ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገንዘብ ምንጪ ናይ ሓቂ ሓጐስ ድዩ፧

ገንዘብ ምንጪ ናይ ሓቂ ሓጐስ ድዩ፧

ገንዘብ ምንጪ ናይ ሓቂ ሓጐስ ድዩ፧

ሶንያ ኣብ ስጳኛ እያ ተወሊዳ። ብቝልዕነታ ምስ ኣዲኣ ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ኣኼባታት ትካፈል ነበረት። ምስ ዓበየት ግን፡ ናብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ገዓዘት፣ ኣብ ኢንዱስትሪ ፋይናንስ ድማ ክትዓዪ ጀመረት።

ሶንያ ንስርሓ ኣዝያ ትፈትዎ ነበረት። ብዙሕ ገንዘብ ክትረክብ ከኣለት፣ ዓማዊላ ጽቡቕ ኣታዊ ኸም ዚረኽቡ ድማ ትገብር ነበረት። በቲ ስርሓ ኣዝያ ዕውትቲ ዀነት። ኣብ መዓልቲ ኣዘውቲራ ን18 ሰዓት ትሰርሕ ነበረት፡ ኣብ ሓደ ምሸት ክልተ ወይ ሰለስተ ሰዓታት ጥራይ እትድቅሰሉ እዋን እውን ነይሩ እዩ። ስርሓ ህይወታ እዩ ነይሩ። ድሕሪኡ ግን ህይወታ ብሃንደበት ኪቕየር ጀመረ። ምናልባት ብሰንኪ እቲ ውጥረት ዝመልኦ ናብራኣ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፡ ሓያል ሕማም ወቕዒ ኣጋጠማ። ኣብቲ እዋን እቲ ጓል 30 ዓመት እያ ነይራ።

ሶንያ ፍርቂ ኣካላታ ስለ ዝለመሰ፡ ሓካይም እንደገና ኽትዛረብ ትኽእል እንተ ዀይና ተጠራጠሩ። ኣዲኣ ንሶንያ ምእንቲ ኽትኣልያ ብኡንብኡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከደት። ሶንያ ብእግራ ኽትከይድ ምስ ጀመረት፡ ኣዲኣ፡ “ናብ ኣኼባታት ጉባኤ ክኸይድ እየ፣ በይንኺ ሓዲገኪ ክኸይድ ስለ ዘይክእል ድማ ምሳይ ክትከዲ ኣሎኪ” በለታ። ሶንያ ኽትከይድ ተሰማምዐት። እቲ ውጽኢትከ እንታይ ነበረ፧

ሶንያ ኸምዚ ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ፦ “ኵሉ እቲ ዝሰማዕክዎ ሓቂ እዩ ነይሩ። ባህ ዜብል ነበረ። ምስ ሓንቲ ኻብቶም ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንፈለማ ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን ሰላም ዝበሉኒ ሰባት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ተሰማማዕኩ። ዋላ እኳ እቶም ቀደም ዝፈልጦም ዝነበርኩ ሰባት እንተ ረስዑኒ፡ እቶም ሓደስቲ ፈተውተይ ግን ፈቃራትን ሓለይትን እዮም ነይሮም።”

ሶንያ በብቝሩብ ክትዛረብ ከኣለት፡ ቅልጡፍ መንፈሳዊ ዕቤት ከኣ ገበረት። ዓመት ኣብ ዘይመልእ እዋን ድማ ተጠምቀት። መብዛሕትኦም ሓደስቲ ፈተውታ፡ ክርስትያናት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ እዮም ነይሮም፣ ማዕረ ኽንደይ ሕጕሳት ምዃኖም ከኣ ክትርኢ ኸኣለት። ‘ኣነ እውን ከማታቶም ክኸውን እደሊ እየ። ንየሆዋ ዝከኣለኒ ዘበለ ኽገብር እደሊ እየ’ ኢላ ኸኣ ሓሰበት። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ሶንያ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰይና ትዓዪ ኣላ።

ሶንያ ኻብቲ ዘሕለፈቶ ተመክሮ እንታይ እያ ተማሂራ፧ “ብዙሕ ገንዘብ እረክብ እኳ እንተ ነበርኩ፡ እቲ ኣብ ስራሕ ዜጋጥመኒ ዝነበረ ውጥረት ኰነ ውሕስነት ምስኣን ከም ዝጭነቕን ዘይሕጕስቲ ኸም ዝኸውንን ገይሩኒ ነበረ። ኣብ ህይወት እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር፡ ምስቲ ሰማያዊ ኣቦይ ዝዀነ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ምምስራት ምዃኑ ኸስተውዕል ክኢለ እየ። ሎሚ ናይ ብሓቂ ሕጕስቲ እየ” በለት።

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጢሞቴዎስ 6:10) ሶንያ ንሓቅነት እዘን ቃላት እዚኣተን ክትምስክር ትኽእል እያ።