ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

በዅሪ ወዲ እንታይ ሓለፋታትን ሓላፍነታትን ነይርዎ፧

ካብ ዘመነ ኣበው ኣትሒዙ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንበዅሪ ወዲ ሓለፋታት ኪህብዎ ጸኒሖም እዮም። ሓደ ኣቦ ኣብ ዚሞተሉ እዋን፡ እቲ ዝዓበየ ወዱ ኸም ርእሲ ስድራ ቤት ኰይኑ ሓላፍነት ይቕበል ነበረ። ነታ ስድራ ቤት ናይ ምእላይን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብታ ቤት ዚነብሩ ናይ ምእዛዝን ሓላፍነት ነበሮ። እቲ በዅሪ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ወኪል እታ ስድራ ቤት ነበረ። ኵሎም እቶም ኣወዳት ይወርሱ እኳ እንተ ነበሩ፡ ቀንዲ ወራሲ ግን እቲ በዅሪ እዩ ነይሩ። ንውርሲ ንብረት ብዚምልከት፡ እቲ በዅሪ ዚወርሶ ምስቲ ኻልኦት ዚወርስዎ ኺነጻጸር ከሎ፡ ዕጽፊ ይወስድ ነበረ።

ኣብ ዘመነ ኣበው፡ እቲ ዝዓበየ ወዲ ብዅርናኡ ኺስእን ይኽእል ነበረ። ንኣብነት፡ ኤሳው ብዅርናኡ ንምንኣሱ ሸጠሉ። (ዘፍጥረት 25:30-34) ያእቆብ ብዅርና ሮቤል ንዮሴፍ ኣሕሊፉ ሃቦ። ሮቤል በቲ ዝፈጸሞ ስነ-ምግባር ዝጐደሎ ተግባር ፍሉይ መሰሉ ሰኣነ። (1 ዜና መዋእል 5:1) ይኹን እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ዝነበራኦ ሓደ ሰብኣይ፡ ዋላ እኳ ነታ ዳሕረይቲ ሰበይቲ ዝያዳ ይፍተዋ፡ ብዅርና እቲ ኻብታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ዝወለዶ ወዲ፡ ናብቲ ኻብታ ኻልኣይቲ ሰበይቲ ዝወለዶ ወዲ ኼመሓላልፍ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ እቲ ኣቦ መሰል እቲ በዅሪ ናይ ምኽባር ግዴታ ነበሮ።—ዘዳግም 21:15-17

ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን “ክታባት” ዚገብሩ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

የሱስ ነቶም ሃይማኖታውያን ተጻረርቱ ዝነበሩ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ “ክታባውቶም የግፍሑ” ኢሉ ነቒፍዎም እዩ። (ማቴዎስ 23:2, 5) ሰዓብቲ እቶም ጕጅለታት ሃይማኖት ኣብ ግንባሮም ብቘርበት እተሰርሐ ጸሊም ክታብ ይኣስሩ ነበሩ። ኣብ ውሽጣዊ ኽፍሊ ምናቶም፡ ማለት ኣብ ጥቓ ልቦም እውን ይኣስሩ ነበሩ። እቲ ኽታብ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተወስደ ጽሑፍ ይሕዝ ነበረ። እዚ ኽታባት ናይ ምእሳር ልምዲ ኺምንጭው ዝኸኣለ፡ ነቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም፡ “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። . . . ንምልክት ኣብ ኢድካ እሰሮ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ድማ ክታብ ይኹን” ዚብል መምርሒ ቓል ብቓሉ ይርድእዎ ብምንባሮም እዩ። (ዘዳግም 6:6-8) ክታባት ናይ ምእሳር ልምዲ መዓስ ከም እተኣታተወ ብልክዕ ዘይፍለጥ እኳ እንተ ዀነ፡ መብዛሕትኦም ምሁራት ግን ካብ ሳልሳይ ወይ ካልኣይ ዘመን ቅ.ክ. ከም ዝጀመረ እዮም ዚኣምኑሉ።

የሱስ ነዚ ልምዲ እዚ ብኽልተ ምኽንያት እዩ ነቒፍዎ። ቀዳማይ፡ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ክሳዕ ክንደይ ጻድቃን ምዃኖም ንኻልኦት ኬርእዩ ኢሎም እዮም ክታባውቶም ዜግፍሑ ዝነበሩ። ካልኣይ፡ እዞም ጕጅለታት እዚኣቶም ነቲ ኽታባውቶም፡ ካብ ሕማቕ ነገር ከም ዜዕቍቦም ገይሮም እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። እታ ፊላክተሪዮን እትብል ነዚ ኽታባት እዚ እተመልክት ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣብ ዘይኰነ ጽሑፋት፡ “መሐለዊ” ወይ “ዕርዲ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ።