ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሮሜ ኣብ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ጕዕዞኡ በየነይቲ መገዲ እዩ ተጓዒዙ፧

እታ ጳውሎስ ናብ ኢጣልያ እተጓዕዘላ መርከብ፡ ኣብቲ ኣብ ልሳን ባሕሪ ኔፕልስ ዚርከብ፡ ጱተዮሉስ (ዘመናዊት ፖዞሊ) ከም ዝበጽሐት፡ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 28:13-16 ተጠቒሱ ኣሎ። ድሕሪኡ፡ በታ መገዲ ኣጵያ እትበሃል ናብ ሮሜ እትመርሕ ቀንዲ መገዲ ኣቢሉ ተጓዕዘ።

መገዲ ኣጵያ ብስም እቲ ብ312 ቅ.ክ. ኪሃንጾ ዝጀመረ ኣጵዩስ ቅላውዴዎስ ዚበሃል ብዓል ስልጣን እያ ተሰይማ። ስፍሓት እዛ ዓበይቲ ኣእማን እተነጽፋ መገዲ እዚኣ ኻብ ሓሙሽተ ክሳዕ ሽዱሽተ ሜተር ዚኣክል ኰይኑ፡ ኣብ መወዳእታኡ ንውሓት እታ መገዲ ኻብ ሮሜ ናብ ደቡባዊ ምብራቕ 583 ኪሎ ሜተር ተዘርጊሑ ነይሩ። እዛ መገዲ እዚኣ ንሮሜ ምስታ ኣፍ ደገ ምብራቕ ዝነበረት ወደብ ብሩንዲስዮም (ሕጂ ብሪንዲሲ) ተራኽባ ነበረት። ተጓዓዝቲ ኣብቲ 24 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ተረሓሒቑ ዚርከብ መዕረፊ፡ ዜድልዮም ነገራት ይዓዳድጉ፡ ይድቅሱ፡ ወይ ከኣ ኣፍራስ ወይ ሰረገላታት ይቕይሩ ነበሩ።

ጳውሎስ ግን ብእግሩ ይጐዓዝ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ንሱ እተጓዕዘሉ ኽፋል መገዲ ኣጵያ፡ 212 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ንውሓት ነበሮ። እዚ በቲ ፖንቲን ተባሂሉ ዚፍለጥ ዓዘቕቲ ኣቢሉ ዚሓልፍ ኪኸውን ከሎ፡ ሓደ ሮማዊ ጸሓፊ በቲ ኣብኡ ዘሎ ብዝሒ ጣንጡን ሕማቕ ጨናን ኣማሪሩ እዩ። ካብዚ ዓዘቕቲ እዚ ናብ ሰሜን ቍሩብ ምስ ተጓዓዝካ፡ እቲ ኻብ ሮሜ 65 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ርሒቑ ዚርከብ ዕዳጋ ኣጵዩስ ይርከብ ነበረ፣ ንዕኡ ሓሊፍካ ድማ እቲ ኻብታ ኸተማ 50 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ርሒቑ ዚርከብ ሰለስተ መሓድር ዚበሃል መዕረፊ ይርከብ ነበረ። ኣብ ክልቲኡ እዚ መዕረፊ፡ ካብ ሮሜ ዝመጹ ክርስትያናት ንጳውሎስ ተጸበይዎ። “ጳውሎስ ከኣ ምስ ረአዮም፡ ንኣምላኽ ኣመስገነ ልቡውን ሀድኤ።”—ግብሪ ሃዋርያት 28:15

ኣብ ሉቃስ 1:63 እንታይ ዓይነት ሰሌዳ እዩ ተጠቒሱ ዘሎ፧

ዘካርያስ ነቲ ዕሸል ወዱ እንታይ ኪሰምዮ ኸም ዚደሊ ኻብ ፈተውቱ ሕቶ ኸም ዝቐረበሉ፡ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ተመዝጊቡ ኣሎ። ንሱ ኸኣ “ንእሽቶ ሰሌዳ ለሚኑ፤ ስሙ ዮሃንስ እዩ፡ ኢሉ ጸሐፈ።” (ሉቃስ 1:63) እቲ ንእሽቶ ሰሌዳ ጐድኒ ጐድኒ ብእተተሓሓዘ ሉሕ እተሰርሐ ዀይኑ፡ ብስምዒ ይልከ ነበረ። ብሓደ በሊሕ ዝጫፉ ኸም ብርዒ ዝኣመሰለ መጽሓፊ ጌርካ ኸኣ ይጸሓፈሉ ነበረ። ድሕሪኡ፡ እቲ ጽሑፍ ይድምሰስ እሞ፡ እቲ ኸም ብሓድሽ እተለመጸ ሰሌዳ ድማ እንደገና የገልግል ነበረ።

ሪዲንግ ኤንድ ራይቲንግ ኢን ዘ ታይም ኦቭ ጂሰስ (ብግዜ የሱስ ምንባብን ምጽሓፍን) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ኣብ ፖምፐይ ዚርከብ ቅብኣታት፡ ኣብ እተፈላለየ ኽፋል ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዚርከብ ቅርጻታት፡ ከምኡውን ካብ ግብጺ ኽሳዕ መንደቕ ሃድርያን [ሰሜናዊ ብሪጣንያ] ኣብ ዘሎ ቦታታት ተፋሒሩ ዝወጸ ናይ ሓቂ መርኣያታት ከም ዚሕብሮ፡ ሰሌዳታት ምጥቃም ልሙድ እዩ ነይሩ” በለት። ከም እኒ ነጋዶ፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ምናልባት እውን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝኣመሰሉ እተፈላለዩ ውልቀ-ሰባት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰሌዳ ይጥቀሙ ነይሮም እዮም።

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ 2ይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ፡ ስምዒ እተለኽየ ሰሌዳ ተመሃራይ

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

መገዲ ኣጵያ

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

By permission of the British Library