ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዜደንቕ ቤት ማሕተም

ዜደንቕ ቤት ማሕተም

ዜደንቕ ቤት ማሕተም

ከምዛ እተንብባ ዘለኻ መጽሔት፡ ቅድሚ ሕጂ ርኢኻ ትኸውን ኢኻ። ምናልባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤትካ መጺኦም፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ንኽትርድኦ ምእንቲ ኺሕግዘካ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ኣበርኪቶምልካ ይዀኑ። ወይ ከኣ ኣብ መገዲ ይኹን ኣብ ዕዳጋ ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ኬበርክቱ ኸለዉ ርኢኻዮም ትኸውን ኢኻ። አረ እዛ መጽሔት እዚኣስ ኣብ ወርሒ ብልዕሊ 35 ሚልዮን ቅዳሓት እያ እትሕተም፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ካብቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚሕተም ሃይማኖታዊ መጽሔታት ንላዕሊ ብሰፊሑ እትሕተም መጽሔት ኰይና ኣላ።

እዚ ዅሉ ጽሑፋት ኣበይን ብኸመይን ከም ዚዳሎ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ነዚ ንምምላስ፡ ንሓደ ኻብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ዘለዎም ቤት ማሕተም፡ ማለት ነቲ ኣብ ዎልኪል፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ቤት ማሕተም እስከ ንርአ። ናብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ቤት ማሕተም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምኻድ ቀሊል ስለ ዘይኰነ፡ እዚ ዚስዕብ ብቓላትን ብስእልን ዚግበር ምብጻሕ ብዛዕባኡ ዝያዳ ንኽትፈልጥ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ሓቂ እዩ፡ ሕትመት ንኺጅምር፡ ዚሕተም ጽሑፍ ኪህሉ ኣለዎ። ስለዚ፡ ክፍሊ ግራፊክስ ወይ ስእሊ ኻብቲ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ ክፍሊ ጽሕፈት ንሕትመት ዚኸውን ፋይላት ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ይቕበል። እዚ ፋይላት ከኣ ኣብቲ ንሕትመት ዚኸውን ረቂቕ ቀጸላ ሓጺን ይጸሓፍ። ኣብ ዎልኪል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዳርጋ 1,400 ዚኸውን ጥቕላላት ወረቐት ናብቲ ቤት ማሕተም ይመጽእ፣ ኣብ መዓልቲ ኸኣ ካብ 80 ኽሳዕ 100 ቶን ወረቐት ኣብ ጥቕሚ ይውዕል። ገሊኡ ኻብቲ ጥቕላላት ልዕሊ 1,300 ኪሎ ግራም ዚምዘን ኰይኑ፡ ናብተን ሓሙሽተ ሓተምቲ ማካይን ይኣቱ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ሓንቲ ዓባይ ወረቐት ምስ ተሓትመ ይቕደድ፣ ናብ 32 ገጽ ከኣ ይዕጸፍ። እዛ ሕጂ እተንብባ ዘለኻ መጽሔት፡ ኣብ ሓንቲ ዓባይ ወረቐት እተሓትመት እያ። ሓንቲ መጽሓፍ ንምድላው ከኣ እቲ ብዙሕ ክፋላት ወረቐት ብሓደ ይጥመር። ኣብቲ ጽሑፋት ዚጥረዘሉ ኽፍሊ፡ ክልተ ማሽናት እየን ዘለዋ፣ እታ ሓንቲ ማሽን ኣብ ሓንቲ መዓልቲ 50,000 ተሪር ገበር ዘለዎ ወይ ከኣ 75,000 ልስሉስ ገበር ዘለዎ መጻሕፍቲ ኸተዳሉ ትኽእል እያ። እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ዳርጋ 100,000 ልስሉስ ገበር ዘለዎ መጻሕፍቲ ኸተዳሉ ትኽእል እያ።

ብ2008 እዚ ቤት ማሕተም እዚ 2.6 ሚልዮን መጽሓፍ ቅዱሳት ዜጠቓልል ልዕሊ 28,000,000 መጻሕፍቲ ኣዳለወ። ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ 243,317,564 መጽሔታት እውን ኣዳልዩ እዩ። ብዳርጋ 380 ቋንቋታት እተዳለወ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት እውን ይኽዝን እዩ። እቲ ጽሑፋት ምስ ተዳለወ እንታይ ይኸውን፧

እዚ ቤት ማሕተም እዚ፡ ካብተን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዚርከባ 12,754 ጉባኤታት ከምኡውን ካብተን ኣብ ካሪበያን ሃዋይን ዚርከባ 1,369 ጉባኤታት ናይ ጽሑፍ ትእዛዝ ይቕበል እዩ። ክፍሊ ምልኣኽ ከኣ ነዚ ትእዛዝ እዚ ዓሺጉ ነናብ ኣድራሻኡ ይልእኮ። ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፡ ዳርጋ 14 ሚልዮን ኪሎ ግራም ዚኸውን ጽሑፋት ናብተን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዚርከባ ጉባኤታት ይለኣኽ።

ኣገዳሲ ኽፋል እዚ ቤት ማሕተም፡ እቲ ማሽናት ዘይኰነስ፡ እቶም ኣብኡ ዚዓዩ ሰባት እዮም። እዚ ኽፍሊ ሕትመት እዚ፡ ንስእሊ፡ ንምደባ፡ ንምጥራዝ፡ ሕትመት ንዚካየደሉ ኽፍሊ፡ ከምኡውን ንኽፍሊ ምልኣኽ ዜጠቓልል ኰይኑ፡ ልዕሊ 300 ፍቓደኛ ሰራሕተኛታት ዝሓዘ እዩ። እዞም ደሞዝ ዘይክፈሎም ወለንተኛታት እዚኣቶም፡ ዕድሚኦም ካብ 19 ኽሳዕ 92 ይበጽሕ።

እዞም ወለንተኛ ሰራሕተኛታት እዚኣቶም፡ ብዛዕባ እቶም ነዚ ጽሑፋት ብሃንቀውታ ዚቕበሉ ኸምኡውን ነቲ ኣብኡ ዚርከብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተማሂሮም ብእኡ ዚተባብዑን ዚምርሑን ሰባት ኣዝዮም ይግደሱ እዮም። ንስኻ እውን ሓደ ኻብቶም ነዚ ጽሑፍ እዚ ዜንብቡ ሰባት ከም ዝዀንካ ተስፋ ንገብር፣ እዚ ጽሑፋት እዚ ነቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትረክብ ዜኽእለካ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ዚገልጽ ፍልጠት ክትረክብ ኪሕግዘካ እዩ።—ዮሃንስ 17:3