ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምግፋፍ ዓሳ ኣብ ባሕሪ ገሊላ

ምግፋፍ ዓሳ ኣብ ባሕሪ ገሊላ

ምግፋፍ ዓሳ ኣብ ባሕሪ ገሊላ

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዝነበረ ገፋፍ ዓሳ እንታይ ዓይነት ህይወት ነበሮ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ነቲ ኣብ ወንጌላት ዚርከብ ሓያሎ ጸብጻባት ብዝያዳ ንኽንርድኦ ይሕግዘና፣ ንኣብነት፡ ነቲ ኣብዛ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ ዘሎ ጸብጻብ የነጽረልና።

እቲ ኣብዚ “ባሕሪ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ከም ሓቂ 21 ኪሎ ሜተር ብ12 ኪሎ ሜተር ዝስፍሓቱ ዘይጨዋም ማይ ዘለዎ ቐላይ እዩ። ገፈፍቲ ዓሳ ኻብቲ ቐላይ እቲ ንሓያሎ ዓመታት ገፊፎም እዮም። እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ደገ ዓሳ፡ ንዕዳጋ ዓሳ ዜመልክት ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ነህምያ 3:3) እቲ ኣብቲ ቦታ እቲ ዚሽየጥ ዝነበረ ዓሳ፡ ካብ ባሕሪ ገሊላ ይመጽእ ነበረ።

እታ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ዝነበረት ቤተ-ሳይዳ፡ ዓዲ ሃዋርያ ጴጥሮስ እያ ነይራ፣ ስም እታ ኸተማ፡ “ቤት ገፋፍ ዓሳ” ማለት ኪኸውን ይኽእል እዩ። መግደላ እውን ኣብ ጥቓ እቲ ቐላይ እትርከብ ካልእ ከተማ እያ ነይራ፣ የሱስ ብማየ ማይ ድሕሪ ምኻዱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ናብቲ ቦታ እቲ እዩ መሪሕዎም። (ማቴዎስ 15:39) ብመሰረት ሓደ ጸሓፊ፡ እታ ኸተማ ብግሪኽኛ እትጽውዓሉ ስም፡ “ከተማ መመስርሒ ዓሳ” ተባሂሉ ኺትርጐም ይከኣል እዩ። እታ ኸተማ እቲኣ፡ ነቲ ኣብቲ ኸባቢ እተታሕዘ ዓሳ ዜንቅጽን ጨው ዚገብርን፡ ወይ ከኣ ኣብ ሳርማ ዓሺጉ ዚሸይጥ ፋብሪካታት ነበራ። እዚ ፍርያት እዚ ናብ ኵሉ ኽፍልታት እስራኤልን ናብ ካልእ ሃገራትን ይለኣኽ ነበረ።

ስለዚ፡ ብግዜ የሱስ፡ ዓሳ ሒዝካ፡ ብእተፈላለየ መስርሕ ኣሕሊፍካ፡ ናብ ዕዳጋ ምቕራብ፡ ዓብዪ ዕዮ እዩ ነይሩ። እዚ ንሓያሎ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ቝጠባዊ ረብሓ ኣምጺኡሎም ኢልና ንሓስብ ንኸውን። ኰይኑ ግን፡ ኵሎም ኣይኰኑን ዚርብሑ ነይሮም። ሓደ ምሁር ብዛዕባ ምግፋፍ ዓሳ ኺገልጽ ከሎ፡ “ከምቲ ዘመናውያን ኣንበብቲ ሓድሽ ኪዳን ዚሓስብዎ፡ መኽሰብ ዘለዎ ብሕታዊ ዕዮ ኣይነበረን” በለ። ምግፋፍ ዓሳ፡ ክፍሊ እቲ “መንግስቲ ዚቈጻጸሮ፡ ንልዑላን ዜኽስብ ዕዮ” እዩ ነይሩ።

ሄሮድስ ኣንቲጳስ ኣብ ገሊላ፡ ብሮሜ እተሸመ ገዛኢ ኣውራጃ ወይ ብዓል ርባዕ ሽመት ነበረ። ስለዚ፡ ነቲ ኣብ ግዝኣቱ ዝነበረ መገድታት፡ መርሳታት፡ ከምኡውን ከም መዐደንን ጫካን ሕርሻን ዓሳ ዚግፈፈሉ ቦታታትን ዝኣመሰለ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ይቈጻጸር ነበረ። እዚ ሃብቲ እዚ ንሄሮድስ ቀንዲ ምንጪ እቲ ብተጎ ወይ ብቐረጽ ዚረኽቦ ኣታዊኡ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣብ ገሊላ ዝነበረ ኣተኣኻኽባ ቐረጽ ብዙሕ ዝርዝር ሓበሬታ የብልናን። ይኹን እምበር፡ እቲ ሄሮድስ ብሓፈሻ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ኣገባብ፡ ካብቲ ኣብ ካልእ ምብራቓውያን ሃገራት ብግሪኽ ወይ ብሮሜ እተሸሙ ገዛእቲ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ኣሰራርሓ ብዙሕ እተፈልየ ኣይነበረን። ኣብቲ ኸባቢ ብዚግበር ቍጠባዊ ንጥፈታት ኰነ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ብምምዝማዝ ዚርከብ መብዛሕትኡ መኽሰብ፡ ናብቶም ዚበዝሕ ዕዮ ዚዓዩ ተራ ህዝቢ ዘይኰነስ፡ ናብቶም ልዑላን ክፋል ሕብረተሰብ እዩ ዚኣቱ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል።

ጾር ቀረጽ

ብግዜ የሱስ፡ ኣብ ገሊላ ዝነበረ ብሉጽ መሬት፡ ንጉሳውያን ቤተሰብ ከም ጕልቲ ገይሮም ተማቒሎምዎ ነበሩ፣ ሄሮድስ ኣንቲጳስ ንመኳንንቱን ንኻልኦት ዝደለዮም ሰባትን ከም ህያባት ገይሩ ዓዲልዎም ነበረ። ግዙኣት ሄሮድስ ነቲ ጣዕሚ ዝመልኦ ኣነባብራኡ፡ ነቲ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ህንጸቱ፡ ነቲ ሰፊሕ ምምሕዳሩ፡ ከምኡውን ነቲ ንፈተውቱን ንኸተማታትን ዚፈቕዶ ዝነበረ እተፈላለየ ሓለፋታት ዚኸውን ወጻኢታት ኪሽፍኑ ነበሮም። እቲ ኻብ ተራ ህዝቢ ዚስላዕ ዝነበረ ቐረጽን ግብርን ኣመና ጨቋኒ ኸም ዝነበረ እዩ ዚግለጽ።

ሄሮድስ ነቲ ኻብ ቀላያት ዚርከብ ኣታዊ፡ በይኑ ተቘጻጺርዎ ነበረ። ምግፋፍ ዓሳ፡ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ወይ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ጕልተኛታት ነበረ። እቶም ቀረጽ ናይ ምእካብ መሰል ተጫሪቶም ዚዕድጉ ሃብታማት ዝነበሩ ሓላቑ ኣከብቲ ቐረጽ፡ ምስቶም ኣብቲ ብንጉስ ዚመሓደር ዝነበረ ቦታታት ዓሳ ኺገፉ ዚደልዩ ገፈፍቲ ዓሳ ውዕል ናይ ምግባር ስልጣን ነበሮም። ማቴዎስ ዚሰርሓላ ዝነበረ መደበር ቀረጽ ኣብ ቅፍርናሆም ስለ ዝነበረት፡ እታ ኸተማ እውን ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ እትርከብ ኣገዳሲት ማእከል ምግፋፍ ዓሳ ስለ ዝነበረት፡ ንሱ ኣብ ትሕቲ እቶም ሓላቑ ኣከብቲ ቐረጽ ዚዓዪ “ኣወዓዓሊ ንጉሳዊ መሰል ምግፋፍ ዓሳ” ነይሩ ኪኸውን ይኽእል ከም ዝነበረ ሓሳብ ዝሃቡ ኣለዉ። *

ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ዘመን ቅ.ክ. እተረኽበ መርትዖ ኸም ዚሕብሮ፡ ኣብ እስራኤል ዚኽፈል ዝነበረ ቐረጽ መብዛሕትኡ ግዜ ብገንዘብ ዘይኰነስ፡ “ብዓይነት” ይኽፈል ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ገሊኦም ገፈፍቲ ዓሳ፡ ንኺገፉ ፍቓድ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ካብ 25 ክሳዕ 40 ሚእታዊት እቲ ዚሕዝዎ ዓሳ ይኸፍሉ ነበሩ። እንተ ወሓደ ኣብ ገሊኡ ኽፋል ምምሕዳራት ሮሜ፡ ምግፋፍ ዓሳ ብተቘጻጸርቲ ዚካየድ መንግስቲ በይኑ ዜመሓድሮ ዕዮ ምንባሩ ጥንታዊ ሰነዳት ይሕብር። ኣብ ጵሲድያ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ብዘይ ፍቓድ፡ ዓሳ ኸይገፍፍ፡ ከምኡውን እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ዝገፈፍዎ ዘበለ ነቶም ብመንግስቲ ቝጽጽር ዚግበረሎምን ቀረጽ ዚኸፍሉን መንጎኛታት ወይ ብጃምላ ዚሸጡ ነጋዶ ጥራይ ኪሸጡ ዚቈጻጸር ከም ፖሊስ ዝኣመሰለ ኣካል ነይሩ እዩ።

ብመሰረት ሓደ ተንታኒ፡ ብሰንኪ እዚ ዅሉ ቝጽጽርን ቀረጽን፡ “እቲ ንጉስ ወይ እቶም ጕልተኛታት ብዙሕ መኽሰብ ኪረኽቡ ኸለዉ፡ እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ግን ብዙሕ ኣይከስቡን ነበሩ።” ኣብ ካልእ ዕዮታት እተዋፈሩ ሰባት ዚረኽብዎ ዝነበሩ መኽሰብ እውን፡ ብሰንኪ እቲ ጨቋኒ ኣገባብ ቀረጽ ውሱን እዩ ነይሩ። እቶም ቀረጽ ዚኸፍሉ ሰባት፡ ቀረጽ ኪኸፍሉ ኣይደልዩን እዮም ነይሮም። ኰይኑ ግን፡ እቲ ኣብ ጸብጻባት ወንጌላት ንተገውቲ ወይ ንኣከብቲ ቐረጽ ዚርአ ሓፈሻዊ ጽልኢ፡ በቲ እቶም ንተራ ህዝቢ ብምምዝማዝ ዝሃብተሙ ተገውቲ ዚገብርዎ ዝነበሩ ምጥፍፋእን ስስዐን ኸም እተጋደደ ኣየጠራጥርን እዩ።—ሉቃስ 3:13፣ 19:2, 8

ኣብ ወንጌላት እተጠቕሱ ገፈፍቲ ዓሳ

ስምኦን ጴጥሮስ ኣብ ዕዮ ምግፋፍ ዓሳ ምስኡ ዚዓዩ ብጾት ከም ዝነበርዎ፡ ወንጌላት ይገልጽ እዩ። ንሱን ብጾቱን ኣብ ሓደ እዋን ብተኣምራዊ መገዲ ብዙሓት ዓሳ ምስ ሓዙ፡ “ኣብታ ኻልአይቲ ጃልባ ዘለዉ ብጾቶም” ሓጊዞምዎም እዮም። (ሉቃስ 5:3-7) ገሊኦም ምሁራት፡ “ገፈፍቲ ዓሳ፡ ንውዕላት ምእንቲ ኺጫረቱ ‘ማሕበራት’ . . . የቝሙ ነበሩ” ኢሎም ገሊጾም ኣለዉ። ደቂ ዘብዴዎስን ጴጥሮስን እንድርያስን ካልኦት ብጾቶምን በዚ መገዲ እዚ እዮም ዓሳ ኺገፉ ፍቓድ ረኺቦም ኪዀኑ ዚኽእሉ።

እዞም ገሊላውያን ገፈፍቲ ዓሳ ነተን ጃላቡን ነቲ ናውትን ይውንንዎ እንተ ነይሮም፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ኣይተጠቕሰን። ገሊኦም ሰባት፡ እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ወነንቲ እቲ ንብረት ምንባሮም ይኣምኑ እዮም። የሱስ እውን ኣብ ሓደ እዋን፡ ኣብታ “ናይ ስምኦን ዝነበረት” ጃልባ እዩ ዝኣተወ። (ሉቃስ 5:3) ይኹን እምበር፡ ነዚ ጕዳይ እዚ ብዝርዝር እትገልጽ ሓንቲ ዓንቀጽ፡ “እተን ጃላቡ በቶም ኣወዓዓልቲ ዚውነናን እቶም ማሕበር ዚጥቀሙለንን ነይረን ኪዀና ይኽእላ እየን” በለት። ዝዀነ ዀይኑ፡ ያእቆብን ዮሃንስን መርበቦም የዐርዩ ምንባሮም፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተገሊጹ ኣሎ። ገፈፍቲ ዓሳ ነቲ ዝገፈፍዎ ዋጋ ተቐጣቒጦም ኪሸጡን እንተ ኣድልዩ እውን ሸቃላይ ኪቘጽሩን ነበሮም።

ስለዚ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣብ ገሊላ ዝነበሩ ገፈፍቲ ዓሳ ኻብቲ እንሓስቦ ንላዕሊ ይዓዩ ነበሩ። ኣብ ትሕቲ እተሓላለኸ ቝጠባዊ ስርዓት እዮም ዚሰርሑ ነይሮም። ነዚ ኣብ ግምት ምእታውና፡ ንጸብጻባት ወንጌል ኰነ ነቲ የሱስ ብዛዕባ ምግፋፍ ዓሳን ገፈፍቲ ዓሳን ዝበሎ ነገራት ብዕምቈት ንኽንርድኦ ይሕግዘና። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ጴጥሮስን እንድርያስን ያእቆብን ዮሃንስን ዝነበረቶም እምነት ንኽንርዳእ ይሕግዘና። ንሳቶም ዓሳ ብምግፋፍ እዮም ዚናበሩ ነይሮም። የሱስ ኪጽውዖም ከሎ ዝነበሮም ቍጠባዊ ደረጃ ብዘየገድስ፡ ነቲ ዜተኣማምን ምንጪ ኣታዊ ዀይንዎም ዝነበረ ዚፈልጥዎ ዕዮ ሓዲጎም፡ “ገፈፍቲ ሰብ” ኪዀኑ ፍቓደኛታት ኰኑ።—ማቴዎስ 4:19

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 9 ሃዋርያ ጴጥሮስ ካብ ቤተ-ሳይዳ ናብ ቅፍርናሆም ግዒዙ ኪኸውን ኣለዎ፣ ኣብ ቅፍርናሆም ድማ ምስ እንድርያስ ሓዉን ምስ ደቂ ዘብዴዎስን ብሓባር ኰይኑ ዓሳ ኺገፍፍ ጀመረ። የሱስ እውን ንእተወሰነ እዋን ኣብ ቅፍርናሆም ተቐሚጡ ነበረ።—ማቴዎስ 4:13-16

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ቀላይ ሑላ

ቤተ-ሳይዳ

ቅፍርናሆም

መግደላ

ባሕሪ ገሊላ

የሩሳሌም

ምዉት ባሕሪ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Todd Bolen/Bible Places.com

[ምንጪ ስእሊ]

Todd Bolen/Bible Places.com