ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

ሓደ ራስተፈርያዊ፡ ነቲ ነዊሕ ጸጕሩ ኪቘርጽን ንጸዓዱ ዝነበሮ ጽልኢ ኼወግድን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ሓደ ንነጋዶ ሓሽሽ ገንዘብ ዚእክበሎም ዝነበረ ዓመጸኛ መንእሰይ፡ ህይወቱ ኪቕይር ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ እዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ከም ዚብሉ እስከ ንርአ።

“ነቲ ንጸዓዱ ዝነበረኒ ጽልኢ እኳ ኣወገድክዎ።”—ሃፈኒ ዳማ

ዕድመ፦ 34

መበቈል ሃገር፦ ዛምብያ

ታሪኽ፦ ራስተፈርያዊ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብ ዛምብያ ኣብ ዝነበረ ሰፈር ስደተኛታት እየ ተወሊደ። ኣደይ ኣብ ናሚብያ ውግእ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካብታ ሃገር ሃደመት፡ ኣባል ውድብ ህዝቢ ደቡባዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ድማ ኰነት። እዚ ውድብ እዚ ምስቲ ሽዑ ንናሚብያ ዚገዝኣ ዝነበረ ስርዓት ደቡብ ኣፍሪቃ ይቃለስ ነበረ።

ወዲ 15 ዓመት ክሳዕ ዝኸውን፡ ኣብ እተፈላለየ ሰፈር ስደተኛታት እነብር ነይረ። ኣብቲ ውድብ ህዝቢ ደቡባዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዚቈጻጸሮ ሰፈራት ዚርከቡ ቘልዑ፡ ነቲ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ዜደንፍዕ ተግባር ንኺገብሩ ይመሃሩ ነበሩ። ፖለቲካዊ ትምህርቲ ይወሃበናን ንጸዓዱ ኽንጸልእ ይንገረናን ነበረ።

ወዲ 11 ኸለኹ፡ ኣባል እታ ኣብቲ ሰፈር ዝነበረት ናይ ሮማ ካቶሊክን ሉተራውያንን ኣንግሊካንን ካልኦትን ተኣኻኺቦም ዘቘምዋ ቤተ-ክርስትያን ክኸውን ደለኹ። እቲ ዘዘራረብክዎ ፓስተር፡ ነዚ ስጕምቲ እዚ ኸይወስድ ኣጐናደበኒ። ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር፡ ኣብ ህልውና ኣምላኽ ዘይኣምን ሰብ ኰንኩ። ወዲ 15 ምስ ኰንኩ ግን፡ በቲ ንሬጌ ሙዚቃ ዘሎኒ ፍቕርን በቲ ነቲ ኣብ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ዚወርድ ግፍዒ ንምውጋድ ዘሎኒ ባህግን ተለዓዒለ፡ ምስ ምንቅስቓስ ራስተፈርያውያን ሓበርኩ። ጸጕረይ ኣንዋሕኩ፡ ማሪዋና ኸትክኽ ጀመርኩ፡ ስጋ ምብላዕ ሓደግክዎ፡ ጸለምቲ ናጽነቶም ንኺረኽቡ ድማ ክጣበቕ ጀመርኩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ርኹስ ኣነባብራይ ኣይቀየርክዎን፡ ዓመጻ ዝመልኦ መዘናግዒ ምርኣይ ድማ ኣይሓደግክዎን። ጽዩፍ ዘረባ ኻብ ምዝራብ ከኣ ኣየቋረጽኩን።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ብ1995፡ ወዲ 20 ዓመት ኣቢለ ምስ ኰንኩ፡ ብዛዕባ ህይወተይ ኣጸቢቐ ኽሓስብ ጀመርኩ። ንዅሉ እቲ ራስተፈርያውያን ዘሕተምዎ ኽረኽቦ ዝኸኣልኩ ጽሑፋት አጽንዕ ነበርኩ። ገለ ኻብዚ ጽሑፋት ንመጽሓፍ ቅዱስ ይጠቅስ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ መግለጺታት ግን ኪርድኣኒ ኣይከኣለን። ስለዚ ድማ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከንብቦ ወሰንኩ።

ጸኒሑ፡ ሓደ ራስተፈርያዊ ዓርከይ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ መጽሓፍ ሃበኒ። ነታ መጽሓፍ፡ ባዕለይ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ እናኣረኣኣኹ ኣጽናዕኩዋ። ድሕሪ ግዜ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብኩ፡ ምሳታቶም ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቀጸልኩ።

ኣቐዲመ ግን፡ ብኽንደይ ጻዕሪ፡ ምትካኽን መስተ ምብዛሕን ሓደግክዎ። (2 ቈረንቶስ 7:1) ትርኢተይ ኣዐረኹ፡ ነቲ ነዊሕ ጸጕረይ ቈረጽክዎ፡ ስእለ-ጽዩፍን ዓመጻ ዝመልኦ ፊልምታትን ምርኣይ ሓደግክዎ፡ ጽዩፍ ዘረባ ምዝራብ ድማ ገደፍክዎ። (ኤፌሶን 5:3, 4) ኣማስያኡ፡ ነቲ ንጸዓዱ ዝነበረኒ ጽልኢ እኳ ኣወገድክዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ነዚ ለውጥታት እዚ ንምግባር፡ ነቲ ዓሌትነት ዜተባብዕ ሙዚቃ ኽጕሕፎ፡ ምስቶም ናብ ናይ ቀደም ኣነባብራይ ንኽምለስ ጽልዋ ዚገብሩለይ ናይ ቀደም ኣዕሩኸይ ዝነበረኒ ርክብ ከኣ ክበትኮ ነይሩኒ እዩ።

ነዚ ለውጥታት እዚ ምስ ገበርኩ፡ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከይደ፡ ኣባል ሃይማኖቶም ክኸውን ሓተትኩ። ሽዑ ኸኣ እዩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርሓለይ። ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ኽጥመቕ ምስ ወሰንኩ፡ ስድራ ቤተይ በዚ ኣይተሓጐሱን። ኣደይ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓዲገ፡ ዝዀነ ይኹን ካልእ ሃይማኖት “ክርስትና” ኽመርጽ ነገረትኒ። ሓደ ኣብ መንግስቲ ልዑል ስልጣን ዝነበሮ ዘመደይ፡ በቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምሕባር ዝገበርክዎ ውሳነ ብቐጻሊ ይነቕፈኒ ነበረ።

እንተዀነ ግን፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ምስ ሰባት ዝነበሮ ርክብ ስለ እተመሃርኩን ንምኽሩ ኣብ ግብሪ ስለ ዘውዓልክዎን፡ ነቲ ምጽራርን ላግጽን ከኣልክዎ። ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚምህርዎ ትምህርቲ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኸነጻጽሮ ኸለኹ፡ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዝረኸብኩ ኣመንኩ። ንኣብነት፡ ነቲ ንሰባት ኪሰብኩ እተዋህቦም መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትእዛዝ ይስዕብዎ እዮም። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:14) ኣብ ፖለቲካ ድማ ኣይኣትዉን እዮም።—መዝሙር 146:3, 4፣ ዮሃንስ 15:17, 18

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዐ ኽነብር ብምኽኣለይ፡ ግብራዊ ጥቕሚ ረኺበ እየ። ንኣብነት፡ ማሪዋና ምትካኽ ብምሕዳገይ፡ ኣብ ወወርሒ ኣማእታት ዶላራት ንኸየባኽን ሓጊዙኒ እዩ። ኣቐዲሙ ዝነበረኒ ናይ ምህትፍታፍ ጸገም ሓደገኒ፡ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕናይ እውን ተመሓየሸ።

ሕጂ ህይወተይ፡ ከምቲ ኻብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ዝምነዮ ዝነበርኩ፡ ኣንፈትን ዕላማን ኣለዋ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ንኣምላኽ ክቐርቦ ኸም ዝኸኣልኩ ይስምዓኒ እዩ።—ያእቆብ 4:8

“ቍጥዓይ ምቍጽጻር ክኢለ እየ።”—ማርቲኖ ፐድረቲ

ዕድመ፦ 43

መበቈል ሃገር፦ ኣውስትራልያ

ታሪኽ፦ ነጋዳይ ሓሽሽ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብ ግዜ ቝልዕነተይ፡ ወለደይ ዓሰርተ ሳዕ ዓዲ ይቐያይሩ ነበሩ። ኣብ ንኣሽቱን ዓበይትን ከተማታት፡ ከምኡውን ንእተወሰነ እዋን ኣብ ገጠር ኣብ ዚርከብ ሚስዮን ኣቦርጅን እነብር ነይረ እየ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ምስ ኣኮታተይን ደቂ ኣኮታተይን ዓሳ ኣብ ምግፋፍ፡ ኣብ ምህዳን፡ ደቀባት ዚሰርሕዎ ነገራት ኣብ ምስራሕ፡ ከምኡውን ካልእ ነገራት ኣብ ምቕራጽ ዘሕለፍክዎ ጽቡቕ ተዘክሮታት ኣሎኒ።

ኣቦይ ተጓሳጣይ እዩ ነይሩ፣ ካብ ግዜ ቝልዕነተይ ኣትሒዙ ድማ ብኸመይ ከም ዝቃለስ ኪምህረኒ ጀመረ። ዓመጻ ኽፍሊ ህይወተይ ኰነ። ምስ ኰተትኩ፡ መብዛሕትኡ ግዜይ ኣብ ቤት መስተ እናሰተኹ አሕልፎ ነበርኩ። ኣነን ኣዕሩኸይን ባእሲ ኽንፈጥር ንደሊ ነበርና። ካራሩን ኣባትርን ጌርና ን20 ዚኣኽሉ ሰባት ነጥቅዕ ነበርና።

ሓሽሽን ሰራሕተኛታት መዐሸጊ መራኽብ ዝሰረቕዎ ኣቕሑን እናሸጥኩ ገንዘብ እረክብ ነበርኩ። ንሰባት ብጠበንጃን ሽጉጥን ገይረ እናኣፈራራህኩ፡ ንነጋዶ ሓሽሽ ገንዘብ እእክበሎም ነበርኩ። ሸቶይ ቀታል ነፍሲ ምዃን እዩ ነይሩ። ‘ቅተል ወይ ተቐተል’ ዚብል ጭርሖ ነይሩኒ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ብግዜ ንእስነተይ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰሚዐ ነይረ። ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድመይ ከለኹ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣበይ ከም ዚርከቡ ትፈልጥ እንተ ዀይና ንኣደይ ክሓታ ትዝ ይብለኒ። ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ፡ ዲክሰን ዝስሙ ናይ የሆዋ ምስክር ማዕጾና ዃሕኵሐ። ንእተወሰነ እዋን ድሕሪ ምዝርራብና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ዚገብርዎ ኣኼባ ዓደመኒ። ናብቲ ኣኼባ ኸድኩ፣ ክሳዕ ሕጂ ንልዕሊ 20 ዓመት ከኣ ናብቲ ኣኼባታት ምኻድ ኣየቋረጽኩን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዅሉ እቲ ዝነበረኒ ሕቶታት ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም መለሱለይ።

የሆዋ ብውልቀ-ሰባት፡ እንተላይ በቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት፡ ከም ዚግደስ ምፍላጠይ ኣሐጐሰኒ። (2 ጴጥሮስ 3:9) ካልኦት ኪሓድጉኒ ኸለዉ እውን ከይተረፈ፡ ንሱ ወትሩ ዚከናኸነኒ ፈቃር ኣቦ ምዃኑ ፈለጥኩ። መገድታተይ እንተ ቐዪረ፡ ሓጢኣተይ ይቕረ ኸም ዚብለለይ ምፍላጠይ እውን እፎይታ ዀነኒ። እታ ኣብ ኤፌሶን 4:22-24 እትርከብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጥቕሲ፡ ንዓይ ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲራትለይ እያ። እታ ጥቕሲ ነቲ “ኣረጊት ሰብ” ቀንጢጠ፡ “ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ” ክለብስ ኣተባቢዓትኒ እያ።

ህይወተይ ንክቕይር ግዜ ኣድልዩኒ እዩ። ኣብ መንጎ ሰሙን ሓሽሽ ከይወሰድኩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ምስ ኣዕሩኸይ ክኸውን ከለኹ፡ ሓሽሽ እወስድ ነበርኩ። ህይወተይ ክልውጥ እንተ ደልየ፡ መዋዕልተይ ክቕይር ከም ዘሎኒ ስለ ዘስተውዓልኩ፡ ናብ ካልእ ዞባ ኽግዕዝ ወሰንኩ። ገሊኦም ኣዕሩኸይ ኣብ ጕዕዞይ ከሰንዩኒ ምስ ሓተቱኒ፡ ሕራይ በልክዎም። እናተጐዓዝና ኸለና፡ ማሪዋና ኼትክኹ ጀመሩ፡ ንዓይ እውን ጋበዙኒ። ሕማቕ ኣመላተይ እሓድጎ ኸም ዘለኹ ነገርክዎም፡ ኣብ ዶብ እቲ ዞባ ምስ በጻሕና ድማ ተፈላለና። ኣዕሩኸይ ካባይ ምስ ተፈልዩ ነዊሕ ከይጸንሑ፡ ብጠበንጃ ገይሮም ባንክ ከም ዝዘረፉ፡ ኣብ ካልእ ግዜ ሰማዕኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ምስቶም ብጾተይ ዝነበረኒ ምቅርራብ ምስ በተኽክዎ፡ ኣብ ህይወተይ ዜድሊ ለውጢ ምግባር ዝቐለለ ዀነለይ። ብ1989 ተጠሚቐ ናይ የሆዋ ምስክር ኰንኩ። ድሕሪ ጥምቀተይ፡ ሓብተይን ኣደይን ኣቦይን ምሳይ ሓቢሮም ንየሆዋ ኼገልግሉ ጀመሩ።

ሕጂ ኻብ ዝምርዖ 17 ዓመት ገይረ ኣለኹ፡ ሰለስተ ባህ ዜብሉ ውሉዳት ከኣ ኣለዉኒ። ዜቘጥዕ ነገር ኣብ ዜጋጥመኒ እዋን እኳ እንተ ዀነ፡ ቍጥዓይ ምቍጽጻር ክኢለ እየ። ካብ ኵሎም ‘ዓሌታትን ቋንቋታትን’ ንዝመጹ ሰባት ከፍቅር ክኢለ እየ። (ራእይ 7:9) ቃላት የሱስ ኣባይ እተፈጸመ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። የሱስ፡ “ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም። ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ኢሉ እዩ።—ዮሃንስ 8:31, 32

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ለውጥታት ንምግባር፡ ነቲ ዓሌትነት ዜተባብዕ ሙዚቃ ኽጕሕፎ ነይሩኒ እዩ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣነን ኣዕሩኸይን ባእሲ ኽንፈጥር ንደሊ ነበርና። ካራሩን ኣባትርን ጌርና ን20 ዚኣኽሉ ሰባት ነጥቅዕ ነበርና