለዋ። ኣብ ክንዳኡ ግን፡ ተዓኒዱ ተረፈ።—1 ሳሙኤል 25:37

እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧ “ልቡ ኣብ ውሽጡ ሞተ፡ ከም እምኒውን ኰነ።” ምናልባት ወቕዒ ኣጋጢምዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ብምኽንያት ሕማም ዘይኰነስ፡ “እግዚኣብሄር . . . ወቕዖ፡ ሞተ ኸኣ።” (1 ሳሙኤል 25:38) ሳላ እዚ ፍትሓዊ ቕትለት፡ ኣቢጋይል ካብቲ ሕማቕ ሓዳር ተገላገለት። ሎሚ የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ብምቕታል ኢዱ ዘየእቱ እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ጸብጻብ እዚ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ንዜጋጥም ጭከና ወይ ህስያ ዕሽሽ ኢሉ ኸም ዘይሓልፎ ዜርኢ እዩ። ኣብ ግቡእ ግዜኡ፡ ፍትሒ ኺገብር እዩ።

ኣቢጋይል ካብ ሕማቕ ሓዳር ተገላጊላ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካልእ በረኸት እውን ይጽበያ ነበረ። ዳዊት ብዛዕባ ሞት ላባን ምስ ፈለጠ፡ ሰበይቱ ኽትከውን መልእኽተኛታት ለኣኸላ። ኣቢጋይል ድማ፡ “እኔኹ ገረድካ፡ ንምሕጻብ ኣእጋር ገላዉ ጐይታይ ግዝእቲ እኹን” ኢላ መለሰትሉ። ብርግጽ እምበኣር፡ ዳዊት ሰበይቱ ኽትከውን ስለ ዝሓተታ፡ ኣረኣእያኣ ኣይቀየረትን፣ የግዳስ፡ ኣገልጋሊት ገላዉኡ ኽትከውን እያ ሓቲታ። ሽዑ እውን ከምቲ ኣቐዲማ ዝገበረቶ፡ ቀልጢፋ ብምትንሳእ ናብ ዳዊት ክትከይድ ተዳለወት።—1 ሳሙኤል 25:39-42

ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ ኵሉ ነገር ምሹው ነይሩ ማለት ኣይኰነን። ዳዊት ኣቐዲሙ ንኣሒኖዓም ተመርዕዩዋ ነበረ፣ ኣብቲ እዋን እቲ ኸኣ ንሓንቲ እምንቲ ሰበይቲ፡ ድርብ መውስቦ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። * ዳዊት እውን እንተ ዀነ ገና ንጉስ ኣይኰነን ነይሩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ቅድሚ ንየሆዋ ንጉስ ኰይኑ ምግልጋሉ፡ ብዙሕ ዕንቅፋትን ጸገምን የጋጥሞ ነበረ። ኰይኑ ግን፡ ምስ ዳዊት እናተደጋገፉ ኺነብሩ ኸለዉ፡ ኣኽቢሩ ዚርእያን ካብ ሓደጋ ዜዕቍባን ሰብኣይ ከም ዘለዋ ረኣየት፣ ወዲ ኸኣ ወለደትሉ። ኣብ ሓደ እዋን እሞ ኸኣ ካብ ጨወይቲ ኣድሒንዋ እዩ! (1 ሳሙኤል 30:1-19) በዚ ኸምዚ፡ ዳዊት ነቲ ንመስተውዓሊትን ተባዕን እምንትን ሰበይቲ ኣኽቢሩ ዚርኢ የሆዋ ኣምላኽ ቀድሖ።

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 13 እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ኸረን ቀርሜሎስ፡ ነቲ ብሸነኽ ሰሜን ዚርከብ ህቡብ ከረን ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣብ ጫፍ ደቡባዊ በረኻ ዚርከብ ቦታ እዩ ዜመልክት።

^ ሕ.ጽ. 14 ዳዊት ነቶም ወነንቲ መሬትን መጓሰኦምን ምሕላው ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ምግልጋል ገይሩ ይርእዮ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ዘርኢ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኣብታ መሬት ኪነብሩ ዕላማ የሆዋ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነታ መሬት ካብ ወረርትን ጭፍራ ኸተርትን ምሕላው ከም ቅዱስ ኣገልግሎት ገይርካ ይርአ ነበረ።

^ ሕ.ጽ. 19 እታ እቲ መንእሰይ እተጠቕመላ “ብልያል” እትብል ቃል፡ ቃል ብቓሉ “ዘይረብሕ” ማለት እያ። ካልእ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናባል “ንዝዀነ ይኹን ሰብ ዘይሰምዕ” ሰብኣይ ምንባሩ ዚሕብር መግለጺ ዜጠቓልል ሓሳብ ኣለዎ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ “ንዕኡ ምዝራብ ዋጋ የብሉን።”

^ ሕ.ጽ. 30 ነታ ኣብ ገጽ 30 እትርከብ “ኣምላኽ ንድርብ መውስቦ ይድግፎ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ኣቢጋይል ከም ሰብኣያ ዘይኰነስ፡ ንምስማዕ ፍቓደኛ ነበረት

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ኣቢጋይል ንዳዊት ክትዛረቦ ኸላ፡ ትሕትናን ትብዓትን ምስትውዓልን ኣርኣየት