ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምድሪ ኽትጠፍእ ድያ፧

ምድሪ ኽትጠፍእ ድያ፧

ምድሪ ኽትጠፍእ ድያ፧

ጆን ስካልዚ ዝስሙ ኣዳላዊ ዓምዲ፡ “መወዳእታ ዓለም፡ ካልእ ይትረፍ ኣብ ፊልምታት እኳ ትዅረት ስለ ዚግበረሉ፡ ኵሉ ግዜ ኣቓልቦ ዚስሕብ ጕዳይ እዩ” በለ። ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ዜርኢ ፊልምታት ኣቓልቦ ተመልከትቲ ዚስሕብ ስለምንታይ እዩ፧ ስካልዚ ነዚ ኺምልስ ከሎ፡ “ንስግኣትና ስለ ዚገልጽ እዩ” በለ። በዚ ትሰማማዕዶ፧ ምድሪ ዀነት ኣብኣ ዚነብሩ ህይወታውያን ብዛዕባ ዚጠፍኡሉ ግዜን መገድን ከም እንጭነቕ ዚገብረና ብቑዕ ምኽንያት ኣሎዶ፧

ንምድርና ብዛዕባ ዜዕኑ ባህርያዊ ሓደጋታት መዓልታዊ ንሰምዕ ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋታት ዜስዕቦ ዕንወት፡ ኣብ ተለቪዥን ኰነ ኣብ ኢንተርነት ብተደጋጋሚ ይርአ እዩ። ሰባት ኪሞቱን ቦታታት ኪዓንዉን ከለዉ ዜርኢ ምስልታት ክንዕዘብ ከለና፡ መወዳእታ ዓለም ኣብ ፊልምታት ጥራይ ዚርአ ልቢ ወለድ ከም ዘይኰነ ጌርና ንሓስብ ንኸውን።

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ምድሪ ብኸመይ ከም እትጠፍእ ዚህብዎ ሓሳባት ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ስግኣት ዝያዳ ኣጐሃሂርዎ እዩ። ገሊኦም እሞ ኸኣ፡ መወዳእታ ዓለም ዚመጽኣሉ እዋን መዓስ ከም ዝዀነ ይንበዩ እዮም። ኣብ መጋቢት 2008፡ ማንዝሊ ኖቲስስ ኦቭ ዘ ሮያል ኣስትሮኖሚካል ሶሳይቲ ዘርእስቱ ጽሑፍ፡ ክልተ ተመራመርቲ ስነ-ኮኸብ ድሕሪ 7.59 ቢልዮን ዚኸውን ዓመት፡ ጸሓይ ንምድርና ኸም እትውሕጣን ሃፊፋ ኽትውዳእ ከም እትገብራን ምንባዮም ገሊጻ ኣላ።

እሞኸ ምድርና ብሓቂ ክትጠፍእ ድያ፧

ምድርና ኽትጠፍእ ድያ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ወለዶ ይኸይድ፡ ወለዶ ኸኣ ይመጽእ፡ ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትቐውም” ኢሉ የረጋግጸልና። (መክብብ 1:4) የሆዋ ኣምላኽ፡ “ንዘለኣለም ከይትናወጽሲ፡ ንምድሪ ኣብ መሰረታ ኣጽንዓ።” (መዝሙር 104:5) እዚ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓላት ኪእመን ዘይከኣል ድዩ፧ ተመራመርቲ፡ ምድርና ኸም እትጠፍእ እናተዛረቡ ኽነሶም፡ ከም ዘይትጠፍእ ክትኣምን ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ኣብ ሓደ መኽዘን ብዛዕባ ዘሎ እተፈላለየ ፍርያት እሞ ሕሰብ። ገሊኡ መዓስ መዓልቱ ኸም ዚሓልፎ ይጸሓፈሉ እዩ። ነዚ መዓልቲ እዚ ዚውስኖ መን እዩ፧ ኣካያዲ ስራሕ እቲ መኽዘን ድዩ ዚውስኖ፧ ኣይፋሉን። ነቲ ምህርቲ ዜፍሪ ትካል እዩ ነዚ ዚውስን። እቲ ትካል ብዛዕባ ምህርቱ ኻብ ማንም ሰብ ንላዕሊ ስለ ዚፈልጥ፡ ነቲ ንሱ ዜውጽኦ ዕለት ንኣምኖ ኢና። ነቲ ፈጣሪ እዛ ምድርና ደኣኸ ኻብዚ ንላዕሊ ኽንኣምኖዶ ኣይግባእን፧ ‘ንምድሪ ንዘለኣለም ከም ዘጽንዓ’ ቓሉ ብንጹር ይገልጽ እዩ። ስለዚ፡ ምድርና ፈጺሙ መዓልቲ ኣይሓልፋን እዩ!—መዝሙር 119:90

እሞኸ ሓላፍነት ዘይስምዖም ሰባት ንምድርና ኽትሕደስ ከም ዘይትኽእል ገይሮም ኬበላሽውዋ ይኽእሉዶ፧ ፈጺሞም ኣይክእሉን እዮም! የሆዋ ኸምቶም ሰብኣውያን ሰብ ትካል ዘይኰነስ፡ ‘ኵሉ ዚኽእል’ እዩ። (እዮብ 42:2) ስለዚ ኸኣ እዩ፡ “እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ . . . ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ” ኢሉ ብምትእምማን ኪዛረብ ዝኸኣለ። (ኢሳይያስ 55:11) እምበኣር፡ “ፈጣሪና” ነቲ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ኻብ ምፍጻም ኪዓግቶ ዚኽእል ከም ዘየለ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (መዝሙር 95:6) እሞኸ እዚ ዕላማ እዚ እንታይ እዩ፧ ኣምላኽከ ብኸመይ እዩ ዚፍጽሞ፧

መንግስቲ ኣምላኽ ንዕላማኡ ትፍጽሞ

ቃል ኣምላኽ፡ ምድሪ ኸም ዘይትጠፍእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ማሕደር ሰብ ክትከውን” ከም እተደኰነት እውን የረጋግጸልና እዩ። (ኢሳይያስ 45:18) ይኹን እምበር፡ ንኣሽሓት ዓመታት ኣብ ምድሪ ተቐማጦ ምህላዎም ጥራይ ዕላማ ኣምላኽ ከም ዚፍጸም ኣይገበረን።

የሆዋ፡ “ሕጉስ ኣምላኽ” ከምኡውን ‘ፍትሒ ዚፈቱ’ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW፣ መዝሙር 33:5 ትርጕም 1990) ዕላማኡ ዅሎም ሰባት ተሓጒሶምን ካብ ዘይፍትሓዊ ነገራት ናጻ ዀይኖምን ኪነብሩ እዩ። ነዚ ዕላማ እዚ ንምፍጻም፡ ኣብ መላእ ምድሪ እትገዝእ ሓንቲ መንግስቲ ኣብ ሰማይ ከም ዚምስርት ተነብዩ ነበረ። (ዳንኤል 2:44) የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጻሊ ይዛረብ ነይሩ እዩ። ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እታ መንግስቲ ንምድሪ ተዳልዩላ ዘሎ በረኸት ስለ ዚፈልጥ ከኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባኣ ኺጽልዩ ኣተባብዖም። (ማቴዎስ 6:9, 10፣ 24:14) ገለ ኻብዚ በረኸት እዚ እንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንውግእ መወዳእታ ኸም ዚገብረሉ መብጽዓ ስለ ዝኣተወ፡ ሰላምን ድሕንነትን ኪሰፍን እዩ።—መዝሙር 46:9

ንዅሉ ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ ኺህሉ እዩ። —መዝሙር 72:16

“ሓደ እኳ ሕሙም እየ” ዚብል ስለ ዘይህሉ፡ ብዛዕባ ጥዕና ዚጭነቕ ኣይኪህሉን እዩ።—ኢሳይያስ 33:24 ትርጕም 1990።

ሓዘን ኣይኪህሉን እዩ፣ ከመይሲ፡ “ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን” እዩ።—ራእይ 21:4

ህዝቢ ኣምላኽ ንርእሶም ኣባይቲ ብምህናጽ ሃዲኦምን ‘ንዘለኣለም ደስ ኢልዎምን’ ከም ዚነብሩ የሆዋ ተመባጺዑ ኣሎ።—ኢሳይያስ 65:17-24

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ክትነብር ከም እትደሊ ዜጠራጥር ኣይኰነን። የሆዋ ንዅሉ እቲ እተመባጽዖ ነገራት ኪፍጽሞ ሓያል ባህጊ ኣለዎ። (ኢሳይያስ 9:6, 7) ኰይኑ ግን፡ ‘መብጽዓታት ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዚጸሓፍ ኣሽሓት ዓመታት ሓሊፉ ኽነሱ፡ ክሳዕ ሕጂ ዘይተፈጸመ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።

ትዕግስቲ ኣምላኽ ናብ ድሕነት ይመርሓና

የሆዋ ‘ንተስፋኡ ኸም ዘየደንጕዮ’ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ብፍቕሪ ይዕገሰና ኸም ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ “ነቲ ትዕግስቲ ጐይታና ንምድሓንኩም ቍጸርዎ” ዚብል ማዕዳ ተዋሂቡና ዘሎ። (2 ጴጥሮስ 3:9, 15) ትዕግስቲ ኣምላኽ ንምድሓንና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ብቐዳምነት፡ ኣምላኽ ነቶም ቅኑዓት ደቂ ሰብ እትምሽእን ድሕንነት ዘለዋን መንበሪት ቅድሚ ምሃቡ፡ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ኼጥፍእ’ ከም ዘለዎ ይፈልጥ እዩ። (ራእይ 11:18) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ ስለ ዜፍቅሮም፡ ‘ሓደ እኳ ኺጠፍእ ኣይፈቱን እዩ።’ በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ‘ነቲ ረሲእ ካብ መገዲ ረሲእነቱ ኺምለስ’ ብትዕግስቲ መጠንቀቕታ ይህብ ኣሎ። ስለዚ ኸኣ እዩ፡ ብዛዕባ እታ መንግስቱ ዚገልጽ መልእኽቲ ኣብ መላእ ዓለም ከም ዚስበኽ ዚገብር ዘሎ። a (ህዝቅኤል 3:17, 18) እቶም ኣምላኽ ንዚህቦ መጠንቀቕታ ጽቡቕ ምላሽ ብምሃብ ንህይወቶም ምስ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ዜሰማምዑ ሰባት፡ ድሕነት ኪረኽቡን ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኬስተማቕሩን እዮም።

ናብ ኣምላኽ ተመሊስኩም ድሓኑ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንዓና ዚኸውን “ወንጌል” ወይ ብስራት ሒዙ ኸም ዘሎ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ማቴዎስ 24:14) ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ፡ ምድርና ኸም ዘይትጠፍእ ዝኣተዎ ዜተኣማምን መብጽዓ እውን ይነግረና እዩ። ብተወሳኺ፡ ብመሰረት ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ ከም ዘይህሉ’ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ እቶም ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ጻድቃን ዝዀኑ ሰባት ጥራይ “ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።” (መዝሙር 37:9-11, 29፣ ማቴዎስ 5:5፣ ራእይ 21:3, 4) ክሳዕ ሽዑ ግን፡ ኣምላኽ፡ “ኣቱም ወሰናት ምድሪ ዅላትኩም፡ ናባይ ተመለሱ ድሐኑውን” እናበለ ብትዕግስቲ መጸዋዕታ ይህብ ኣሎ። (ኢሳይያስ 45:22) ነዚ መጸዋዕታ እዚ፡ እንታይ ምላሽ ኢኻ እትህበሉ፧

ስለምንታይ ናብ ኣምላኽ ክትምለስ ዘይትውስን፧ መዝሙር 37:34፡ “ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱውን ሐሉ፡ [“ንምድሪ፡” ትርጕም 1990] ምእንቲ ኽትወርሳ ልዕል ኬብለካ እዩ” ኢላ ትምሕጸነና። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዘለኣለማዊ ዕላማን እቲ ዕላማ እቲ ኺፍጸም ከሎ ብኸመይ ብዓይንኻ ኽትርእዮ ኸም እትኽእልን ንኽትፈልጥ ባህ ኢልዎም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ 236 ሃገራት ዚነብሩ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 28:19, 20 ዝሃቦ ትእዛዝ ብምእዛዝ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ንሰባት ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ኣብ ምምሃር ኣስታት ሓደ ቢልዮንን ፈረቓን ዚኸውን ሰዓት የሕልፉ።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

NASA photo