ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

እቲ ታቦት ኪዳን እንታይ እዩ ዀይኑ፧

ታቦት ኪዳን፡ ኣምላኽ ኣብ ማእከል እስራኤላውያን ከም ዘሎ እዩ ዜመልክት ነይሩ። (ዘጸኣት 25:22) እዚ ታቦት እዚ፡ ሙሴ ነተን ሕጊ እተጻሕፈለን ክልተ ጽላት እምኒ ዘቐመጠሉ ኻብ ዕንጨይቲ ተሰሪሑ ብወርቂ እተለበጠ ቕዱስ ሳጹን እዩ ነይሩ። እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ሰፊሮም ከለዉ፡ እቲ ታቦት ኣብ ቅድስተ ቕዱሳን እቲ ድንኳን ምርኻብ ይቕመጥ ነበረ። (ዘጸኣት 26:33) ጸኒሑ ኸኣ ኣብ ቅድስተ ቕዱሳን እታ ሰሎሞን ዝሃነጻ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ነይሩ እዩ።—1 ነገስት 6:19

ብዛዕባ እቲ ታቦት ንመወዳእታ ግዜ እተጠቕሰ ኣብ 2 ዜና መዋእል 35:3 ኣብ ዚርከብ ጸብጻብ ኰይኑ፡ ኣብቲ እዋን እቲ፡ ማለት ብ642 ቅ.ክ. ንጉስ ዮስያስ ናብ ቤተ መቕደስ መለሶ። እቲ ቕድሚ ዮስያስ ነጊሱ ዝነበረ ኸሓዲ ዝዀነ ምናሴ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ጣኦት ኣቐሚጡ ስለ ዝነበረ፡ ምናልባት ነቲ ታቦት ኣወጊድዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ዮስያስ ነቲ ቤተ መቕደስ ኬሐድሶ ኸሎ፡ ናብ ካልእ ውሑስ ቦታ ኣግዒዝዎ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (2 ዜና መዋእል 33:1, 2, 7፣ 34:1, 8-11) ድሕሪኡ ግን፡ ባቢሎናውያን ብ607 ቅ.ክ. ንየሩሳሌም ኪወርዋ ኸለዉ ኣብ እተወስደ ኣቕሑ ስለ ዘይተጠቕሰ፡ እቲ ታቦት ናበይ ከም ዝኸደ ዚፍለጥ ነገር የለን።—2 ነገስት 25:13-17

ቅዱሳት ጽሑፋት፡ እቲ ታቦት ናብቲ ብዘሩባቤል እንደገና እተሰርሐ ቤተ መቕደስ ከም እተመልሰ ዀነ ንዕኡ ዚትክእ ካልእ ታቦት ከም እተሰርሐ ኣይሕብርን እዩ።—እዝራ 1:7-11

ኣብ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ፡ ያእቆብ ተባሂሎም እተጸውዑ እንመን እዮም፧

ያእቆብ ተባሂሎም እተጸውዑ ብዙሓት ስለ ዝዀኑ ብቐሊሉ ኼደናግረና ይኽእል እዩ። * ሓደ ኻባታቶም ኣቦ ሃዋርያ ይሁዳ (ኣስቆሮታዊ ዘይኰነ) ኪኸውን ከሎ፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ዚፍለጥ ነገር የለን።—ሉቃስ 6:16፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:13

ካልእ ያእቆብ ዝስሙ ኸኣ፡ ወዲ ዘብዴዎስ እዩ። ንሱን ዮሃንስ ሓዉን ሃዋርያት የሱስ እዮም ነይሮም። (ማቴዎስ 10:2) ኣዲኦም እታ ሓብቲ ማርያም ዝነበረት ሰሎሜ ኽትከውን ትኽእል እያ። (ማቴዎስ 27:55, 56 ምስ ማርቆስ 15:40, 41 ከምኡውን ዮሃንስ 19:25 ኣረኣኢ።) ከምኡ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ያእቆብ ንየሱስ ወዲ ሓትኖኡ ነይሩ ማለት እዩ። ገፋፍ ዓሳ እዩ ነይሩ፣ ንሱን ሓዉን ድማ ምስ ጴጥሮስን እንድርያስን ሓቢሮም ይሰርሑ ነበሩ።—ማርቆስ 1:16-19፣ ሉቃስ 5:7-10

እቲ ኻልእ ያእቆብ ድማ ወዲ እልፍዮስ ኪኸውን ከሎ፡ ንሱ እውን ናይ የሱስ ሃዋርያ እዩ ነይሩ። (ማርቆስ 3:16-18) ኣብ ማርቆስ 15:40፡ “ያእቆብ ንእሽቶ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። “ንእሽቶ” እተባህለ፡ ቍንጹብ ሰብነት ስለ ዝነበሮ ወይ ካብ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስ ብዕድመ ዝነኣሰ ስለ ዝነበረ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ መበል ራብዓይ ተጠቒሱ ዘሎ ያእቆብ ከኣ እቲ ሓው ይሁዳን ንየሱስ ብኣደ ሓዉን ዝዀነ ወዲ ዮሴፍን ማርያምን እዩ። (ማርቆስ 6:3፣ ገላትያ 1:19) የሱስ ኣብ ምድሪ የገልግል ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ያእቆብ ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኣይነበረን። (ማቴዎስ 12:46-50፣ ዮሃንስ 7:5) ይኹን እምበር፡ ቅድሚ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ድ.ክ. ምስ ኣዲኡን ምስ ኣሕዋቱን ምስ ሃዋርያትን ሓቢሩ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝነበረት ሓንቲ ደርቢ ይጽሊ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:13, 14) ጸኒሑ ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ ጕሉሕ ቦታ ዘለዎ ዀነ፡ ነታ ብስሙ እተሰምየት ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ከኣ ጸሓፈ።—ግብሪ ሃዋርያት 12:17፣ ያእቆብ 1:1

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 7 ኣብቲ በዅሪ ቛንቋታት፡ ካልኦት ያእቆብ ዝስሞም ሰብኡት እውን ኣለዉ። ኣብ ከም ትግርኛ ዝኣመሰለ ቛንቋታት፡ ያእቆብ ተባሂሎም እዮም ዚጽውዑ። ኣብ ካልእ ቋንቋታት ግን ጄምስ ተባሂሎም እውን ይጽዉዑ እዮም።