መበለታትን ኣንስቶም ዝሞታኦም ሰብኡትን እንታይ የድልዮም፧ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧
መበለታትን ኣንስቶም ዝሞታኦም ሰብኡትን እንታይ የድልዮም፧ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧
ዢን ምግቢ ኽትበልዕ ምስ ደለየት፡ ኣብታ ሕልምልም እትብል ክሽነኣ፡ ብያትታት ሰርዐት። ብሃንደበት፡ ኣዒንታ ኣብተን ኣብ ቅድሚኣ ዘለዋ ኽልተ ብያትታት ምስ ኣተኰራ፡ ዝርንዛሕ ነብዐት። ብልምዲ ንኽልተ ሰብ እያ ኣዳልያ። እተፍቅሮ ሰብኣያ ኻብ ዚዓርፍ፡ ክልተ ዓመት ሓሊፉ ነበረ።
ሞት መጻምድቲ ዜስዕቦ ኸቢድ ሓዘን፡ ዘይጠዓሞ ኺርድኦ ኣይክእልን እዩ። ከም ሓቂ፡ ኣእምሮ ነዚ ዜሕዝን ነገር ቀልጢፉ ኣይቅበሎን እዩ። በሪል እትበሃል 72 ዓመት ዝዕድሚኣ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ብሃንደበት ሙማቱ ኽትቅበሎ ኣይከኣለትን ነይራ። “ሓቂ ዀይኑ ኣይተሰምዓንን። ደጊም ናብ ቤቱ ኸም ዘይመጽእ ክኣምን ኣይከኣልኩን” በለት።
ገሊኦም ሰባት እግሮም ወይ ኢዶም ምስ ተቘርጹ፡ ሓድሓደ ግዜ እታ እተቘርጸት እግሮም ወይ ኢዶም ከም ዘላ ዀይኑ “ይስምዖም” እዩ። ብተመሳሳሊ፡ መጻምድቶም ዝሞትዎም ሰባት፡ ኣብ መንጎ ብዙሓት ሰባት፡ እቲ ዝሞቶም ሰብ “ይረኣዮም” እዩ፣ ወይ ከኣ ከየስተውዓሉ ንዝሞተ መጻምድቶም ይዛረብዎ እዮም።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ፈተውትን ስድራ ቤትን እንታይ ከም ዚገብሩ ኣይፈልጡን እዮም። መጻምድቱ ዝሞቶ ሰብ ትፈልጥዶ፧ ብኸመይ ክትድግፎ ትኽእል፧ ንመበለታትን ኣንስቶም ንዝሞታኦም ሰብኡትን ኣብ ሓዘኖም ንምድጋፍ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ በብቝሩብ ንህይወት ንኼስተማቕርዋ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧
ክትገብሮ ዘይግባእ ነገራት
ፈተውትን ስድራ ቤትን በቲ ንዚፈትውዎ ሰቦም ዝወረዶ ሓዘን ኪሓዝኑን ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሶም ሓዘኑ ኼሕጽሩሉ ኺፍትኑን ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ሓደ ኣብ 700 መበለታትን ኣንስቶም ዝሞትኦም ሰብኡትን ዘፍጥረት 37:34, 35፣ እዮብ 10:1።
መጽናዕቲ ዝገበረ ተመራማሪ፡ “‘ግቡእ’ ንውሓት ሓዘን ክንድዚ ተባሂሉ ኺውሰን ኣይከኣልን እዩ” በለ። ስለዚ፡ ነቲ መጻምድቱ ዝሞቶ ሰብ ከም ዘይበኪ ንምግባር ኣብ ክንዲ እትጽዕር፡ ሓዘኑ ኺወጸሉ ግዜ ሃቦ።—ምስ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣብ እተተሓሓዘ ጕዳይ ምሕጋዝካ ግቡእ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ንዅሉ እቲ ምስ ቀብሪ እተተሓሓዘ ጕዳያት ምሉእ ብምሉእ ክትቈጻጸሮ ኸም ዘሎካ ዀይኑ ኣይሰማዕካ። ፖል ዚበሃል 49 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰበይቱ ዝሞተቶ ሰብኣይ፡ “እቶም ናይ ሓቅን ግብራውን ሓገዝ ኪህቡ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት፡ ነቲ ስነ-ስርዓት ክቈጻጸሮ ብምፍቃዶም፡ ጽቡቕ እዮም ገይሮም። ስነ-ስርዓት ቀብሪ ሰበይተይ ብጽቡቕ ምክያዱ ንዓይ ዓብዪ ትርጕም ነይርዎ። ንሰበይተይ ክገብረላ ዝኽእል ናይ መወዳእታ ነገር ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ” በለ።
ልክዕ እዩ፡ መጻምድቶም ዝሞቶም ብዙሓት ሰባት እተወሰነ ሓገዝ ምርካቦም የማስዉሉ እዮም። ኣይሊን ዝስማ ጓል 68 ዓመት መበለት፡ “ኣብቲ ግዜ እቲ ብልክዕ እሓስብ ስለ ዘይነበርኩ፡ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ምድላውን ዕዮ ወረቐት ምዕያይን ከቢዱኒ ነይሩ። ወደይን ሰበይቲ ወደይን ግን ብዙሕ እዮም ሓጊዞምኒ” በለት።
ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ሰባት ንምዝራብ እውን ኣይትፍራህ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት በሪል፡ “ፈተውተይ ብዙሕ ደጊፎምኒ እዮም። ብዙሓት ግን ብዛዕባ ሰብኣየይ ጆን ካብ ምዝራብ ይቝጠቡ ነበሩ። ከም ዘይነበረ እዩ ዀይኑ፣ እዚ ድማ ቍሩብ ጐዲኡኒ እዩ” በለት። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ መበለታትን ኣንስቶም ዝሞታኦም ሰብኡትን ብዛዕባ መጻምድቶም ብግህዶ ኺዛረቡ ይደልዩ ይዀኑ። ምስቲ ዝሞተ ሰብ እተተሓሓዘ ሕያውነት ዜንጸባርቕ ተግባር ወይ ዜስሕቕ ኣጋጣሚ ትዝ ይብለካዶ፧ ትዝ ዚብለካ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ብህይወት ዘሎ መጻምድቱ ኽትነግሮ ፈትን፣ ብፍርሂ ተሰኒፍካ ትም ኣይትበል። እቲ እትዛረቦ ነገር ነቲ ሓዘንተኛ ባህ ዜብሎ ምዃኑ እንተ ኣስተውዒልካ፡ ብዛዕባ እቲ ዝሞተ ሰብ፡ ኣኽቢርካ እትርእዮ ወይ እትፈትዎ ነገር ተዛረብ። እዚ ኸኣ ነቶም ሓዘንተኛታት፡ ሓዘኖም ዚካፈሎም ሰብ ከም ዘሎ ንኺርድኡ ኺሕግዞም እዩ።—ሮሜ 12:15።
ደገፍ ክትህብ ከለኻ፡ ነቲ ሓዘንተኛ ማዕዳ ኣይተብዝሓሉ። a ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስትውዓል ተጠቐም፣ ‘ንፈታውየይ ወይ ንዘመደይ ነዚ ኣዝዩ ጽንኩር እዋን ንኺሰግሮ እንታይ ኣወንታዊ ስጕምትታት ክወስድ እኽእል፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።
ተቐላጢፉ ውሳነታት ኪገብር ጸቕጢ ኣይትግበረሉ።ክትገብሮ እትኽእል ነገራት
ደድሕሪ እቲ ሞት ኣብ ዘሎ ሒደት መዓልትታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ብህይወት ዝተረፈ መጻምድቲ ግብራዊ ሓገዝ የድልዮ እዩ። ምግቢ ኸተዳሉ፡ ኪበጽሑ ንዝመጹ ኣዝማዱ ኽትቅበሎም፡ ወይ ምስቲ ሓዘንተኛ ግዜ ኸተሕልፍ ትኽእልዶ፧
ሰብኡትን ኣንስትን ሓዘን ኬጋጥሞምን ብጽምዋ ኺብልዑን ከለዉ፡ እተፈላለየ ስጕምቲ ኸም ዚወስዱ እውን ክትፈልጥ ኣሎካ። ንኣብነት፡ ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ዓለም፡ ልዕሊ ፍርቂ እቶም ኣንስቶም ዝሞታኦም ሰብኡት ኣብ ውሽጢ ዓመትን መንፈቕን እንደገና ይምርዓዉ እዮም፣ መብዛሕትአን መበለታት ግን ከምኡ ኣይገብራን እየን። እዚ ፍልልይ እዚ ኺህሉ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧
ከምቲ ብዙሓት ዚብልዎ፡ ሰብኡት ብስጋዊ ዀነ ብጾታዊ ዜድልዮም ነገራት ንኼማልኡ ኢሎም ጥራይ ኣይኰኑን እንደገና ዚምርዓዉ። ሰብኣይ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ሓሳባት ንሰበይቱ ጥራይ ናይ ምግላጽ ዝንባለ ስለ ዘለዎ፡ ሰበይቱ እንተ ሞይታቶ፡ ብብርቱዕ ጽምዋ ይብላዕ እዩ። መበለታት ግን፡ ዋላ እውን ሓድሓደ ግዜ ብፈተውቲ ሰብኡተን ዕሽሽ እንተ ተባህላ፡ ስምዒታዊ ደገፍ ናይ ምርካብ ዝሓሸ ኽእለት ኣለወን። ኣንስቶም ዝሞታኦም ሰብኡት ብብርቱዕ ጽምዋ ስለ ዚብልዑ፡ ተሃዊኽካ ርክብ ምምስራት ሓደጋታት እናሃለዎ ኽነሱ፡ ካብ ጽምዋ ንኼምልጡ ዘለዎም ሓደ መገዲ እንደገና ምምርዓው ከም ዝዀነ ገይሮም ኪርእይዎ ይኽእሉ እዮም። መበለታት ግን ነቲ ጽምዋ ዜምጽኦ ስቓይ ብዝሓሸ መገዲ ኺጻወራኦ ይኽእላ እየን።
እሞኸ ነቲ ሰበይቱ ዝሞተቶ ሰብኣይ ኰነ ነታ ሰብኣያ ዝሞታ መበለት፡ ብጽምዋ ንኸይብልዑ እንታይ ክትገብረሎም ትኽእል፧ ሄለን ዝስማ 49 ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት፡ “ብዙሓት ሰባት ጽቡቕ ዚሓስቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብተበግሶኦም ግን ምንም ኣይገብሩን እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ‘ክገብሮ ዝኽእል ነገር እንተ ኣልዩ፡ ንገርኒ’ ይብሉ እዮም። ኣነ ግን፡ ‘ናብ ዕዳጋ እኸይድ ኣለኹ። ምሳይ ክትከዲዶ፧’ ክብሉኒ ኸለዉ እዩ ባህ ዚብለኒ” በለት። ብዓልቲ ቤቱ ብሕማም መንሽሮ ዝሞተቶ ፖል፡ ካልኦት ሒዞምዎ ኺወጹ ኸለዉ ስለምንታይ ደስ ከም ዚብሎ ገሊጹ ኣሎ። “ሓድሓደ ግዜ፡ ምስ ሰባት ክትራኸብ ወይ ብዛዕባ ዅነታትካ ኽትዛረብ ኣይትደልን ኢኻ። ምስ ካልኦት ጽቡቕ ምሸት ምስ ኣሕለፍካ ግን፡ ፍዅስ ይብለካ፣ ጽምዋ እውን ኣይስምዓካን። ሰባት ብሓቂ ኸም ዚሓልዩልካ b
ትፈልጥ፡ እዚ ኸኣ ፍዅስ ከም ዚብለካ ይገብር” በለ።ብፍላይ ድንጋጽ ዜድልየሉ እዋን
ሄለን፡ መብዛሕትኦም ኣዝማዳ ናብ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ምስ ተመልሱ፡ ብዝያዳ ስምዒታዊ ደገፍ ከም ዘድለያ ገሊጻ እያ። “ኣብ ፈለማ ፈተውትን ቤተሰብን ይድግፉኻ እዮም። ድሕሪኡ ግን፡ ህይወቶም ናብ ንቡር ይምለስ እዩ። ህይወትካ ግን ናብ ንቡር ኣይምለስን እዩ” በለት። ናይ ሓቂ ፈተውቲ ነዚ ስለ ዚፈልጡ፡ ካብ ሓዘንተኛ ኣይርሕቁን እዮም፡ ቀጻሊ ደገፍ እውን ይህብዎ እዮም።
መጻምድቶም ዝሞቶም ሓዘንተኛታት፡ ምናዳ ኣብ ከም ዝኽሪ ዕለት መርዓኦም ወይ ዕለት ሞት መጻምድቶም ዝኣመሰለ እዋናት፡ ሰብ የድልዮም እዩ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኣይሊን፡ እቲ ዓብዪ ወዳ ነቲ ኣብ ዝኽሪ ዕለት መርዓኣ ዚስምዓ ባዶነት ንኽትጻወሮ ኸም ዚሕግዛ ገሊጻ እያ። “ዓመት ዓመት፡ ወደይ ኬቨን ኣብታ ዕለት እቲኣ ሒዙኒ ይወጽእ። ምስኡ እምሳሕ፣ ኣደን ወድን ከኣ ብሓንሳእ ግዜ ነሕልፍ” በለት። ንስኻ እውን ሰበይቱ ዝሞተቶ ወይ ሰብኣያ ዝሞታ ኣባል ቤተሰብ ወይ ፈታዊ እንተ ኣልዩካ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ልዕሊ ዅሉ ኣጸጋሚ ዝዀነ እዋናት ምእንቲ ኸይትርስዖ ስለምንታይ ዘይትምዝግቦ፧ ኣብታ ጽንክርቲ ዕለት እቲኣ፡ ንስኻ ወይ ካልኦት ሰባት ምስቲ ሰብ ግዜ ንምሕላፍ መሰናድዎ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።—ምሳሌ 17:17።
እቶም መጻምድቶም ዝሞትዎም ሰባት እውን ኬጸናንዑ ይኽእሉ እዮም። መበለት ካብ እትኸውን ሸሞንተ ዓመት ዝገበረት ኣኒ፡ ምስ ካልእ መበለት ምቅርራባ ኸም ዝጠቐማ ኽትገልጽ ከላ፡ “ቈራጽነታ ሓያል ጽልዋ ገይሩለይ እዩ፡ ንቕድሚት ንኽስጕም እውን ኣተባቢዑኒ እዩ” በለት።
እወ፡ መበለታትን ኣንስቶም ዝሞታኦም ሰብኡትን ነቲ ውዑይ ሓዘን ምስ ሰገርዎ፡ ንኻልኦት ምንጪ ምትብባዕን ተስፋን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ዚርከባ ኽልተ መበለታት፡ ማለት ሩት እትበሃል ንእሽቶ ሰበይትን ናእሚ ሓማታን፡ ንሓድሕደን ብምድግጋፈን ተጠቒመን እየን። እቲ ብዛዕባአን ዚገልጽ ልቢ ዚትንክፍ ዛንታ፡ ንሓድሕደን ምትሕልላየን ንሓዘነንን ንጸገማተንን ንኪኽእላኦ ብኸመይ ከም ዝሓገዘን ይገልጽ።—ሩት 1:15-17፣ 3:1፣ 4:14, 15።
ንምሕዋይ ግዜ ኣለዎ
መጻምድቶም ዝሞቶም ውልቀ-ሰባት ከም ብሓድሽ ንህይወት ምእንቲ ኼስተማቕርዋ፡ ብዛዕባ እቲ መዋቲ ዘለዎም ተዘክሮ ንምዕቃብን ንርእሶም ዜድልዮም ንምምላእን ዚገብርዎ ጻዕርታት ብሚዛናዊ መገዲ ኺሕዝዎ ኣለዎም። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን፡ “ንብኽያት ጊዜ አለዎ” ኢሉ እዩ። በዚ ኸየብቅዐ ግን፡ “ንምሕዋይ ከኣ ጊዜ አለዎ” እውን ኢሉ እዩ።—መክብብ 3:3, 4።
እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ፖል ብዛዕባ ሕሉፍ ጥራይ ምሕሳብ ክሳዕ ክንደይ ኣጸጋሚ ምዃኑ በዚ ዚስዕብ ምሳሌ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ኣነን ሰበይተይን ንሓድሕደን ተጠናኒገን ከም ዝዓበያ ኽልተ ንኣሽቱ ኣእዋም ኢና ኔርና። ድሕሪ ግዜ ግን፡ ሓንቲአን ሞይታ ምስ ኣልገሰት፡ እታ ኻልአይታ ዝጐባበጠት መሰለት። በይነይ ምዃነይ ከም ገለ እዩ ዚስምዓኒ።” ገሊኣቶም ካብቲ ንዝሞተ መጻምድቶም ዘለዎም ተኣማንነት ተላዒሎም፡ ኣብ ሕሉፍ ግዜ ጥራይ እዮም ዜተኵሩ። ገሊኣቶም ከኣ፡ ባህ ዜብሎም ነገር እንተ ገይሮም፡ ንመጻምድቶም ዝኸሓዱ ዀይኑ ስለ ዚስምዖም፡ ወጺኦም ኪዛወሩ ወይ ምስ ሰባት ኪራኸቡ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን እዮም። ንመበለታትን ኣንስቶም ንዝሞታኦም ሰብኡትን በብቝሩብ ናብ ንቡር ህይወቶም ንኺምለሱ ኽንሕግዞም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ቀዳማይ ስጕምቲ፡ ነቲ ሰብ ስምዒቱ ኺገልጽ ምፍቃድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሰበይቱ ኻብ እትሞቶ ሽዱሽተ ዓመት ዝገበረ ሀርበርት፡ “ምናዳ ነቶም ተዘክሮይ ክገልጽ ከለኹ ኾፍ ኢሎም ብጸጥታ ዝሰምዑኒ በጻሕቲ ኣኽቢረ እየ ዝርእዮም። ካባይ ዚሓይሽ ሰብ እኳ እንተ ዘይሰኣኑ፡ ድንጋጾም ኬርእዩኒ ብምምጻኦም አማስወሉ እየ” በለ። ብፍላይ ሓደ ብሱል ፈታዊኡ ኣዘውቲሩ ብዛዕባ ስምዒቱ ይሓቶ ብምንባሩ፡ ልቡ ተተንኪፉ እዩ። “ብቕንዕናን ብህድኣትን ይቐርበኒ ምንባሩ ባህ ይብለኒ ነበረ፣ ብዙሕ ግዜ ድማ ከመይ ይስምዓኒ ኸም ዘሎ እነግሮ ነበርኩ” በለ።—ምሳሌ 18:24።
መጻምድቱ ዝሞቶ ሓዘንተኛ፡ ከም ጣዕሳ፡ ጸጸት፡ ወይ ሕርቃን ዝኣመሰለ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ስምዒታቱ ምስ ዚገልጽ፡ ነቲ ሓድሽ ኵነታቱ ንኪቕበሎ ይሕግዞ እዩ። ንኣብነት፡ ንጉስ ዳዊት ነቲ ኻብ ኵሎም ንላዕሊ ኣኽቢሩ ዚርእዮ ተኻፋሊ ምስጢሩ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ናይ ልቡ ምስ ኣፍሰሰሉ፡ ብርታዐ ረኺቡ ኻብ ምድሪ ‘ተንስአ፡’ ንሞት ሕጻን ወዱ ድማ ኪቕበል ከኣለ።—ኣብ ፈለማ ኣጸጋሚ እኳ እንተ ዀነ፡ ድሕሪ ግዜ ግን መጻምድቱ ዝሞቶ ሰብ ናብ መዓልታዊ ንጥፈታቱ ኺምለስ ኣለዎ። ናብ ዕዳጋ ኽትከይድ ከለኻ፡ ብእግርኻ ኽትዛወር ከለኻ፡ ወይ ኣብ ካልእ መዓልታዊ ንጥፈታትካ ኽትካፈል ከለኻ፡ መጻምድቱ ንዝሞቶ ሰብ ክትማልኦ ትኽእልዶ፧ ኣብ እተወሰነ ዕማም ኪሕግዘካ ኽትሓቶ ትኽእልዶ፧ እዚ ንውልቀ-ሰባት ርእሶም ንኸይፈልዩ ዚሕግዞም ካልእ መገዲ እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ መበለት ንቘልዑ ኽትሕሉ ወይ ገሊኡ ዓይነት ምግቢ ብኸመይ ከም ዚኽሸን ንኻልኦት ከተርኢ ትኽእልዶ፧ ሓደ ሰበይቱ ዝሞተቶ ሰብኣይከ፡ ኣብ ቤት እተሰብረ ነገራት ኪጽግን ይኽእልዶ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ምስ ዚቐርበሎም፡ ህይወቶም ዕላማ ኸም ዘለዋ ኼረጋግጸሎም ይኽእል እዩ።
ሓደ ሓዘንተኛ ስምዒቱ ንሰባት እንደገና ኺገልጸሎም ከሎ፡ በብቝሩብ ንህይወት ኬስተማቕራን ሓድሽ ሸቶታት ኬውጽእን ይኽእል እዩ። ዮነት እትበሃል 44 ዓመት ዝዕድሚኣ መበለትን ኣደን ከምኡ እዩ ኣጋጢምዋ። ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ፡ “ናብ ንቡር ናብራ ምምላስ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። መዓልታዊ ዕዮ ገዛ ምዕያይ፡ ገንዘብ ምክዋን፡ ንሰለስተ ቘልዑ ምእላይ ብሓቂ ኸቢድ እዩ ነይሩ” በለት። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ግን፡ ንህይወታ ብኸመይ ከም እተመሓድርን ምስ ደቃ ብኸመይ ሓሳብ ንሓሳብ ከም እትለዋወጥን ተማህረት። ካብ ናይ ቀረባ ፈተውታ ብኸመይ ደገፍ ክትረክብ ከም እትኽእል እውን ፈለጠት።
“ህይወት ክብርቲ ውህበት ምዃና ኣይተርፋን እዩ”
ፈተውትን ቤተሰብን ንሓዘንተኛ ጽቡቕ ገይሮም ምእንቲ ኺድግፉ፡ ሚዛናዊ ትጽቢት ኪህልዎም ኣለዎ። መጻምድቱ ዝሞቶ ሓዘንተኛ ንሓያሎ ኣዋርሕ ወይ እውን ንዓመታት፡ ሓንሳእ ሃዲኡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ መሊሱ ብናይ መንፈስ ጭንቀት ኪሳቐ ይኽእል እዩ። “ቍስሊ ልቡ” ኸቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—1 ነገስት 8:38, 39።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽንኩር እዋን፡ ርእሱ ምእንቲ ኸይፈሊ፡ መተባብዒ የድልዮ እዩ። ከምዚ ዝበለ ደገፍ ንብዙሓት መበለታትን ኣንስቶም ዝሞታኦም ሰብኡትን፡ ህይወቶም ኣንፈት ንኺህልዋ ሓጊዝዎም እዩ። ሕጂ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይኑ ዜገልግል ዘሎ ክሎድ ዚበሃል 60 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰበይቱ ዝሞተቶ ሰብኣይ፡ “መጻምድትኻ ምስ ሞተትካ እውን፡ ህይወት ክብርቲ ውህበት ምዃና ኣይተርፋን እዩ” በለ።
ሓደ ሰብ መጻምድቱ ምስ ሞቶ፡ ህይወት ከም ቀደማ ኣይትዀነሉን እያ። ይኹን እምበር፡ እቶም ድሕሪ ሞት መጻምድቶም ብህይወት ዚቕጽሉ ሰባት፡ ንኻልኦት ብዙሕ ኬበርክቱ ይኽእሉ እዮም።—መክብብ 11:7, 8።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ነታ፡ “ጽቡቕ መዘከርታዶ ወይስ ዕንቅፋት መደበስታ፧” ዘርእስታ ኣብ ገጽ 12 እትርከብ ሳጹን ርአ።
b ሰቡ ንዝሞቶ ግብራዊ ሓገዝ ብዛዕባ ምሃብ ተወሳኺ ሓሳባት እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት ዘርእስታ ብሮሹር፡ ኣብ ገጽ 20-25 ርአ።
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ናይ ሓቂ ፈተውቲ ኻብ ሓዘንተኛ ኣይርሕቁን እዮም፡ ቀጻሊ ደገፍ እውን ይህብዎ እዮም
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ጽቡቕ መዘከርታዶ ወይስ ዕንቅፋት መደበስታ፧
ሰብኣያ ቕድሚ ሒደት ዓመታት ዝሞታ ሄለን፡ “መብዛሕትኡ ንብረት ሰብኣየይ ኣየወገድክዎን። ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን፡ እቲ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ነገራት ዜሐጕስ ተዘክሮታት የለዓዕለለይ እዩ። ስምዒታተይ ምስ ግዜ ብዙሕ ኪቀያየር ስለ ዚኽእል፡ ብኡንብኡ ዋላ ሓንቲ ነገር ከወግድ ኣይደለኹን” በለት።
ብኣንጻሩ ግን፡ ሰበይቱ ኻብ እትሞቶ ሓሙሽተ ዓመት ዘሕለፈ ክሎድ፡ “ወትሩ ንኽዝክራ ኢለ ብንብረታ ተኸቢበ ኽነብር ኣየድልየንን እዩ። ነቲ ንብረታ ምውጋደይ፡ ንኽውንነት ንክቕበሎን ሓዘነይ ንኺፈዅሰለይን ዝሓገዘኒ ይመስለኒ” በለ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳባት፡ ሰባት ንንብረት እቲ ዝሞተ ሰብ እንታይ ኪገብርዎ ኸም ዚደልዩ እተፈላለየ ምርጫ ኸም ዘለዎም ይሕብር። ስለዚ፡ ጥበበኛታት ፈተውትን ቤተሰብን ኣብዚ መዳይ እዚ ጸቕጢ ኸይገብሩ ይቝጠቡ እዮም።—ገላትያ 6:2, 5።
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ሓገዝካ ብፍላይ ዜድልየሉ እተወሰነ ዕለታት ኣሎዶ፧
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ተተሓሒዝኩም ንኽትወጹ ዓድሞም
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ንመበለታትን ኣንስቶም ንዝሞታኦም ሰብኡትን ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትካ ወይ ክትዘናጋዕ ከለኻ ኺሓብሩኻ ዓድሞም