ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድኽነት—ስምረት ኣምላኽ ከም ዘይብልካ ዜርኢ ድዩ፧

ድኽነት—ስምረት ኣምላኽ ከም ዘይብልካ ዜርኢ ድዩ፧

ድኽነት—ስምረት ኣምላኽ ከም ዘይብልካ ዜርኢ ድዩ፧

ኣምላኽ ንጥንታውያን እስራኤላውያን፡ “ድኻ ኣይርከበካን እዩ” በሎም። ምኽንያቱ፡ እቲ ዝሃቦም ሕጊ፡ ድኻታት ዚእለዩሉን ዕዳ ዚሕደገሉን መሰናድዎታት ነበሮ። (ዘዳግም 15:1-4, 7-10) ስለዚ፡ ኣምላኽ ከም ዚባርኾም ቃል ስለ ዝኣተወሎም፡ ኣብ መንጎኦም ድኻ ኺህሉ ኣይነበሮን። ይኹን እምበር፡ ነዚ በረኸት እዚ ዚረኽብዎ ነቲ ሕጊ እንተ ሓልዮም ጥራይ እዩ ነይሩ፣ እስራኤላውያን ግን ኣይተኣዘዙን።

ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ እቶም ብዙሕ ስጋዊ ሃብቲ ዘይነበሮም ሞገስ ኣምላኽ ኣይረኸቡን፡ እቶም ሕልፍን ትርፍን ዝነበሮምን ድማ ብኣምላኽ ተባሪኾም ነይሮም ማለት ኣይኰነን። ብዙሓት እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብስጋ ድኻታት እዮም ነይሮም። ነብዪ ኣሞጽ፡ ጓሳን ምህርቲ ኣብ ዚሕፈሰሉ ወቕቲ ዚዓዪን ድኻ ሰብ እዩ ነይሩ። (ኣሞጽ 1:1፣ 7:14) ብግዜ ነብዪ ኤልያስ ኣብ እስራኤል ጥሜት ምስ ኰነ፡ ኤልያስ ምስ ሓንቲ ድኻ መበለት ኪጽጋዕ ነበሮ፣ እቲ ጥሜት ክሳዕ ዜብቅዕ ከኣ ናይታ ሰበይቲ ሒደት ሓርጭን ዘይትን ብተኣምራዊ መገዲ ኸይተወድአ ጸንሐ። ኤልያስ ኰነ እታ መበለት ሃብቲ ኣይረኸቡን፣ የግዳስ፡ የሆዋ ነቲ ዜድልዮም መሰረታዊ ነገራት ጥራይ እዩ ሂብዎም።—1 ነገስት 17:8-16

ዘይተሓስበ ኣጋጣሚታት ዜምጽኦ ሽግር ንሰባት ብሃንደበት ድኻታት ኪገብሮም ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ዜጋጥሞ ሓደጋታትን ሕማምን ንግዜኡ ወይ ንሓዋሩ ስራሕ ከም ዘይሰርሕ ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ሞት እውን ንሰባት ዘኽታማትን መበለታትን ከም ዚዀኑ ይገብሮም እዩ። ኰይኑ ግን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኸቢድ ኵነታት ስምረት ኣምላኽ ከም ዝሰኣኑ ዜርኢ ኣይኰነን። እቲ ብዛዕባ ናእምን ሩትን ዚገልጽ ጸብጻብ፡ የሆዋ ንድኻታት ዚገብረሎም ፍቕራዊ ሓልዮት ዜርኢ ዜተባብዕ ኣብነት እዩ። ናእምን ሩትን ሰብኡተን ስለ ዝሞቱ ደኽየን እኳ እንተ ነበራ፡ የሆዋ ኣምላኽ ባሪኽወንን ዜድልየን ስጋዊ ነገራት ኪረኽባ መሰናድዎ ገይሩለንን እዩ።—ሩት 1:1-6፣ 2:2-12፣ 4:13-17

ብርግጽ እምበኣር፡ ድኽነት ስምረት ኣምላኽ ከም ዘይብልካ ዜርኢ ኣይኰነን። እቶም ንየሆዋ ኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ሰባት በቲ ንጉስ ዳዊት እተዛረቦ ቓላት ኪተኣማመኑ ይኽእሉ እዮም፣ ንሱ፡ “ንእሽቶ ነበርኩ፡ አሪገ ኸኣ እኔኹ፡ ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉን፡ ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን” በለ።—መዝሙር 37:25

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ናእምን ሩትን ድኻታት እኳ እንተ ነበራ፡ ኣምላኽ ባሪኽወንን ፍቕራዊ ሓልዮት ገይሩለንን እዩ