ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣልኮላዊ መስተ ኣምላኽ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧

ኣልኮላዊ መስተ ኣምላኽ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧

ኣልኮላዊ መስተ ኣምላኽ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧

እቲ ዚጠቕመና ዚፈልጥ ፈጣሪና፡ ኣልኮላዊ መስተ ብመጠኑ ምስታይ ኣይከልከለናን። a ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ “ወይኒ ንልቢ ሰብ ኬሐጕሶ፡ ዘይቲ ንገጹ ኼብርሆ፡ እንጌራውን ንልቢ ሰብ ኬጽንዖ” ኢሉ እዩ ኣዳልይዎ። (መዝሙር 104:15) ኣብ ሓደ መርዓ፡ የሱስ ክርስቶስ ንማይ ናብ “ጽቡቕ ወይኒ” ብምቕያር፡ ነቲ ሓጐስ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።—ዮሃንስ 2:3-10

ኣልኮላዊ መስተ ንኣካላትናን ንሓንጎልናን ብኸመይ ከም ዚጸልዎ፡ ፈጣሪና ብልክዕ ይፈልጥ እዩ። እዚ ሰማያዊ ኣቦና እዚ፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ‘ዚጠቕመና ይምህረና እዩ፣’ መስተ ኸይነብዝሕ ከኣ ሓያል መጠንቀቕታ ይህበና እዩ። (ኢሳይያስ 48:17) ነዚ ዚስዕብ ብንጹር እተዋህበ መጠንቀቕታታት እሞ ኣስተብህለሉ፦

“ዝርገት አለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ።” (ኤፌሶን 5:18) “ሰካራት . . . ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።” (1 ቈረንቶስ 6:9-11) ገለ ኻብቲ ቓል ኣምላኽ ዚዅንኖ ነገራት፡ “ስኽራን . . . ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን” ተጠቒሱ ኣሎ።—ገላትያ 5:19-21

ቀጺልና፡ ምብዛሕ መስተ ዜስዕቦ ሓደጋታት እስከ ንርአ።

ምብዛሕ መስተ ዜስዕቦ ሓደጋታት

ኣልኮላዊ መስተ እተወሰነ ጥቕሚ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ንኣእምሮን ኣካላትን ኪጐድእ እውን ይኽእል እዩ። ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተ ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ጸገማት ኬስዕብ ይኽእል እዩ፦

ሓደ ሰብ መስተ ምስ ዜብዝሕ፡ ‘ሓሳቡ ስለ ዚወናበዶ፡’ ኬመዛዝን ኣይክእልን። (ምሳሌ 23:33 ትርጕም 1990) እቲ ኣብታ ቕድሚ እዚኣ ዘላ ዓንቀጽ እተጠቕሰ ኣለን፡ “ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ንኣካላት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ዚጐድእ ሕማም እዩ። ነቲ ኣብ ካልኦት ዜሕድሮ ጕድኣት ኣይትሓስቦን ኢኻ” በለ።

ሓደ ሰብ መስተ እንተ ኣብዚሑ፡ ርእሱ ምቍጽጻር የሸግሮ። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ምንዝርናን ወይንን ኰልዒ ወይንን ኣእምሮ የጥፍእ” ኢሉ የጠንቅቕ። (ሆሴእ 4:11) ብኸመይ፧ መስተ እንተ ኣብዚሕና፡ እቲ ዓቢጥናዮ ዝነበርና ሓሳባትን ትምኒታትን ከም ቅቡል ወይ ከም ዜወናውን ጌርና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። ናብ ቅኑዕ ዘበለ ለጊብና ንኽንመላለስ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ኪዳኸም ይኽእል እዩ። ንስነ-ምግባርና ኣበላሽዩ፡ ኣብ መንፈሳዊ ሓደጋ ኼውድቐና ይኽእል እዩ።

ንኣብነት፡ ጆን ምስ ሰበይቱ ተቛየቘ እሞ፡ ተበሳጭዩ ናብ ቤት መስተ ኸደ። ኣብኡ ኸኣ ቍሩብ ምስ ሰተየ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ናብኡ መጸት። ደጋጊሙ ድሕሪ ምስታዩ፡ ምስኣ ኸይዱ ዘመወ። ጸኒሑ፡ ነቲ ብሰንኪ ኣልኮላዊ መስተ ርእሱ ምቍጽጻር እንተ ዘይስእን ነይሩ ፈጺሙ ዘይሓስቦ ነገር ብምግባሩ፡ ኣመና ተጣዕሰ።

ሓደ ሰብ መስተ እንተ ኣብዚሑ፡ ዘረባኡን ተግባራቱን ምቍጽጻር የሸግሮ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓዘን ንመን እዩ፧ ባእሲ ንመን እዩ፧” ኢሉ ድሕሪ ምሕታት፡ “ነቶም ኣብ ምስታይ ወይኒ ዚድንጕዩ . . . እዩ” ይብል። (ምሳሌ 23:29, 30) መስተ እንተ ኣብዚሕካ፡ “ኣብ ውሽጢ ባሕሪ በጥ ከም ዝበለ፡ ኣብ ጫፍ ደቐል ከም ዝደቀሰ ኢኻ እትኸውን።” (ምሳሌ 23:34) ሓደ ዝሰኸረ ሰብ ምስ ነቕሐ፡ “ወቒዖምንስ ኣይተሰምዓንን፡ ዘቢጦምንስ ኣይተፈለጠንን” እዩ ዚብል።—ምሳሌ 23:35

ምብዛሕ መስተ ንኣካላዊ ጥዕና ኺጐድእ ይኽእል። “ኣብ መወዳእታ [ኣልኮላዊ መስተ] ኸም ተመን ይነክስ፡ ከም ኣፍዑት ሕንዙ ፉፍ የብል።” (ምሳሌ 23:32) እዚ ጥንቲ እተዘርበ ምስላ ሓቂ ምዃኑ፡ ብስነ-ፍልጠት ሕክምና ተረጋጊጹ እዩ። ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ካብ ዜምጽኦ ገለ ሳዕቤናት፡ እተፈላለየ ዓይነት መንሽሮ፡ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዜስዕቦ ወይቦ፡ ፌጋቶ፡ ሕበጥ ላልሽ፡ ሽኮርያ ንዘለዎም ምንካይ መጠን ሽኮር፡ ንዚውለዱ ሕጻናት ዜስዕቦ ጕድኣት፡ ወቕዒ፡ ወይ ሕማም ልቢ ኺጥቀስ ይከኣል። ምብዛሕ መስተ ወይ ስኽራን ሕሉፍ ሓሊፉ ምጥፋእ ሃለዋት ወይ ሞት ኬስዕብ ይኽእል እዩ። እዚ ጸገም እዚ ዜስዕቦ ዝኸፍአ ሳዕቤናት ግን፡ ኣብ መምሃሪ መጻሕፍቲ ሕክምና ኣይኰነን ተጠቒሱ ዘሎ።

ምብዛሕ መስተ ዜስዕቦ ዝኸፍአ ሓደጋ። ሓደ ሰብ ዋላ እውን ክሳዕ ስኽራን ከይበጽሐ፡ መጠኑ ዝሓለፈ መስተ እንተ ሰትዩ፡ መንፈሳዊ ሓደጋታት የስዕበሉ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር፡ “እቶም ንብርቱዕ መስተ ኺስዕቡ ወጋሕታ ኣንጊሆም ዚትንስኡ፡ ወይኒ ኽሳዕ ዜርስኖም ድማ ኣዝዮም ዜምስዩስ ወይለኦም” ይብል። ስለምንታይ፧ ኢሳይያስ፡ መጠኑ ዝሓለፈ መስተ ምስታይ ዜስዕቦ መንፈሳዊ ሳዕቤናት ኪገልጽ ከሎ፡ “ንተግባር እግዚኣብሄር . . . ኣየስተብህልዎን፡ ነቲ ግብሪ ኣእዳዉ ኸኣ ኣይርእይዎን” በለ።—ኢሳይያስ 5:11, 12

ቃል ኣምላኽ፡ “ኣብ ማእከል ሰተይቲ ወይኒ” ከይንኸውን የጠንቅቐና እዩ። (ምሳሌ 23:20) ኣረገውቲ ኣንስቲ እውን፡ “ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና” ኪዀና መጠንቀቕታ ተዋሂብወን እዩ። (ቲቶስ 2:3) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ሰባት በብቝሩብ ከይተፈለጦም መስተ እናኣብዝሑ እዮም ዚኸዱ። ኣብ መወዳእታኡ፡ እቲ ሰታይ፡ “መኣዝ እየ ዝነቅሕ፧ መሊሰ ደኣ ኽሰቲ” ኺብል ይጅምር። (ምሳሌ 23:35 ትርጕም 1990) ሰታያት ነቲ ድሮኡ ምሸት ዝሰተይዎ ዜስዕበሎም ሕማም ርእሲ ንምጥፋእ ኢሎም፡ ብንግሆኡ ኺሰትዩ ምስ ጀመሩ፡ ናብ ሓደጋ እዮም ዚኣትዉ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም “ብስኽራን፡ . . . ብመስተ” ዚመላለሱ ሰባት፡ “ነቲ ንህያዋንን ንምዉታትን ኪፈርድ ተዳልዩ ዘሎ፡ ጸብጻብ ኪህብዎ እዮም” ይብል። (1 ጴጥሮስ 4:3, 5) የሱስ ብዛዕባ እዚ ዘለናሉ ወሳኒ እዋን፡ “ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ [መዓልቲ የሆዋ] ብድንገት ከይትመጸኩምሲ፡ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ” በለ።—ሉቃስ 21:34, 35

እሞ ደኣ ኻብ መጠን ንላዕሊ ዚሰትዩ ሰባት፡ ‘ስኽራን ንልቦም ከይኸብዶ’ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ “ኣልኮላዊ መስተ” ወይ “መስተ” ኺበሃል ከሎ፡ ንስዋን ወይንን ከም ኣረቂ ዝኣመሰለ ኻልእ መስተን ዜጠቓልል እዩ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ምብዛሕ መስተ ብዙሕ ጸገማት የምጽእ