ኵለን ሃይማኖታት ድየን ቅኑዓት፧
ኣብዛ ብዙሓት ሃይማኖታት ዘለዋኣ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ሓደ ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣብ መላእ ዓለም 19 ዓበይትን ዳርጋ 10,000 ንኣሽቱን ሃይማኖታት ከም ዘለዋ ገለጸ። እዚ ኸኣ ሰባት ዝደለይዎ ሃይማኖት ንኺመርጹ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም ኣሎ። እሞኸ እንታይነት እታ እትመርጻ ሃይማኖት ኣገዳሲ ድዩ፧
ገሊኦም ሰባት፡ ሃይማኖታት ልክዕ ከምቲ ናብ ሓደ ኸረን ዚወስድ እተፈላለየ መገዲ ኸም ዝዀና ይዛረቡ እዮም። ነዞም ሰባት እዚኣቶም ኵሉ መገዲ ናብ ሓደ ቦታ ዜብጽሕ ስለ ዚመስሎም፡ ዝዀነ ይኹን መገዲ እንተ መረጹ ብዙሕ ኣየገድሶምን እዩ። ኵሉ ዚኽእል ሓደ ኣምላኽ ከም ዘሎን ኵለን ሃይማኖታት ናብኡ ኸም ዚመርሓን እዮም ዚኣምኑ።
ኵለን ሃይማኖታት ድየን ናብ ኣምላኽ ዚመርሓ፧
እቲ ኻብ ኵሎም ኣብ ታሪኽ ዝነበሩ መምህራን ሃይማኖት ኣኽቢርካ ዚርአ የሱስ ክርስቶስ፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንደቀ መዛሙርቱ ኺዛረቦም ከሎ፡ “በታ ጸባብ ደገ እተዉ” በሎም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ “እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ፡ መገዳውን ገፋሕ እያ፡ እቶም ብእኣ ዚአትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም።”—ማቴዎስ 7:13, 14።
የሱስ፡ ገሊአን ሃይማኖታት ናብ “ጥፍኣት” ከም ዚመርሓ ድዩ ዚገልጽ ነይሩ፧ ወይስ እቶም ሃይማኖት ዘይብሎም ኣብታ ገፋሕ መገዲ ኸም ዘለዉ፡ እቶም ኣብ ኣምላኽ ዚኣምኑ ኸኣ ሃይማኖቶም ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ኣብታ ናብ ህይወት እትመርሕ ቀጣን መገዲ ኸም ዘለዉ ድዩ ዚምህር ነይሩ፧
የሱስ፡ ክልተ ዓይነት መገዲ ኸም ዘለዋ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ “ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ፡ ብውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹም” በለ። (ማቴዎስ 7:15) ጸኒሑ እውን፡ “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማያት ዚአቱ ኣይኰነን” ኢሉ ተዛረበ። (ማቴዎስ 7:21) ሓደ ሰብ፡ ነብዪ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ወይ ከኣ የሱስ ‘ጐይታኡ’ ምዃኑ ዚዛረብ እንተ ዀይኑ፡ ሃይማኖት ኣለዎ ማለት እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ የሱስ ኵለን ሃይማኖታት ቅኑዓት እየን ማለት ከም ዘይኰነ፡ ክንኣምኖም ዘለና ኸኣ ንዅሎም መምህራን ሃይማኖት ከም ዘይኰነ እዩ ዜጠንቅቕ ነይሩ።
ነታ ጸባብ መገዲ ኸነለልያ ንኽእል ዲና፧
ናብ ኣምላኽ ዚመርሓ መገድታት ኵለን ካብ ዘይኰና፡ ካብቲ ብኣሽሓት ዚቝጸር ኣማራጺታት ነታ ናብ ህይወት እትመርሕ ጸባብ መገዲ ፈሊኻ ኽትረኽባ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ነዚ ዚስዕብ መረዳእታ እስከ ንርአ፦ ኣብ ሓደ ዓብዪ ኸተማ፡ መገዲ ጠፊኡካ ኣሎ ንበል። መገዲ ንኺሕብሩኻ ኸኣ ንሰባት ትሓትት። ሓደ ሰብ ኣፉ መሊኡ ንጸጋም ገጽካ ኽትከይድ ይነግረካ። ካልእ ሰብ ናብ የማን ገጽካ ኽትከይድ ይሕብረካ። ካልእ ሰብ ከኣ ቃሕ ዝበለካ ኣንፈት ክትመርጽ ከም እትኽእል ሓሳብ የቕርበልካ። ኣብ መወዳእታ፡ ሓደ ኸማኻ ተጐዓዛይ ትውክልቲ ኺግበሮ ዚኽእል ካርታ ኣውጺኡ ነቲ ቕኑዕ ኣንፈት የርእየካ። ኣብ መገዲ ኸለኻ ኻብኡ ምእንቲ ኽትውከስ ከኣ ነቲ ካርታ ይህበካ። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ እትደልዮ ቦታ ኸም እትበጽሕ ዝያዳ ምትእምማን ደይኰነን ዚሓድረካ፧
ነታ ቕንዕቲ ሃይማኖት ክንመርጽ ከለና እውን እንተ ዀነ፡ ትውክልቲ ኺግበሮ ዚኽእል መንፈሳዊ ካርታ የድልየና እዩ። ከምዚ ዓይነት ካርታ ኣሎዶ፧ እሂናይ ደኣ። እዚ ካርታ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ፣ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ” ኸኣ ይብል።—2 ጢሞቴዎስ 3:16።
ከም መንፈሳዊ ካርታ ጌርካ ኽትጥቀመሉ እትኽእል ብቛንቋኻ እተዳለወ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ይህልወካ ይኸውን። ሓተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ዚበሃል ትውክልቲ ኺግበሮ ዚኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ኣዳልዮም ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ናይ የሆዋ ምስክር እንተ ዘይኴንካ፡ ሓንቲ ሃይማኖት ቅንዕቲ እንተ ዀይና ወይ እንተ ዘይኰይና ብኸመይ ከም እነለልያ ኽንመያየጥ ከለና፡ ካልእ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ክትጥቀም ትደሊ ትኸውን። ስለዚ፡ ኣብዚ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ካብ ክልተ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ክንጥቀም ኢና።
ነዘን ቀጺለን ዘለዋ ዓንቀጻት ከተንብበን ከለኻ፡ ነቲ እትፈልጦ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኣነጻጽሮ። ነቲ የሱስ ንቕንዕትን ዘይቅንዕትን ሃይማኖት ከነለሊ እንኽእለሉ መገዲ ብዚምልከት እተዛረቦ ቓላት ዘክሮ። ንሱ፡ “እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ። ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይኰነሉን እዩ” በለ። (ማቴዎስ 7:17, 18) ቀጺልና እስከ እቲ “ጽቡቕ ኦም” ዚልለየሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሰለስተ ጽቡቕ ፍረ ንርአ።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከምቲ ትውክልቲ ኺግበሮ ዚኽእል ካርታ፡ ሓደ ሰብ ነታ ቕንዕቲ ሃይማኖት ንኺረክብ ይሕግዞ