ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን—መዓስ፧

ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን—መዓስ፧

ፍሉይ ህዝባዊ መደረ

ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን—መዓስ፧

ንኣሽሓት ዓመታት፡ ደቂ ሰብ ሰላምን ደሓንን ኪረኽቡ ጽዒሮም እዮም። ኰይኑ ግን፡ ናይ ሓቂ ሰላም ኪረኽቡ ኣይከኣሉን። ስለምንታይ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰላም ምርካብ ኣጸጋሚ ዝዀነሉ ኽልተ መሰረታዊ ምኽንያታት ይህበና እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ናይ ሓቅን ነባርን ዓለምለኻዊ ሰላምን ደሓንን ከም እተመባጽዓሎም ይገልጸልና እዩ።

እዚ ሰላምን ደሓንን፡ መዓስን ብኸመይን እዩ ዚርከብ፧ ነዚ በረኸት እዚ ንኽትረኽቦኸ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ኣብቲ፡ “ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን—መዓስ፧” ዘርእስቱ ህዝባዊ መደረ መልሲ ኺወሃበለን እዩ። እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መደረ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ኪቐርብ እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት፡ ኣብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሰንበት 18 ሚያዝያ 2010 እዩ ዚቐርብ። ኣብ ከባቢኻ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጕሶም እቲ መደረ ዚቐርበሉ ሰዓትን ኣድራሻን ኪነግሩኻ እዮም። ኣብኡ ንኽትእከብ ብኽብሪ ንዕድመካ።