“ክሳዕ መኣዝ ከእዊ እየ፧”
“ክሳዕ መኣዝ ከእዊ እየ፧”
ጄን፡ መንሽሮ ስለ ዝነበራ፡ ኣብ ኵሉ ኣካላታ ድማ ይላባዕ ስለ ዝነበረ፡ “እቲ ቓንዛይ ኬቋርጽ ጥራይ እየ ዝደሊ!” በለት። ኣባላት ስድራ ቤታን ፈተውታን ካብቲ ሕማማን ስቓያን ተገላጊላ ኺርእዩ ባህ ምበሎም! ምእንቲ ኺሕግዛ ኸኣ ናብ ኣምላኽ ጸለዩ። ንሱ ግን ይሰምዖም ደዀን ይኸውን፧ ብዛዕባ ጄን ይግደስ ድዩ፧
ኣምላኽ ብዛዕባ ዅነታት ደቂ ሰብ ይፈልጥ እዩ። እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዜስቈርቊርን ቅልውላው ከም ዝሐዞን” ይገልጽ። (ሮሜ 8:22) ከም ጄን ዝኣመሰሉ ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብኣካላዊ፡ ብስምዒታዊ፡ ወይ ብኣእምሮኣዊ መዳይ መዓልታዊ ኸም ዚሳቐዩ ኣምላኽ ይፈልጥ እዩ። ነቶም ኣደዳ ጥሜት ዝዀኑ 800 ሚልዮን ሰባት፡ ነቶም ካብ ኣባላት ስድራ ቤቶም መጥቃዕቲ ዚወርዶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ከምኡውን ነቶም ብዛዕባ መጻእን ድሕንነትን ደቆም ዚጭነቑ ሓያሎ ወለዲ ይርእዮም እዩ። ኣምላኽ ነዚ ጸገማት እዚ ንምፍታሕ ስጕምቲ ኺወስድ እንተ ዀይኑ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ንሕና ነቶም እነፍቅሮም ሰባት ክንሕግዞም ንደሊ ኻብ ኰንና፡ ኣምላኽከ ነቶም ፍጡራቱ ዝዀኑ ደቂ ሰብ ኪሕግዞም ኣይደልንዶ፧
ንስኻ እውን ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዓይነት ሕቶታት ሓቲትካ ትኸውን። ልዕሊ 2,600 ዓመት ይገብር፡ እቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ ኣንባቆም ምስዞም ሎሚ ዘለዉ ሰባት ዚመሳሰል ስምዒት ስለ እተሰምዖ፡ ንኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ሓተቶ፦ “ዎ እግዚአብሔር፡ ንስኻ ኸይሰማዕካንስ፡ ክሳዕ መኣዝ ከእዊ እየ፧ ኣነ፤ ዓመጽ፡ ኢለ ናባኻ ኣእዌኹ፡ ንስኻውን ኣየድሓንካን። ስለምንታይ ኣበሳ እተርእየኒ፡ ንስኻስ ሕሰም እትጥምት፧ ምዝራፍን ዓመጽን ኣብ ቅድመይ እዩ፡ ባእስን ክርክርን ይለዐል ኣሎ።” (ኣንባቆም 1:2, 3) እቲ እብራዊ ነብዪ ዝነበረ ኣንባቆም ዜስካሕክሕ ጭከናን ዓመጽን ርእዩ እዩ። ሎሚ ኸምዚ ዓይነት ተግባራት ልሙድ ኰይኑ ስለ ዘሎ፡ ንርሕሩሓት ሰባት ኣዝዩ እዩ ዜስገድግዶም።
ኣምላኽ ነቲ ንኣንባቆም ዜጨንቖ ዝነበረ ነገር ኣስተናዒቕዎ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ነቲ ኣንባቆም ዘቕረቦ ልባዊ ሕቶታት መለሰሉ፣ ብዘይካዚ፡ ኣጸናኒዕዎን ኣተባቢዕዎን እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ንዅሉ መከራ ኸም ዜወግዶ መብጽዓ ብምእታው ንእምነት ኣንባቆም ኣደልደላ። እቲ ኣምላኽ ዚህቦ ተስፋ ዝሓዘለ መልእኽቲ፡ ልክዕ ከምቲ ንጄንን ንስድራ ቤታን ዘጸናንዖም ንዓኻ እውን ኬጸናንዓካ ይኽእል እዩ። እዘን ቀጺለን ዘለዋ ዓንቀጻት ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኪምልሳኦ እየን፦ ኣምላኽ ብሓቂ ኸም ዚሓልየልና ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ መከራ ንምውጋድ እንታይ ኪገብር እዩ፧ መዓስከ እዩ ዜወግዶ፧