ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በለሳን ጊልዓድ ዚፍውስ ቅዲት

በለሳን ጊልዓድ ዚፍውስ ቅዲት

በለሳን ጊልዓድ ዚፍውስ ቅዲት

ሓደ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ዚርከብ ፍሉጥ ዛንታ፡ ዮሴፍ ብኣሕዋቱ ናብ ግብጺ ንዚወርዱ ዝነበሩ እስማኤላውያን ነጋዶ ኸም እተሸጠ ይገልጽ። ኣብቲ ዛንታ እቶም ነጋዶ ኻብ ጊልዓድ ዝመጹ ኪዀኑ ኸለዉ፡ ንኣግማሎም ቀመም ማለት በለሳን ጽዒኖም ናብ ግብጺ የውርድወን ከም ዝነበሩ ተገሊጹ ኣሎ። (ዘፍጥረት 37:25) እዚ ሓጺር ጸብጻብ እዚ፡ በለሳን ጊልዓድ በቲ ፍሉይ ናይ ምፍዋስ ክእለቱ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተጠላቢ ምንባሩ ይሕብር።

ኣብ ሻድሻይ ዘመን ቅ.ክ. ግን፡ ነብዪ ኤርምያስ ብጓሂ፡ “ዚልከ ፈውሲዶ ኣብ ጊልኣድ የልቦን፧” ኢሉ ሓቲቱ እዩ። (ኤርምያስ 8:22) ኤርምያስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንኺሓትት ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ንምዃኑ በለሳን እንታይ እዩ፧ ሎሚኸ ኸም በለሳን ዚፍውስ ነገር ኣሎዶ፧

በለሳን ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ

በለሳን ካብ እተፈላለዩ ኣትክልትን ቍጥቋጥን ዚወጽእ ጥዑም ዝሽታኡ መብዛሕትኡ ግዜ ቕብኣዊ ዕንዲዳ መሳሊ ፈሳሲ እዩ። ብዙሕ እዋን ከም ዕጣንን ሽቱን ኰይኑ ዜገልግል ዘይቲ በለሳን፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ጥንታዊ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረ ኽቡር ነገራት እዩ። እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ድሕሪ ምውጻኦም ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ዘይቲ በለሳን ንመቕብኢ ዚኸውን ቅዱስ ዘይትን ኣብቲ ማሕደር ንዚዕጠን ዕጣንን ንምስራሕ ከም ንጥረ ነገር ኰይኑ የገልግል ነበረ። (ዘጸኣት 25:6፣ 35:8) ሓደ ኻብቲ ንግስቲ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሃበቶ ኽቡር ህያባት እውን እዩ ነይሩ። (1 ነገስት 10:2, 10) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣስቴር ናብ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንምቕራብ፡ “ሹድሽተ ወርሒ . . . ብጥዑም ሽቱ፡” ማለት ብዘይቲ በለሳን እናተቐብአት ተዳልያ እያ።—ኣስቴር 1:1፣ 2:12

ዘይቲ በለሳን ኣብ እተፈላለየ ዅርናዓት ማእከላይ ምብራቕ ዚርከብ እኳ እንተ ነበረ፡ በለሳን ጊልዓድ ግን ኣብ ምድሪ ተስፋ ጥራይ እዩ ዚርከብ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ጊልዓድ ኣብ ምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ ዚርከብ ከባቢ እዩ። ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝዀነ ያእቆብ፡ ንበለሳን ምስቲ “ኻብ ፍረ እዛ ምድሪ ጸጽቡቑ” ኢሉ እተዛረበሉ ህያባት እዩ ጸብጺብዎ፣ ከም ህያብ ገይሩ ድማ ናብ ግብጺ ለኣኾ። (ዘፍጥረት 43:11) ነብዪ ህዝቅኤል እውን ንቕዲት፡ ማለት ንበለሳን፡ ምስቲ ይሁዳን እስራኤልን ናብ ጢሮስ ዚሰድዎ ኣቕሑ ንግዲ ጠቒስዎ ኣሎ። (ህዝቅኤል 27:17) በለሳን ከም መድሃኒት ኰይኑ የገልግል ነይሩ እዩ። ዘይቲ በለሳን ቍስሊ ንምሕዋይን ንምፍዋስን የገልግል ምንባሩ፡ ጥንታዊ ጽሑፋት ብተደጋጋሚ ይጠቅስ እዩ።

ንሕሙም ህዝቢ ዚኸውን በለሳን

ስለምንታይ ደኣ እዩ እሞ ኤርምያስ፡ “ዚልከ ፈውሲዶ ኣብ ጊልኣድ የልቦን፧” ኢሉ ዝሓተተ፧ እዚ ምእንቲ ኺርድኣና፡ ሽዑ ህዝቢ እስራኤል ከመይ ከም ዝነበረ ምልስ ኢልና ኽንርኢ ኣሎና። ኣቐዲሙ ነብዪ ኢሳይያስ፡ “ካብ ከብዲ እግሪ ኽሳዕ ርእሲ ገለ ጥዑይ የብሉን። ዘይተጠወቐን ዘይተዘነነን ብቕብኢ ዘይለስለሰን፡ ኣቝሳልን ስምብራትን ሓድሽ መውቃዕትን ጥራይ እዩ” ብምባል፡ ብዛዕባ እቲ ሕማቕ መንፈሳዊ ዅነታቶም ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ኢሳይያስ 1:6) እቶም ህዝቢ ነቲ ሕማቕ ኵነታቶም ፈሊጦም፡ ፈውሲ ኣብ ክንዲ ዚደልዩ፡ በቲ ኽፉእ መገዶም ቀጸሉ። ኤርምያስ ከኣ፡ “ንቓል እግዚኣብሄር ወጊዶምሲ፡ ከመይ ዝበለ ጥበብ ደኣ ዀን አለዎም እዩ፧” ኢሉ ሓዘኑ ገለጸ። ናብ የሆዋ እንተ ዚምለሱ ነይሮም፡ መሕወዮም ነይሩ። እምበኣር፡ “ዚልከ ፈውሲዶ ኣብ ጊልኣድ የልቦን፧” እትብል ሕቶ ብሓቂ እተመራምር እያ።—ኤርምያስ 8:9

ሎሚ ዘላ ዓለም ብብዙሕ መገድታት፡ “ኣቝሳልን ስምብራትን ሓድሽ መውቃዕትን” ዝመልኣ እያ። ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ብጾትን ስለ ዝዘሓለት፡ ሰባት ኣደዳ ድኽነትን ግፍዕን ስስዐን ጭካነን ኰይኖም ኣለዉ። (ማቴዎስ 24:12፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ብዙሓት ሰባት ብምኽንያት ዓሌቶም ወይ ዕድሚኦም ይግፍዑ እዮም። ኣብ ልዕሊ ኣላታ ተወሰኸታ ድማ፡ ጥሜትን ሕማምን ውግእን ሞትን ኣሎ። ብዙሓት ቅኑዓት ኣመንቲ፡ ከም ኤርምያስ፡ ንስምዒታውን መንፈሳውን ቍስሊ እቶም ዚሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ንምዝናን ዜኽእል ‘ዚልከ ፈውሲ [ወይ በለሳን] ጊልዓድ’ እንተ ኣልዩ ይሓቱ እዮም።

ዚፍውስ ብስራት

ብግዜ የሱስ፡ እታ ሕቶ እቲኣ ኣብ ኣእምሮ ትሑታት ነይራ እያ። መልሲ ኸይረኸበት ግን ኣይተረፈትን። ኣብ መጀመርታ 30 ድ.ክ.፡ ኣብ ናዝሬት ኣብ ዝነበረት ቤት ጸሎት፡ የሱስ ካብ መጽሓፍ ኢሳይያስ፡ “ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ . . . ንስቡራት ልቢ ኽዘንን . . . ለአኸኒ” ዚብል ቃላት ኣንበበ። (ኢሳይያስ 61:1) ድሕሪኡ፡ ነተን ቃላት እቲኣተን ኣብ ርእሱ ብምውዓል፡ ዜጸናንዕ መልእኽቲ ናይ ምብጻሕ መዝነት እተዋህቦ መሲሕ ምዃኑ ገለጸ።—ሉቃስ 4:16-21

የሱስ ኣብ ምሉእ ኣገልግሎቱ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ሰቢኹ እዩ። (ማቴዎስ 4:17) ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት፡ “ኣቱም ሕጂ እትበኽዩ፡ ክትስሕቁ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም” ብምባል፡ ኵነታት ውጹዓት ከም ዚቕየር ተመባጽዐ። (ሉቃስ 6:21) ነቲ መልእኽቲ ተስፋ ዝዀነ መንግስቲ ኣምላኽ ከም እትመጽእ ዚገልጽ መልእኽቲ ብምእዋጅ ከኣ፡ ‘ንስቡራት ልቢ ዘነነ።’

ኣብዚ ግዜና እውን፡ “ወንጌል መንግስቲ” ኸም ቀደሙ ንሰባት የጸናንዕ እዩ። (ማቴዎስ 6:10፣ 9:35) ንኣብነት፡ ንሮዠርን ንሊልያንን ንውሰድ። ኣብ ጥሪ 1961፡ ንፈለማ ግዜ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ መብጽዓ ናይ ዘለኣለም ህይወት ፈለጡ፣ እዚ ድማ ከምቲ ዜሕዊ በለሳን እዩ ዀይኑሎም። ሊልያን፡ “በቲ እተመሃርክዎ ኣዝየ ስለ እተሓጐስኩ፡ ኣብ ክሽነ ሳዕሳዕኩ” በለት። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብኸፊል ካብ ዚለምስ ዓሰርተ ዓመት ኣሕሊፉ ዝነበረ ሮዠር ከኣ፡ “ሳላቲ ተስፋ ትንሳኤን ኵሉ ስቓይን ሓዘንን ከም ዘይህሉ ዚገልጽ ዜደንቕ ተስፋን፡ ብህይወት ናይ ምንባር ዓብዪ ሓጐስ ረኺበ እየ” በለ።—ራእይ 21:4

ብ1970 ወዲ 11 ዓመት ወዶም ሞቶም። በዚ ግን ተስፋ ኣይቈረጹን። የሆዋ “ንልቦም እተሰብሩ ይፍውስ፡ ነቝሳሎም ይዘንን” ከም ዘሎ ተሰምዖም። (መዝሙር 147:3) ተስፋኦም ኣጸናንዖም። ክሳዕ ሕጂ ን50 ዓመት ዚኣክል፡ ብስራት እታ እትመጽእ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሰላምን ዕግበትን ኣምጺኡሎም እዩ።

ብሕጂ እውን ዚህሉ ፈውሲ

እሞኸ ሎሚ “ዚልከ ፈውሲዶ ኣብ ጊልኣድ” ኣሎ፧ እወ፡ ሎሚ እውን መንፈሳዊ በለሳን ይርከብ እዩ። ብብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ ዚርከብ መጸናንዕን ተስፋን፡ ንስቡራት ልቢ ይዘንን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፈውሲ ትደሊዶ፧ ሓደ ኽትገብሮ ዜድልየካ ነገር፡ ልብኻ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መልእኽቲ ኣርሒውካ፡ ንህይወትካ ኺመልኦ ምፍቃድ እዩ። ሚልዮናት ሰባት ከምኡ ገይሮም ኣለዉ።

እዚ በለሳን እዚ ዜምጽኦ ምፍዋስ፡ ነቲ ብሕጂ ዚመጽእ ዝዓበየ እፎይታ ኸም መርኣዪ ዚኸውን እዩ። እቲ የሆዋ ኣምላኽ ንዘለኣለም “ፈውሲ ህዝብታት” ዚህበሉ ግዜ ብቕልጡፍ እናቐረበ ይመጽእ ኣሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ “‘ሓደ እኳ ሕሙም እየ’ ኣይኪብልን እዩ።” እወ፡ ሕጂ እውን ‘ፈውሲ ኣብ ጊልዓድ’ ኣሎ።—ራእይ 22:2፣ ኢሳይያስ 33:24 ትርጕም 1990።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎ ናይ ምፍዋስ ክእለት፡ ሎሚ ንዘለዉ ስቡራት ልቢ ስቓዮም የፍኵሰሎም ኣሎ