ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓደ ጽውጽዋይ ካልእ ጽውጽዋይ ይወልድ

ሓደ ጽውጽዋይ ካልእ ጽውጽዋይ ይወልድ

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ተጠንቀቑ” ኢሉ ጸሓፈሎም። ስለምንታይ እዩ ኣጠንቂቕዎም፧ ምኽንያቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብልማድ ሰብ፡ . . . ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ” በለ።—ቈሎሴ 2:8

ጳውሎስ ነዚ መጠንቀቕታ እዚ እኳ እንተ ሃበ፡ ካብ መፋርቕ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ኣትሒዙ፡ ገሊኦም ክርስትያናት ንእምነቶም ንምግላጽ ካብ ጥንታዊ ፈላስፋታት እተለቅሕዎ ኣምር ኪጥቀሙ ጀመሩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ በቶም ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበሩ ምሁራት ተቐባልነት ኪረኽቡን ብዙሓት ምእመናን ኪረኽቡን ደለዩ።

ሓደ ኻብቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ውሩያት ክርስትያናት ዝዀነ ጀስቲን ማርቲር፡ የሱስ ኣብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ነዊሕ ይገብር ኣፈኛ ኣምላኽ ንፈላስፋታት ግሪኽ ከም እተገልጸሎም ይኣምን ነበረ። ብመሰረት ጀስቲንን ከምኡ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዝነበሮም መምህራንን፡ ሳላ እቲ ፍልስፍናን ጽውጽዋያትን ንክርስትና ዝገበረሉ ኣበርክቶ፡ እዚ ዓይነት ሃይማኖት እዚ ንዅሎም ሰባት ኪኸውን ክኢሉ እዩ።

ጀስቲን ማርቲር ዝሰዓቦ ዓይነት ክርስትና፡ ብዙሓት ምእመናን ኣፍረየ። ይኹን እምበር፡ እቲ እምነት እተቐበሎ ገሊኡ ጽውጽዋይ ግን ካልእ ጽውጽዋያት እናወለደ ብምኻዱ፡ ሕጂ ብብዙሓት ሰባት፡ ሰረተ-እምነት ክርስትና ተባሂሉ ዚእመነሉ ነገር ተፈጥረ። ነዚ ጽውጽዋይ እዚ ንምቅላዕ፡ ነቲ ስዒቡ ዘሎ መወከሲታት ዚብሎ ነገራት ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚምህሮ ኣነጻጽሮ።