ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ” ይቕረታ ምስ ዚሓትት

“ስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ” ይቕረታ ምስ ዚሓትት

ንኣምላኽ ቅረቦ

“ስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ” ይቕረታ ምስ ዚሓትት

2 ሳሙኤል 12:1-14

ኵላትና ብዙሕ ሳዕ ንሓጥእ ኢና። በቲ ዝገበርናዮ እኳ እንተ ተጠዓስና፡ ‘ኣምላኽ ነቲ ኸም እተነሳሕኩ ንምግላጽ ካብ ልበይ ዘቕርቦ ጸሎት ይሰምዖዶ ይኸውን፧ ይቕረኸ ይብለለይዶ ይኸውን፧’ ኢልና ንጠራጠር ንኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ የሆዋ ብሓጢኣት ባህ ዘይብሎ እኳ እንተ ዀነ፡ ንዚንሳሕ ሓጥእ ይቕረ ንምባል ፍቓደኛ ኸም ዝዀነ ብምንጋር የጸናንዓና እዩ። እዚ ሓቂ እዚ፡ እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ኣብ ዘጋጠሞ ነገር ተራእዩ እዩ፣ 2 ሳሙኤል ምዕራፍ 12 ድማ ብዛዕባ እዚ ትገልጽ እያ።

ነቲ ዅነታት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ዳዊት ከቢድ ሓጢኣት ፈጺሙ ነበረ። ነቲ ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ዝሙት ኪሓብኦ ፈቲኑ ምስላጥ ምስ ኣበዮ፡ ሰብኣያ ኸም ዚቕተል ገበረ። ንኣዋርሕ ዚኣክል ድማ፡ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይፈጸመ መሲሉ ኣጽቀጠ። የሆዋ ግን ንሓጢኣት ዳዊት ይርእዮ ነይሩ እዩ። ኪንሳሕ ከም ዚኽእል እውን ይፈልጥ ነበረ። (ምሳሌ 17:3) እሞኸ የሆዋ እንታይ ገበረ፧

የሆዋ ንነብዪ ናታን ናብ ዳዊት ለኣኾ። (ቍጽሪ 1) ናታን ድማ ንቓላቱ ብጥንቃቐ ኺመርጽ ከም ዘለዎ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ነቲ ንጉስ ብሜላ ቐረቦ። ዳዊት ንርእሱ የታልል ከም ዘሎን እቲ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ከም ዝዀነን ንኺርዳእ፡ ናታን ብኸመይ ኪሕግዞ ይኽእል፧

ዳዊት ብዛዕባ እቲ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ምእንቲ ኸየመኻኒ፡ ናታን ንልቢ እዚ ቐደም ጓሳ ዝነበረ ሰብ ኪትንክፍ ዚኽእል ዛንታ ተዛረበ። እቲ ዛንታ ብዛዕባ ሓደ ሃብታምን ሓደ ድኻን ሰብኣይ ዚገልጽ እዩ። እቲ ሃብታም፡ “ብዙሓት ኣባጊዕን ኣሓን” እኳ እንተ ነበራኦ፡ እቲ ድኻ ግን፡ “ሓንቲ ንእሽቶ ሽበን” ጥራይ እያ ነይራቶ። እቲ ሃብታም ሰብኣይ ጋሻ ምስ መጾ፡ ምግቢ ኼዳሉ ደለየ። ካብተን ኣባጊዑ ኣብ ክንዲ ዚወስድ ድማ፡ ንሽበን እቲ ድኻ ወሲዱ ምግቢ ኣዳለወ። ዳዊት፡ እቲ እተነግሮ ዛንታ ሓቂ ስለ ዝመሰሎ፡ ‘እቲ እዚ ዝገበረ ሰብኣይ ወዲ ሞት እዩ’ ኢሉ ብሕርቃን ተዛረበ። ስለምንታይ፧ ዳዊት ባዕሉ፡ ‘ድንጋጽ ስለ ዘይነበሮ’ ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። aቍጽሪ 2-6

ናታን እተዛረቦ ዛንታ፡ ሸቶኡ ወቒዑ እዩ። ዳዊት ነቲ ሰብኣይ ብምንቃፍ፡ ንርእሱ እዩ ፈሪድዋ። ድሕሪኡ፡ ናታን፡ “እቲ ሰብኣይ ንስኻ ኢኻ” ኢሉ ብግልጺ ነገሮ። (ቍጽሪ 7) ናታን ንኣምላኽ ወኪሉ ንዳዊት ኪዛረቦ ኸሎ፡ ንየሆዋ ኸም ዝበደሎ እዩ ነጊርዎ። ዳዊት ንሕጊ ኣምላኽ ብምጥሓስ፡ ነቲ ወሃብ ሕጊ ኸም ዘየኽብሮ ኣርኣየ። ኣምላኽ፡ ‘ነዓቕካኒ’ በሎ። (ቍጽሪ 10) ዳዊት በቲ እተዋህቦ ተግሳጽ ልቡ ስለ እተወግአ፡ “ንእግዚኣብሄር በደልኩ” ኢሉ ተነስሐ። ናታን ንዳዊት፡ የሆዋ ይቕረ ኸም ዝበሎ ኣረጋገጸሉ፣ ኰይኑ ግን፡ ዳዊት ንሳዕቤን እቲ ተግባሩ ኺዓጽድ ነበሮ።—ቍጽሪ 13,14

ዳዊት ሓጢኣቱ ምስ ተቐልዐ፡ ነታ ሎሚ መዝሙር 51 ተባሂላ እትጽዋዕ ጸሓፋ። ኣብታ መዝሙር እቲኣ፡ ዳዊት ብሓቂ ኸም እተነስሐ ብዜንጸባርቕ መገዲ ልቡ ኣፍሰሰ። ዳዊት ሓጢኣት ብምግባር ንየሆዋ ንዒቕዎ ነበረ። ምስ ተነስሐ ግን፡ ምሕረት ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ሰናይ ምዃኑ ስለ ዝረኣየ፡ ንየሆዋ፡ “ዎ ኣምላኽ፡ ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ” ኽብል ክኢሉ እዩ። (መዝሙር 51:17) እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ነቶም ምሕረት የሆዋ ዚደልዩ እተነስሑ ሓጥኣን ኬጸናንዓኦም ይኽእላ እየን።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ሽበን ሓሪድካ ንጋሻ ምግቢ ምድላው፡ ልሙድ እዩ ነይሩ። ሽበን ምስራቕ ግን ገበን ስለ ዝነበረ፡ እቲ ሰራቒ ኣርባዕተ ዕጽፊ እዩ ዚኽሕስ ነይሩ። (ዘጸኣት 22:1) ብኣረኣእያ ዳዊት፡ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ነታ ሽበን ብምውሳድ ንሕስያ ከም ዘይብሉ እዩ ኣርእዩ። ከመይሲ፡ ነታ እቲ ድኻ ሰብኣይ ከም ምንጪ ጸባን ጸምርን ገይሩ ዚርእያን ክትፋረየሉ ዚጽበያን ዝነበረ እንስሳ እዩ ወሲድዋ።