ኣሳልጦ ኽንረክብ ይደልየና
ንኣምላኽ ቅረቦ
ኣሳልጦ ኽንረክብ ይደልየና
ሓለይቲ ወለዲ፡ ደቆም ኣሳልጦ ረኺቦም ትርጕም ዘለዎን ዜዕግብን ህይወት ኪነብሩ እዮም ዚደልዩ። እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ እውን ብተመሳሳሊ፡ ምድራውያን ደቁ ኣሳልጦ ኽረኽቡ ይደሊ እዩ። ሓላዪ ስለ ዝዀነ፡ ብኸመይ ኣሳልጦ ኽንረክብ ከም እንኽእል ይነግረና እዩ። ንኣብነት፡ ንእያሱ እንታይ ከም ዝበሎ ኣብ እያሱ 1:6-9 እስከ ንርአ።
ነቲ ብየማን ዘሎ ስእሊ ብምርኣይ ነቲ ዅነታት ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ደድሕሪ ሞት ሙሴ፡ እያሱ ነቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ እስራኤላውያን ኪመርሕ ጀመረ። እስራኤላውያን ናብታ ኣምላኽ ነቦታቶም እተመባጽዓሎም ምድሪ ኺኣትዉ ኣብ እተዳለዉሉ እዋን፡ ኣምላኽ ንእያሱ እተወሰነ ምኽሪ ሃቦ። ነቲ ምኽሪ እንተ ስዒብዎ ኣሳልጦ ኺረክብ ይኽእል ነበረ። ይኹን እምበር፡ እቲ ምኽሪ ንጥቕሚ እያሱ ጥራይ ኣይኰነን ተዋሂቡ። ንሕና እውን ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮ ኣሳልጦ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።—ሮሜ 15:4።
የሆዋ ንእያሱ ሓንሳእ ጥራይ ዘይኰነስ ሰለስተ ሳዕ፡ ኪጸንዕን ኪተብዕን ነገሮ። (ቍጽሪ 6, 7, 9) እወ፡ እያሱ ነቶም ህዝቢ ናብ ምድሪ ተስፋ ብዓወት መሪሑ ምእንቲ ኼእትዎም ጽንዓትን ትብዓትን የድልዮ ነበረ። ነዚ ባህርያት እዚ ግን ብኸመይ እዩ ኼማዕብሎ ዚኽእል ነይሩ፧
እያሱ ኻብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፋት እዩ ጽንዓትን ትብዓትን ኪረክብ ዚኽእል ነይሩ። የሆዋ፡ “ከምቲ ሙሴ ባርያይ ዝአዘዘካ ዅሉ ሕጊ ንምግባሩ [ሓልዎ]” በሎ። (ቍጽሪ 7) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እያሱ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ሒደት መጻሕፍቲ ጥራይ እዩ ነይርዎ። * ይኹን እምበር፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ምውናን ጥራይ ኣሳልጦ ንኺረክብ ውሕስነት ኣይኰኖን እዩ ነይሩ። ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንኺጥቀም ክልተ ነገራት ኪገብር የድልዮ ነበረ።
ቀዳማይ፡ እያሱ ንልቡ ብቓል ኣምላኽ ኣዘውቲሩ ኺመልኦ ነበሮ። የሆዋ፡ “መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ” በሎ። (ቍጽሪ 8) ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ብዛዕባ እታ ኣብቲ በዅሪ ቛንቛ ዘላ ቓል ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣምላኽ ንእያሱ ነቲ ሕጉ ‘ብትሑት ድምጺ እናንበበ’ ኺዝክሮ እዩ ዚእዝዞ ነይሩ” በለ። እያሱ ንቓል ኣምላኽ መዓልታዊ ምንባቡን ምስትንታኑን ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ጸገማት ንኺሰግሮ ዜኽእሎ እዩ ነይሩ።
ካልኣይ፡ እያሱ ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እተማህሮ ነገራት ኣብ ግብሪ ኼውዕሎ ነበሮ። የሆዋ፡ ‘ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ተጠንቂቕካ ግበሮ፡ ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ’ በሎ። (ቍጽሪ 8) እያሱ ንኪቐንዖ ወይ ኣሳልጦ ንኺረክብ ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብር ነበሮ። ከመይሲ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ወትሩ እዩ ዚዕወት።—ኢሳይያስ 55:10, 11።
እያሱ ምኽሪ የሆዋ ሰሚዑ እዩ። እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ስለ ዝነበረ ኸኣ ምሉእን ዜዕግብን ህይወት ኣሕለፈ።—እያሱ 23:14፣ 24:15።
ንስኻኸ ኸም እያሱ ዜዕግብ ህይወት ኪህልወካ ትደሊዶ፧ የሆዋ ኣሳልጦ ኽትረክብ ይደልየካ እዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ምውናን ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ሓደ ንነዊሕ ዓመታት እሙን ክርስትያን ዝነበረ ሓው፡ “ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣንብቦ፡ ኣብ ልብኻ ኣሕድሮ” በለ። ንቓል ኣምላኽ ኣዘውቲርካ ኣብ ልብኻ ተሕድሮ፡ ንእተመሃርካዮ ኸኣ ኣብ ግብሪ ተውዕሎ እንተ ዄንካ፡ ሽዑ ኸም እያሱ “መገድኻ ተቕንዕ።”
[እግረ-ጽሑፍ]
^ ሕ.ጽ. 7 እያሱ ኺረኽቦ ዚኽእል ዝነበረ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፋት፡ እተን ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ሙሴ (ዘፍጥረት፡ ዘጸኣት፡ ዘሌዋውያን፡ ዘሁልቍ፡ ዘዳግም)፡ መጽሓፍ እዮብ፡ ሓደ ወይ ክልተ መዝሙራት እዩ።