ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሴም ክፍኣት ክልተ ዓለም ረኣየ

ሴም ክፍኣት ክልተ ዓለም ረኣየ

ንደቅኻ ምሃሮም

ሴም ክፍኣት ክልተ ዓለም ረኣየ

ሴም ወዲ ኖህ ካብ ጥፍኣት ሓንቲ ዓለም ድሒኑ ኣብታ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ዝነበረት ዓለም ኪነብር ክኢሉ እዩ። እታ ሴም ዝነበረላ ናይ መጀመርታ ዓለም ስለምንታይ ከም ዝጠፍአት፡ ከምኡውን ንሱን ካልኦት ኣባላት ስድራ ቤቱን ኣብታ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ዝነበረት ካልእ ዓለም ኪነብሩ ዝኸኣሉ ብኸመይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧— * ብዛዕባ እዚ እስከ ንመያየጥ።

ሴም መንእሰይ ከሎ፡ “ክፍኣት ሰብ” ኣዝዩ በዚሑ ኸም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። እቲ ሰባት ዚሓስብዎ ዝነበሩ ነገራት “ወርትግ ክፉእ” ነበረ። እሞኸ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝገበረ ትፈልጥዶ፧— ነታ እክይቲ ዓለም ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ኣውረደ። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ብእኡ፡ በቲ ማይ [ማይ ኣይሂ]፡ ተሰጢማ ጠፍኤት” ኢሉ ጸሓፈ።—ዘፍጥረት 6:5፣ 2 ጴጥሮስ 3:6

ኣምላኽ ነታ ዓለም እቲኣ ዘጥፈኣ ስለምንታይ ምዃኑስ ተረዲኡካዶ፧— እቶም ህዝቢ እኩያት እዮም ነይሮም፣ “ወርትግ ክፉእ” ነገራት ይሓስቡ ነበሩ። የሱስ ብዛዕባ እዚ ተዛሪቡ እዩ። እቶም ህዝቢ፡ “ቅድሚ ማይ ኣይሂ” ምምጻኡ “ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን” ከም ዝነበሩ ገለጸ። ወሲኹ እውን፡ “ማይ ኣይሂ መጺኡ፡ ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን” በለ።—ማቴዎስ 24:37-39

እቶም ህዝቢ እንታይ እዮም ዘይፈለጡ፧— ኖህ ኣቦ ሴም “ሰባኽ ጽድቂ” እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ህዝቢ ግን ነቲ ዚብሎ ዝነበረ ኣይተኣዘዝዎን። ኖህ ንኣምላኽ ሰሚዑ ንዕኡን ንስድራ ቤቱን ካብ ማይ ኣይሂ እተዕቝቦም መርከብ ሰርሐ። ኖህን ሰበይቱን ከምኡውን እቶም ሴምን ካምን ያፌትን ዚበሃሉ ደቁ ምስ ኣንስቶም ጥራይ እዮም ኣምላኽ ካብኦም እንታይ ከም ዚደሊ ዝፈለጡ። ካልኦት ሰባት ግን ኪገብርዎ ዚደልዩ ጥራይ ይገብሩ ነበሩ፣ ብሰንኪ እዚ ኸኣ ብማይ ኣይሂ ጠፍኡ።—2 ጴጥሮስ 2:5፣ 1 ጴጥሮስ 3:20

ማይ ኣይሂ ኻብ ዚጅምር ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ሴምን ስድራ ቤቱን ካብታ መርከብ ናብ ንቑጽ ምድሪ ወጹ። ኣብቲ እዋን እቲ ዅሎም እኩያት ሰባት ጠፊኦም እኳ እንተ ነበሩ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ግን እቲ ዅነታት ተቐየረ። እቲ ካም ሓው ሴም ዝወለዶ ከነኣን ሕማቕ ነገር ስለ ዝገበረ፡ ኖህ፡ “ከነኣን ርጉም . . . ይኹን” በለ። እቲ ወዲ ወዱ ንካም ዝነበረ ኒምሮድ እውን ክፉእ እዩ ነይሩ። ኒምሮድ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ተጻረሮ፡ ንሰባት ከኣ ስሞም ምእንቲ ኼጸውዑ ባቤል ዚበሃል ዓብዪ ግምቢ ኺሰርሑ ነገሮም። ሴምን ኣቦኡን እንታይ እተሰምዖም ይመስለካ፧—ዘፍጥረት 9:25፣ 10:6-10፣ 11:4, 5

በቲ ዅነታት ኣዝዮም ጐሃዩ፣ የሆዋ እውን ጕህዩ እዩ። የሆዋ እንታይ ከም ዝገበረ ትፈልጥዶ፧— ንሓድሕዶም ምእንቲ ኸይረዳድኡ ንቛንቋ እቲ ህዝቢ ደባለቖ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ምስራሕ እቲ ግምቢ ሓዲጎም ተበታተኑ፣ እቶም ሓደ ቛንቋ ዚዛረቡ ኸኣ ብሓደ ሓቢሮም ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ኪቕመጡ ጀመሩ። (ዘፍጥረት 11:6-9) ኰይኑ ግን፡ ኣምላኽ ንቛንቋ ሴምን ስድራ ቤቱን ኣይቀየሮን። እዚ ኸኣ ከይፈላለዩን ንኣምላኽ ሓቢሮም ኬገልግሉን ኣኽኣሎም። ሴም ንየሆዋ ኽንደይ ዓመት ከም ዘገልገሎ ትፈልጥዶ፧—

ሴም ን600 ዓመት እዩ ብህይወት ጸኒሑ። ቅድሚ ማይ ኣይሂ 98 ዓመት፡ ድሕሪኡ ኸኣ 502 ዓመት ብህይወት ነበረ። ንኖህ መርከብ ኪሰርሕ ከም ዝሓገዞን ንሰባት ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ዝነበረ ማይ ኣይሂ ኸም ዘጠንቀቖምን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግን፡ ኣብተን ድሕሪ ማይ ኣይሂ ብህይወት ዝጸንሓለን ልዕሊ 500 ዓመት እንታይ ዝገበረ ይመስለካ፧— ኖህ ንየሆዋ፡ “ኣምላኽ ሴም” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። ሴም ንየሆዋ ምግልጋሉ ቐጺሉን ስድራ ቤቱ እውን ከምኡ ንኺገብሩ ይሕግዞምን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ጸኒሑ፡ ኣብርሃምን ሳራን ይስሃቅን ካብ ዘርኢ ሴም መጹ።—ዘፍጥረት 9:26፣ 11:10-31፣ 21:1-3

ብዛዕባ እዛ ሴም ካብ ዝነበረሉ እዋን ኣትሒዛ ብዝያዳ እናኸፍአት ትኸይድ ዘላ ዓለም እስከ ሕሰብ። እንታይ ክትከውን እያ፧— መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ትሐልፍ እያ” ይብለና። ይኹን እምበር፡ “እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ኢሉ እውን ይመባጻዕ እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ፍቓድ ኣምላኽ እንተ ጌርና፡ ካብ መንጎ እቶም ናብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ዚሰግሩ ሰባት ክንከውን ንኽእል ኢና። ድሕሪኡ፡ ብሓገዝ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ተሓጒስና ንዘለኣለም ክንነብር ኢና።—1 ዮሃንስ 2:17፣ መዝሙር 37:29፣ ኢሳይያስ 65:17

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 3 ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዓ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ፡ ነቲ ቘልዓ ሓሳባቱ ንኺገልጽ ከተተባብዖ ኸም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።

ሕቶታት፦

እታ ሴም ዝነበረላ ናይ መጀመርታ ዓለም ከመይ ዝበለት እያ ነይራ፧ ኣምላኽ ዘጥፈኣኸ በየናይ ክልተ ምኽንያት እዩ፧

ሴም ንኽንደይ ዓመት እዩ ብህይወት ጸኒሑ፧ እንታይ ዓይነት ሰብከ እዩ ነይሩ፧

እዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ድሕሪ ቐረባ እዋን እንታይ ክትከውን እያ፧

ካብ ጥፍኣት እዛ ዓለም እዚኣ ንምድሓን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧