ኣምላኽ ብሓቂ ኸም ዚሓልየልና ብኸመይ ንፈልጥ፧
ኣምላኽ ብሓቂ ኸም ዚሓልየልና ብኸመይ ንፈልጥ፧
‘ኣምላኽ የፍቅረና እንተ ዀይኑ፡ ክንድዚ ዚኣክል መከራ ዜጋጥመና ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧’ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ንብዙሕ መዋእል ብሰባት ክትሕተት ዝጸንሐት ኣገዳሲት ሕቶ እያ። ንሓደ ሰብ ተፍቅሮ እንተ ዄንካ፡ መከራ ኺወርዶ ኸም ዘይትደሊ እተረጋገጸ እዩ፣ ገለ ጸገም እንተ ኣጋጢምዎ ኸኣ ክትሕግዞ ትፍትን ትኸውን። ስለዚ፡ ኣብ ዓለም ብዙሕ መከራ ኻብ ሃለወ፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ኣይሓልን እዩ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። እምበኣር፡ ብመጀመርታ ኣምላኽ ብሓቂ ኸም ዜፍቅረናን ከም ዚሓልየልናን ዜርኢ መርትዖ ምምርማርና ኣገዳሲ እዩ።
ፍጥረት፡ ኣምላኽ ከም ዜፍቅረና የርኢ
የሆዋ ኣምላኽ፡ “ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታተን ዘሎ ዅሉን” ፈጢሩ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:24) ብዛዕባ እቲ ዝፈጠሮ ነገራት ከነስተንትን ከለና፡ ከም ዚሓልየልና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ዜሐጕሰካ ነገራት እስከ ሕሰብ። ጥዑም ምግቢ ትፈቱዶ፧ የሆዋ ሓደ ዓይነት ምግቢ ጥራይ ኪህበና ይኽእል ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ባህ ዜብለና እተፈላለየ ዓይነት ምግቢ ሂቡና ኣሎ። ብዘይካዚ፡ ክንሕጐስን ባህ ኢሉና ምእንቲ ኽንነብርን ኢሉ፡ ነዛ ምድሪ ብዜደንቕ ኣግራብን ዕምባባታትን ኣቀማምጣን ኣመልኪዕዋ እዩ።
ብዛዕባ ኣፈጣጥራና እውን ሕሰብ። ክንዋዘ፡ ሙዚቃ ኽንሰምዕ፡ ከምኡውን ጽባቐ ኸነድንቕ ዘሎና ኽእለት ንህይወትና ናይ ግድን ዜድሊ ነገራት እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ህይወትና ዝያዳ መቐረት ምእንቲ ኺህልዋ ኢሉ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት እዩ። ብዛዕባ እቲ ምስ ካልኦት ዘሎካ ርክብ እውን ሕሰብ። ምስ ጥዑያት ኣዕሩኽ ባህ ዜብል ምቅርራብ ኪህልዎ፡ ወይ ሓደ ዚፈትዎ ሰብ ሕቝፍ ኬብሎ ዘይደሊ እሞ መን ኣሎ፧ እወ፡ ከተፍቅር ምኽኣል ንባዕሉ ኻብቲ ፈቃር ኣምላኽ እተዋህበና ውህበት እዩ። ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ናይ ምፍቃር ክእለት ካብ ሃቦም፡ ፍቕሪ ሓንቲ ኻብተን ባህርያት ኣምላኽ ክትከውን ኣለዋ።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ከም ዜፍቅረና የረጋግጽ
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ይብለና። (1 ዮሃንስ 4:8) ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ፍጥረት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ይርአ እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ጥዕና ኸም ዚህልወና ዚገብር መምርሒታት ይህበና፡ ኣብ ኵሉ ነገራት ሚዛንና ኽንሕሉ የተባብዓና፡ ካብ ስኽራንን ህርፋንን ክንርሕቕ ከኣ የጠንቅቐና።—1 ቈረንቶስ 6:9, 10።
መጽሓፍ ቅዱስ ንሓድሕድና ኽንፋቐር፡ ንኻልኦት ሰባት ድማ ብኣኽብሮትን ብሕያውነትን ክንሕዞም ብምትብባዕ፡ ምስ ሰባት እንታይ ዓይነት ርክብ ኪህልወና ኸም ዚግባእ ጥበባዊ ምኽሪ ይህብ። (ማቴዎስ 7:12) ነቲ መከራ ኼስዕብ ዚኽእል ከም ስስዐ፡ ሕሜት፡ ቅንኢ፡ ዝሙት፡ ቅትለት ዝኣመሰለ ተግባራትን ዝምባለታትን ይዅንኖ እዩ። ኵሉ ሰብ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ምኽሪ ኺስዕብ እንተ ዚፍትን፡ ኣብ ዓለም ብዙሕ መከራ ኣይምሃለወን ነይሩ።
ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ፍቕሩ ዘርኣየሉ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ መገዲ፡ ንወዱ የሱስ በጃ ደቂ ሰብ ኪኸውን ብምሃቡ እዩ። ዮሃንስ 3:16፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ትብል። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ የሆዋ ንሞትን ንዅሉ መከራን ንሓዋሩ ዜወግደሉ መሰናድዎ ገይሩ ኣሎ።—1 ዮሃንስ 3:8።
የሆዋ ኸም ዜፍቅረና ዜርኢ ማእለያ ዘይብሉ መርትዖ ኸም ዘሎ ንጹር እዩ። እምበኣር፡ መከራ ኺወርደና ኸሎ ኣዝዩ እዩ ዚሓዝን። ንምውጋዱ ኸኣ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። ነዚ ብኸመይ ከም ዚገብሮ ኽንግምት ኣየድልየናን እዩ፣ ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንመከራ ብኸመይ ከም ዜወግዶ ብንጹር ይነግረና እዩ።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ከተፍቅር ምኽኣል ንባዕሉ ኻብቲ ፈቃር ኣምላኽ እተዋህበና ውህበት እዩ