ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ንከነኣናውያን እተዋግኦም ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንከነኣናውያን እተዋግኦም ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንከነኣናውያን እተዋግኦም ስለምንታይ እዩ፧

“ንሔታውያንን ንኣሞራውያንን ንከነኣናውያንን ንፈረዛውያንን ንሃዋውያንን ንይቡሳውያንን . . . ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ፡ ጠሪስካ ኣጥፍኣዮም።”—ዘዳግም 20:17

“ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ።”—ሮሜ 12:18

እዚ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ንሓድሕዱ ዚጋጮዶ ይመስል፧ ብዙሓት ሰባት፡ ነቲ ኣምላኽ ንከነኣናውያን ንምጥፋእ ዝሃቦ ትእዛዝ ምስቲ ሰላማውያን ክንከውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተዋህበና ማዕዳ ኼሰማምዕዎ ይኸብዶም እዩ። a (ኢሳይያስ 2:4፣ 2 ቈረንቶስ 13:11) ከመይሲ፡ ዘይቃዶ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም።

ንኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንተ ተዘራርቦ ኔርካ፡ እንታይ ኢልካ ምሓተትካዮ፧ እስከ ቐጺልና ሓሙሽተ ኻብቲ ዅሉ ሳዕ ዚሕተት ሕቶታትን መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መልስን ንርአ።

1. ከነኣናውያን እተመዛበሉ ስለምንታይ እዮም፧ ከነኣናውያን ኣብ ዘይናቶም መሬት እዮም ነይሮም ኪበሃል ይከኣል እዩ። ብኸመይ፧ ዳርጋ 400 ዓመት ይገብር፡ ኣምላኽ ነቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ ኣብርሃም፡ ዘርኡ ንምድሪ ከነኣን ከም ዚወርስዋ መብጽዓ ኣትዩሉ ነበረ። (ዘፍጥረት 15:18) እቶም ዘርኢ ኣብርሃም ዝነበሩ እስራኤላውያን ንምድሪ ከነኣን ኪቈጻጸርዋ ምስ ፈቐደሎም ድማ መብጽዓኡ ፈጸመ። ብርግጽ፡ ገሊኦም ሰባት፡ ከነኣናውያን ኣቐዲሞም ኣብቲ ቦታ ይነብሩ ስለ ዝነበሩ፡ እታ ምድሪ ንዕኦም ከም እትግባእ ገይሮም ይዛረቡ ይዀኑ። ከም ሓቂ ግን፡ ኣምላኽ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት ከም ምዃኑ መጠን፡ መን ኣበይ ከም ዚነብር ናይ ምውሳን መሰል ኣለዎ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:26፣ 1 ቈረንቶስ 10:26

2. እስራኤላውያን ምስ ከነኣናውያን ብሓባር ኪነብሩ ኣምላኽ ዘይፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧ ኣምላኽ ብዛዕባ ከነኣናውያን ኬጠንቅቕ ከሎ፡ “ንኣማልኽቶም እንተ ኣገልገልካ፡ እዚ መፈንጠራ ኪዀነካ እዩ እሞ፡ ንኣይ ንምብዳል ምእንቲ ኸየስሕቱኻስ ኣብ ምድርኻ ኣይንበሩ” በለ። (ዘጸኣት 23:33) ጸኒሑ እውን ነብዪ ሙሴ ንእስራኤላውያን፡ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነዞም ህዝብታት እዚኦም ካብ ቅድሜኻ ዚሰጎም ዘሎ፡ በቲ ሕሱም ዝገበርዎ [እዩ]” በሎም። (ዘዳግም 9:5) እዞም ህዝብታት እዚኣቶም፡ ክሳዕ ክንደይ እዮም ሕሱማት ነይሮም፧

ኣብ ከነኣን፡ ርኽሰት፡ ኣረማዊ ኣምልኾ፡ ከምኡውን መስዋእቲ ቘልዑ ኣዝዩ ኣስፋሕፊሑ ነበረ። ሀንሪ ኤች. ሃሊ ዝስሙ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝሓበሮ፡ ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ኣብቲ ቦታ ኺፍሕሩ ኸለዉ፡ “ዓጻጽምቲ እቶም ንበዓል [ቀንዲ ኣምላኽ ከነኣናውያን] እተሰውኡ ቘልዑ ዝሓዘ ኣዝዩ ብዙሕ ዓታሩ ረኺቦም እዮም።” ወሲኹ ድማ ከምዚ በለ፦ “ብምልኡ እቲ ኸባቢ፡ መቓብር ህጻናት ኰይኑ እዩ ተረኺቡ። . . . ከነኣናውያን ብብዕሉግ ጾታዊ ርክብ ኣቢሎም ኣብ ቅድሚ ኣማልኽቶም ሃይማኖታዊ ጽምብል የካይዱ ነበሩ፣ ነዞም ኣማልኽቲ እዚኣቶም መስዋእቲ ምእንቲ ኪኸውን ድማ በዅሪ ውላዶም ይቐትሉ ነይሮም እዮም። ብዓብዪኡ ኺርአ ኸሎ፡ ምድሪ ከነኣን ብሃገርለኸ ደረጃ ኸም ሶዶምን ጎሞራን ኰይና ዝነበረት እያ እትመስል። . . . ንዑናታት ከተማታት ከነኣን ዝዀዓቱ ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ፡ ኣምላኽ ካብቲ ስጕምቲ ዝወሰደሉ ግዜ ስለምንታይ ኣቐዲሙ ኸም ዘየጥፍኦም ይግረሙ እዮም።”

3. ኣብቲ እዋን እቲ ኻልኦት እኩያት ሰባት እናሃለዉ ኽነሶም፡ ከነኣናውያን ጥራይ ዝጠፍኡ ስለምንታይ እዮም፧ ኣምላኽ ኣብ እተፈላለየ እዋናት ንሓጢኣተኛታት ኣጥፊኡ እዩ። ብግዜ ኖህ፡ ‘ምድሪ ብዓመጻ ምስ መልአት፡’ ንዅሎም ሰባት ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ኣውረደ፣ ስድራ ቤት ኖህ ጥራይ ድማ ካብቲ ጥፍኣት ተረፈት። (ዘፍጥረት 6:11፣ 2 ጴጥሮስ 2:5) ሓጢኣት ነበርቲ ሶዶምን ጎሞራን “ኣዝዩ በርቲዑ” ብምንባሩ እውን ኣምላኽ ኣጥፊእዎም እዩ። (ዘፍጥረት 18:20፣ 2 ጴጥሮስ 2:6) ነታ “ኸተማ ደም” ዝዀነት ነነዌ እትበሃል ርእሰ-ከተማ ኣሶር እውን ፈሪድዋ ነይሩ እዩ፣ እቶም ነበርቲ ኻብ ሓጢኣቶም ምስ ተነስሑ ግን ነሓፎም። (ናሆም 3:1፣ ዮናስ 1:1, 2፣ 3:2, 5-10) ኣምላኽ ንከነኣናውያን ዘጥፍኦም፡ ነቶም እቲ መሲሕ ዚወጸሉ ህዝቢ ዝዀኑ እስራኤላውያን ኬዕቝቦም ኢሉ እዩ።—መዝሙር 132:11, 12

4. ከነኣናውያን ምጥፋኦም ምስ ፍቕሪ ኣምላኽ ዚጋጮ ደይኰነን፧ ላዕሊ ላዕሉ ኺርአ ኸሎ፡ ኣምላኽ ንከነኣናውያን ምጥፋኡ ምስ ፍቕሩ ዚጋጮ ኺመስል ይኽእል እዩ። (1 ዮሃንስ 4:8) ይኹን እምበር፡ ነቲ ዅነታት ብጥንቃቐ ኽንምርምሮ ኸለና፡ ካብዚ እተፈልየ እዩ።

ኣምላኽ ካብ መጀመርታኡ፡ ነበርቲ ከነኣን ግጉይ ኣንፈት ይስዕቡ ምንባሮም ይፈልጥ ነበረ። ኰይኑ ግን፡ ብኡንብኡ ኣብ ክንዲ ዜጥፍኦም፡ ሓጢኣቶም ‘ክሳዕ ዚመልእ’ ን400 ዓመት ብትዕግስቲ ተጸበዮም።—ዘፍጥረት 15:16

የሆዋ፡ ከነኣናውያን ንኺምለሱ ዝነበረ ዅሉ ተስፋ ኽሳዕ ዚጽንቀቕ ተጸብዩ እዩ ኣጥፊእዎም። ይኹን እምበር፡ ብኣልማማ ኣይኰነን ኣጥፊእዎም። ስለምንታይ፧ ኪንስሑ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት ነይሮም እዮም። እወ፡ ከም ብዓል ረሃብን ጊብዖናውያንን ዝኣመሰሉ ንኺልወጡ ፍቓደኛታት ዝነበሩ ሰባት፡ ምሕረት ተገይሩሎም እዩ።—እያሱ 9:3-11, 16-27፣ እብራውያን 11:31

5. ኣምላኽ፡ ፍቕሪ ኽነሱ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ዜጥፍእ ከመይ ኢሉ እዩ፧ ሰብኣዊ ህይወት ኪጠፍእ ከሎ ኣዝዩ ስለ ዜጕሂ፡ እዛ ሕቶ እዚኣ ርትዓዊት እያ። ከም ሓቂ ግን፡ ኣምላኽ ካብ ፍቕሪ ተበጊሱ እዩ ኸምዚ ዓይነት ተሪር ስጕምቲ ወሲዱ። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ ሓደ ሕሙም ጋንግሪን እንተ ሒዝዎ፡ ሓካይም ናይ ግድን ነቲ ዝሓመመ ኣካል ኪቘርጽዎ ኣለዎም። ገሊኦም ሰባት፡ ከምዚ ዓይነት ተግባር የስካሕክሖም ይኸውን፣ ኰይኑ ግን፡ ሓደ ንፉዕ ሓኪም፡ ነቲ ሕማም ስቕ ኢሉ እንተ ርእይዎ፡ ናብ ካልእ እናለሓመ ዝገደደ ሳዕቤን ከም ዜምጽእ ይፈልጥ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ንጥቕሚ እቲ ሕሙም ኢሉ ነዚ ባህ ዘየብል ዕዮ ይፍጽሞ።

ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ንከነኣናውያን ምጥፋኡ ባህ ኣየበሎን። ንሱ ባዕሉ፡ “ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን እዩ” በለ። (ህዝቅኤል 33:11) ኣብቲ እዋን እቲ፡ ንዅሎም እቶም ኣብኡ እምነት ዜሕድሩ ሰባት መገዲ ድሕነት ዚኸፍት መሲሕ ካብ ህዝቢ እስራኤል ኪወጽእ እውን ዓሊሙ ነበረ። (ዮሃንስ 3:16) ስለዚ፡ እስራኤላውያን በቲ ጽዩፍ ግብርታት ከነኣናውያን ኪብከሉ ኣይፈቐደን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ከነኣናውያን ካብታ ምድሪ ኺጠፍኡ ወይ ኪስጐጉ ኣዘዘ። በዚ ኸምዚ፡ ንጥቕሚ ኣምለኽቱ ኢሉ ነዚ ባህ ዘየብል ዕማም ኪዓምም ዝደረኸቶ ሓለፍ ዝበለት ፍቕሪ ኣርኣየ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ

እቲ ብዛዕባ ምጥፋእ ከነኣናውያን ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ሎሚ ይጠቕመና ድዩ፧ እወ ይጠቕመና እዩ። ሮሜ 15:4፡ “ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ” ትብል። እቲ ኣብ ከነኣን ዘጋጠመ ነገራት፡ ዚምህረናን ተስፋ ዚህበናን ብኸመይ እዩ፧

እዚ ጸብጻብ እዚ ብዙሕ ኪምህረና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ረሃብን ጊብዖናውያንን ብእምነት ናብ ኣምላኽ ምስ ተመልሱ፡ ሳላ ምሕረት የሆዋ ኻብ ጥፍኣት ደሓኑ። እዚ ሓሳብ እዚ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣተዓባብያኡ ወይ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝገበሮ ሓጢኣት ብዘየገድስ፡ ብሓቂ ንኣምላኽ ኬሐጕሶ ኸም ዚኽእል ዜዘኻኽር እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:30

እቲ ብዛዕባ ጥፍኣት ከነኣን ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ እዋን እንታይ ከም ዚገብር ዚሕብር ስለ ዝዀነ፡ ተስፋ እውን ይህበና እዩ። እከይ ንሰናይ ምሉእ ብምሉእ ኪዕብልሎ ኸም ዘይፈቅድ የረጋግጸልና። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ኣምላኽ ንእኩያት ከም ዜጥፍኦም፡ ነቶም ዜፍቅርዎ ድማ ናብታ ጽድቂ ዚሰፍነላ ሓዳስ ዓለም ከም ዜእትዎም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (2 ጴጥሮስ 2:9፣ ራእይ 21:3, 4) ኣብቲ እዋን እቲ፡ እዘን ዚስዕባ ዜጸናንዓ ቓላት ኪፍጸማ እየን፦ “ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱውን ሐሉ፡ [“ንምድሪ፡” ትርጕም 1990] ምእንቲ ኽትወርሳ ልዕል ኬብለካ እዩ፡ ረሲኣን ኪጸንቱ ኸለዉ ኽትርኢ ኢኻ።”—መዝሙር 37:34

[እግረ-ጽሑፍ]

a እታ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ “ከነኣናውያን” ተባሂላ ዘላ ቓል፡ ንዅሎም እቶም እስራኤላውያን ብትእዛዝ ኣምላኽ ዝሰጐጕዎም ህዝብታት እተመልክት እያ።

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ሳጹን]

መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኣዊ ውግእ ይድግፎ ድዩ፧

ከነኣናውያን ብእስራኤላውያን ኪጠፍኡ ኣምላኽ ምእዛዙ፡ ነዚ ሎሚ ዚግበር ሰብኣዊ ውግእ መመኽነይታ ይኸውን ድዩ፧ ኣይፋሉን። ከምዚ ዘይኰነሉ ሰለስተ ምኽንያት እስከ ንርአ፦

ሎሚ፡ ኣምላኽ ፍሉይ ሓለፋ ዚገብረሉ ህዝቢ የልቦን። እስራኤላውያን ንየሱስ ከም መሲሕ መጠን ምቕባል ምስ ኣበይዎ፡ ንኣምላኽ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ኻብ ምውካል ኣቋረጹ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኸም ፈጸምቲ ፍርዲ መጠን ዝነበሮም ዕዮ እውን ዜጠቓልል እዩ። (ማቴዎስ 21:42, 43) በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ልክዕ ከም ካልኦት ህዝብታት ገይሩ ኺርእዮም ጀመረ። (ዘሌዋውያን 18:24-28) ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው፡ ብድጋፍ ኣምላኽ ከም ዚዋጋእ ኪገልጽ ዚኽእል ህዝቢ የልቦን።

ሎሚ፡ የሆዋ ኣምለኽቱ ኣብ እተወሰነ ዓዲ ኸም ዚነብሩ ኣይገብርን እዩ። ከመይሲ፡ ኣገልገልቱ፡ “ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን” ኣብ ዘለዉሉ ቦታ እዮም ዚነብሩ።—ራእይ 7:9፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35

የሱስ፡ ሰዓብቱ ኣብ ውግእ ከም ዘይካፈሉ ብንጹር ገሊጹ እዩ። ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ብዛዕባ ዚወርድ መጥቃዕቲ ንደቀ መዛሙርቱ ኼጠንቅቖም ከሎ፡ ኣብታ ኸተማ ዀይኖም ኪዋግኡ ዘይኰነስ፡ ካብኣ ኺሃድሙ እዩ ነጊርዎም። (ማቴዎስ 24:15, 16) ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርትያናት እውን ኣጽዋር ኣይዓጥቁን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብታ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንዅሉ እከይ ካብ ምድሪ እተጥፍእ መንግስቲ ኣምላኽ እዮም ዚውከሉ።—ዳንኤል 2:44፣ ዮሃንስ 18:36

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣብነት ረሃብ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንኣምላኽ ብሓቂ ኼሐጕሶ ኸም ዚኽእል የርኢ