ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሓቂዶ ሸፈጥ እዩ፧

ብሓቂዶ ሸፈጥ እዩ፧

ብሓቂዶ ሸፈጥ እዩ፧

“ብዛዕባ እቲ ሓደጋ እትህቦ ጸብጻብ ቍሩብ ኣመሓይሽካ ኣቕርቦ እሞ ጸገም ኣይኪህልወካን እዩ።”

“ንኣኽፈልቲ ግብሪ ዅሉ ነገር ከተፍልጦም የብልካን።”

“ከይትተሓዝ ጥራይ ተጠንቀቕ።”

“ብናጻ ኽትረኽቦ እናኸኣልካ ስለምንታይ ትኸፍል፧”

ምስ ገንዘብ ኣብ ዚተሓሓዝ ነገራት ምኽሪ ምስ እትሓትት፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳባት ተዋሂቡካ ይኸውን። ገሊኣቶም ንዅሉ ነገራት ዜዋጽእ “ፍታሕ” ዘለዎም ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ኰይኑ ግን፡ እቲ ፍታሕ ሓቀኛነት ኣለዎ ድዩ፧

ሸፈጥ ኣብ ኵሉ ኣስፋሕፊሑ ስለ ዘሎ፡ ሰባት ንሓሶትን ምትላልን ስርቅን፡ ካብ መቕጻዕቲ ንምምላጥ፡ ገንዘብ ወይ ኣሳልጦ ንምርካብ ዚሕግዝ ቅቡል መገዲ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ምርኡያት ኣባላት ሕብረተሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ሓቀኛነት ጽቡቕ ኣብነት ኣይኰኑን እዮም። ኣብ ኤውሮጳ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ሃገር ምስ ሸፈጥን ምትላልን እተተሓሓዘ ጕዳያት፡ ካብ 2005 ክሳዕ 2006 ናብ ልዕሊ 85 ሚእታዊት ደየበ። እዚ ግን ነቲ ገሊኦም ሰባት “ንኣሽቱ ሓጢኣት” ኢሎም ዚሰምይዎ ንኣሽቱ ጕዳያት ሸፈጥ ዜጠቓልል ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ምርኡያት ነጋዶን ፖለቲካውያንን ዕቤት ንምርካብ ኢሎም ናይ ሓሶት ዲፕሎማ ብምጥቃም ኣብ ነውራም ተግባራት ምክፋሎም ብዙሕ ዘገርም ከይከውን ይኽእል እዩ።

ሸፈጥ ኣብ ዓለም ኣስፋሕፊሑ እኳ እንተሎ፡ ሓያሎ ሰባት ቅኑዕ ዘበለ ኺገብሩ ይደልዩ እዮም። ንስኻ እውን ሓደ ኻብኣቶም ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ንኣምላኽ ስለ እተፍቅሮ፡ ኣብ ቅድሚኡ ቕኑዕ ዘበለ ኽትገብር ትደሊ ትኸውን። (1 ዮሃንስ 5:3) ከምቲ፡ “ብዅሉ ደግነት [“ሓቀኛነት፡” NW] ክንነብር እናደሌና፡ ሰናይ ሕሊና ኸም ዘሎና፡ ተረዲእናዮ አሎና እሞ፡ ጸልዩልና” ኢሉ ዝጸሓፈ ሃዋርያ ጳውሎስ እተሰምዖ ስምዒት ይስምዓካ ይኸውን። (እብራውያን 13:18) በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር፡ ንባህጊ እቲ “ብዅሉ ሓቀኛነት” ኪነብር ዚጽዕር ሰብ ኪፍትን ዚኽእል ሒደት ኵነታት ክትምርምር ንዕድመካ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ሓጋዚ ኪኸውን ዚኽእል ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ክንምርምር ኢና።

ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ መን እዩ ኪኸፍል ዘለዎ፧

ሊሳ a እትበሃል መንእሰይ፡ ማኪና ኽትዝውር ከላ ተጋግያ ምስ ካልእ ማኪና ተጋጨወት። እተጐድአ ሰብ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ክልቲአን ማካይን ግን ተጐዲአን እየን። ኣብ ዓዲ ሊሳ፡ ብዕድመ ንኣሽቱ ዝዀኑ ዘወርቲ ንመድሕን ማኪና ዝለዓለ ገንዘብ እዮም ዚኸፍሉ፡ እቲ ዚኽፈል ገንዘብ ድማ ሓደጋ ብዘጋጠመ መጠን ይውስኽ። ሓደ ፈታዊኣ ግን፡ ግሬጎር ዚስሙ ብዕድመ ዓብዪ ዝዀነ ዘመዳ ምስኣ ስለ ዝነበረ፡ ግሬጎር ይዝውር ከም ዝነበረ ገይሮም ጸብጻብ ኪህቡ ሓሳብ ኣቕረበላ። ሊሳ ኸምኡ እንተ ገይራ፡ ብዙሕ ዋጋ መድሕን ካብ ምኽፋል ኬድሕና ይኽእል ነበረ። እዚ ፍታሕ እዚ ዜዋጽእ እዩ ዚመስል። ሊሳ ግን እንታይ ገበረት፧

ኩባንያታት መድሕን ካብቲ ናይ መድሕን ውዕል ዘለዎም ሰባት ዚኸፍልዎ ገንዘብ እዮም ካሕሳ ዚኸፍሉ። ሊሳ ፈታዊኣ ንዘቕረበላ ሓሳብ እንተ ስዒባ፡ ንኻልኦት ናይ መድሕን ውዕል ዘለዎም ሰባት ዝለዓለ ዋጋ መድሕን ከም ዚኸፍሉ ብምግባር፡ ንዝፈጸመቶ ሓደጋ ኪኸፍሉላ ተገድዶም ኣላ ማለት እዩ። ከምዚ እንተ ገይራ ናይ ሓሶት ጸብጻብ ከም ዘቕረበት ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ካልኦት እውን ከም ዝሰረቐት እዩ ዚቝጸር። ዚኽፈለካ ኻሕሳ መድሕን ንኺውስኸልካ ኢልካ ናይ ሓሶት ጸብጻብ ምሃብ እውን ምስዚ እዩ ዚቝጸር።

ሕጋዊ መቕጻዕቲ ምፍራህ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሸፈጥ ከም እትርሕቕ ዚገብር እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ ሸፈጥ ንምርሓቕ ዚድርኽ ዝያዳ ኣገዳሲ ምኽንያት ግን ኣብ ቃል ኣምላኽ እዩ ዚርከብ። ሓንቲ ኻብተን ዓሰርተ ትእዛዛት፡ “ኣይትስረቕ” ትብል። (ዘጸኣት 20:15) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እቲ ዝሰረቐ፡ . . . ደጊምሲ ኣይስረቕ” ብምባል ነዚ ትእዛዝ እዚ ንክርስትያናት ደጊሙሎም ኣሎ። (ኤፌሶን 4:28) ኣብ ጕዳያት መድሕን ንቓል ኣምላኽ እንተ ተኣዚዝካ፡ ኣምላኽ ዚዅንኖ ተግባር ካብ ምግባር ትቝጠብ፣ ንሕጊ ኣምላኽን ንብጾትካን ፍቕርን ኣኽብሮትን ከም ዘሎካ እውን ተርኢ።—መዝሙር 119:97

“ናይ ቄሳር ንቄሳር”

ጴጥሮስ ነጋዳይ እዩ። ክቡር ናይ ኮምፕዩተር ኣቕሓ ኸም ዝዓደገ ኣምሲሉ ግብሪ ኽንከየሉ ኺሓትት፡ ካብ ናይ ሕሳብ ሰራሕተኛኡ ሓሳብ ቀረበሉ። ከም ናይ ጴጥሮስ ዓይነት ንግዲ ዘለዎም ሰባት ከምኡ ዝኣመሰለ ኣቕሓ ኺዕድጉ እተለምደ እዩ። ጴጥሮስ ነቲ ኣቕሓ እቲ ፈጺሙ እኳ እንተ ዘይዓደጎ፡ መንግስቲ ነዚ ኼጻሪ ስለ ዘይፍትን፡ ከይተረኽበ ይተርፍ ይኸውን። በዚ ኸምዚ ግብሪ እንተ ተነክዩሉ ኸኣ ብዙሕ እዩ ዚኸስብ። እሞኸ እንታይ እዩ ኺገብር ዘለዎ፧ ውሳነ ንኺገብርከ እንታይ እዩ ኺመርሖ ዚኽእል፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ግዜኡ ንዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ . . . ንዅሉ እቲ ዘዚግብኦ ሀብዎ” በሎም። (ሮሜ 13:1, 7) ስምረት ኣምላኽ ኪረኽቡ ዝደልዩ ሰባት፡ ንዅሉ እቲ ብሰበ-ስልጣን ዚሕተት ግብሪ ይኸፍሉ እዮም። ብኣንጻሩ ግን፡ ሕጊ እታ ሃገር ንገለ ውልቀ-ሰባት ወይ ነጋዶ መጠን እቲ ዚኸፍልዎ ግብሪ ኺንከየሎም ዚፈቅድ እንተ ዀይኑ፡ ብመሰረት እቲ ሕጊ ግቡእካ ምሕታት ጌጋ ኣይኰነን።

ግብሪ ምስ ምኽፋል እተተሓሓዘ ኻልእ ኣብነት ከኣ እንሆ። ዳዊት ናይ ህንጻ መሳርሒ መሸጢ ንግዲ ኣለዎ። ኣዕሩኹ ክልተ ዓይነት ቅብሊት ኪሕዝ ኣተባብዕዎ። ኣብቲ ሓደ ቕብሊት እቲ ልክዕ ዋጋ ይምዝግብ፡ ኣብቲ ኻልኣይ ከኣ ዝተሓተ ዋጋ ይምዝግብ። እዚ ድማ ብዙሕ ግብሪ ምእንቲ ኸይከፍል እዩ። ነቲ ዝተሓተ ዋጋ ዚምዝግበሉ ቅብሊት፡ ግብሪ ንምኽፋል ይጥቀመሉ። እዚ ኣሰራርሓ እዚ ልሙድ ስለ ዝዀነ፡ ብዙሓት ሰባት ጽቡቕ ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ዳዊት ንኣምላኽ ኬሐጕስ ስለ ዝደሊ፡ ነዚ ኣሰራርሓ እዚ ብኸመይ እዩ ኺምልከቶ ዚግባእ፧

በዚ መገዲ እዚ ዚሰርሕ ሰብ ከይተታሕዘ ኺተርፍ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ መንግስቲ ኪቕበሎ ዚግባእ ግብሪ ግን ኣይከፍልን እዩ ዘሎ። የሱስ፡ “ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ” በለ። (ማቴዎስ 22:17-21) ሰማዕቱ ብዛዕባ ግብሪ ምኽፋል ዝነበሮም ግጉይ ኣተሓሳስባ ንኺእርም ኢሉ ኸኣ እዩ ኸምዚ ዝበለ። እቶም ቄሳር ኢሉ ዝጸውዖም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ግብሪ ኪኽፈሉ ሕጋዊ መሰል ከም ዘለዎም ገይሮም እዮም ዚወስድዎ። ስለዚ፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ንዅሉ ግብሪ ምኽፋል፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ግዴታኦም ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ።

ኣብ ፈተና ምትላል

ማርታ እትበሃል ተመሃሪት ቤት ትምህርቲ ኻልኣይ ደረጃ፡ ናይ መወዳእታ ፈተና ኽትወስድ ትዳሎ ነበረት። ጽቡቕ ስራሕ ንኽትረክብ ልዑል ነጥቢ ኸተምጽእ ስለ ዝነበራ፡ ንብዙሕ ሰዓታት ተጽንዕ ነበረት። ገለ ኻብቶም መማህርታ እውን ይዳለዉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ብኻልእ መገዲ እዮም ዚዳለዉ ነይሮም። ልዑል ነጥቢ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም ንምትላል ዚጠቕሞም መልእኽቲ ዚቕበል ኤለክትሮኒካዊ መሳርሕን ቀማሪትን ሞባይላትን እዮም ዜዳልዉ ነይሮም። እሞኸ ማርታ ጽቡቕ ነጥቢ ምእንቲ ኽትረክብ ከምቲ “ዅሉ ሰብ” ዚገብሮ ድያ ገይራ፧

ምትላል ኣብ ኵሉ ኣስፋሕፊሑ ስለ ዘሎ፡ ሓያሎ ሰባት ጌጋ ዘይብሉ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። “ከይትተሓዝ ጥራይ ኢኻ ኽትጥንቀቕ ዘሎካ” ይብሉ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግን፡ ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣይቅበልዎን እዮም። ነቶም ዜታልሉ፡ መምህር እኳ እንተ ዘይረኣዮም፡ ዚርእዮም ኣካል ግን ኣሎ። የሆዋ ኣምላኽ እንገብሮ ይፈልጥ እዩ፡ ብተግባራትና ኸኣ ኪጸባጸበና እዩ። ጳውሎስ፡ “እቲ ጸብጻብ እንህቦ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዅሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ እምበር፡ ኣብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጡር የልቦን” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 4:13) ኣምላኽ በቲ ቕኑዕ ተግባራትና ስለ ዚግደስ ከም ዚርእየና ምፍላጥና፡ ኣብ ግዜ ፈተና ሓቀኛታት ክንከውን ኪድርኸና ዘለዎ ዝዓበየ ምኽንያትዶ ኣይኰነን፧

ንስኻኸ እንታይ ኢኻ ኽትገብር፧

ሊሳ፡ ግሬጎር፡ ጴጥሮስ፡ ዳዊት፡ ማርታ ንዘጋጠሞም ኵነታት ኣርዚኖም እዮም ርእዮምዎ። ብሓቀኛነት ኪመላለሱ ስለ ዝወሰኑ፡ ንጹህ ሕልናን ስነ-ምግባራዊ ንጽህናን ኪሕልዉ ኸኣሉ። ንስኻኸ ተመሳሳሊ ዅነታት ምስ ዜጋጥመካ እንታይ ኢኻ ኽትገብር፧

መሳርሕትኻን መማህርትኻን ጐረባብትኻን ብዛዕባ ሓሶት፡ ምትላል፡ ወይ ስርቂ ስኽፍ ኣይብሎምን ይኸውን። ሕሉፍ ሓሊፎም እውን፡ ከምቲ ንሳቶም ዚገብርዎ ምእንቲ ኽትገብር ኢሎም የላግጹልካ ይዀኑ። ብሸፈጥ ንኽትመላለስ ጸቕጢ እናተገብረልካ ኽነሱ፡ ቅኑዕ ውሳነ ንምግባር ኪሕግዘካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ምምልላስና፡ ጽሩይ ሕልና ኸም ዜምጽኣልና፡ ስምረትን ሞገስን ኣምላኽ ከኣ ከም ዜውህበና ኣይትረስዕ። ንጉስ ዳዊት፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ድንኳንካ ዚሐድር መን እዩ፧ ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን እዩ፧ እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን፡ . . . እቲ ኸምዚ ዚገብርሲ ንዘለኣለም ኣይናወጽን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 15:1-5) ካብቲ ብሸፈጥ ዚርከብ ዝዀነ ይኹን ስጋዊ ጥቕሚ፡ ጽሩይ ሕልናን ምስ ኣምላኽ ሰማይ ዘሎካ ዕርክነትን ኣጸቢቑ ይበልጽ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“እቲ ዝሰረቐ፡ . . . ደጊምሲ ኣይስረቕ።”

ንሕጊ ኣምላኽ ዘሎና ኣኽብሮትን ንብጾትና ዘሎና ፍቕርን ኣብ ጕዳያት መድሕን ሓቀኛታት ክንከውን ይድርኸና

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ።

ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ፡ ንዅሉ እቲ ብሕጊ ዚሕተት ግብሪ ንኸፍል ኢና

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“እቲ ጸብጻብ እንህቦ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዅሉ ጋህ ዝበለ . . . እዩ።”

ከነታልል ከሎና መምህራን እኳ እንተ ዘይረኣዩና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓቀኛታት ክንከውን ንደሊ ኢና

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

“ስዉር” ስርቂ

ፈታዊኻ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም ዓዲጉ ንበል። ንስኻ እውን እቲ ፕሮግራም ኪህልወካ ትደሊ። ፈታዊኻ ግን ገንዘብ ምእንቲ ኽትቍጥብ፡ ቅዳሕ እቲ ሶፍትዌር ኬዳልወልካ ፍቓደኛ ምዃኑ ይነግረካ። እዝስ ሸፈጥ ድዩ፧

ሰባት ናይ ኮምፕዩተር ሶፍትዌር ኪዕድጉ ኸለዉ፡ ንቐይድታት እቲ ውዕል ፍቓድ ዋኒን ኬኽብርዎ ይሰማምዑ እዮም። እቲ ውዕል ንሓደ ዓዳጋይ ነቲ ፕሮግራም ኣብ ሓንቲ ኮምፕዩተር ጥራይ ኪጥቀመሉ የፍቅድ ይኸውን። እምበኣር፡ ነቲ ሶፍትዌር ንኻልእ ሰብ ቀዲሕካ ምሃብ፡ ነቲ ውዕል ፍቓድ ዋኒን ዚጥሕስን ዘይሕጋውን ተግባር እዩ። (ሮሜ 13:4) እዚ ነቲ መሰል ዋንነት ዘለዎ ኣካል፡ ነቲ ኺረኽቦ ዚግባእ ኣታዊኡ ኸም ዘይረክብ ስለ ዚገብሮ፡ ስርቂ እዩ።—ኤፌሶን 4:28

ገሊኣቶም፡ ‘ዋላ ሓደ ዚፈልጥ የለን’ ይብሉ ይዀኑ። እዚ ሓቂ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ፡ “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” ዚብል ቃላት የሱስ ክንዝክር ይግባእ። (ማቴዎስ 7:12) ኵላትና ብግቡእ ክንክፈልን ካልኦት ንንብረትና ኬኽብሩልናን ንደሊ ኢና። ስለዚ፡ ንኻልኦት ሰባት ከኣ ከምኡ ኽንገብረሎም ኣሎና። ንኸም እቲ ንሕና ዘይንውንኖ ኣእምሮኣዊ ንብረት b ብዘይምውሳድ “ዘይርአ” ስርቂ ነወግድ ኢና።—ዘጸኣት 22:7-9

b [እግረ-ጽሑፍ]

ኣእምሮኣዊ ንብረት ንኸም እኒ ሙዚቃ፡ መጻሕፍቲ፡ ወይ ሶፍትዌር ዝኣመሰለ ኣብ ወረቐት እተሓትመ ይኹን ኣብ ኤሌክትሮኒክ እተኸዘነ መሰል ዋናኡ እተሓለወ ነገራት ዜጠቓልል እዩ። ምልክት ንግድን ፍቓድ ዋንነትን ምስጢር ንግድን መሰል ረክላምን እውን ምስዚ ዚምደብ እዩ።