ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽኑዕ እምነት ይሃሉኻ!

ጽኑዕ እምነት ይሃሉኻ!

ንመንእሰያት

ጽኑዕ እምነት ይሃሉኻ!

መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ፡ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ-ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ህያው ጌርካ ርኣዮ።

ቀንዲ ገጸ-ባህርያት፦ ኤርምያስ፡ ዔቤድ-ሜሌክ፡ ንጉስ ጼድቅያስ

ጽማቝ፦ ኤርምያስ፡ ህዝቢ ይሁዳ ንከለዳውያን ኢዶም ኪህቡ ኸም ዘለዎም ዚገልጽ መልእኽቲ ኣምላኽ ምስ ኣወጀ፡ ብርቱዕ ምጽራር ኣጋጠሞ።

1 ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—ኤርምያስ 38:1-5 ኣንብብ።

ኤርምያስ ንህዝቢ ይሁዳ ኺዛረቦም ከሎ፡ እንታይ እተሰምዖ ይመስለካ፧

․․․․․

ኤርምያስ ነቲ የሆዋ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኺእውጅ ከሎ፡ ኣብ ድምጹ እንታይ ስምዒት ይንጸባረቕ ነበረ፧

․․․․․

ዝያዳ ምርምር ግበር።

ኤርምያስ እንታይ እምነት ስለ ዝነበሮ እዩ ብትብዓት ኪእውጅ ዝኸኣለ፧

․․․․․

2 ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—ኤርምያስ 38:6-13 ኣንብብ።

ግፍሕን ዕምቈትን ሽታን እታ ዔላ ኸመይ ከም ዚመስለካ ግለጽ።

․․․․․

ኤርምያስ “ኣብቲ ጭቃ [ምስ] ተዋሕጠ፡” እንታይ ኢሉ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል፧ (ቍጽሪ 6 ደጊምካ ኣንብብ።)

․․․․․

ዝያዳ ምርምር ግበር።

በቲ ኽትረኽቦ እትኽእል ንምርምር ዚሕግዝ ናውቲ ጌርካ፡ ብዛዕባ እቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ዔላታት ኣቐዲምካ ዘይትፈልጦ ነገር ርኸብ።

․․․․․

ዔቤድ-ሜሌክ እንታይ እምነት ስለ ዝነበሮ እዩ ንኤርምያስ ኬድሕኖ ኢሉ እተለዓዓለ፧ (ቍጽሪ 7-9 ደጊምካ ኣንብብ።)

․․․․․

ጼድቅያስ ፈለማ በቶም መሳፍንቱ፡ ጸኒሑ ኸኣ ብዔቤድ-ሜሌክ ብቐሊሉ ዚጽሎ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ቍጽሪ 5ን 10ን ደጊምካ ኣንብብ።) እዚ ብዛዕባ እንታይነቱን ብዛዕባ ጕድለት እምነቱን እንታይ ይሕብረና፧

․․․․․

ኣብዚ ዛንታ እዚ ሓያል እምነት ዝነበሮም ውልቀ-ሰባት መነመን እዮም፧ መንከ እዩ ሓያል እምነት ዘይነበሮ፧ ስለምንታይ ከምኡ ኢልካ መሊስካ፧

․․․․․

3 ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦

ትብዓት።

․․․․․

እምነት።

․․․․․

የሆዋ ነቶም ብዘይ ፍርሂ ዚእዘዝዎ ዚገብረሎም ዕቝባ።

․․․․․

ጸቕጢ ኺወርደካ ኸሎ፡ እምነትካ ቕኑዕ ንኽትገብር ጽልዋ ዜሕድረልካ ብኸመይ እዩ፧

․․․․․

4 ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

․․․․․

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኻልእ ጽሑፋት ንምርካብ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓቶም፡ ወይ ኣብ www.watchtower.org ከተንብብ ትኽእል ኢኻ