ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ኣምላኽ ዚርከብ ሃብቲ

ካብ ኣምላኽ ዚርከብ ሃብቲ

ካብ ኣምላኽ ዚርከብ ሃብቲ

ንኣምላኽ እሙን እንተ ዄንካ፡ ብሃብቲ ይባርኸካ ድዩ፧ ምናልባት ይባርኸካ ይኸውን፣ ኰይኑ ግን፡ ከምቲ ንስኻ እትሓስቦ ዓይነት ሃብቲ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ንማርያም ኣደ የሱስ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ገብርኤል መልኣኽ ናብኣ መጺኡ፡ “ምልእቲ ጸጋ” ኣምላኽ ከም ዝዀነትን ንወዲ ኣምላኽ ከም እትወልድን ነገራ። (ሉቃስ 1:28, 30-32) ይኹን እምበር፡ ሃብታም ኣይኰነትን ነይራ። የሱስ ኣብ እተወልደሉ እዋን፡ “ክልተ ባሬቶ ወይስ ክልተ ጫጩት ርግቢ” እያ ንመስዋእቲ ኣቕሪባ፣ እዚ ኸኣ ድኻታት ንየሆዋ ዜቕርብዎ ዝነበሩ መስዋእቲ እዩ ነይሩ።—ሉቃስ 2:24፣ ዘሌዋውያን 12:8

እሞኸ ማርያም ድኻ ስለ ዝነበረት፡ በረኸት ኣምላኽ ኣይነበራን ማለት ድዩ፧ ከምኡ ማለት ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ ነታ ዘመዳ ዝነበረት ኤልሳቤጥ ክትበጽሓ ምስ ከደት፡ “ንኤልሳቤጥ . . . መንፈስ ቅዱስ መልኣ፡ ብዓብዪ ድምጺውን ዓው ኢላ በለት፤ ንስኺ [ማርያም] ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ኸርስኺውን ብሩኽ እዩ።” (ሉቃስ 1:41, 42) እወ፡ ማርያም ምድራዊት ኣደ እቲ ፍቱው ወዲ ኣምላኽ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ረኸበት።

የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ ሃብታም ኣይኰነን ነይሩ። ኣብ ድኻ ዝዀነ ኸባቢ ተወሊዱን ብድኻ ስድራ ቤት ዓብዩን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን ድኻ እዩ ነይሩ። ሓደ ግዜ፡ ንሓደ ወደ መዝሙሩ ኪኸውን ዝደለየ ሰብኣይ፡ “ንወኻሩ ጕድጓድ፡ ነዕዋፍ ሰማይውን መሕደሪ አለወን፡ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓላ ስፍራ የብሉን” በሎ። (ሉቃስ 9:57, 58) ይኹን እምበር፡ የሱስ ክርስቶስ ናብ ምድሪ ሳላ ዝመጸ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብዙሕ ሃብቲ ረኸቡ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፡ ሃብታም ክነሱስ፡ ምእንታኻትኩም ደኸየ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 8:9) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸመይ ዝበለ ሃብቲ እዩ ሂብዎም፧ ሎሚኸ ኸመይ ዝበለ ሃብቲ እዩ ዘሎና፧

እንታይ ዓይነት ሃብቲ፧

መብዛሕትኡ እዋን፡ ሓደ ሃብታም ሰብ ኣብ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ኣብ ገንዘቡ ስለ ዚውከል፡ ስጋዊ ሃብቲ ንእምነት ዕንቅፋት ይኸውን እዩ። የሱስ፡ “ገንዘብ ንዘለዎም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ” በለ። (ማርቆስ 10:23) ብርግጽ እምበኣር፡ እቲ የሱስ ንሰዓብቱ ዝሃቦም ሃብቲ፡ ስጋዊ ኣይነበረን።

መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ድኻታት እዮም ነይሮም። ሓደ ዝለመሰ ሰብኣይ ገንዘብ ኪወሃቦ ምስ ሓተተ፡ ጴጥሮስ፡ “ወርቅን ብሩርን የብለይን፡ እቲ ዘሎኒ ግና እህበካ፤ ብስም የሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ ተንስእ እሞ ኺድ” ኢሉ መለሰሉ።—ግብሪ ሃዋርያት 3:6

ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር እተዛረቦ ቓላት እውን ክርስትያናዊት ጉባኤ ብድኻታት ሰባት ዝቘመት ከም ዝነበረት ዚሕብር እዩ። “ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ስምዑ፡ ብእምነት ኪህብትሙ ነቶም ዜፍቅርዎ ተስፋ ዘግበረላ መንግስቲ ኸኣ ኪወርሱ ኢሉዶ፡ ኣምላኽ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይሐረዮምን እዩ፧” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 2:5) ብተወሳኺ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ብዙሓት “ብስጋ ለባማት” ወይ “ስልጡናት” ወይ “ጭዋታት” ዝዀኑ ሰባት፡ ኣባላት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኪዀኑ ኸም ዘይተጸውዑ ገለጸ።—1 ቈረንቶስ 1:26

እቲ የሱስ ንሰዓብቱ ዝሃቦም ሃብቲ ስጋዊ ነገራት እንተ ዘይኰይኑ ደኣ እሞ እንታይ ዓይነት ሃብቲ እዩ ሂብዎም፧ የሱስ ኣብታ ናብ ጉባኤ ስሚርና ዝለኣኻ መልእኽቲ፡ “ጸበባኻን ድኽነትካን እፈልጥ እየ፥ ግናኸ ሃብታም ኢኻ” በለ። (ራእይ 2:8, 9 ትርጕም 1990) ኣብ ስሚርና ዝነበሩ ክርስትያናት ብስጋ ድኻታት እኳ እንተ ነበሩ፡ ካብ ብሩር ወይ ካብ ወርቂ ዚበልጽ ሃብቲ ረኺቦም እዮም። ኣብ ኣምላኽ እምነት ስለ ዝነበሮምን ንጽህናኦም ስለ ዝሓለዉን ሃብታማት እዮም ነይሮም። እምነት ኣዝያ ኽብርቲ እያ፡ ምኽንያቱ፡ “ናይ ኵሉ ሰብ ኣይኰነትን።” (2 ተሰሎንቄ 3:2) እቶም እምነት ዘይብሎም ሰባት፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድኻታት እዮም።—ራእይ 3:17, 18

ሳላ እምነት ዚርከብ ሃብቲ

እምነት ኣገዳሲት ዝዀነት ብኸመይ እያ፧ እቶም ኣብ ኣምላኽ እምነት ዘለዎም ሰባት፡ ካብቲ “ሃብቲ ሕያውነቱን ጸዋር ምዃኑን ዓቕሉን” ይጥቀሙ እዮም። (ሮሜ 2:4) ኣብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ እምነት ስለ ዘለዎም ከኣ፡ “ሕድገት ሓጢኣት” ይረኽቡ። (ኤፌሶን 1:7) ብተወሳኺ፡ “ቃል ክርስቶስ” ነቶም እምነት ዘላቶም ሰባት ዜምጽኣሎም ዓይነት ጥበብ እውን ኣላቶም። (ቈሎሴ 3:16) ብእምነት ናብ ኣምላኽ ኪጽልዩ ኸለዉ፡ “እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ንልቦምን ሓሳቦምን ይሕልዎ፣ ሓጐስን ዕግበትን ከኣ የምጽኣሎም።—ፊልጲ 4:7

እቶም ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሎም ኣብ ኣምላኽ እምነት ዜሕድሩ ሰባት፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ በረኸት፡ ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብ ዜደንቕ ተስፋ እውን ኣለዎም። እተን፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ዚብላ የሱስ ክርስቶስ እተዛረበን ቃላት ኣዝየን ፍሉጣት እየን። (ዮሃንስ 3:16) እዚ ኽቡር ተስፋ እዚ ኺድልድል ዚኽእል ሓደ ሰብ ብዛዕባ እቲ ኣቦን ወዱን ቅኑዕ ፍልጠት እንተ ኣጥርዩ እዩ፣ ምኽንያቱ የሱስ፡ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ።—ዮሃንስ 17:3

እቲ ኣምላኽ ዚህቦ በረኸት ብቐንዱ መንፈሳዊ እኳ እንተ ዀነ፡ ስምዒታውን ኣካላውን ጥቕምታት እውን የምጽእ እዩ። ነቲ ኣብ ብራዚል ዚነብር ዳሊድዮ እስከ ኸም ኣብነት ንርአ። ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ቅኑዕ ፍልጠት ቅድሚ ምርካቡ፡ ወልፊ መስተ ነበሮ። እዚ ኸኣ ምስ ስድራ ቤቱ ኣብ ዝነበሮ ርክብ ጐዳኢ ጽልዋ ኣሕዲሩሉ ነበረ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ዜተኣማምን ቍጠባዊ ዅነታት ኣይነበሮን። ድሕሪኡ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ጀመረ፣ ዜደንቕ ለውጢ ኸኣ ገበረ።

እቲ ዳሊድዮ ዝረኸቦ ሓድሽ ፍልጠት፡ ነቲ ዝነበሮ ጐዳኢ ልማዳት ኪገድፍ ሓገዞ። ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ብምግባሩ፡ “ቀደም ካብ ባር ናብ ባር እየ ዚኸይድ ነይረ፡ ሕጂ ግን ካብ ቤት ናብ ቤት እየ ዚኸይድ” ኪብል ከኣለ። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ቓል ኣምላኽ ኰነ። ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ ንጥዕናኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንቝጠባዊ ዅነታቱ እውን ኣመሓይሽዎ እዩ። ዳሊድዮ፡ “እቲ ቐደም ኣብ መስተ ዜጥፍኦ ዝነበርኩ ገንዘብ፡ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ወይ ዜድልየኒ ነገራት ንምዕዳግ እየ ዚጥቀመሉ” በለ። ምስቶም ከም ናቱ ዓይነት መንፈሳዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት እውን ናይ ሓቂ ዕርክነት መስሪቱ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ቅድሚ ሓቂ ምፍላጡ ኽረኽቦ እየ ኢሉ ገሚትዎ ዘይፈልጥ ናይ ኣእምሮ ሰላምን ዕግበትን ረኺቡ ኣሎ።

እቶም ኣብ የሆዋ ኣምላኽ እምነት ዜሕድሩ ሰባት ብዛዕባ ዚረኽብዎ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ዜርኢ ኻልእ ኣብነት ድማ ናይ ሬናቶ ተመክሮ እዩ። ሎሚ ሕጉስ ኰይኑን ፍሽሕው ገጽ ሃልይዎን ክትርእዮ ኸለኻ፡ ኣብ ህይወቱ ሕማቕ ነገር ዘጋጠሞ ኣይመስልን እዩ። ገና ናጽላ ኸሎ፡ ኣዲኡ ራሕሪሓቶ ኸደት። ኣብ ሳንጣ ኣእትያ ኣብ ትሕቲ ሓደ ኾፍ መበሊ ደርበየቶ፣ ኣዝዩ ተሃስዩ ነበረ፡ ዕትብቱ ኸኣ ገና ኣይተቘርጸን ነይሩ። ክልተ በቲ ኸባቢ ዚሓልፋ ዝነበራ ኣንስቲ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኾፍ መበሊ ዝነበረ ሳንጣ ኺንቀሳቐስ ከሎ ረኣያ። ኣብ መጀመርታ፡ ሓደ ሰብ ውላድ ድሙ ኣብቲ ቦታ ሓዲጉ ዝኸደ መሰለን። ናጽላ ኸም ዝዀነ ምስ ፈለጣ፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ምእንቲ ኺግበረሉ ብቕልጡፍ ናብቲ ኣብ ቀረባአን ዝነበረ ሆስፒታል ወሰዳኦ።

ሓንቲ ኻብተን ኣንስቲ ናይ የሆዋ ምስክር እያ ነይራ፣ ሪታ ንእትበሃል ናይ የሆዋ ምስክር ከኣ ብዛዕባ እቲ ሕጻን ነገረታ። ሪታ ሓንቲ ጓል ጥራይ ነበረታ፡ ብዙሕ ግዜ ኸኣ ጥንሲ ይኸዳ ነበረ። ወዲ ኽትወልድ ሃረር ትብል ስለ ዝነበረት፡ ንሬናቶ ኸተዕብዮ ወሰነት።

ሬናቶ ገና ቘልዓ ኸሎ፡ ሪታ ናይ ሓቂ ኣዲኡ ኸም ዘይኰነት ነገረቶ። ብፍቕሪ ትሕብሕቦ ነበረት፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትምህሮ ኸኣ ብዙሕ ጻዕሪ ገበረት። እናጐበዘ ምስ ከደ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ኬሕድር ጀመረ። ንኽትኣምኖ ብዜጸግም መገዲ ኻብ ሞት ብምድሓኑ እተሰምዖ ኣድንቖት እናዓበየ ኸደ። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ፡ እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ኬንብብ ከሎ ዓይኑ ቕጽርጽር እዩ ዚብሎ።—መዝሙር 27:10

ሬናቶ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረሉ ነገራት ሞሳ ኸም ዘለዎ ምእንቲ ኼርኢ ብ2002 ተጠምቀ፣ ንዓመታኡ ኸኣ ክርስትያን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀነ። ክሳዕ ሕጂ ነቶም ናይ ሓቂ ወለዱ ኣይፈልጦምን እዩ፡ ንሓዋሩ እውን ኣይፈልጦምን ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ነቲ ፈቃርን ሓላዪን ኣቦ ዝዀነ የሆዋ ምፍላጡን ኣብኡ እምነት ምሕዳሩን ሓደ ኻብቲ ዝረኸቦ ኣዝዩ ኽቡር ህያባት እዩ።

ምስ ኣምላኽ ናይ ቀረባን ፍቕራውን ርክብ ኪህልወካ ሃረር ትብል ትኸውን፣ እዚ ኸኣ ህይወትካ ዝያዳ ትርጕም ከም ዚህልዋ እዩ ዚገብር። ምስ የሆዋ ኣምላኽን ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስን ከምዚ ዝኣመሰለ ርክብ ናይ ምምስራት ኣጋጣሚ ንዅሉ፡ ማለት ንድኻን ንሃብታምን ክፉት እዩ። ስጋዊ ሃብቲ ዘየምጽእ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ዓለም ዘሎ ዅሉ ገንዘብ ኪዕድጎ ዘይክእል ውሽጣዊ ሰላምን ዕግበትን ግን ይህብ እዩ። እቲ ኣብ ምሳሌ 10:22 ዚርከብ፡ “በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም፡ ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን” ዚብል ቃላት ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ዀን እዩ።

የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ናብኡ ዚቐርቡ ሰባት ከም ዚግደሰሎም ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣየ፡ ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ፡ ሰላምካ ኸም ወሓዚ፡ ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ” በለ። (ኢሳይያስ 48:18) እቶም ብቕኑዕ ድራኸን ኣረኣእያን ናብኡ ዚቐርቡ ብዙሕ ዓስቢ ኸም ዚረኽቡ ተመባጺዑ ኣሎ፣ “ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርንሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ” ድማ በለ።—ምሳሌ 22:4

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ምድራውያን ስድራ ቤት የሱስ ብስጋ ድኻታት እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣምላኽ ግን ኣብዚሑ ባረኾም

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣምላኽ እምነት ምሕዳር፡ ሰላምን ዕግበትን ሓጐስን የምጽእ