ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፈጻም መብጽዓታት

ፈጻም መብጽዓታት

ንኣምላኽ ቅረቦ

ፈጻም መብጽዓታት

እያሱ 23:14

ንኻልኦት ምእማን የጸግመካዶ፧ እቲ ዜሕዝን፡ ኣብዛ ጠላም ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና። ሓደ እትኣምኖ ሰብ ሓስዩ ብምዝራብ ወይ ቃሉ ብምዕጻፍ እንተ ጐዲኡካ፡ ንሰብ ምእማን የጸግመካ ይኸውን። ሓደ ቓሉ ዘይዓጽፍ ክትኣምኖ እትኽእል ግን ኣሎ። ምሳሌ 3:5፡ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን” ኢላ ትምሕጸነና። ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክንኣምኖ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ፡ ነቲ ኣብ እያሱ 23:14 ተመዝጊቡ ዚርከብ፡ እቲ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ዚኣምኖ ዝነበረ እያሱ እተዛረቦ ቓላት ንመርምር።

ፈለማ እቲ ዅነታት ከመይ ከም ዝነበረ ንርአ። እቲ ንሙሴ ተኪኡ ንእስራኤል ዚመርሕ ዝነበረ እያሱ፡ ናብ 110 ዓመት ዕድሚኡ ቐሪቡ ነበረ። ኣብቲ ነዊሕ ህይወቱ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝገበረሎም ተኣምራት፡ እንተላይ ነቲ 60 ዓመት ኣቐዲሙ ብቐይሕ ባሕሪ ዘስገረሉ ፍጻመ ርእዩ ነይሩ እዩ። እያሱ ንዘሕለፎ ህይወት ምልስ ኢሉ ድሕሪ ምሕሳብ፡ ንእስራኤላውያን ማለት “ንዓበይቶምን ንሓላቑኦምን ንፈረዶምን ንመኳንንቶምን” ጸውዖም። (እያሱ 23:2) እቲ ቐጺሉ እትዛረቦም ቃላት ካብቲ ነዊሕ ዕድሚኡ ጥበብ ከም ዝረኸበ ጥራይ ዘይኰነስ፡ በቲ ብእምነት ዝመልአ ልቡ የስተንትን ምንባሩ እውን እዩ ዜርኢ።

እያሱ፡ “ኣነ ሎሚ መገዲ ዅላ ዓለም እኸይድ አሎኹ” በሎም። እታ “መገዲ ዅላ ዓለም” እትብል ሓረግ፡ ንሞት እተመልክት ቍንቍኛዊ ኣዘራርባ እያ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ “ናብ ሞተይ ቀሪበ ኣለኹ” እዩ ዚብል ነይሩ። ናብ ሞቱ ኸም ዝቐረበ ስለ ዝፈለጠ፡ ንነዊሕ ሰዓታት ንበይኑ ዀይኑ ብዛዕባ ህይወቱ ኸም ዘስተንተነ ኣየጠራጥርን እዩ። እሞኸ ንብጾቱ እንታይ ናይ ስንብታ ቓላት እዩ ተዛሪብዎም፧

እያሱ ቐጺሉ፡ “ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም እምበር፡ ካብኡስ ሓደ እኳ ኣይወደቐን” በሎም። ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ምትእምማን ዘለዎ ሰብ ጥራይ እዩ ኸምዚ ኢሉ ኺዛረብ ዚኽእል። ከምኡ ኺብል ዝኸኣለ ግን ስለምንታይ እዩ፧ እያሱ ንዅሉ እቲ ዘሕለፎ ምልስ ኢሉ ኺሓስበሉ ኸሎ፡ የሆዋ ወትሩ ንዅሉ መብጽዓታቱ ኸም ዚፍጽም ኪፈልጥ ከኣለ። a ዕላማኡ ንጹር እዩ ነይሩ፣ እያሱ ንእስራኤላውያን፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ንመጻኢ ዝኣተወሎም መብጽዓታት ከም ዚፍጸም ምሉእ እምነት ኬሕድሩ እዩ ዚደልዮም ነይሩ።

ሓደ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ርእይቶ ዚህብ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ እያሱ 23:14 ሓሳብ ኪህብ ከሎ፡ “ዝዀነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መብጽዓ ሒዝካ፡ ኣብ ዓለም ዘሎ መዛግብቲ መርምር፣ ኣምላኽ መብጽዓኡ ዘይፈጸመሉ ወይ ዝረስዓሉ ሓንቲ እውን እንተ ረኺብካ ንዅሉ ኣብኡ ዘሎ ፍጡር ጠይቕ” በለ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምርምር ኪግበር እንተ ዚከኣል ነይሩ፡ ኣብቲ እያሱ ዝበጽሖ መደምደምታ ምበጻሕና። የሆዋ ዝኣተዎ መብጽዓታት፡ ወትሩ ይፍጸም እዩ።—1 ነገስት 8:56፣ ኢሳይያስ 55:10, 11

መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻመታቱ ዝረኸበ መብጽዓታት፡ እንተላይ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዚፍጸም ዘሎ መብጽዓታት ሒዙ ኣሎ። ብዘይካዚ እውን፡ የሆዋ ንመጻኢ ዝኣተዎ ዜደንቕ መብጽዓታት ሒዙ ኣሎ። b ነዚ ስለምንታይ ዘይትምርምሮ፧ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባርካ፡ ነቲ ፈጻም መብጽዓታት ክትኣምኖ ኸም እትኽእል ኬእምነካ እዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ገለ ኻብቲ እያሱ ኺፍጸም ዝረኣዮ መብጽዓታት፡ ኣብዚ ተዘርዚሩ ኣሎ። የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ናቶም ምድሪ ኸም ዚህቦም ተመባጺዑሎም ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 12:7 ምስ እያሱ 11:23 ኣረኣኢ።) ካብ ግብጺ ሓራ ኸም ዜውጽኦም ተመባጺዑሎም ነይሩ እዩ። (ዘጸኣት 3:8 ምስ ዘጸኣት 12:29-32 ኣረኣኢ።) ዜድልዮም ዘበለ ኸም ዜማልኣሎም እውን ተመባጺዑሎም ነይሩ እዩ።—ዘጸኣት 16:4, 13-15 ምስ ዘዳግም 8:3, 4 ኣረኣኢ።

b ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንመጻኢና ብዚምልከት ዝኣተዎ መብጽዓታት ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 378ን ርአ።