ብዛዕባ መጻኢ ደቂ ሰብ
ካብ የሱስ እንመሃሮ ትምህርቲ
ብዛዕባ መጻኢ ደቂ ሰብ
የሱስ ብዛዕባ ሰማያዊ ህይወት ተመባጺዑ ድዩ፧
እወ፡ ተመባጺዑ እዩ። ንሱ ንባዕሉ ኻብ ሞት ምስ ተንስአ፡ ምስ ኣቦኡ ኪኸውን ናብ ሰማይ ዓረገ። ኰይኑ ግን፡ ቅድሚ ሞቱን ትንሳኤኡን ነቶም 11 እሙናት ደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። . . . ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ” በሎም። (ዮሃንስ 14:2) ይኹን እምበር፡ ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ዚረኽብዎ ሰባት ሒደት እዮም። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣታ ሒደት መጓሰ፡ እታ መንግስቲ ኺህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ” ኪብሎም ከሎ፡ ነዚ ሓቂ እዚ ኣነጸሮ።—ሉቃስ 12:32።
እቶም “ሒደት መጓሰ” ኣብ ሰማይ እንታይ እዮም ኪገብሩ፧
የሆዋ፡ ኣባላት እዛ ንእሽቶ ጕጅለ እዚኣ ኣብ ሰማይ ምስ የሱስ ኪገዝኡ እዩ ዚደሊ። ከምኡ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧ የሱስ ካብ ሞት ድሕሪ ምትንሳኡ፡ ገሊኦም እሙናት ሰባት ‘ኣብ ምድሪ ኸም ዚነግሱ’ ንሃዋርያ ዮሃንስ ብራእይ ገለጸሉ። (ራእይ 1:1፣ 5:9, 10) እዝስ ከመይ ዝበለ ብስራት ኰን እዩ! ከመይሲ፡ ሓደ ኻብቲ ንደቂ ሰብ ዜድልዮም ዓብዪ ነገር፡ ጽቡቕ መንግስቲ እዩ። እዛ ብየሱስ እትግዛእ መንግስቲ እንታይ ክትፍጽም እያ፧ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ‘ንስኻትኩም ዝሰዓብኩምኒ፡ ብሓድሽ ልደት በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዝፋን ክብሩ ዚቕመጠላ ጊዜ፡ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ዝፋን ክትቅመጡ ኢኹም’ በሎም። (ማቴዎስ 19:28) ግዝኣት የሱስን ሰዓብቱን ‘ሓድሽ ልደት’ ወይ ምሕዳስ ኬምጽእ እዩ፣ እዚ ኸኣ እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ቅድሚ ምሕጣኦም ኣብ ምድሪ ንዝነበረ ፍጹም ኵነታት ዚመልስ እዩ።
የሱስ ንኻልኦት ደቂ ሰብ እንታይ ተስፋ እዩ ሂብዎም፧
ደቂ ሰብ ኣብ ምድሪ ኺነብሩ እዮም ተፈጢሮም፣ ብኣንጻሩ ግን፡ የሱስ ኣብ ሰማይ ኪነብር እዩ ተፈጢሩ። (መዝሙር 115:16) በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሱስ፡ “ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፡ ኣነ ኻብ ላዕሊ እየ” በለ። (ዮሃንስ 8:23) ብዛዕባ እቲ ደቂ ሰብ ኣብ ምድሪ ዚረኽብዎ ዜደንቕ መጻኢ እውን ገሊጹ ነይሩ እዩ። ሓደ እዋን፡ “ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:5) ነዚ ዚስዕብ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መዝሙር እዩ ዚጠቅስ ነይሩ፦ “ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ። ጻድቃን [“ንምድሪ፡” ትርጕም 1990] ኪወርስዋ፡ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”—መዝሙር 37:11, 29።
ስለዚ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽቡ፡ እቶም ናብ ሰማይ ዚኸዱ “ሒደት መጓሰ” ጥራይ ኣይኰኑን። የሱስ ንዅሎም ደቂ ሰብ ብዛዕባ ተኸፊቱሎም ዘሎ ተስፋ ኺገልጽ ከሎ እውን፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” በለ።—ዮሃንስ 3:16።
ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ካብ መከራ ሓራ ዚገብሮም ብኸመይ እዩ፧
የሱስ፡ “ፍርዲ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ በጽሔ። ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ንወጻኢ ኺድርበ እዩ” ኺብል ከሎ፡ እቲ ኻብ ክልተ ወገን ዚመጽእ ጸቕጢ ኸም ዚጠፍእ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። (ዮሃንስ 12:31) ብቐዳምነት፡ እቶም መከራ ዜምጽኡ እኩያት ሰባት ኪፍረዱን ኪጠፍኡን እዮም። ድሕሪኡ፡ ሰይጣን ኪድርበ እዩ፣ ንደቂ ሰብ ድማ ኣይኬስሕቶምን እዩ።
እቶም ብዛዕባ ኣምላኽን ክርስቶስን ከይፈለጡን ኣብኡ እምነት ከየሕደሩን ዝሞቱ ሰባትከ፧ የሱስ ነቲ ኣብ ጐድኑ ዝነበረ ሞት እተፈርዶ ገባር ክፉእ፡ ‘ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ’ በሎ። (ሉቃስ 23:43) የሱስ ነዚ ሰብኣይ እዚ ምስ ካልኦት ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ገይሩ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኻብ ሞት ምስ ኣተንስኦ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪመሃር እዩ። ድሕሪኡ፡ ኣብ መንጎ እቶም ኣብዛ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽቡ ትሑታትን ጻድቃንን ሰባት ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ኺረክብ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15።
ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ * ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 3 ኸምኡውን 7 ርአ።
[እግረ-ጽሑፍ]
^ ሕ.ጽ. 13 ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
“ጻድቃን ንምድሪ ኺወርስዋ፥ ኣብኣውን ንዘለዓለም ኪነብሩ እዮም።”—መዝሙር 37:29 ትርጕም 1990