ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዉታት ንህያዋን ኪሕግዝዎም ይኽእሉዶ፧

ምዉታት ንህያዋን ኪሕግዝዎም ይኽእሉዶ፧

ምዉታት ንህያዋን ኪሕግዝዎም ይኽእሉዶ፧

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዚነብር ታምባ ዚስሙ መንእሰይ፡ ናይ ቤት ትምህርቲ መርመራ ኺገብር ይዳሎ ነበረ። a ኣዲኡ ድማ ምእንቲ ኺዕወት ሓገዝ ምዉታት ኣዝማዱ ኸም ዜድልዮ ኣትሪራ ነገረቶ። በጻሕቲ ሃገር ነቲ ኣብ ፓለርሞ፡ ሲስሊ ዘሎ ብኣማእታት ዚቝጸሩ ሰባት ብጥንቃቐ እተቐብሩሉ ኣብ ትሕቲ መሬት ዚርከብ መቓብር ይበጽሕዎ እዮም። ገሊኦም ሰባት፡ እዞም እተዓቀቡ ሬሳታት ንህያዋን መለኮታዊ ዕቝባ ኸም ዚገብሩሎም እዮም ዚኣምኑ። ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ በጻሕቲ ናብታ ብዙሓት መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎም ዚነብሩላ ኣብ ምዕራባዊ ግዝኣት ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. እትርከብ ሊሊ ዳል እትበሃል ከተማ ይኸዱ እዮም። ካብቶም ዝሞቱ ኣዝማዶም ወይ ኣዕሩኾም ሓገዝ ኪረኽቡ ኢሎም ድማ እዮም ዚኸዱ።

ኣብ መላእ ዓለም፡ ምዉታት ንህያዋን ኪሕግዝዎም ከም ዚኽእሉ ዚገልጽ እምነት ኣሎ። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ምናልባት ከምዚ ዓይነት ትምህርቲ ተማሂርካ፡ ወይ ከኣ ምስቶም ነዚ ዚኣምኑሉ ሰባት ትቀራረብ ትኸውን። ነቶም ብሰንኪ ሞት ካባና እተፈልዩ እነፍቅሮም ሰባት ክንረኽቦም ሃረር ክንብል ንቡር እዩ። መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎም ድማ ነዚ ኼማልኡልና ኸም ዚኽእሉ እዮም ዚገልጹ። ሓንቲ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ሰበይቲ፡ ካብ መንፈሳዊ ዓለም “ሓገዝ እንተ ደሊና፡ ካባና ኣዝዩ ርሑቕ ኣይኰነን” ከም ዝበለት መጽሔት ታይም ጠቐሰት። እዚ ሓቂ ድዩ፧ ምዉታት ብሓቂ ንህያዋን ኪሕግዝዎም ይኽእሉ ድዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ንጹር መልሲ የገርመካ ይኸውን።

ምዉታት ኣብ ካልእ ቦታ ብህይወት ይቕጽሉ ድዮም፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ብቐሊል መገዲ እዩ ዚገልጸልና። መክብብ 9:5፡ “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፡ ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ትብል። ምዉታት ስምዒት ኣለዎምዶ፧ ቍጽሪ 6 ነዚ ኽትምልሶ ኸላ፡ “ፍቕሮምን ጽልኦምን ቅንኣቶምን ድሮ ጠፊኡ እዩ፡ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ዅሉ ኸኣ ንዘለኣለም ግደ የብሎምን” ትብል። ቍጽሪ 10 እውን እንተ ዀነት፡ “ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን” ትብል። እታ ኣብዚ “ሲኦል” ተባሂላ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “መቓብር” እያ እተመልክት። እቲ ዜገርም ድማ፡ የሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ሞቱ ናብ “ሲኦል” ከም ዝኸደ ቕዱሳት ጽሑፋት ይገልጽ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:31

የሱስ ብህይወቱ ኸሎ ንብዙሓት ሰባት እኳ እንተ ሓገዘ፡ ከም ዚመውት ግን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብ መቓብር ኣብ ዚጸንሓሉ እዋን ንሰባት ከም ዚሕግዞም ገይሩ ድዩ ዚሓስብ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። የግዳስ፡ ነቲ እናቐረበ ዚመጽእ ዝነበረ ሞቱ ምስቲ ዋላ ሓንቲ ምንቅስቓስ ዘይግበረሉ ግዜ ለይቲ ኣመሳሰሎ። (ዮሃንስ 9:4) ሰባት ኪሞቱ ኸለዉ፡ ዝዀነ ይኹን ነገር ኪገብሩ ኸም ዘይክእሉ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ።—ኢሳይያስ 26:14

የሱስ ንሞት ብዚምልከት ካልእ መነጻጸሪ እውን ተጠቒሙ እዩ። ንሞት እቲ ፈታዊኡ ዝነበረ ኣልኣዛር፡ ምስ ድቃስ ኣመሳሰሎ። (ዮሃንስ 11:11-13) መቸም ሓደ ዝደቀሰ ሰብ ኪሕግዘና ኢልና ኽንሓስብ ዘይከውን እዩ። ከመይሲ፡ ሃለዋቱ ስለ ዘይፈልጥ፡ ኣብ ክንዲ ኻልእ ኰይኑ ዝዀነ ይኹን ነገር ኪገብር ኣይክእልን እዩ።

ዘይትመውት ነፍሲ ኣላ ድያ፧

ብዙሓት ሰባት፡ ነፍሲ፡ ድሕሪ ሞት ምንባር እትቕጽል ዘይትጭበጥ ነገር ከም ዝዀነት ተማሂሮም እዮም። ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ካብዚ እተፈልየ እዩ። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ዝዀነት ዘፍጥረት፡ ብዛዕባ እንታይነት ነፍሲ ትገልጸልና እያ። ዘፍጥረት 2:7፡ እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ምስ ተፈጥረ፡ “ህያው ነፍሲ ዀነ” ትብል። እምበኣር፡ ሰብ፡ ነፍሲ እዩ፣ እንስሳታት እውን እንተ ዀኑ፡ ነፍሳት እዮም። (ዘፍጥረት 1:20-25) ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ወይ እንስሳ ኺመውት ከሎ፡ ነፍሲ ሞይታ ማለት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ የረጋግጸልና እዩ።—ህዝቅኤል 18:4

ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ሰባት፡ ‘ብዛዕባ እቶም ምስ ምዉታት ከም እተራኸቡ፡ ድምጾም ከም ዚሰምዑ፡ ካብኡ ሓሊፎም እውን ብዓይኖም ከም ዝረኣይዎም ዚገልጹ ሰባትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። ከምዚ ዓይነት ጸብጻባት ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። እዚ ጸብጻባት እዚ፡ ነቶም ዝሓዘኑ ኣዝማድን ናይ ቀረባ ፈተውትን ተስፋ ስለ ዚህቦም፡ ምስቶም ምስ ምዉታት ኬራኽቡ ኸም ዚኽእሉ ዚገልጹ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎም ሰባት ኪራኸቡ ይድርኾም እዩ።

ኰይኑ ግን፡ እዚ ጸብጻባት እዚ ሓቂ ድዩ፧ ሓቂ እንተ ዀይኑ፡ ምስቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ኣይጋጮንዶ፧ ክርስቶስ የሱስ፡ ቃል ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ገሊጹ ነበረ። (ዮሃንስ 17:17) ሓቂ ኸኣ ንሓድሕዱ ኣይጋጮን እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ምዉታት ንህያዋን ኪሕግዝዎም ከም ዚኽእሉ ዚገልጽ ሓሳብ ብኸመይ ክንርእዮ ኸም ዘሎና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንጹር መምርሒ ተዋሂቡና ኣሎ። ብዛዕባ ሓደ ኻብ ምዉት ሓገዝ ኪሓትት ዝፈተነ ሰብ እውን ይነግረና እዩ። ነዚ ጸብጻብ እዚ ተጠንቂቕና እንተ ኣንቢብናዮ፡ ነቲ ሓቂ ኽንፈልጦ ኢና።

ካብ ምዉት ሓገዝ ዝሓተተ ንጉስ

እዋኑ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ውግእ ዚካየደሉ ዝነበረ ግዜ እዩ ነይሩ። ንጉስ ሳኦልን ሓይልታቱን ምስ ሓደ ዜፍርህ ሰራዊት ፍልስጥኤም ተፋጢጦም ነበሩ። ሳኦል ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ምስ ረኣዮ፡ “ልቡ . . . ኣዝዩ ተሸበረ።” ኣብቲ እዋን እቲ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ሓዲግዎ እዩ ነይሩ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ካብ የሆዋ እኳ ሓገዝ እንተ ለመነ፡ መልሲ ግን ኣይረኸበን። እቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ሳሙኤል ሞይቱ ስለ ዝነበረ፡ መን ኰን ይሕግዞ ይኸውን፧—1 ሳሙኤል 28:3, 5, 6

ሳኦል ካብ ሓንቲ ኣብ ዔን-ዶር እትነብር መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ሰበይቲ መምርሒ ሓተተ። “ንሳሙኤል ኣተንስእለይ” ኢሉ ኸኣ ለመና። ንሳ ኸኣ ምትሃት ከም ዚርኢ ገበረቶ። እቲ ን“ሳሙኤል” ኣምሲሉ ዝቐረበ እኩይ መንፈስ ድማ ንሳኦል፡ ፍልስጥኤማውያን ከም ዚስዕሩ፡ ንሱን ወዱን ከኣ ኣብቲ ውግእ ከም ዚሞቱ ነገሮ። (1 ሳሙኤል 28:7-19) ብሓቂ ግን ሳሙኤል ድዩ ኻብ ሞት ተንሲኡ፧

ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ሰብ ምስ ሞተ “ናብ መሬቱ ይምለስ” ከምኡውን “ሃቐናኡ ይጠፍእ” ኢሉ ይነግረና። (መዝሙር 146:4) ሳኦል ኰነ ሳሙኤል፡ ኣምላኽ ምስ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎም ሰባት ምርኻብ ከም ዚዅንን ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ስለዚ ኸኣ እዩ፡ ሳኦል ኣቐዲሙ ንዅሉ ምስ ሓተታ መናፍስቲ ዚተሓሓዝ ተግባራት ካብታ ሃገር ዘጥፍአ።—ዘሌዋውያን 19:31

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ኣመዛዚንና እስከ ንሕሰብ። እቲ እሙን ዝነበረ ሳሙኤል ብመንፈስ እንተ ዚህሉ ነይሩ፡ ንሳኦል ምእንቲ ኺራኸቦ ንሕጊ ኣምላኽ ጥሒሱ መንፈስ ጥንቈላ ምስ ዘለዎም ሰባት ምተሓባበረዶ፧ የሆዋ ምስ ሳኦል ኪዘራረብ ኣይደልን እዩ ነይሩ። እሞኸ ሓደ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎ ሰብ፡ በቲ ዝሞተ ሳሙኤል ኣቢሉ ንሳኦል ምእንቲ ኼዛርቦ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኬገድዶ ይኽእልዶ፧ ፈጺሙ ኣይክእልን። እዚ “ሳሙኤል” እዚ፡ እቲ እሙን ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ሳሙኤል ዘይኰነስ፡ ንዕኡ ኣምሲሉ ዝቐረበ እኩይ መንፈስ እዩ።

ኣጋንንቲ፡ ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ወዲ ሰብ ካብ ስልጣን ኣምላኽ ዝዓለዉ መላእኽቲ እዮም። (ዘፍጥረት 6:1-4፣ ይሁዳ 6) ንህያዋን ሰባት ኪርእይዎም ይኽእሉ እዮም፣ ብዘይካዚ፡ ንመልክዕን ኣዘራርባን ተግባራትን ነፍሲ ወከፍ ሰብ እውን ይፈልጥዎ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ሓቂ ኸም ዘይኰነ ንኼርእዩ ሒዅ እዮም ዚብሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ምስዞም መናፍስቲ እከይ ዋላ ሓንቲ ርክብ ከይህልወና እንተ ኣጠንቀቐ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን! (ዘዳግም 18:10-12) እዞም እኩያት መናፍስቲ እዚኣቶም፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ንጡፋት እዮም።

ብዙሓት ሰባት ነቶም ሞይቶም ዘለዉ ዜፍቅርዎ ሰባት ከም “ዝሰምዕዎም” ወይ ከም “ዝረኣይዎም” ዚዛረቡ ስለምንታይ ምዃኑ እምበኣር ኪርድኣና ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ እዞም እኩያት መናፍስቲ ሓገዝቲ እኳ እንተ መሰሉ፡ ንደቂ ሰብ ግን የታልልዎም እዮም። b (ኤፌሶን 6:12) ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰብ፦ የሆዋ ኣዝዩ ዚሓልየልና ፈቃር ኣምላኽ እዩ። እሞኸ ምዉታት ኣብ ካልእ ቦታ ብህይወት እንተ ኣልዮም፡ ንፈተውቶምን ንኣዝማዶምን ድማ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ እንተ ዀይኖም፡ እቲ ፈቃር ፈጣሪና ንኸምዚ ዓይነት ርክብ “ፍንፉን” ኢሉ ብምጽዋዕ ከይግበር ምኸልከለዶ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። (ዘዳግም 18:12፣ 1 ጴጥሮስ 5:7) ናይ ሓቂ ሓገዝ ደኣ እሞ ኣበይ እዩ ኺርከብ ዚከኣል፧

ንምዉታትን ንህያዋንን ዚኸውን ናይ ሓቂ ሓገዝ

ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፡ ምዉታት ንህያዋን ኪሕግዝዎም ኣይክእሉን እዮም። ብዘይካዚ፡ ሓገዝ ምዉታት ክትረክብ ምፍታን፡ ዋጋ ዘይብሉ ጻዕሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሕጊ ኣምላኽ ከም እንጥሕስን ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ኣጋንንቲ ኸም እንኣቱን ስለ ዚገብረና፡ ኣዝዩ ሓደገኛ እውን እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ዝበለጸ ሓገዝ ክንረኽበሉ እንኽእል ኣካል፡ ማለት ናብቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ እዩ ዚመርሓና። ኣምላኽ ካብ ሞት እውን እንተ ዀነ ኼድሕነና ይኽእል እዩ። (መዝሙር 33:19, 20) ኣብዚ ግዜና ድማ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ከምቶም መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎም ዚህብዎ ናይ ሓሶት ተስፋ ዘይኰነስ፡ ናይ ሓቂ ተስፋ እዩ ዚህበና።

እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ታምባ፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎም ዚህብዎ ናይ ሓሶት ተስፋ ምስቲ የሆዋ ዚህበና ሓቂ ኸም ዚፈላለ ባዕሉ ተመከሮ። ጠንቈልቲ ነቶም ዝሞቱ ኣቦሓጎታቱ መስዋእቲ እንተ ዘየቕሪቡ፡ ነቲ መርመራ ብዓወት ከም ዘይሓልፎ ነገርዎ። ኰይኑ ግን፡ ታምባ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀሚሩ ብምንባሩ፡ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ዅነታት ምዉታትን እኩይ ምንጪ እቶም ንዝሞቱ ኣቦሓጎታት ዚመስሉ ኣጋንንትን ተማህረ። ኣዲኡ ኻብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎም ሓገዝ ኪሓትት ጸቕጢ እኳ እንተ ኣውረደትሉ፡ ንሱ ግን ኣበየ፣ “ሎምዘበን እንተ ተሪፈ፡ ኣብ ዚቕጽል ዓመት ኣበርቲዐ ኽጽዕር እየ” ድማ በላ።

ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧ ኣብቲ መርመራ ቐዳማይ ኰይኑ ሓለፈ! ኣዲኡ በዚ ስለ እተገረመት፡ ኣብቶም መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎም ሰባት ዝነበራ እምነት ጠፍአ፣ ነቲ ምስኦም ዚተሓሓዝ መስዋእቲ ድማ ካብኡ ንነጀው ተዛሪባትሉ ኣይትፈልጥን። ታምባ፡ ነቲ የሆዋ ‘ብዛዕባ ህያዋን ንምዉታት ከይንሓትት’ ዝሃበና መጠንቀቕታ ተማሂርዎ እዩ። (ኢሳይያስ 8:19) ሳላ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብሕጊ ኣምላኽ እንተ ተፈሲሁ ኸም ዚዕወት ምትእምማን ኣሕደረ።—መዝሙር 1:1-3

ብዛዕባ እቶም ሞይቶም ዘለዉ እነፍቅሮም ሰባትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ተስፋ የብሎምን ማለት ድዩ፧ የሆዋ ንህያዋን ይሕግዞም እኳ እንተ ዀነ፡ ነቶም ኣብ መቓብር ዘለዉ ኸም ዚሕግዞም እውን ቃል ኣትዩ እዩ። ነብዪ ኢሳይያስ፡ ምዉታት ሓይሊ ኸም ዘይብሎም ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ምዕራፍ 26 ቍጽሪ 9 እንታይ ከም ዝበለ ኣስተብህል፦ “ምውታትካ ህያዋን ኪዀኑ . . . እዮም። . . . ኣቱም ኣብ ሓመድ እትነብሩ፡ ንቕሑ እልል ከኣ በሉ።” እዚ ትንቢት እዚ ወሲኹ፡ “ምድሪውን ንምዉታት ከተውጽኦም እያ” ይብል።

ሕስብ እሞ ኣብሎ! እቶም ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሞይቶም ዘለዉ ሰባት ናብ ህይወት ኪምለሱ እዮም! ከመይሲ፡ የሆዋ ነቶም ዝሞቱ ንምትንሳእ ‘ከም ዚናፍቕ’ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (እዮብ 14:14, 15) እዚ መብጽዓ እዚ ግን ሕልሚ ጥራይ ድዩ፧ የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እዚ ተስፋ እዚ ኣዝዩ ርግጸኛ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ዝሞቱ ሰባት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ህያዋን ከም ዝዀኑ ሓበረ።—ሉቃስ 20:37, 38

እዚ ተስፋ እዚ ኺህልወካ ትደሊዶ፧ c ቅኑዕ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምርካብ ኣይተቋርጽ። ከምኡ ምስ እትገብር፡ የሆዋ ንህያዋን ኰነ ንምውታት ኪሕግዞም ከም ዚኽእል ከምኡውን መብጽዓታቱ “እሙንን ሓቅን” ከም ዝዀነ ኽትኣምን ኢኻ።—ራእይ 21:4, 5

[እግረ-ጽሑፋት]

a ስም ተቐዪሩ እዩ።

b ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 6 ርአ።

c ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ተስፋ ትንሳኤ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 7 ርአ።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ነቶም ብሰንኪ ሞት ካባና እተፈልዩ እነፍቅሮም ሰባት ክንረኽቦም ሃረር ክንብል ንቡር እዩ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ነብዪ ሳሙኤል ካብ ሞት ተንሲኡ ምስ ንጉስ ሳኦል ተዘራሪቡ ድዩ፧