ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ኣጋጣሚ ዝኸፈተሎም ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ኣጋጣሚ ዝኸፈተሎም ስለምንታይ እዩ፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ኣጋጣሚ ዝኸፈተሎም ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንዓና “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ክንረክብ ኣጋጣሚ ኸም ዝኸፈተልና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ዮሃንስ 6:40) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ንኪኸፍተልና ዝደረኾ ግን እንታይ እዩ፧ ናይ ፍትሒ ጕዳይ ጥራይ ድዩ፧

ፍትሒ ኺበሃል ከሎ፡ ንሰባት ብቕኑዕን ብግቡእን ምሓዝ የጠቓልል። እሞኸ ብሓቂዶ ህይወት ዚግብኣና ኢና፧ ኣይፋልን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብርግጽ፡ ሰናይ ዚገብር እሞ ዘይሐጥእ ጻድቕ ኣብ ምድሪ የልቦን” ይብል። (መክብብ 7:20) ሓጢኣት፡ መቕጻዕቲ የምጽእ። ኣምላኽ ነቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ዝዀነ ኣዳም፡ በታ ዝሓጥኣላ መዓልቲ ኸም ዚመውት ኣጠንቂቕዎ ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 2:17) ጸኒሑ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ፡ “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 6:23) ስለዚ፡ ኵሎም ደቂ ኣዳም ሞት ዚግብኦም ካብ ኰነ፡ ኣምላኽ ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽንረክብ ኣጋጣሚ ዝኸፈተ ደኣ ስለምንታይ እዩ፧

ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ፡ “ብኸምኡ” እዩ ተዋሂቡና። ፍቕርን ጸጋን ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ዓብይን ሰፊሕን ምዃኑ ኸኣ የርእየና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም። በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ” ይብል።—ሮሜ 3:23, 24

ኵላትና ኽንመውት ዚግብኣና እኳ እንተ ነበርና፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም ወሰነ። እዝስ ቅኑዕ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “እምብኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣብ ኣምላኽዶ ዓመጻ አሎ፧ ያእ የልቦን። ንሙሴ፤ ንዝምሕሮ ኽምሕሮ፡ ንዝድንግጸሉውን ክድንግጸሉ እየ፡ ኢልዎ እዩ . . . ንኣምላኽ እትማጐቶኸ ንስኻ መን ኢኻ፧”—ሮሜ 9:14-20

ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት ዓለም፡ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ወይ ዳኛ ንሓደ ኸቢድ ፍርዲ እተፈርዶ ገበነኛ፡ ምሕረት ኪገብረሉ ይኽእል እዩ። እቲ ገበነኛ እተኣዘዞ ዘበለ እንተ ገይሩን ኣብ ኣረኣእያኡን ባህርዩን ለውጢ እንተ ኣርእዩን፡ ነቲ ጕዳይ ዚምልከቶ ዳኛ ወይ ፕረዚደንት ንፍርዱ ብምንካይ ወይ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ብምባል፡ ምሕረት ኪገብረሉ ይኽእል እዩ። እዚ ተግባር እዚ፡ ነቲ ገበነኛ ኸም ግቡኡ ጌርካ ኣይርአን እዩ።

ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ንገሊኦም ሓጥኣን ምሕረት ኪገብረሎም ይኽእል እዩ። ብፍቕሩ ተደሪኹ፡ ነቶም ዜፍቅርዎን ምስ ስርዓታቱ ተሰማሚዖም ዚመላለሱን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ” ይገልጽ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35

እቲ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ፡ ንወዱ ኣብ ክንዳና ኺስቀን ኪመውትን ኢሉ ብምልኣኽ ዝገበሮ ተግባር እዩ። የሱስ ብዛዕባ ኣቦኡ፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” በለ።—ዮሃንስ 3:16

ኵሎም እቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎን ፍቓዱ ዚገብሩን፡ እንታዎት ምዃኖም ብዘየገድስ፡ ኣብ ቅድሚኡ ብማዕረ ተቐባልነት ኣለዎም። ስለዚ፡ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ብቐዳምነት መግለጺ ጸጋ ኣምላኽ፡ ማለት ብልጽቲ ፍቕሩ ብግብሪ እተራእየትሉ ኣጋጣሚ እዩ።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ብቐዳምነት መግለጺ ጸጋ ኣምላኽ፡ ማለት ብልጽቲ ፍቕሩ ብግብሪ እተራእየትሉ ኣጋጣሚ እዩ