ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ሃብቲ ይመባጽዓልካ ድዩ፧

ኣምላኽ ሃብቲ ይመባጽዓልካ ድዩ፧

ኣምላኽ ሃብቲ ይመባጽዓልካ ድዩ፧

‘ኣምላኽ ሃብታም ክትከውን፡ ብዙሓት ማካይንን ጽቡቕ ንግድን ኪህልወካ ይደሊ እዩ፣ ብእኡ ጥራይ እመን፡ ክትህቦ እትኽእል ኵሉ ገንዘብ ሃቦ።’

ብመሰረት እቲ ኣብ ብራዚል ዚሕተም ጋዜጣ፡ ኣብቲ ዓዲ ዚርከባ ገሊአን ሃይማኖታት ከምዚ ዝኣመሰለ መልእኽቲ ይእውጃ እየን። ብዙሓት ሰባት ነዚ መልእኽቲ እዚ ኣርዚኖም ይርእይዎ እዮም። መጽሔት ታይም ከም ዝገለጸቶ፡ ካብ መንጎ እቶም ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ሕቶ ዝቐረበሎም ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ሰባት፡ “ኣምላኽ ንሰባት ሃብታማት ኪዀኑ ኸም ዚደሊ ዚኣምኑ 61% ኣለዉ። ካልኦት 31% ከኣ . . . ንኣምላኽ ገንዘብካ እንተ ሂብካዮ፡ ንሱ እውን ብዙሕ ገንዘብ ብምሃብ ከም ዚባርኸካ ይሰማምዑ።”

እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ሃብቲ ስነ-ሃይማኖት ተባሂሉ ዚጽዋዕ እምነት፡ ብፍላይ ኣብ ከም ብዓል ብራዚል ዝኣመሰላ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፣ ሰባት ከኣ ናብተን ኣምላኽ ስጋዊ ሃብቲ ብምሃብ ከም ዚባርኾም ዚገልጻ ኣብያተ-ክርስትያን ይውሕዙ ኣለዉ። ኣምላኽ ግን ነቶም ዜገልግልዎ ብሓቂ ሃብቲ ይመባጽዓሎም ድዩ፧ ኵሎም እቶም ቀደም ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሃብታማት ድዮም ነይሮም፧

ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ በረኸት ኣምላኽ ምስ ስጋዊ ሃብቲ ተተሓሒዙ ኸም እተጠቕሰ ዚከሓድ ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ኣብ ዘዳግም 8:18፡ “ሃብቲ ኽትድልብ ሓይሊ ዚህበካስ፡ ንሱ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዘክር” ዚብል ነንብብ። እዚ ሓሳብ እዚ፡ እስራኤላውያን ንኣምላኽ እንተ ደኣ ተኣዚዞምዎ፡ ሃብታማት ህዝቢ ኸም ዚዀኑ ዜረጋግጸሎም እዩ ነይሩ።

ብደረጃ ውልቀ-ሰብከ፧ እቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ እዮብ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ፣ ሰይጣን ኵሉ ነገራት ከም ዚስእን ድሕሪ ምግባሩ ድማ የሆዋ “ዕጽፊ ገይሩ” ሃብቱ መለሰሉ። (እዮብ 1:3፣ 42:10) ኣብርሃም እውን ሃብታም እዩ ነይሩ። ዘፍጥረት 13:2፡ “ብኸብትን ብብሩርን ብወርቅን ብዙሕ ሀብቲሙ ነበረ” ትብል። ኣርባዕተ ነገስታት ምብራቕ ብሓባር መጺኦም ንሎጥ ወዲ ሓዉ ሒዞምዎ ምስ ከዱ፡ ነቶም “ሰለስተ ሚእትን ዓሰርተው ሾሞንተን ኣብ ቤቱ እተወልዱ ፍቱናት ሰብ ኣዕጢቑ” ሰዓቦም። (ዘፍጥረት 14:14) ስድራ ቤት ኣብርሃም፡ ን318 ዝዀኑ “ፍቱናት ሰብ” ዜጠቓልል ካብ ነበረ፡ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ ነይሩ ማለት እዩ። ኣብርሃም ከምዚ ዓይነት ሰፊሕ ስድራ ቤት ኪድግፍ ምኽኣሉ፡ ብዙሕ መጓሰ ዝነበሮ ኣዝዩ ሃብታም ሰብ ከም ዝነበረ ዚሕብር እዩ።

ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ኸም እኒ ኣብርሃም፡ ይስሃቅ፡ ያእቆብ፡ ዳዊት፡ ሰሎሞን ዝኣመሰሉ ብዙሓት እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሃብታማት እዮም ነይሮም። እዚ ግን ኣምላኽ ንዅሎም እቶም ዜገልግልዎ ሰባት ከም ዜሀብትሞም ዚሕብር ድዩ፧ በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ሓደ ሰብ ድኻ እንተ ዀይኑ፡ በረኸት ኣምላኽ የብሉን ማለት ድዩ፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ኽትምልሶ እያ።