ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ሰማይ እቲ ሓቂ ንምፍላጥ ዚግበር ጻዕሪ

ብዛዕባ ሰማይ እቲ ሓቂ ንምፍላጥ ዚግበር ጻዕሪ

ብዛዕባ ሰማይ እቲ ሓቂ ንምፍላጥ ዚግበር ጻዕሪ

ናብ ሰማይ ምኻድ ዚብልዎ ሓሳብ ክሳዕ ክንደይ ኣቓልቦ ዚስሕብ ኰን እዩ! ሰዓብቲ እምነት ምስልምና፡ ሂንዱነት፡ ቡድህና፡ ኣባላት ኣብያተ-ክርስትያን ህዝበ-ክርስትና፡ ከምኡውን ብዙሓት ኣብ ሃይማኖት ተገዳስነት ዘይብሎም ሰባት፡ ድሕሪ ሞት ብህይወት ናይ ምንባር ተስፋ ኸም ዘሎ ይኣምኑ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰማይ፡ ካብ መከራ ዕረፍቲ ዚርከበሉን ምስቶም “ብሞት እተፈልዩና እነፍቅሮም ሰባት” እንደገና እንራኸበሉን ውቁብ ከምኡውን ባህ ዜብል ቦታ ኸም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚግለጽ። ኰይኑ ግን፡ ንመብዛሕትኦም ደቂ ሰብ ብዚምልከት፡ እቲ፡ “ኵሉ ሰብ ናብ ሰማይ ኪኸይድ ይደሊ፡ ናብኡ ንምኻድ ኪመውት ዚደሊ ግን የልቦን” ዚብል ብሂል ሓቅነት ኣለዎ። ስለምንታይ፧

እተፈጠርናሉ ምኽንያት፡ ሞይትና ናብ ሰማይ ክንከይድ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ ቘልዓ ንኺዓቢ ዚህንጠ ወይ ከኣ ሓደ መንእሰይ ንኺምርዖ ዚምነ፡ ሓያሎ ሰባት ብሃንቀውታ ኣይምተጸበይዎንዶ፧ ኰይኑ ግን፡ ብዙሓት ሰባት ኪሞቱ ኣይደልዩን እዮም።

ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ሰበኽቲ፡ ንእተወሰነ እዋን ኣብዛ ምድሪ ድሕሪ ምጽናሕና ናብ ሰማይ ከም እንኸይድ እዮም ዚገልጹ። ንኣብነት፡ ሊቀ-ጳጳሳት ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ዝነበረ ቴዶር ኤድገር ካርዲናል ማክካሪክ፡ “ኣብ ምድሪ ኽንነብር ዘይኰነስ፡ ናብ ሰማይ ክንከይድ ኢና ተፈጢርና” በለ። ብተመሳሳሊ፡ ፕረዚደንት ሃገራዊ ማሕበር ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ሕ.መ.ኣ. ዝነበረ ሰብኣይ፡ “ዕላማ ህይወትና፡ ንኣምላኽ ክብሪ ኽንህቦን ናብ ሰማይ ክንከይድን እዩ፣ . . . ምኽንያቱ፡ ሰማይ እዩ ቤትና” በለ።

እቶም ድሕሪ ሞት ብህይወት ከም እንነብር ዚኣምኑ ሰባት፡ እኹል መርትዖ የብሎምን። ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ርእይቶታት ምርምር ኣብ እትገብር ሓንቲ ትካል ፕረዚደንት ዝዀነ ጆርጅ ባርን ከም ዝሓበሮ፡ ብዙሓት ሰባት “ኣብ ከም ፊልምታትን ሙዚቃን መጻሕፍትን ዝኣመሰለ እተፈላለየ ምንጭታት ተመርኲሶም እዮም ነቲ ብዛዕባ ህይወትን ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወትን ዚገልጽ ኣረኣእያ” ዚቕበሉ። ብዘይካዚ፡ ሓደ ኣብ ፍሎሪዳ ዚነብር ፓስተር ኤጲስቆጶሳዊት ቤተ-ክርስትያን፡ “ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ከም ዚነብር እንተ ዘይኰይኑ፡ ብዛዕባ ሰማይ እንፈልጦ የልቦን” በለ።

ይኹን እምበር፡ ሰማይ ሓደ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ኣገዳሲ ርእሰ-ነገር እዩ። ብመሰረት ቃል ኣምላኽ፡ ሰማይ ከመይ ይመስል፧ ሰብ ናብ ሰማይ ኪኸይድ ድዩ ተፈጢሩ፧ ሰባት ናብ ሰማይ ዚኸዱ እንተ ዀይኖም፡ ኣብኡ እንታይ እዮም ዚገብሩ፧

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ብዙሓት ሰባት ናብ ሰማይ ኪኸዱ እናደለዩ ኽነሶም፡ ናብኡ ንምኻድ ኪሞቱ ዘይደልዩ ስለምንታይ እዮም፧