ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ኣንበብትና

የሱስን ኣቦኡን ሓደ ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

የሱስን ኣቦኡን ሓደ ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

የሱስ፡ “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” በለ። (ዮሃንስ 10:30) ገሊኦም ሰባት ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ብምጥቃስ፡ የሱስን ኣቦኡን ናይ ሓደ ስላሴኣዊ ኣምላኽ ክልተ ኽፋል ምዃኖም ይገልጹ። የሱስ ግን ከምኡ ማለቱ ድዩ ነይሩ፧

ነቲ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት እስከ ንርኣዮ። የሱስ ኣብ ቍጽሪ 25፡ እቲ ዚገብሮ ግብርታት ብስም ኣቦኡ ኸም ዚገብሮ ገለጸ። ካብ ቍጽሪ 27 ክሳዕ 29 ከኣ ብዛዕባ እተን ኣምላኽ ዝሃቦ ምሳልያውያን ኣባጊዕ ተዛረበ። ንሱን ኣቦኡን ሓደ እንተ ዝዀኑ ነይሮም፡ እቲ እተዛረቦ ዘረባ ንሰማዕቱ ብዙሕ ትርጕም ኣይምሃለዎን። ብኣንጻሩ ግን የሱስ፡ ‘ኣነን ኣቦይን ሕብረት ስለ ዘሎና፡ ልክዕ ከምቲ ዝዀነ ይኹን ሰብ ነተን ኣባጊዕ ካብ ኣቦይ ኪወስደን ዘይክእል፡ ካባይ እውን ኪወስደን ዚኽእል የልቦን’ እዩ ዚብል ነይሩ። ከምቲ ሓደ ውሉድ ንጸላኢ ኣቦኡ፡ ‘ንኣቦይ እንተ ኣጥቂዕካዮ፡ ንዓይ ኣጥቂዕካኒ ማለት እዩ’ ዚብሎ ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ። መሸም ነቲ ውሉድን ንኣቦኡን ከም ሓደ ሰብ ገይሩ ዚርእዮም የለን። ኰይኑ ግን፡ ኵሉ ሰብ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ድልዱል ርክብ የስተብህለሉ እዩ።

የሱስን ኣቦኡ የሆዋ ኣምላኽን ብዕላማን ብስርዓትን ምሉእ ብምሉእ ስለ ዚሰማምዑ፡ “ሓደ” እዮም ኪበሃል ይከኣል እዩ። የሱስ ካብ ሰይጣን ድያብሎስ ከምኡውን ካብቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝነበሩ ኣዳምን ሄዋንን ብእተፈልየ መገዲ፡ ካብ ኣቦኡ ተፈልዩ ኺነብር ኣይደልን እዩ ነይሩ። “ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረአዮ እምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከአሎን። ነቲ ንሱ ዚገብሮ ግብሪ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ” በለ።—ዮሃንስ 5:19፣ 14:10፣ 17:8

ይኹን እምበር፡ እዚ ድልዱል ማእሰር ሕብረት፡ ንኣምላኽን ንወዱ የሱስን ሓደ ኣይገብሮምን እዩ። ከመይሲ፡ ክልተ ውልቀ-ሰባት እዮም። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ነናቶም ባህርያት ኣለዎም። የሱስ ናይ ገዛእ ርእሱ ስምዒትን ሓሳብን ተመክሮን ናይ ምምራጽ ናጽነትን ኣለዎ። ኰይኑ ግን፡ ንፍቓድ ኣቦኡ ኺእዘዝ መረጸ። ኣብ ሉቃስ 22:42፡ “ፍቓድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን” በለ። ፍቓድ የሱስ ካብ ፍቓድ ኣቦኡ እተፈልየ እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ እዘን ቃላት እዚኣተን ትርጕም ኣይምሃለወንን። የሱስን ኣቦኡን ብሓቂ ሓደ እንተ ዚዀኑ ነይሮም፡ የሱስ ናብ ኣቦኡ ዝጸለየን ኣቦኡ ዚፈልጦ ንሱ ግን ዘይፈልጦ ነገራት ከም ዘሎ እተዛረበን ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧—ማቴዎስ 24:36

ኣብ ብዙሓት ሃይማኖታት ዚርከቡ ሰባት፡ ንሓድሕዶም ዚቋየቑን ምስ ኣባላት ስድራ ቤቶም ዚበኣሱን ኣማልኽቲ እዮም ዜምልኹ። ንኣብነት፡ ብመሰረት ኣፈ-ታሪኽ ግሪኽ፡ ክሮነስ ካብ ስልጣን ኣቦኡ ዩራነስ ዓለወ፡ ንደቁ ኸኣ በልዖም። እዝስ ካብቲ ኣብ መንጎ የሆዋ ኣምላኽን ወዱ የሱስን ዘሎ ኣብ ናይ ሓቂ ፍቕሪ እተመስረተ ሓድነት ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ዀን እዩ! እዚ ሓድነት እዚ ኣዚና ኸም እነፍቅሮም ደይኰነን ዚገብረና፧ ምስዞም ካብ ኵሉ ፍጥረት ዝለዓሉ ኽልተ ኣካላት ናይ ምሕባር ፍሉይ መሰል ኣሎና። የሱስ ንሰዓብቱ ብዚምልከት፡ “ዎ ኣቦይ፡ ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን አሎኹ” ኢሉ ጸለየ።—ዮሃንስ 17:20, 21

ስለዚ፡ የሱስ “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” ኺብል ከሎ፡ ብዛዕባ ምስጢራዊ ስላሴ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ኽልተ ሰባት እውን ኪህሉ ዚኽእል ጥብቂ ርክብ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፣ እወ፡ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ኣቦኡን ዜደንቕ ሓድነት እዩ ዘሎ።