ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ”

“ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ”

“ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ”

እቲ ንጉስ ይሁዳ ዝነበረ ሄሮድስ እቲ ዓብዪ፡ ንየሱስ ናጽላ ኸሎ ኪቐትሎ ስለ ዝደለየ፡ ንዅሎም እቶም ኣብ ቤት-ልሄም ዝነበሩ ናጽላታት ንምቕታል ልኡኻት ሰደደ። ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ዜብርሃልና “ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ” እተፈጸመ ሓያሎ ፍጻመታት፡ ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ኣሎ።—ማቴዎስ 2:1-16

ሄሮድስ ንየሱስ ኪቐትሎ ዘለዓዓሎ እንታይ እዩ፧ የሱስ ኪውለድ ከሎ ኣይሁድ ንጉስ ዝነበሮም፡ ኪመውት ከሎ ግን እቲ ሮማዊ ዝነበረ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ዜመሓድሮም ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ሄሮድስ ኣብ ታሪኽ ዘለዎ ተራ እንታይ ምዃኑን ንኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያትን ንኽንርዳእ፡ ነቲ ቕድሚ ውልደት የሱስ ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት ክንምርምር የድልየና።

ኣብ ይሁዳ ስልጣን ንምርካብ ዚግበር ዝነበረ ቓልሲ

ኣብ መፋርቕ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ.፡ ይሁዳ በቶም ሶርያውያን ዝነበሩ እንዳ ሰሉከስ ትመሓደር ነበረት፡ እንዳ ሰሉከስ ሓደ ኻብቲ ኻብ ግዝኣት እስክንድር እቲ ዓብዪ እተኸፍለ ኣርባዕተ ስርወ-ንግስነት እዮም። ይኹን እምበር፡ ብ168 ቅ.ክ. ኣቢሉ ሓደ ኻብ ስርወ-ንግስነት ሰሉከስ ዝዀነ ንጉስ፡ ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ዚግበር ዝነበረ ኣምልኾ የሆዋ ብኣምልኾ ዙስ ክትክኦ ምስ ፈተነ፡ ኣይሁድ ብስድራ ቤት መቃቢ ተመሪሖም ዓለዉ። መቃባውያን ወይ ሃስሞናውያን ንይሁዳ ኻብ 142-63 ቅ.ክ. ገዝእዋ።

ብ66 ቅ.ክ. ክልተ ሃስሞናውያን መሳፍንቲ፡ ማለት ዳግማይ ሃርካነስን ሓዉ ኣሪስተብዩለስን፡ ስልጣን ንምሓዝ ተዋግኡ። ውግእ ሓድሕድ ተጀመረ፡ ክልቲኦም ከኣ ካብቲ ሽዑ ኣብ ሶርያ ዝነበረ ፖምፐይ ዚበሃል ሮማዊ ጀነራል ሓገዝ ደለዩ። በዚ ኸምዚ ድማ ፖምፐይ ጣልቃ ንምእታው ኣጋጣሚ ተኸፍተሉ።

ጽልዋ ሮማውያን ክሳዕ ሸነኽ ምብራቕ በጺሑ ነበረ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ንመብዛሕትኡ ንእሽቶ እስያ ተቘጻጺሮምዎ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ተኸታቲሎም ዝመጹ ድኹማት ገዛእቲ ሶርያ፡ ስርዓት ኣልቦነት ኬስፋሕፍሕ ፈቐዱ፡ ነቲ ሮማውያን ኣብ ምብራቕ ኪሰፍን ደልዮምዎ ዝነበሩ ሰላም ከኣ ኣብ ኣስጋኢ ዅነታት ኣውደቕዎ። ስለዚ፡ ፖምፐይ ንሶርያ ምእንቲ ኺቈጻጸር ጣልቃ ኣተወ።

ፖምፐይ ንውግእ ሃስሞናውያን ንምፍታሕ እተጠቐመሉ መገዲ ንሃርካነስ ምድጋፍ እዩ ነይሩ፡ ብ63 ቅ.ክ. ድማ ሮማውያን ንየሩሳሌም ብምጥቃዕ፡ ንሃርካነስ ኣብ ልዕሊኣ ሸምዎ። ኰይኑ ግን፡ ሃርካነስ ምሉእ ስልጣን ዝነበሮ ገዛኢ ኣይኰነን ነይሩ። ሮማውያን ሓንሳእ ኢዶም ስለ ዘእተዉ ኺወጹ ኣይደለዩን። ሃርካነስ ብዘይ ደገፍ ሮማውያን ኣብ ስልጣን ኪቕጽል ዘይክእል ሮማዊ ምስለኔ ዀነ። ንውሽጣዊ ጕዳያት ባዕሉ ኼመሓድር ይኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ርክባት ግን ምስ ስርዓት ሮማውያን ኪሰማማዕ ነበሮ።

ሄሮድስ ስልጣን ሓዘ

ሃርካነስ ድኹም ገዛኢ ኽነሱ፡ ካብቲ ኤዶምያሳውን ኣቦ ሄሮድስ እቲ ዓብይን ዝነበረ ኣንቲጳተር ደገፍ ረኸበ። ኣንቲጳተር ነቲ ስልጣን ይቈጻጸሮ ብምንባሩ፡ ንጕጅለታት ኣይሁድ ኣደስኪሉ ንይሁዳ ባዕሉ ተቘጻጸራ። ንዩልዮስ ቄሳር ኣብቲ ምስ ግብጺ ዝገበሮ ውግእ ሓገዞ፡ ሮማውያን ከኣ ወኪል ኰይኑ ኺገዝእ ስልጣን ሃብዎ። ኣንቲጳተር ብግዲኡ ነቶም ፋሴልን ሄሮድስን ዚበሃሉ ኽልተ ደቁ ኣመሓደርቲ ገበሮም፣ ፋሴል ኣመሓዳሪ የሩሳሌም፡ ሄሮድስ ከኣ ኣመሓዳሪ ገሊላ ነበረ።

ኣንቲጳተር ንደቁ ብዘይፍቓድ ሮሜ ዋላ ሓንቲ ኼስልጡ ኸም ዘይክእሉ መሃሮም። ሄሮድስ ነዚ ኣጸቢቑ እዩ ዚዝክሮ። ኣብ ስልጣን ኣብ ዚጸንሓሉ እዋናት፡ ንጠለባት እቶም ኣብ ስልጣን ኪቕጽል ዚሕግዝዎ ዝነበሩ ሮማውያንን እቶም ተገዛእቱ ዝነበሩ ኣይሁድን ኬማልእ ይጽዕር ነበረ። እቲ ኸም ወዳብን ጀነራልን መጠን ዝነበሮ ኽእለት ድማ ሓጊዝዎ እዩ። እቲ ወዲ 25 ዓመት ዝነበረ ሄሮድስ ኣመሓዳሪ ዀይኑ ምስ ተሸመ፡ ንጕጅለታት ሸፋቱ ኻብ ግዝኣቱ ኣጽነቶም፡ ብኡንብኡ ኸኣ ኣይሁዳውያንን ሮማውያንን ኣድነቕዎ።

ብ43 ቅ.ክ. ተቐናቐንቲ ንኣንቲጳተር ብመርዚ ምስ ቀተልዎ፡ ሄሮድስ ኣብ ይሁዳ ጸብለልትነት ከርኢ ጀመረ። ኰይኑ ግን፡ ጸላእቲ ነይሮምዎ እዮም። ልዑላን የሩሳሌም፡ ሄሮድስ ስልጣን ዝሓዘ ብሓይሉ ኸም ዝዀነ ገይሮም ብምውሳድ ንሮሜ ኣእሚኖም ካብ ስልጣኑ ኼውርድዎ ደለዩ። ፈተነኦም ግን ፈሸለ። ከመይሲ፡ ሮሜ ንኣንቲጳተር ብጽቡቕ እያ እትዝክሮ፡ ንኽእለት ወዱ ኸኣ ኣኽቢራ እያ እትርእዮ።

ሄሮድስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ

ፖምፐይ ነቲ 20 ዓመት ኣቐዲሙ ስልጣን ንምሓዝ ዚግበር ዝነበረ ውግእ ሃስሞናውያን ንምፍታሕ እተጠቕመሉ መገዲ ንብዙሓት ኣቘጢዕዎም እዩ። እቶም እተሳዕሩ ደገፍቲ ኣሪስተብዩለስ ስልጣን ንምጭባጥ ብተደጋጋሚ ፈተኑ፡ ብ40 ቅ.ክ. ከኣ ብሓገዝ እቶም ጸላእቲ ሮሜ ዝዀኑ ጴርቴናውያን ተዓወቱ። በቲ ኣብ ሮሜ ተላዒሉ ዝነበረ ውግእ ሓድሕድ ተጠቒሞም ንሶርያ ወረርዋ፡ ንሃርካነስ ካብ ስልጣኑ ኣውሪዶም ከኣ ነቲ ጸላኢ ሮሜ ዝነበረ ኣባል ስድራ ቤት ሃስሞናውያን ኣብ ስልጣን ኣደየብዎ።

ሄሮድስ ናብ ሮሜ ሃደመ፡ ብጽቡቕ ከኣ ተቐበልዎ። ሮማውያን ንጴርቴናውያን ካብ ይሁዳ ኣልጊሶም ዝመረጽዎ ሰብ ብምሻም ነቲ ኸባቢ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ኬእትውዎ ደለዩ። ምስ ሓደ እሙን ሰብ፡ ኪዳን ኪተኣታተዉ ደለዩ፡ ንሄሮድስ ከኣ መረጽዎ። ላዕለዋይ ባይቶ ሮሜ ድማ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኣንገሶ። ሄሮድስ ነቲ ዝጨበጦ ስልጣን ንምዕቃብ ብዙሕ ሳዕ ይለማለም ከም ዝነበረ ዘርኢ ግሁድ መርኣያ፡ ብሰባት ተዓጂቡ ኻብቲ ላዕለዋይ ባይቶ ናብ ቤተ መቕደስ ጁፒተር ብምኻድ ንኣረማውያን ጣኦታት መስዋእቲ ምቕራቡ እዩ።

ሄሮድስ ሰራዊት ሮሜ ሒዙ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ጸላእቱ ሰዓሮም፡ ናብ ዙፋኑ ኸኣ ተመልሰ። ነቶም ተጻረርቱ ብጭካነ እዩ ሕነ ፈድይዎም። ንናሃስሞናውያንን ነቶም ደገፍቶም ዝነበሩ ልዑላን ኣይሁድን ንዅሎም እቶም ፈታዊ ሮሜ ኺገዝኦም ዘይደልዩ ሰባትን ኣጽነቶም።

ሄሮድስ ስልጣኑ ኣደልደለ

ብ31 ቅ.ክ. ኦክታቭየስ (ጸኒሑ ቄሳር ኣውጉስጦስ እተባህለ) ንማርክ ኣንቶኒ ኣብ ኣክሽየም ስዒሩ ገዛኢ ሮሜ ምስ ኰነ፡ ሄሮድስ ምስ ማርክ ኣንቶኒ ዝነበሮ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ድልዱል ርክብ ብዓይኒ ጥርጣረ ኸም ዚርአ ተገንዘበ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ተቐላጢፉ ንኦክታቭየስ ተኣማንነቱ ኣረጋገጸሉ። እቲ ሓድሽ ሮማዊ ገዛኢ ኸኣ ሄሮድስ ንጉስ ይሁዳ ምዃኑ ብምምስካር ንግዝኣቱ ኣስፈሓሉ።

ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ዓመታት፡ ሄሮድስ ንመንግስቱ ኣደልደላን ኣመሓየሻን፣ ንየሩሳሌም ከኣ ማእከል ግሪኻዊ ባህሊ ገበራ። ሓያሎ ቤተ መንግስቲ፡ ነታ ወደባዊት ከተማ ቂሳርያ፡ ከምኡውን ኣብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ሓድሽ ቦታታት ብምህናጽ ዓበይቲ ፕሮጀክት ህንጸት ኣካየደ። ይኹን እምበር፡ ፖሊሲኡ ዀነ ሓይሉ፡ ምስ ሮሜ ኣብ ዝነበሮ ምሕዝነት እተመስረተ እዩ ነይሩ።

ሄሮድስ ንይሁዳ ምሉእ ብምሉእ ተቘጻጺርዋ ነበረ፣ ዝለዓለ ስልጣን እዩ ኸኣ ነይርዎ። ብዘይካዚ፡ ንዚደልዮ ሰብ ሊቀ ኻህን ኪኸውን ብምሻም ንሊቀ ኽህንነት ባዕሉ ተቘጻጸሮ።

ናብ ቅትለት ዜብጽሕ ቅንኢ

ውልቃዊ ህይወት ሄሮድስ ብህውከት እተመልአ እዩ ነይሩ። መብዛሕትአን ካብተን ዓሰርተ ኣንስቱ፡ ደቀን ንኣቦኦም ስዒቦም ስልጣን ኪሕዙ ይደልያ ነበራ። እቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዚግበር ዝነበረ ውዲት ድማ ንጥርጣረን ጭካነን ሄሮድስ ወሰኸሉ። ብሰንኪ ቕንኢ ነታ ዚፈትዋ ማሪም ዝስማ ሰበይቱ ኣቕተላ፣ ጸኒሑ ኸኣ ነቶም ክልተ ደቃ ብዘይወዓልዎ ውዲት ከሲሱ ኣሕነቖም። ስለዚ፡ እቲ ማቴዎስ ብዛዕባ ኣብ ቤት-ልሄም እተገብረ ጃምላዊ ቕትለት ዝገለጾ ጸብጻብ፡ ምስቲ ሄሮድስ ዝነበሮ ሕማቕ ጠባይ ከምኡውን ምስቲ ንዝዀነ ይኹን ተጻራሪ ንምጥፋእ ዝገበሮ ውሳነ ዚሰማማዕ እዩ።

ገሊኦም ሰባት ከም ዚገልጽዎ፡ ሄሮድስ ብህዝቢ ኸም ዘይፍቶ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ምእንቲ ብሞቱ ኸይሕጐሱ፡ ምስ ሞተ ሃገራዊ ሓዘን ከም ዚካየድ ንምግባር ቈሪጹ ነበረ። ነዚ ውዲት እዚ ንምፍጻም ድማ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዚነብሩ ተፈላጥነት ዝነበሮም ዜጋታት ኣእሰሮም፣ ንሱ ምስ ሞተ ኪቕተሉ ኸኣ ኣዘዘ። ኰይኑ ግን፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ኸይተፈጸመ ተረፈ።

ሄሮድስ እቲ ዓብዪ ዝሓደጎ ውርሻ

ሄሮድስ ምስ ሞተ፡ ሮሜ ኣብ ክንዳኡ ንኣርኬላዎስ ወዱ ንይሁዳ ኪገዝእ ሸመቶ፣ ካልኦት ክልተ ደቂ ሄሮድስ ከኣ ሰብ ርባዕ ሽመት ኰኑ። እዚኣቶም ኣንቲጳስን ፊልጶስን ኰይኖም፡ ኣንቲጳስ ኣብ ገሊላን ጴርያን፡ ፊልጶስ ከኣ ኣብ ኢጡርያን ኣብ ጥራኮኒቲስን ይገዝኡ ነበሩ። ኣርኬላዎስ እውን ብተገዛእቱ ኣይፍቶን እዩ ነይሩ። ድሕሪ እቲ ዘይዕዉት ስልጣኑ ኸኣ ሮማውያን ንዕኡ ኣልጊሶም ናይ ገዛእ ርእሶም ኣመሓዳሪ ሸሙ፣ እዚ ኣመሓዳሪ እዚ ኸኣ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ኣንቲጳስን—ሉቃስ፡ ሄሮድስ ዚብሎ—ሓዉ ፊልጶስን ሰብ ርባዕ ሽመት ኰይኖም የመሓድሩ ነበሩ። የሱስ ኣገልግሎቱ ኺጅምር ከሎ ዝነበረ ፖለቲካዊ ዅነታት እዚ እዩ ነይሩ።—ሉቃስ 3:1

ሄሮድስ እቲ ዓብዪ፡ ጐራሕ ፖለቲከኛን ጨካን ቀታልን እዩ ነይሩ፣ እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ተግባሩ ኸኣ ነቲ ናጽላ ዝነበረ የሱስ ንምቕታል ዝገበሮ ፈተነ ኸይኰነ ኣይተርፍን እዩ። ሄሮድስ ኣብ ታሪኽ ዝነበሮ ተራ ምምርማር፡ ንኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይጠቕሞም እዩ። ኣብቲ እዋናት እቲ ብዛዕባ ዝነበረ ኣገደስቲ ፍጻመታት ንኽትርዳእ ይሕግዝ፣ ሮማውያን ብኸመይ ንኣይሁድ ኪገዝእዎም ከም ዝጀመሩ ይገልጽ፣ ምድራዊ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ከመይ ከም ዝነበረ ኸኣ የብርህ።

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ኣብ ግዜ ሄሮድስ ዝነበረ ምድሪ ፍልስጥኤምን ከባቢኡን

ሶርያ

ኢጡርያ

ገሊላ

ጥራኮኒቲስ

ባሕሪ ገሊላ

ርባ ዮርዳኖስ

ቂሳርያ

ሰማርያ

ጴርያ

የሩሳሌም

ቤት-ልሄም

ይሁዳ

ባሕሪ ጨው

ኤዶምያስ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ኣገልግሎት ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ዝነበረ ኽልተ ዘመን፡ ሄሮድስ ሓደ ኻብቶም ንይሁዳ ተኸታቲሎም ዚገዝእዋ ነገስታት እዩ ነይሩ