ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ምሉእ ታሪኽ ይነግረና ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ምሉእ ታሪኽ ይነግረና ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ምሉእ ታሪኽ ይነግረና ድዩ፧

የሱስ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፡ ኣብ ጐልጎታ ኣብ ክንዲ ዚመውት፡ ብድሕሪኡ ብህይወት ጸኒሑ ደዀን ይኸውን፧ ምናልባት ንማርያም መግደላዊት ተመርዕዩ፡ ካብኣ ውሉዳት ወሊዱ ደዀን ይኸውን፧ ወይ ከኣ ንዅሉ ምድራዊ ህይወት ዜምጽኦ ተድላ ሓዲጉ ዚነብር ዝነበረ መናኒ ዀይኑ ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ እተፈልየ ትምህርትታት ምሂሩ ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧

ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ብሰንኪ ህቡብ ፊልምታትን ልቢ ወለዳትን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ግምታት ኣስፋሕፊሑ ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ ምህዝ ኣቢልካ እተዳለወ ልቢ ወለዳት፡ ኣብቲ ብዛዕባ የሱስ ኣብ ወንጌላት ዘይርከብ ሓቅታት ከም ዚገልጽ ዚዝረበሉ፡ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት ዘተኰረ ሓያሎ መጻሕፍትን ዓንቀጻትን ይወጽእ ኣሎ። እዚ ኺእመን ዚከኣል ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ምሉእን ሓቀኛን ታሪኽ ከም ዚነግረና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ዲና፧

ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ፡ ሰለስተ መሰረታዊ ነገራት ምምርማርና ኺጠቕመና ይኽእል እዩ። ቀዳማይ፡ ብዛዕባ እቶም ንወንጌል ዝጸሓፉ ሰባትን ዝጸሓፉሉ ግዜን ኣገዳሲ ሓበሬታ ኽንፈልጥ ኣሎና፣ ካልኣይ፡ ንቐኖና ቕዱሳት ጽሑፋት መን ከም ዘቘሞን ብኸመይ ከም ዝቘመን ክንፈልጥ ኣሎና፣ ሳልሳይ፡ ብዛዕባ ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋትን ካብ ቀኖናዊ ጽሑፋት ብኸመይ ከም ዚፍለን ብእተወሰነ ደረጃ ኽንፈልጥ ኣሎና። a

ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ መዓስን ብኸመይን ተጻሒፉ፧

ብመሰረት ገሊኡ ምንጭታት፡ ወንጌል ማቴዎስ ካብቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ሸሞንተ ዓመት ጥራይ ጸኒሑ፡ ማለት ብ41 ድ.ክ. ከም እተጻሕፈ እዩ ዚእመነሉ። ብዙሓት ምሁራት ካብዚ ድሒሩ ኸም እተጻሕፈ ዚኣምኑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኵሉ መጻሕፍቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ከም እተጻሕፈ፡ ዳርጋ ዅሎም ይሰማምዑሉ እዮም።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንህይወትን ሞትን ትንሳኤን የሱስ ብዓይኖም ርእዮም ዚምስክሩ ሰባት ብህይወት ነይሮም እዮም፣ ነቲ ኣብ ወንጌል እተጻሕፈ ጸብጻባት ከኣ ኬረጋግጽዎ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ዝዀነ ይኹን ጌጋ እንተ ዚኣቱ ነይሩ፡ ብቐሊሉ ኼቃልዕዎ ምኸኣሉ ነይሮም። ፕሮፌሰር ፍረደሪክ ኤፍ. ብሩስ፡ “ሓደ ኻብቲ ኣብቲ በዅሪ ስብከት ሃዋርያት ዝነበረ ሓያል ነጥብታት፡ ንፍልጠት ሰማዕቶም ብምትእምማን ዚማርኹ ምንባሮም እዩ፣ ‘ነዚ ንሕና መሰኻኽር ኢና’ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ‘ባዕላትኩም ከም እትፈልጥዎ’ እውን ይብሉ ነይሮም እዮም (ግብሪ ሃዋርያት 2:22)” በለ።

ጸሓፍቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ መን እዮም ነይሮም፧ ገለ ኻባታቶም፡ ካብቶም 12 ሃዋርያት የሱስ እዮም ነይሮም። እዚኣቶም ኰኑ ኸም ያእቆብን ይሁዳን ምናልባት እውን ማርቆስ ዝኣመሰሉ ኻልኦት ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ እተመስረተትሉ እዋን፡ ኣብኡ ነይሮም እዮም። ጳውሎስ ኰነ ዅሎም ካልኦት ጸሓፍቲ፡ ምስቲ ኣብታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዜገልግል ዝነበረ ብሃዋርያትን ሽማግለታት የሩሳሌምን ዝቘመ ናይ መጀመርታ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ናይ ቀረባ ርክብ ነበሮም።—ግብሪ ሃዋርያት 15:2, 6, 12-14, 22፣ ገላትያ 2:7-10

የሱስ ንሰዓብቱ፡ ነቲ ንሱ ዝጀመሮ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮ ኪቕጽልዎ መዚዝዎም እዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) “ንኣኻትኩም ዚሰምዕ ንኣይ ይሰምዕ” እውን ኢሉ እዩ። (ሉቃስ 10:16) ብዘይካዚ፡ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ወይ ንጡፍ ሓይሊ ኸም ዚህቦምን ነቲ ዕዮ ንምዕያይ ዜኽእሎም ሓይሊ ኸም ዚረኽቡን እውን ተመባጺዑሎም እዩ። ስለዚ፡ ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ከም እተባረኹ ብንጹር መርትዖ ዘርኣዩ ሃዋርያት ኰኑ ምስኦም ዚቀራረቡ መዓይይቶም ጽሑፋት ምስ ጸሓፉ፡ ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ መጻሕፍቲ ዜተኣማምን ከም ዝዀነ ገይሮም ምቕባሎም ዜገርም ኣይኰነን።

ገሊኦም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ኸማታቶም ዝኣመሰሉ ጸሓፍቲ ዚጸሓፍዎ ጽሑፋት ዜተኣማምንን ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈን ምዃኑ መስኪሮም እዮም። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ነተን ጳውሎስ ዝጸሓፈን መልእኽትታት ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ምስቲ “ኻልእ [ቅዱሳት] ጽሑፋት” ብማዕረ ሰሪዕዎ ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 3:15, 16) ጳውሎስ እውን ብግዲኡ፡ ሃዋርያትን ካልኦት ክርስትያን ነብያትን ብመንፈስ ኣምላኽ ከም እተደረኹ ገሊጹ ኣሎ።—ኤፌሶን 3:5

እምበኣር፡ እቲ ወንጌል ሒዝዎ ዘሎ ጸብጻባት ዜተኣማምን ከም ዝዀነ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ኣፈ-ታሪኽን ጽውጽዋያትን ኣይኰነን። ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣብ ዝሃብዎ ምስክርነት ተመርኲስካ፡ ብጥንቃቐ እተመዝገበ ታሪኽ እዩ፣ እቶም ጸሓፍቱ ድማ በቲ ቕዱስ መንፈስ ኣምላኽ ተደሪኾም እዮም ጽሒፎምዎ።

ንቐኖና መን ሓርይዎ፧

ቀኖና ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ ዘመናት ጸኒሑ በታ ኣብ ትሕቲ ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ ስልጣን ዝነበራ ቤተ-ክርስትያን ከም እተሓርየ፡ ገሊኦም ደረስቲ ይገልጹ እዮም። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኰነን።

ንኣብነት፡ ናይ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ፕሮፌሰር ኰይኑ ዚዓዪ ኦስካር ስካርሳውን ከምዚ በለ፦ “ኣየናይ ጽሑፋት ኣብ ሓድሽ ኪዳን ከም ዚጠቓለልን ኣየናይ ከም ዘይጠቓለልን፡ ብዝዀነ ይኹን ዋዕላ ቤተ-ክርስትያን ወይ ውልቀ-ሰብ ኣይተወሰነን፡ . . . እቲ መለክዒ ኸኣ ቅሉዕን ርትዓውን እዩ ነይሩ፦ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ እሞ ብሃዋርያት ወይ ብመዓይይቶም እተጻሕፈ ጽሑፋት ኪኸውን ነይርዎ። ጸኒሑ እተጻሕፈ ኻልእ ጽሑፋት፡ መልእኽትታት፡ ወይ ‘ወንጌላት’ . . . ኣብኡ ኣይተጠቓለለን። እዚ መስርሕ እዚ፡ ቅድሚ ቆስጣንጢኖስን ቅድሚ ቤተ-ክርስትያን ስልጣን ምምስራታን ነዊሕ ኣቐዲሙ እዩ ተፈጺሙ። ሓድሽ ኪዳን ዝሃበትና፡ ቤተ-ክርስትያን ሰማእታት ደኣ እያ እምበር፡ ቤተ-ክርስትያን ስልጣን ኣይኰነትን።”

ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ መጽናዕቲ ዚገብር ሓጋዚ ፕሮፌሰር ከን ብርዲንግ፡ ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ቐኖና ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ሓሳብ ሃበ፦ “እታ ቤተ-ክርስትያን ባዕላ ዝሓረየቶ ቐኖና ኣይኰነን ኣቚማ፣ የግዳስ፡ ነቲ ክርስትያናት ከም ዜተኣማምን ቃል ኣምላኽ ገይሮም ዝረኣይዎ መጻሕፍቲ ተቐቢላቶ እዩ ኺበሃል ዚግባእ።”

እንተዀነ ግን፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ትሑታት ክርስትያናት ጥራይ ድዮም ነቲ ቐኖና ሓርዮምዎ፧ ኣብቲ ንምሕራይ እተገብረ መስርሕ፡ ሓደ ኣዝዩ ኣገዳስን ሓያልን ነገር እጃም ከም ዝነበሮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ።

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ቀዳሞት ዓሰርተታት ዓመታት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበረ ተኣምራዊ ውህበት መንፈስ፡ “ምልላይ መናፍስቲ” እዩ ነይሩ። (1 ቈረንቶስ 12:4, 10) ስለዚ፡ ገሊኦም ሽዑ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ኣብ መንጎ እቲ ብሓቂ ብመንፈስ ኣምላኽ እተዘርበ ዘረባን ካብዚ ወጻኢ ዝዀነ ዘረባን ናይ ምልላይ ልዕለ-ሰብኣዊ ኽእለት ነይርዎም ማለት እዩ። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቓሊሉ ዘሎ ቕዱሳት ጽሑፋት፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ኸም ዝዀነ ጌርካ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ኺተኣማመኑ ይኽእሉ እዮም።

እምበኣር፡ እቲ ቐኖና፡ ብኣጋኡ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ እዩ ቘይሙ። ካብ ዳሕረዋይ ክፋል ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ንደሓር፡ ገሊኦም ጸሓፍቲ ብዛዕባ ቐኖናውነት መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳብ ሂቦም እዮም። እዞም ጸሓፍቲ እዚኣቶም ግን፡ ቀኖና ኣየቘሙን፣ የግዳስ፡ ነቲ ኣምላኽ በቶም ብመንፈሱ እተመርሑ ተወከልቱ ገይሩ እተቐበሎ እዮም መስኪሮምሉ።

ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፋት እውን፡ ነቲ ሎሚ ብሓፈሻ ቕቡል ጌርካ ዚርአ ቐኖና ዚድግፍ ሓያል መርትዖ የቕርብ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ በቲ በዅሪ ቛንቋ እተጻሕፈ፡ ልዕሊ 5,000 ኢደ-ጽሑፋት ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ኣሎ፣ ገለ ኻብኡ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ዘመን እተጻሕፈ እዩ። ኣብ ቀዳሞት ዘመናት ድ.ክ. ዜተኣማምን ጌርካ ዚርአ ዝነበረን ብተደጋጋሚ ተቐዲሑ ዚዝርጋሕ ዝነበረን፡ እዚ ጽሑፋት እዚ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት ኣይኰነን።

ይኹን እምበር፡ ንቐኖናውነት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ መረጋገጺ፡ ውሽጣዊ መርትዖ እዩ። ቀኖናዊ ጽሑፋት ምስቲ ኣብ ዝተረፈ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ‘ምሳሌ ጥዑይ ቃል’ ይሰማማዕ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 1:13) ንኣንበብቲ፡ ንየሆዋ ንኼፍቅርዎን ንኼምልኽዎን ንኼገልግልዎን ይምሕጸኖም፡ ካብ ማሪትን ኣጋንንታዊ ተግባራትን ኣምልኾ ፍጥረትን ከኣ የጠንቅቖም እዩ። ታሪኻዊ ልክዕነቱ ዝሓለወን ናይ ሓቂ ትንቢት ዝሓዘን እዩ። ንኣንበብቲ ኸኣ፡ ንብጻዮም ኬፍቅሩ እዩ ዜተባብዖም። ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ተጠቓሊሉ ዘሎ መጻሕፍቲ፡ በዚ ኸምዚ እዩ ዚልለ። ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋትከ ነዚ ብቕዓታት እዚ የማልኦ ድዩ፧

ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት እተፈልየ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት ካብ ቀኖናዊ ጽሑፋት ኣመና እተፈልየ እዩ። እዚ ኣቡኸሪፋዊ መጻሕፍቲ እዚ፡ ካብ መፋርቕ ካልኣይ ዘመን ኣትሒዙ፡ ማለት ካብ ቀኖናዊ ጽሑፋት ብዙሕ ደንጕዩ እዩ ተጻሒፉ። ብዛዕባ የሱስን ክርስትናን ዚገልጾ ታሪኽ፡ ምስቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቕዱሳት ጽሑፋት ኣይሰማማዕን እዩ።

ንኣብነት፡ እቲ ኣቡኸሪፋዊ ወንጌል ቶማስ፡ የሱስ ንማርያም ናብ መንግስተ ሰማይ ምእንቲ ኽትኣቱ ኢሉ ናብ ወዲ ተባዕታይ ኪቕይራ ምዃኑን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜደንጹ ነገራትን ከም እተዛረበ ገይሩ ይገልጾ እዩ። ብዘይካዚ እውን፡ ወንጌል ቶማስ ንየሱስ፡ ቈልዓ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንኻልእ ቈልዓ ደይ መደይ ኢሉ ዝቐተለ ሕሱም መንፈስ ከም ዝነበሮ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። እቲ ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት ዝዀነ ግብሪ ጳውሎስን ግብሪ ጴጥሮስን ከኣ፡ ሰባት ካብ ጾታዊ ርክብ ፈጺሞም ኪቝጠቡ ኸም ዘለዎም የጕልሕ፣ ሃዋርያት ንኣንስቲ ኻብ ሰብኡተን ኪፍለያ ይምሕጸኑ ኸም ዝነበሩ ድማ ይገልጽ። ኣቡኸሪፋዊ ወንጌል ይሁዳ እውን፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብ መኣዲ ናብ ኣምላኽ ብምጽላዮም ከም ዝሰሓቖም ይገልጽ። እዚ ሓሳባት እዚ፡ ምስቲ ኣብ ቀኖናዊ መጻሕፍቲ ዚርከብ ኣይሰማማዕን እዩ።—ማርቆስ 14:22፣ 1 ቈረንቶስ 7:3-5፣ ገላትያ 3:28፣ እብራውያን 7:26

ሓያሎ ኻብቲ ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት፡ እምነት እቶም ግኖስቲክ ዚበሃሉ ሰባት እዩ ዜንጸባርቕ። ንሳቶም፡ እቲ ፈጣሪ ዝዀነ የሆዋ፡ ሕያዋይ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ገይሮም ይኣምኑ ነበሩ። ትንሳኤ ቓል ብቓሉ ኸም ዘይተፈጸመ፡ ኵሉ ስጋ እኩይ ምዃኑ፡ ሰይጣን ምንጪ መውስቦን ምፍራይን ምዃኑ እውን ይኣምኑ ነበሩ።

ሓያሎ ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዚርከቡ ሰባት ከም ዝጸሓፍዎ ዜምስል እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ግን ሓሶት እዩ። እዚ መጻሕፍቲ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኸይጠቓለል ውዲት ተኣሊሙ ድዩ፧ ሞንታጒ ሮደስ ጄምስ ዝስሙ ኽኢላ ኣቡኸሪፍ፡ ነቲ ጽሑፋት እቲ፡ “ዋላ ሓደ ኻብ ሓድሽ ኪዳን ከም ዘየወገዶ ዜተሓታትት ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ባዕሉ እዩ ተወጊዱ” በለ።

ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዚመጽእ ክሕደት ኣጠንቂቖም

ኣብ ቀኖናዊ ጽሑፋት፡ ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንክርስትያናዊት ጉባኤ ዜበላሽዋ ኽሕደት እተዋህበ መጠንቀቕታ ብተደጋጋሚ ንረክብ ኢና። እቲ ኽሕደት እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ጀሚሩ እኳ እንተ ነበረ፡ ሃዋርያት ግን ከየስፋሕፍሕ ከልኪሎምዎ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:30፣ 2 ተሰሎንቄ 2:3, 6, 7፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:1-3፣ 2 ጴጥሮስ 2:1፣ 1 ዮሃንስ 2:18, 19፣ 4:1-3) እዚ መጠንቀቕታታት እዚ፡ ምስ ትምህርትታት የሱስ ዚጋጮ ጽሑፋት፡ ድሕሪ ሞት ሃዋርያት ብብዝሒ እተጻሕፈሉ ምኽንያት ንኽንርዳእ የኽእለና።

ገሊኡ ሰነዳት ንገሊኦም ምሁራትን ጸሓፍቲ ታሪኽን፡ ጥንታውን ክቡርን ኰይኑ ይረኣዮም ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕስብ ኣብለሉ፦ ሓደ ምሁር፡ ኣብዚ ግዜና እተሓትመ በላበለው ዝሓዘ መጽሔታትን ጥሩፋት ሃይማኖታት ዝጸሓፍዎ ጽሑፋትን ጠርኒፉ፡ ኣብ ስቱር ቦታ የቐምጦ ንበል። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ እዚ ጽሑፋት እዚ ሓቀኛን ዜተኣማምንን ይኸውን ድዩ፧ ድሕሪ 1,700 ዓመት፡ እቲ ሰነዳት ጥንታዊ ስለ ዝዀነ ጥራይ፡ እቲ ኣብቲ ወረቓቕቲ ዘሎ ሓሶትን ሃተውቀጠውን ሓቂ ይኸውን ድዩ፧

ከቶ ኣይከውንን እዩ! እቲ የሱስ ንማርያም መግደላዊት ተመርዕይዋ ዚብል ኰነ ኻልእ ኣብ ኣቡኸሪፋዊ መጻሕፍቲ ዚርከብ ሃተውተው እውን፡ ከምኡ እዩ። ዜተኣማምን መጻሕፍቲ ኣብ ኢድና ኸሎና፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ምንጭታት ስለምንታይ ንኣምን፧ ኵሉ እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ወዱ ኽንፈልጦ ዚደልየና ነገራት፡ ኣብቲ ኽንተኣማመነሉ እንኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እታ “ቐኖና” እትብል ቃል፡ ነቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተመልክት። ቀኖናዊ ኸም ዝዀነ ብሓፈሻ ተቐባልነት ዝረኸበ 66 መጻሕፍቲ ኣሎ፣ እዚ ድማ ዘይንጸልን ኣድላይን ክፍሊ ቓል ኣምላኽ እዩ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ህይወት የሱስ ጽሑፋት እቲ ብግሪኽኛ እተዳለወ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት

2 ቅ.ክ. 33 ድ.ክ. 41 98 130 300

[ምንጪ ስእሊ]

Kenneth Garrett/National Geographic Image Collection

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ሃዋርያ ጳውሎስ እተፈላለየ ተኣምራት ገይሩ፡ ሰብ እውን ከይተረፈ ኣተንሲኡ እዩ፣ እዚ ድማ ንሱን ጽሑፋቱን ደገፍ መንፈስ ኣምላኽ ከም ዝነበሮ ዚሕብር ሓያል መርትዖ እዩ