ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንበሪኦም

መንበሪኦም

ናብራ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት

መንበሪኦም

“ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃርኩም ከቶ ኣየብኰርኩን።” —ግብሪ ሃዋርያት 20:20

ልክዕ ከምተን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ኻልኦት ከተማታት፡ ኣብ ኵርባ ናብ እተደኰነት ከተማ ብዓብዪ ደገ ኣቢልካ ኽትኣቱ ኸለኻ፡ ላዕለዋይ ኽፋል እታ ኸተማ ዚርከበሉ ዅድዅዶ ይረኣየካ። ብመንደቕ እተሓጽረ ስፍራ ኣታኽልቲ ዘለዎ ጻዕዳ ዚሕብሩ ሓያሎ ብሉጽ ኣባይቲ እውን ይርአ እዩ። እዚ ኣባይቲ እዚ፡ ጸሓይ ኪዓርፎ ኸሎ ኣዝዩ ዜንጸባርቕ ኰይኑ ሃብታማት ዚነብሩሉ ቦታ እዩ። በቲ ቝልቍለት እናወረድካ ኽትከይድ ከለኻ፡ እተፈላለየ ግዝፍን ቅርጽን ዘለዎ ኣባይቲ ትረክብ። እዚ እተፈላለየ ደርቢ ዘለዎ ማእከላይ ናብራ ዘለዎም ነጋዶን ወነንቲ መሬትን ዚነብሩሉ ብእምኒ እተሰርሐ ኣባይቲ ኪኸውን ከሎ፡ ኣብቲ እምኒ እተነጽፎ ጐደና እዩ ዚርከብ። ካብዚ ቦታ እዚ ንታሕቲ እናወረድካ ብዝኸድካ መጠን፡ ነቲ ድኻታት ዚነብሩሉ ኸባቢ ኢኻ እትረክብ። እቲ ኣብዚ ቦታ እዚ ዚርከብ ሃሳስ ዚሕብሩ ንኣሽቱ ኣባይቲ፡ ንሳጹን ዚመስል ኰይኑ፡ ኣብ ጸቢብ መሽጐራጕር ተጨቓጪቑ እተሰርሐ ወይ ከኣ ኣብ ሓደ ንእሽቶ ቐጽሪ እተኣከበ እዩ።

በዚ እተጨቓጨቐ ጐደናታት ክትጐዓዝ ከለኻ፡ ስምዒትካ ዘለዓዕል ድምጽን ሽታን የጋጥመካ እዩ። ኣንስቲ ሸውሃትካ ዚኸፍት ምግቢ ኪኽሽና ኸለዋ ይርአ እዩ፣ እንስሳታትን ዚጻወቱ ቘልዑን ዚፈጥርዎ ድምጺ ድማ ይስማዕ እዩ። ሰብኡት ኣብቲ ጫውጫው ዝበዝሖን ዚጨኑን ኣብያተ-ዕዮ ኺሰርሑ ኸለዉ እውን ይርአ እዩ።

ክርስትያናት ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣባይቲ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ኣብዚ ኣባይቲ እዚ ዀይኖም ከኣ መዓልታዊ ህይወቶምን መንፈሳዊ ንጥፈታቶምን ኣምልኾኦምን የካይዱ ነበሩ።

ንኣሽቱ ኣባይቲ ልክዕ ከምቲ ሎሚ ዘሎ ኣባይቲ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እውን እቲ ኣባይቲ ኸከም ቦታኡ ኸምኡውን ከከም ቍጠባዊ ዅነታት ሓንቲ ስድራ ቤት ይፈላለ ነበረ። እታ ዝነኣሰት ቤት (1)፡ ጸባብን እኹል ብርሃን ዘይብላን ኰይና፡ ንዅሎም ኣባላት ስድራ ቤት ዚኸውን እኹል ቦታ ነበራ። ሓያሎ ንኣሽቱ ኣባይቲ፡ ጸሓይ ብዘንቀጾ ናይ ጭቃ ሕጡብ እዩ ዚስራሕ ነይሩ። ገሊኡ ኸኣ ብዘይተጸርበ ኣእማን ይስራሕ ነበረ። መብዛሕትኡ እዋን ግን ክልቲኡ ዓይነት ኣባይቲ ኣብ እምኒ እተሰረተ እዩ ነይሩ።

እቲ ውሽጣዊ መናድቕ ይልበጥ፡ እቲ ባይታ ድማ እምኒ ይንጸፎ ስለ ዝነበረ፡ ቀጻሊ ኽንክን ኪግበረሉ የድሊ ነበረ። ኣብ ናሕሲ ወይ ኣብ መንደቕ ድማ መውጽኢ ትኪ ዚኸውን ንእሽቶ ኸፋት ነበሮ። እታ ቤት ከኣ ኣድላዪ ብዝዀነ ኣቕሑ ትምላእ ነበረት።

እቲ ናሕሲ ቤት፡ ኣብ ልዕሊ ብኣዕኑድ ዚድገፍ ጨናፍርን ሻምብቆን ሰርወን እተረብረቦ ገመል (ነዊሕን ድልዱልን ዕንጨይቲ) እዩ ዚዓርፍ፣ ብሓመድ ከኣ ይድብደብ ነበረ። እቲ እተደብደበ ሓመድ ድማ ማይ ምእንቲ ኸየእቱ ይልበጥ ነበረ። ናብ ልዕሊ እቲ ናሕሲ ኽትድይብ እትኽእለሉ እንኮ መገዲ፡ በቲ ኣብ ደገ እታ ቤት ዚርከብ መሳልል ኣቢልካ እዩ ነይሩ።

እዚ ክርስትያናት ዚነብሩሉ ዝነበሩ እተጨቓጨቐ ኣባይቲ ዚርከበሉ ኸባቢ፡ ድኻታት ቤተሰብ እውን ከይተረፉ መንፈሳዊ ብልጽግናን ሓጐስን ዚረኽቡሉ ባህ ዜብል ቦታ እዩ ነይሩ።

ማእከላይ መጠን ዘለዎ ኣባይቲ እዚ ኽልተ ደርቢ ዘለዎ ዓበይቲ ኣባይቲ (2)፡ መቐበሊ ኣጋይሽ እውን ዜጠቓልል ኰይኑ፡ መንበሪ እቶም ማእከላይ መነባብሮ ዝነበሮም ሰባት እዩ ነይሩ። (ማርቆስ 14:13-16፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:13, 14) ኣብቲ ገፊሕ ደርቢ፡ ኣኼባታትን በዓላትን ይካየድ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4) እዚ ነጋዶን ወነንቲ መሬትን ዚነብሩሉ ዓበይትን ካልእ ካብኡ ዝዓበየን ኣባይቲ (3)፡ ንእምኒ ኖራ በቲ ብኖራ እተባዕጠ ጭቃ መንደቕ እናላገብካ እዩ ዚስራሕ ነይሩ። እቲ እምኒ እተነጽፎ ምድሪ ቤትን ውሽጣዊ መንደቕን ይልበጥ ነበረ፣ እቲ ደጋዊ መንደቕ ድማ ብጻዕዳ ቐለም ይልቕለቕ ነበረ።

ናብቲ ኣብ ደርቢ ዚርከብ ኣባይትን ናብቲ ናሕስን ንምድያብ ብመደያይቦ ይጥቀሙ ነበሩ። ጸፊሕ ናሕሲ ዘለዎ ኣባይቲ፡ መጋረዲ ይግበረሉ ነበረ፣ እዚ ኸኣ ዝዀነ ይኹን ሰብ ከይወድቕን ካልእ ሓደጋ ኸየጋጥምን ይከላኸል። (ዘዳግም 22:8) ሃሩር ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ንመጽናዕቲ፡ ንምስትንታን፡ ንጸሎት፡ ከምኡውን ንዕረፍቲ ዚምሽእ ጽላል ኣብቲ ናሕሲ ይሰርሑ ነበሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:9

እዚ ገፊሕ ክፍልታት ዘለዎ ጽኑዕ ኣባይቲ፡ መብዛሕትኡ እዋን ሰፊሕ ቤተሰብ ዚሕዝ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሳሎንን ንመደቀስን ንኽሽነን ንመመገብን ዚኸውን ተወሳኺ ቦታ ግን ነበሮ።

ኣዝዩ ብሉጽ ኣባይቲ እዚ ኣባይቲ እዚ፡ ከም ናይ ሮማውያን ዓይነት ኣባይቲ ዀይኑ (4)፡ ብግዝፍን ንድፍን ኣተሃናንጻን ኣዝዩ ይፈላለ እዩ። ነቲ ንዓራት ዚመስል መናብር ዘለዎን ናይ ስድራ ቤት ንጥፈታት ዚካየደሉን መመገቢ ኣዳራሽ ዘማእከለ ዓበይቲ ኽፍልታት ነበሮ። ገሊኡ ኣባይቲ ሓደ ወይ ክልተ ደርቢ (5) ወይ ከኣ ብመንደቕ እተሓጽረ ስፍራ ኣታኽልቲ ነበሮ።

እቲ ኣዝዩ ምሹእ ኣባይቲ፡ ብብሉጽ ኣቝሑ ዝመልአ እዩ፣ ገለ ኻብዚ ኣቝሑ ኸኣ ብስኒ ሓርማዝን ብወርቅን እተመላኽዐ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ማይ ቡምባን መሕጸቢ ነብስን እውን ነበሮ። እቲ ባይታ ብዕንጨይቲ ወይ ከኣ እተፈላለየ ሕብሪ ብዘለዎ እምነ-በረድ ይስራሕ ነበረ፣ እቲ መንደቕ ድማ ብኦም ጽሕዲ ይስለም ነበረ። ነቲ ቤት ንምውዓይ ሓዊ ምድጃ እዮም ዚጥቀሙ ነይሮም። እቲ መስኰት መብዛሕትኡ እዋን ንድሕንነት ተባሂሉ ኻብ ዕንጨይቲ እተሰርሐ ዓይኒ ርግቢ ይግበረሉ ነይሩ፣ ኣብ ልዕሊኡ ዚግበር መጋረጃ ድማ ከይተረበሽካ ንበይንኻ ኽትከውን ዜኽእል ነበረ። ኣብቲ ብእምኒ እተነድቀ ረጒድ ደንደስ እቲ መስኰት፡ ኮፍ መበሊ ይስራሕ ነበረ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:9, 10

ቀዳሞት ክርስትያናት ዚነብሩሉ ዝነበሩ ኣባይቲ ብግዝፍን ቅርጽን ይፈላለ እኳ እንተ ነበረ፡ ተቐበልቲ ጋሻን ለጋሳትን እዮም ነይሮም። ሳላ እዚ ድማ ገየሽቲ ሓለውቲ፡ ናብ ሓንቲ ኸተማ ኸይዶም ኣገልግሎቶም ክሳዕ ዚውድኡ ዚቕበልዎም ፈቃራትን ተቐበልቲ ጋሻን ዝዀኑ ስድራ ቤት ምርካብ ኣየሸግሮምን እዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 10:11፣ ግብሪ ሃዋርያት 16:14, 15

“እንዳ ስምኦንን እንድርያስን” የሱስ “ናብ እንዳ ስምኦንን እንድርያስን” ምስ ከደ፡ ምዉቕ ኣቀባብላ ገበሩሉ። (ማርቆስ 1:29-31) እዞም ገፈፍቲ ዓሳ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ዚነብረሉን ማእከላይ መጠን ዘለዎን ኣባይቲ (6) ዚርከቦ ብእምኒ እተነጽፈ ቐጽሪ ይነብሩ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ናይዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣባይቲ ማዕጾን መስኰትን ናብ ቀጽሪ ገጹ ይኽፈት ነበረ፣ እዚ ቐጽሪ እዚ፡ ከም ምግቢ ምስራሕ፡ ምስንካት፡ እኽሊ ምጥሓን፡ ምግቢ ምብላዕ ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ መዓልታዊ ንጥፈታት ዚግበረሉ እዩ ነይሩ።

እቲ ኣብ ቅፍርናሆም ዝነበረ ደርቢ ዘይነበሮ ኣባይቲ፡ ኣብቲ ኸባቢ ኻብ ዚርከብ ዘይተጸርበ ጸሊም እምኒ (እሳተ-ጎመራዊ ኸውሒ) እተሃንጸ እዩ ነይሩ። ናብቲ ጸፊሕ ናሕሲ ዚወስድ መደያይቦ እውን ነበሮ፣ እዚ ናሕሲ ቤት እዚ፡ ኣብ ልዕሊ ገመል ሻምብቆን ባላን ረብሪብካ ብሓመድ ብምድብዳብ ወይ ማቶኔላ ብምንጻፍ እዩ ዚስራሕ ነይሩ። (ማርቆስ 2:1-5) እቲ እምኒ እተነጽፎ ምድሪ ቤት መብዛሕትኡ እዋን ብእተኣልመ ምንጻፍ ይሽፈን ነበረ።

ብምኽንያት እዚ ኣባይቲ እዚ፡ ገማግም ባሕሪ ገሊላ ጐደናታትን መሽጐራጕርን ኪህልዎ ኽኢሉ እዩ። ቅፍርናሆም፡ ነቶም ካብ ባሕሪ ገሊላ ዓሳ ብምግፋፍ ናብራኦም ዚመርሑ ገፈፍቲ ዓሳ እትምሽእ መንበሪት እያ ነይራ።

“ኣብ ቤት” ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ፡ መንበሪ ቐዳሞት ክርትያናት፡ ካብታ ብጭቃ እተሰርሐት ሓንቲ ኽፍሊ ጀሚርካ ኽሳዕ እቲ ዓብዪን ኣዝዩ ብሉጽን ብእምኒ እተሰርሐ ቪላታት ዜጠቓልል እዩ ነይሩ።

እዚ ኣባይቲ እዚ፡ መጽለሊ ስድራ ቤታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ መንፈሳዊ ትምህርቲ ዚርከበሉ እውን እዩ ነይሩ። ኣብዚ ኣባይቲ እዚ፡ ስድራ ቤታት ኣምልኾአን የካይዳ ነበራ። ቀዳሞት ክርስትያናት፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ንምጽናዕን ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ግዜ ንምሕላፍን ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ይእከቡ ነበሩ። ነቲ እተማህርዎ ትምህርቲ ድማ ኣብ ኵላ ሮሜ ‘ኻብ ቤት ናብ ቤት’ ኪሰብኩን ኪምህሩን ከለዉ ኣብ ግብሪ የውዕልዎ ነበሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:20