ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኮዴክስ ቫቲካን ክቡር መዝገብ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኮዴክስ ቫቲካን ክቡር መዝገብ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኮዴክስ ቫቲካን ክቡር መዝገብ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ቫቲካን ከም ክቡር መዝገብ ኪቝጸር ዚኽእል ነገራት ዚርከበላ ኸተማ እያ። ኣብ ቫቲካን ዘሎ ቕብኣታትን ቅርጻታትን ስነ-ህንጻን ብጽባቐኡ ይነኣድ እዩ። ንኣማእታት ዓመታት ግን፡ ሰባት ንሓደ ኻብቲ ኣብኡ ዚርከብ ካብ ኵሉ ዝበለጸ ኽቡር መዝገብ ኪርእይዎ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ ቫቲካን፡ ንገሊኡ ኽፋል ቃል ኣምላኽ ብዝያዳ ንኽንርድኦ ዚሕግዘና ኣሽሓት ዓመታት ይገብር እተጻሕፈ ኽቡር ኢደ-ጽሑፍ ኣሎ። እዚ ኸኣ ኮዴክስ ቫቲካን ተባሂሉ ይፍለጥ። *

ኮዴክስ እስክንድርያን ኮዴክስ ሲናን ዚበሃል ምሁራት ዚንእድዎ ኽልተ ኻልእ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ እተረኽበሉን ካብ ጥፍኣት ዝደሓነሉን መሳጢ ታሪኽ ኣለዎ። ብዛዕባ ኮዴክስ ቫቲካን ግን ብዙሕ ኣይፍለጥን እዩ።

ሕቡእ መዝገብ

ኮዴክስ ቫቲካን ካበይ እዩ መጺኡ፧ ንፈለማ ግዜ ኣብ መበል 15 ዘመን ኣብ ዝነበረ መዝገብ ቤተ-መጽሓፍቲ ቫቲካን እዩ ተጠቒሱ ዚርከብ። ኣብ ግብጺ፡ ኣብ ቂሳርያ፡ ወይ ኣብ ሮማ ኸም እተዳለወ፡ ምሁራት ሓሳብ ይህቡ እዮም። ኣብቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ በርሚንግሃም ዚዓዪ ፕሮፌሰር ጄምስ ነቪል በርድሶል ግን፡ ነዚ ኽልሰ-ሓሳባት ድሕሪ ምግምጋም፡ “ብሓጺሩ፡ ልክዕ ዕለትን መበቈላዊ ቦታን ኮዴክስ ቫቲካነስ ብርግጽ ኪፍለጥ ኣይተኻእለን፣ ምሁራት ጻዕሪ እኳ እንተ ገበሩ፡ ቅድሚ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዘመን ዝነበረ ታሪኹ ኺርከብ ኣይተኻእለን” በለ። ይኹን እምበር፡ ኮዴክስ ቫቲካን፡ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢደ-ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። ስለምንታይ፧

ገሊኦም ቀዳሕቲ ድሕሪ ዘመናት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጌጋታት ኣተኣታትዮም እዮም። ሓደ ኻብቲ ልክዕነቱ ዝሓለወ ጽሑፍ ንዚደልዩ ተርጐምቲ ዜጋጥሞም ብድሆታት፡ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፋት ዚርከብ ሓሳባት ከም ዘለዎ ዜመሓላልፍ ዜተኣማምን ኢደ-ጽሑፋት ምርካብ እዩ። ስለዚ፡ ምሁራት ነቲ ኣብ ራብዓይ ዘመን ድ.ክ.፡ ማለት ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተዛዘመሉ 300 ኣብ ዘይመልእ ዓመታት እተዳለወ ኢደ-ጽሑፍ ግሪኽኛ ዝዀነ ኮዴክስ ቫቲካን፡ ክሳዕ ክንደይ ብሃንቀውታ ኸም ዝመርመርዎ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኮዴክስ እዚ፡ ነቲ ብንውሓት ግዜ ዝጠፍአ ሒደት ክፋላት ሓዲግካ፡ እተማልአ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጥን ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽን ሒዙ ኣሎ።

ንሓያሎ ዓመታት፡ ሰበ-ስልጣን ቫቲካን ነቲ ኮዴክስ ንምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርኣይ ስክፍታታት ነይርዎም እዩ። ሰር ፍረደሪክ ከንዮን ዚበሃል ውሩይ ምሁር ከምዚ ኢሉ ኣዘንተወ፦ “ብ1843፡ [ኮንስታንቲን ቮን] ቲሸንዶርፍ [ምሁር መጽሓፍ ቅዱስ]፡ ንእተወሰነ ኣዋርሕ ድሕሪ ምጽባዩ፡ ንሽዱሽተ ሰዓት ኪርእዮ ተፈቕደሉ። . . . ብ1845፡ ትረጌለስ ዚበሃል ዓብዪ እንግሊዛዊ ምሁር፡ ኪርእዮ እኳ እንተ ተፈቕደሉ፡ ዋላ ሓንቲ ቓል ኪቐድሕ ግን ኣይተፈቕደሉን።” ቲሸንዶርፍ ነቲ ኮዴክስ ዳግም ኪርእዮ ሕቶ ኣቕረበ፡ 20 ገጻት ድሕሪ ምቕዳሑ ግን ተኸልከለ። እንተዀነ ግን፡ ከንዮን ከምዚ ኢሉ ተሪኹ ኣሎ፦ “ከም ብሓድሽ ብምልማኑ ንሽዱሽተ ተወሳኺ መዓልቲ ኼጽንዖ ተፈቕደሉ፡ ብድምር ድማ ንዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ሰሰለስተ ሰዓት ኪርእዮ ኸኣለ፣ ቲሸንዶርፍ ነዚ ግዜ እዚ ጽቡቕ ገይሩ ብምጥቃም፡ ብ1867 ቅድሚኡ ዘይተራእየ ዝጸረየ ሕታም ኢደ-ጽሑፋት ኪሓትም ከኣለ።” ጸኒሓ ቫቲካን ዝሓሸ ቕዳሕ እቲ ኮዴክስ ኣዳለወት።

“ብጥንቃቐ ዓቂቡ”

ኮዴክስ ቫቲካን እንታይ ዓይነት ጽሑፍ ኰይኑ እዩ ተረኺቡ፧ ብመሰረት ዘ ኦክስፎርድ ኢለስትሬትድ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ባይብል፡ “እሩም ፊደላትን ልክዕ ቅዳሕን ሒዙ ኣሎ፡ ስለዚ ድማ እቲ ጽሑፍ ብጥንቃቐ እተቐድሐ እዩ ነይሩ።” እዚ መወከሲ ጽሑፍ እዚ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “እምበኣር፡ እዚ ጽሑፍ እዚ ምሁር ቀዲሑ ዘዳለዎ ኸም ዝዀነ ኣብ መደምደምታ ኺብጻሕ ይከኣል እዩ” በለ።

ቢ. ኤፍ. ዌስትኮትን ኤፍ.ጀይ.ኤ. ሆርትን ዚበሃሉ ኽልተ ፍሉጣት ምሁራት፡ በቲ ኮዴክስ ቫቲካን ዘለዎ ብሉጽ ትሕዝቶ ተማሪኾም እዮም። እቲ ብ1881 ዝወጸ ኒው ተስታመንት ኢን ዘ ኦሪጅናል ግሪክ ዘርእስቱ ጽሑፎም፡ ኣብ ኢደ-ጽሑፋት ቫቲካንን ሲናን እተመስረተ ዀይኑ፡ ንእተፈላለየ ዘመናዊ ትርጕማት ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ከም ቀንዲ ምንጪ ጽሑፍ ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ገለ ኻብዚ ትርጕማት እዚ፡ ብጀይ. ቢ. ሮተርሃም እተዳለወ ዘ ኢምፋሳይዝድ ባይብል ከምኡውን ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኪጥቀስ ይከኣል።

ገሊኦም ሓያስያን ግን ዌስትኮትን ሆርትን ኣብ ኮዴክስ ቫቲካን ዘለዎም እምነት ጌጋ ኸም ዝዀነ እዮም ዚሓስቡ። እሞኸ እቲ ኮዴክስ ነቲ በዅሪ ጽሑፍ ብልክዕ ዝሓዘ ድዩ፧ ካብ 1956 ክሳዕ 1961 ኣብ ዘሎ እዋን እተረኽበ ፓፒሩሳት ቦድመር፡ ኣብ መጀመርታ ሳልሳይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ ኽፋላት ሉቃስን ዮሃንስን ዝሓዘ ብምዃኑ ኣቓልቦ ምሁራት ስሒቡ ነይሩ እዩ። እዚ ፓፒሩሳት እዚ ነቲ ጸኒሑ ኣብ ኮዴክስ ቫቲካን ዚርከብ ደጊፍዎዶ፧

ፊሊፕ ቢ. ፔንን ፖል ካናርትን ኣብታ ኖቩም ተስታመንቱም እትበሃል መጽሔት፡ “ኣብ ጽሑፍ ቫቲካነስን ሕጂ ዘሎ ፓፒሩሳት ቦድመርን ዜደንቕ ምግጥጣም ኣሎ” ኢሎም ጸሓፉ። ብተወሳኺ ድማ፡ “ነዚ ምግጥጣም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቀዳማይ ጸሓፊ ቫቲካነስ፡ ምስ ፓፒሩሳት ቦድመር ኣጸቢቑ ዚዛመድ ኢደ-ጽሑፍ ከም ዝቐድሐ ኣብ መደምደምታ ኺብጻሕ ይከኣል እዩ። ስለዚ፡ እቲ ጸሓፊ ኻብ ኣዝዩ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፍ ወይ ካብ ሓደ ኣብ ኣዝዩ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፍ እተመስረተ ጽሑፍ ቀዲሑ ኪኸውን ኣለዎ” በሉ። ፕሮፌሰር በርድሶል እውን፡ “ክልቲኡ ኢደ-ጽሑፋት ኣጸቢቑ ይዛመድ እዩ። . . . [እቲ ኮዴክስ] ብጥንቃቐ እተቐድሐ ጽሑፍ እዩ፣ ነቲ ዝጸንሐ ብጥንቃቐ ዓቂቡ እዩ ተሰናዲዉ” በለ።

ንተርጐምቲ ዘበርከቶ ጥቕሚ

ልክዕ እዩ፡ እቲ ብጥንታውነቱ ዝቐደመ ኢደ-ጽሑፍ፡ ግድን ናብቲ በዅሪ ጽሑፍ ዝቐረበ ይኸውን ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ኮዴክስ ቫቲካን ምስ ካልእ ኢደ-ጽሑፋት ብምንጽጻር፡ ምሁራት ኣብቲ በዅሪ ኢደ-ጽሑፍ እንታይ ከም ዝነበረ ንኺፈልጡ ብዙሕ ሓጊዝዎም እዩ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ኻብ ጥፍኣት ዝደሓነ ኽፋል እቲ ኣብ ራብዓይ ዘመን ድ.ክ. እተዳለወ ኢደ-ጽሑፍ ሲና፡ ካብ ዘፍጥረት ክሳዕ 1 ዜና መዋእል ዘሎ መብዛሕትኡ ታሪኻዊ መጻሕፍቲ ኣይርከብን እዩ። እዚ መጻሕፍቲ እዚ፡ ኣብ ኮዴክስ ቫቲካን ዚርከብ ምዃኑ ግን፡ ኣብ ቀኖና መጽሓፍ ቅዱስ ግቡእ ቦታኡ ንኺሕዝ መረጋገጺ ዀይኑ እዩ።

ብመሰረት ዘ ኦክስፎርድ ኢለስትሬትድ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ባይብል፡ ብፍላይ “ንክርስቶስን ንቕዱስ ስላሴን ዚትንክፍ ክፋላት” ንምሁራት የካትዖም ነይሩ እዩ። ኮዴክስ ቫቲካን ነዚ ንምንጻር ብኸመይ ሓጊዙ፧

ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣብ ዮሃንስ 3:13 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ የሱስ፡ “ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ . . . ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን” በለ። ገሊኦም ተርጐምቲ፡ “ኣብ ሰማይውን ዘሎ” ዚብላ ቓላት ወሲኾምሉ ኣለዉ። እዚ ተወሳኺ ቓላት እዚ፡ የሱስ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ከም ዝነበረ ይእምት፣ እዚ ድማ ንስላሴ ዚድግፍ ሓሳብ እዩ። እቲ እተወሰኸ ሓረግ፡ ካብ ሓምሻይ ክሳዕ ዓስራይ ዘመን ድ.ክ. ኣብ ዚርከብ ሒደት ኢደ-ጽሑፋት ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ኢደ-ጽሑፋት ቫቲካንን ሲናን ዘይርከብ ምዃኑ፡ ንሓያሎ ዘመናውያን ተርጐምቲ ነዘን ሓረጋት ንኼልግስወን ደሪኽዎም እዩ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ መንነት ክርስቶስ ንዘሎ ምድንጋራት የወግድ፡ ምስ ዝተረፈ ቕዱሳት ጽሑፋት ድማ ይሰማማዕ። የሱስ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ክልተ ቦታ ኣይኰነን ነይሩ፣ የግዳስ፡ ካብ ሰማያት መጺኡ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከኣ ናብ ኣቦኡ ‘ብምድያብ’ ናብ ሰማያት ተመሊሱ።ዮሃንስ 20:17

ኮዴክስ ቫቲካን ነቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ዚምልከት ጥቕስታት እውን ኣነጺርዎ እዩ። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። እቲ ብ1956 እተዳለወ ናይ ትግርኛ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ” ኸም ዝበለ ገይሩ ገሊጹ ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 3:10) ካልእ ትርጕማት እውን ኣብቲ ኣብ ሓምሻይ ዘመን እተዳለወ ኮዴክስ እስክንድርያን ድሕሪኡ ዝነበረ ኢደ-ጽሑፋትን ተመርኲሱ፡ ተመሳሳሊ ሓሳባት እዩ ኣስፊሩ ዘሎ። ካብዚ ተበጊሶም፡ ብዙሓት ቅኑዓት ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ኸም ዜጥፍኣ ደምዲሞም እዮም።

ይኹን እምበር፡ ኮዴክስ እስክንድርያ ቕድሚ ምድላዉ ሓደ ዘመን ዚኸውን ኣቐዲሙ፡ ኮዴክስ ቫቲካን (ከምኡውን ኣብቲ ግዜ እቲ እተዳለወ ኢደ-ጽሑፍ ሲና) ነቲ ጴጥሮስ እተነበዮ ትንቢት፡ “ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪቕላዕ እዩ” ኢሉ ኣስፊርዎ ኣሎ። እዚ ምስ ዝተረፈ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ይሰማማዕዶ፧ እወ፡ ይሰማማዕ እዩ። ብዛዕባ እዛ እንነብረላ ምድሪ፡ “ንዘለኣለም ከይትናወጽሲ፡ ንምድሪ ኣብ መሰረታ ኣጽንዓ” ተባሂሉ ኣሎ። (መዝሙር 104:5) ከመይ ኢላ ደኣ እያ ምድሪ ‘ኽትቅላዕ’፧ ካልእ ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት፡ እታ “ምድሪ” እትብል ቃል ብምሳልያዊ መገዲ ይጥቀመላ እዩ። “ምድሪ” ቛንቋ ኽትዛረብን መዝሙር ክትዝምርን እትኽእል ኰይና ተገሊጻ ኣላ። (ዘፍጥረት 11:1፣ መዝሙር 96:1) ስለዚ፡ “ምድሪ” እትብል ቃል፡ ንደቂ ሰብ ወይ ንሰብኣዊ ሕብረተሰብ ከተመልክት ትኽእል እያ። ኣምላኽ ነዛ ፕላነትና ኸም ዘየጥፍኣ፡ ንእከይን ነቶም ዜስፋሕፍሕዎ ሰባትን ግን ምሉእ ብምሉእ ከም ዜቃልዖምን ከም ዜጥፍኦምን ምፍላጥና ዜጸናንዕዶ ኣይኰነን፧

“ንዘለኣለም ይነብር”

እቲ ዜሕዝን ግን፡ ንሓያሎ ዘመናት፡ ሰባት ንኮዴክስ ቫቲካን ኪርእይዎ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም፣ ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ናይ ሓቂ ትርጕም ገሊኡ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ይስሕትዎ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር፡ ኮዴክስ ቫቲካን ንሰባት ክፉት ካብ ዚኸውን ኣትሒዙ፡ እዚ ኮዴክስ እዝን ካልእ ዜተኣማምን ዘመናዊ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስን ንደለይቲ ሓቂ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚምህሮ ትምህርቲ ንኺፈልጡ ሓጊዝዎም እዩ።

ቀዳሞት ቀዳሕቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ዚጽሕፍዎ ኢደ-ጽሑፋት፡ “እታ [ነዚ] ዝጸሓፈት ኢድ ኣብ መቓብር ትምሽምሽ ኣላ፡ እቲ እተጻሕፈ ግን ንዓመታት ይጸንዕ” ዚብል ቃላት የስፍሩ ነበሩ። ሎሚ፡ ነቲ እቶም ስማቶም ዘይፍለጥ ቀዳሕቲ ደኺመ ኸይበሉ ዝገበርዎ ጻዕሪ ነማስወሉ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ እዚ ግዜና ተዓቂቡ ብምጽናሑ ልዕሊ ዅሉ ምስጋና ዚግብኦ ግን እቲ ብነብዪ ኣቢሉ፡ “ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል፡ ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር” ኢሉ እተነበየ ደራሲኡ እዩ።—ኢሳይያስ 40:8

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 2 ኮዴክስ ቫቲካን፡ ኢደ-ጽሑፍ ቫቲካን 1209 ወይ ኮዴክስ ቫቲካነስ ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ ኪኸውን ከሎ፡ መብዛሕትኦም ምሁራት “B” ዚብል መለለዪ ሂቦምዎ ኣለዉ። ኮዴክስ ጥንቲ ዝነበረ ዓይነት መጽሓፍ እዩ። ኣብ ናይ 1 ሰነ 2007 ሕታም እዛ መጽሔት እዚኣ ዝወጸት፡ “ካብ ጥቕላል ናብ ኮዴክስ—መጽሓፍ ቅዱስ ብመልክዕ መጽሓፍ እተዳለወሉ መገዲ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ሳጹን]

ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፋት እተዳለወሉ ግዜ ብኸመይ ይፍለጥ፧

ገሊኦም ቀዳሕቲ ነቲ ዕዮኦም ዝፈጸሙሉ ዕለት ዚምዝግቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ መብዛሕትኡ ኢደ-ጽሑፋት ግሪኽኛ ኸምዚ ዓይነት ሓበሬታ ኣይህብን እዩ። እሞ ደኣ ምሁራት፡ ከመይ ገይሮም እዮም ሓደ ኢደ-ጽሑፍ መጽሓፍ ቅዱስ መዓስ ከም እተዳለወ ዚፈልጡ፧ ከምቲ ቛንቋን ስርሓት ጥበብን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዚፈላለ፡ ጽባቐ ጽሕፈት እውን ከምኡ ይፈላለ እዩ። ንኣብነት፡ ብዓበይቲ እተጠዋወየ ፊደላት ሰጥ ኢሉ እተጻሕፈ ጽሑፍ፡ ካብ ራብዓይ ዘመን ኣትሒዙ ንኣማእታት ዓመታት ቀጺሉ ነይሩ እዩ። ጥንቁቓት ምሁራት፡ ነቲ እተጻሕፈሉ ዕለት ዘይተሓበረ ብዓበይቲ እተጠዋወየ ፊደላት እተጻሕፈ ኢደ-ጽሑፍ ምስቲ ዕለቱ እተሓበረ ተመሳሳሊ ሰነዳት ብምንጽጻር፡ መዓስ ከም እተዳለወ ብልክዕ ኪፈልጡ ይኽእሉ እዮም።

ልክዕ እዩ፡ እዚ ሜላ እዚ እተወሰነ ደረት ኣለዎ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ስነ-ሃይማኖት ፕሪንስቶን ዚዓዪ ፕሮፌሰር ብሩስ መትስገር፡ “ኣጸሓሕፋ ሓደ ሰብ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ብዙሕ ስለ ዘይቀያየር፡ ካብ ሓምሳ ዓመት ኣብ ዚውሕድ ስፍሓት ብልክዕ ምጥቃስ ዘይከውን እዩ” በለ። ብመሰረት ከምዚ ዝኣመሰለ ብጥንቃቐ እተገብረ ምርመራ፡ ኮዴክስ ቫቲካን ኣብ ራብዓይ ዘመን ድ.ክ. ከም እተዳለወ፡ ምሁራት ብሓፈሻ ይሰማምዑሉ እዮም።