ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዝዓበየ ቐላይ ማእከላይ ኣመሪካ ሒዝዎ ዘሎ ሃብቲ

ዝዓበየ ቐላይ ማእከላይ ኣመሪካ ሒዝዎ ዘሎ ሃብቲ

ዝዓበየ ቐላይ ማእከላይ ኣመሪካ ሒዝዎ ዘሎ ሃብቲ

ኒከራግዋ ንእሽቶ ሃገር እኳ እንተ ዀነት፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ዚርከብ ዝዓበየ ቐላይ ኒከራግዋ ዘጠቓለለት እያ። ቀላይ ኒከራግዋ ንኸም ከልቢ ዓሳን ስዎርድፊሽን ታርፖንን ዝኣመሰሉ ኣብ ውቅያኖስ ዚነብሩ ዓይነት ዓሳ ዝሓዘ ጨዋም ዘይኰነ እንኮ ቐላይ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ እዚ ቐላይ እዚ ኣብ ሓደ እዋን ምስ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዚራኸብ ልሳን ባሕሪ ምንባሩ፡ ደሓር ግን ብሰንኪ ምንታጕ እሳተ-ጎመራ ኻብቲ ውቅያኖስ ከም እተፈልየ እዮም ዚኣምኑ። መጠን ጨው እቲ ማይ እናነከየ ምስ ከደ፡ እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ዓሳ ነቲ ሓድሽ ከባቢኦም ለመድዎ።

ቀላይ ኒከራግዋ፡ ዳርጋ 160 ኪሎ ሜተር ንውሓት ኪህልዎ ኸሎ፡ ኣብቲ ዝሰፍሐ ኽፋሉ 70 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ስፍሓት ኣለዎ፣ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ኸኣ ዳርጋ 30 ሜተር እዩ ዚኸውን። ኣብቲ ቐላይ ልዕሊ 400 ደሴታት ኣለዋ፣ ዳርጋ 300 ካብዚአን ከኣ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ እቲ ሩባ ኣብ እትርከብ ከተማ ግራናዳ ዘሎ ሓውሲ ደሴት ኣሳሳ ተኣኪበን ይርከባ። ንኣሽቱ ደሴታት ግራናዳ ተባሂለን ድማ ይጽውዓ።

እታ ዝዓበየት ደሴት ኣብ ማእከል እቲ ቐላይ እትርከብ ደሴት ኦማቴፔ እያ። እዛ ዳርጋ 25 ኪሎ ሜተር ንውሓትን 13 ኪሎ ሜተር ስፍሓትን ዘለዋ ደሴት፡ ክሳድ መሬት ብዜራኽቦ ኽልተ እሳተ-ጎመራዊ ጎቦ ዝቘመት እያ። እቲ ዝዓበየ እሳተ-ጎመራዊ ጎቦ ኮንሰፕስዮን ዚበሃል ኰይኑ፡ ካብቲ ቐላይ ልዕሊ 1,610 ሜተር ብራኸ ኣለዎ። እዚ ንሰሜናዊ ሸነኽ እታ ደሴት ዚዕብልል ጎቦ፡ ንጡፍ እሳተ-ጎመራ ዚርኣዮ እዩ። እቲ ማደራ ዚበሃል ካልእ እሳተ-ጎመራዊ ጎቦ፡ 1,394 ሜተር ብራኸ ዘለዎን ድስኩልን እዩ። እቲ ጎቦ ብጽዑቕ ኣግራብ እተሸፈነ ኪኸውን ከሎ፡ ኣብ ትሕቲኡ ብግመ እተሸፈነ ንእሽቶ ቐላይ ኣለዎ።

ቀላይ ኒከራግዋ ሓደ ኻብቲ ንበጻሕቲ ዚስሕብ ቦታታት እዩ። በጻሕቲ ነቲ ትሮፒካዊ ጽባቐ ኸምኡውን ነቲ ጥንታዊ ስልጣነ ዜርኢ ብዙሕ ስነ-ጥንታዊ ፍርስራስ ኪርእዩ እዮም ዚመጹ። ኰይኑ ግን፡ ኣብ ቀላይ ኒከራግዋ ዚርከብ ካልእ ዓይነት ሃብቲ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ ማይ ዚነብር ማሕበረሰብ

እተን ንኣሽቱ ደሴታት ግራናዳ ብትሮፒካዊ ኣትክልትን እንስሳታትን ዝመልኣ እየን። መብዛሕትኡ ኽፋል እዘን እሳተ-ጎመራ ዚበዝሐን ደሴታት፡ ልሙዕ ጫካ ዀይኑ ብምልኩዕ ዕንባባታት እተሸፈነ እዩ። ኣብ ገማግም እቲ ቐላይ፡ ከም ሰብ ጸራድ፡ ወሓጥ ዓሳ፡ ከምኡውን ሓሓት ዝኣመሰላ እተፈላለያ ዓይነት ኣዕዋፍ ኣለዋ። ኣብ ጫፍ እቲ ጫካ በተን ቡናውን ቀይሕን ዝሕብረን ኣዕዋፍ እተሰርሐ ሞንታዙማ ኦርፐንዶላስ ዚበሃል ሰፈር ኣዕዋፍ ኣብ ዓበይቲ ኣግራብ ተንጠልጢሉ ይርአ እዩ፡ ካብቲ ቐላይ ብዚመጽእ ህዱእ ንፋስ ከኣ ቀስ እናበለ ይንቀሳቐስ።

ኣብዘን ንኣሽቱ ደሴታት ዚነብሩ ሰባት ኣለዉ። ገሊኡ ኣባይቲ ናይቶም ገፈፍቲ ዓሳ ኪኸውን ከሎ፡ ገሊኡ ኸኣ ናይቶም ንዕረፍቲ ዝመጹ ሃብታማት ሰባት እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብያተ-ትምህርትን መቓብርን ቤት ምግብን ቤት መስተን እውን ኣሎ። እዘን እኩባት ደሴታት እዚኣተን ኣብ ልዕሊ ማይ ዚነብር ማሕበረሰብ ዘለዋ ቝሸት እየን ዚመስላ።

ነፍሲ ወከፍ ንግሆ፡ ሰማያውን ጻዕዳን ዝሕብራ ጃልባ ነቶም ቈልዑ ናብ ቤት ትምህርቲ ተበጻጽሖም። ካብ ሓንቲ ንእሽቶ ደሴት ናብ ካልእ እናኸደት ፍረታትን ኣሕምልትን እትሸይጥ ጃልባ እውን ኣላ። ኵሉ ግዜ፡ ሰብኡት መርበቦም ኪዝርግሑ ኸለዉን ኣንስቲ ኣብቲ ቐላይ ክዳን ኪሓጽባ ኸለዋን ኢኻ እትርኢ።

ኣብዘን ደሴታት ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ብዕዮ ትሑዛት እዮም። ብጃልባ እናተጓዕዙ ድማ ነቶም ነበርቲ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይነግርዎም። (ማቴዎስ 24:14) ኰይኑ ግን፡ እቲ ፍልይ ዝበለ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ እዚ ቦታ፡ ‘መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ኣበይ እንተ ተኣከብና ይሓይሽ፧’ ዚብል ሕቶ ኣበገሰ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ “ኣኼባና ኣይንሕደግ” ዚብል ትእዛዝ መጽሓፍ ቅዱስ ኬኽብሩ ዜኽእሎም ጽቡቕ መፍትሒ ረኸቡ፣ ኣብ ማይ እትንሳፈፍ ናይ መጀመርታ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ሃነጹ።—እብራውያን 10:25

ኣብ ማይ እትንሳፈፍ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ

ኣብ ሕዳር 2005 ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰብ ሓዳር ናብተን ንኣሽቱ ደሴታት ግራናዳ ገዓዙ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ካብቶም ናብ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ዝዓደምዎም ነበርቲ፡ 76 ሰባት ምስ መጹ ኣዝዮም ተገረሙ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ኸባቢ ስሩዕ ክርስትያናዊ ኣኼባ ኺግበር ከም ዘለዎ ኣእመኖም። ከምዚ ዓይነት ኣኼባታት ንምግባር ዚምሽእ ቦታ ምርካብ ኣጸጋሚ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ፈለምቲ ኻልእ ሓሳብ ኣምጽኡ። ናብቲ ንሰባት ዚጥዕሞም ቦታ እናተሳሕበት ክትንቀሳቐስ እትኽእል ኣብ ማይ እትንሳፈፍ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሃንጹ ወሰኑ።

እዞም ህርኩታት ሰብ ሓዳር ናይ ዚንሳፈፍ ነገር ንድፊ ኣውጺኦም ኰነ ሰሪሖም ዘይፈልጡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ከምዚ ዓይነት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰርሑ ጀመሩ። ምስ ካልኦት ሽዱሽተ ሰባት ኰይኖም ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ወድእዎ። እዚ ሓድሽ መአከቢ፡ ቅልል ዝበለት ታንኳ ኸም ዚኸውን ጌርካ እዩ ተሰሪሑ። እታ ታንኳ ኸም እትንሳፈፍ ዚገብር ደርዘን ዚኸውን ብኣየር ዝመልአ በርሚል ምስቲ ኻብ ኣቻዮ እተሰርሐ ቱቦታት ለሓምዎ። ናይቲ ኣዳራሽ ባይታ ብኮምፐንሳቶ እተሰርሐ እዩ ነይሩ፡ ብቴንዳ ገይሮም ከኣ ነቲ ናሕሲ ሰርሕዎ። እቲ ኣዳራሽ ኪንሳፈፍ እንተ ዀይኑ ርግጸኛታት ስለ ዘይነበሩ፡ ምሸት ምሸት ይጽልዩ ነበሩ። ከምቲ ጸሎቶም ከኣ ኰነሎም።

ብ10 ሰነ 2006 ኣብዛ ሓዳስ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንፈለማ ግዜ ህዝባዊ ኣኼባ ተገብረ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት መዓልቲ፡ ምስቶም ኣብ ካልእ ሸነኽ እተን እኩባት ደሴታት ዚነብሩ ሰባት ተመሳሳሊ ኣኼባ ንምክያድ ነታ ታንኳ እናሰሓቡ ወሰድዋ። ገሊኦም ሰባት በቲ ጫካ ኣቢሎም ንልዕሊ ፍርቂ ሰዓት ኪጐዓዙ እኳ እንተ ነበሮም፡ ኣብ ክልቲኡ ኣኼባታት ግን 48 ተኣከብቲ ነበሩ። ናይ ባዕሎም ቦታ ኣምልኾ ብምርካቦም ኵሎም ተሓጒሶም እዮም።

ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ትርኢት ነቲ ኣብዛ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባታት ድምቀት ወሲኹሉ እዩ። ሓደ ተዛራባይ መደረ እናኣቕረበ ኸሎ፡ እቲ ማይ ምስቲ ኣኻውሕ ኪጋጮ ኸሎ ወይ ኣህባይ ካብ ርሑቕ ኪውጭጩ ኸለዉ ይስማዕ እዩ። ድሕሪ ግዜ፡ እዛ ኣዳራሽ እዚኣ ፍልጥቲ እናዀነት ከደት። ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ክትከይድ ከላ እቶም ነበርቲ ንሰላምታ ኢዶም የወዛዉዙ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን፡ ልዕሊ 20 ዝዀኑ ሰባት ንክርስትያናዊ ምሕዝነትን ንትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኢሎም ናብታ እትንሳፈፍ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይመጹ እዮም። እዛ ኣዳራሽ እዚኣስ ከመይ ዝበለት ክብርቲ ሃብቲ ዀን እያ!

ኣብ ደሴት ኦማቴፔ

ካብ ግራናዳ ብሸነኽ ደቡብ 50 ኪሎ ሜተር ርሒቕካ፡ ደሴት ኦማቴፔ ትርከብ። ናይታ ደሴት ተፈጥሮኣዊ ጽባቐን ልሙዕ መሬትን ንኽትነብረሉ ዜብህግ እዩ። ብግዜ ጥንቲ ኣብ ኒከራግዋ ሕርሻ ይጥቀሙ ምንባሮም ዜረጋግጽ ጥንታዊ መርትዖ ኣብዚ ቦታ እዚ ተረኺቡ እዩ። ሎሚ ኦማቴፔ ዳርጋ 42,000 ዝዀኑ ነበርቲ ኣለዉዋ፣ ዓሳ ብምግፋፍ ከምኡውን ዕፉንን ባናናን ቡንን ዝኣመሰሉ ኣትክልቲ ብምትካል እዮም ዚናበሩ። ኣብዚ ቦታ እዚ፡ ብዙሓት እንስሳ ዘገዳም ኣለዉ። ኣብዚ ኸባቢ፡ ዓው ኢሎም ዚደሃዩ ሕንጻይ፡ ኣብ ኣግራብ ኪንቀሳቐሱ ኸለዉ ሰማያውን ጻዕዳን ክንቲት ዜርእዩ ማግፓይ-ጃይስ ዚበሃሉ ዓይነት ኣዕዋፍ፡ ከምኡውን እቲ ጻዕዳ ዝገጹ ካፑቺን ዚበሃል ብዙሓት ሰባት ዚፈትዉዎ ወዓግ ይርኣዩ እዮም።

ኣወጅቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ኦማቴፔ ጽቡቕ ገይሮም ኣገልጊሎም እዮም። ካብቶም ብ1966 እተጠመቑ ሸሞንተ ሰባት ጀሚሮም፡ ሕጂ 183 ኣባላት ዘለዉወን ኣርባዕተ ጉባኤታት ኣለዋ። ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ኸኣ ኣብ ምሹው ቦታ ናይ ገዛእ ርእሳ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣለዋ። ሎሚ እቲ መጠነ-ዝምድና፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ን230 ነበርቲ እታ ደሴት ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣብ ኦማቴፔ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ጸገማት ኣጋጢምዎም እዩ። ንኣብነት፡ ብ1980 ተጻረርቲ ነቲ ኣብ ማሪታ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣንደድዎ። ብ1984 ድማ ካልእ ኣዳራሽ ተሃንጸ። ብ2003 ካልእ ምልኩዕ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚህነጽ ከኣ ይጥቀሙሉ ነበሩ፣ እቶም 60 ኣባላት እታ ጉባኤ ሓድሽ ኣዳራሽ ብምርካቦም ኣዝዮም እዮም ተሓጒሶም።

ኣብ ሞዮጋልፓ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ዓበይቲ ኣኼባታት ኪግበረሉ ዚከኣል ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተሃንጸ። ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል እቲ ኣዳራሽ ዚርከብ ናሕሲ ንውሕ ዝበለ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ መድረኽ ኣብ ትሕቲኡ ይገብርዎ። ኣብ ቅድሚ እቲ መድረኽ ዚርከብ ኮፍ መበሊ ኽሳብ ድሕሪት እቲ ቐጽሪ ዚመልእ ኰይኑ ብኣቝጽልቲ እተሸፈነ እዩ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ፈተውቶምን ኣብዚ ቦታ እዚ እዮም ዓበይቲ ኣኼባታት ዚገብሩ። ከምዚ ዓይነት ኣኼባታት ኪግበር ከሎ፡ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀላይ ኒከራግዋ ይጥመቑ።—ማቴዎስ 28:19

እቲ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ይዕቀብዶ ይኸውን፧

ቀላይ ኒከራግዋ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝዀነ ዋላ ሓንቲ ዘይከውን እዩ ዚመስል። ሎሚ ግን ሓለዋ የድልዮ ኣሎ። እቲ ማይ ካብ ሕርሻውን ኢንዱስትርያውን ንጥፈታት ብዚወጽእ ጐሓፍን ብሰንኪ ምብራስ ኣግራብ ብእተባሕጐጐ ሓመድን ይመልእ ኣሎ።

ብነበርቲ እቲ ኸባቢ ዀነ ብመንግስቲ ዚግበር ዘሎ ጻዕሪ፡ ነቲ ዅነታት ዜመሓይሽ እንተ ዀይኑ ኣብ ቀጻሊ ዚርአ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ፈጣሪ ነቲ ዜንጸባርቕ ቀላያት፡ ባህ ዜብል ደሴታት፡ ዜደንቑ እንስሳ ዘገዳም እውን ሓዊስካ ኣብ ምድሪ ንዚርከብ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ነቶም እዙዛት ደቂ ሰብ ዓቂቡ ኼጽንሓሎም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ፡ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ይብለና።—መዝሙር 37:29

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣኼባታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበረላ ኣብ ማይ እትንሳፈፍ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ