ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ሓጢኣት ዚገልጽ ሓቂ

ብዛዕባ ሓጢኣት ዚገልጽ ሓቂ

ብዛዕባ ሓጢኣት ዚገልጽ ሓቂ

ሓደ ሕሙም፡ ነታ ዚጥቀመላ ተርሞሜተር ስለ ዝሰበራ ረስኒ የብሉን ኪበሃል ይከኣልዶ፧ ኣይፋሉን። ብተመሳሳሊ፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ሓጢኣት ዘለዎ ኣረኣእያ ስለ ዝነጸግዎ፡ ሓጢኣት የለን ማለት ኣይኰነን። እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ብዙሕ ዚገልጾ ነገራት ኣሎ። ብዛዕባ ሓጢኣት ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧

ኵሎም ሓጢኦም

ኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመት ይገብር፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ አሎኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ” ብምባል ጭንቀቱ ገለጸ። (ሮሜ 7:19) ቅኑዓት እንተ ዄንና፡ ኵነታትና ምስ ናይ ጳውሎስ ከም ዚመሳሰል ክንቅበሎ ኣሎና። ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ንሓልወን ወይ ከኣ ካልእ ዓይነት ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ንስዓብ ብዘየገድስ፡ ፈቲና ጸሊእና ዅላትና ንሓጥእ ኢና። ነቲ ልሙድ ነገራት ደይመደይ ኢልና ኽንጥሕሶ ስለ እንደሊ ዘይኰነስ፡ ድኹማት ስለ ዝዀንና ኢና ኸምኡ እንገብር። እዚ ግን ካበይ ዝመጸ እዩ፧ ጳውሎስ ነዚ ኺምልሶ ኸሎ፡ “ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና፡ ድሕሪ ሕጅስ እቲ ኣባይ ሐዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ” በለ።—ሮሜ 7:20

ልክዕ ከም ጳውሎስ፡ ኵሎም ደቂ ሰብ ብባህርዮም ድኹማት እዮም፣ እዚ ኸኣ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ከም ዝወረስና ዜርኢ እዩ። ጳውሎስ እውን እንተ ዀነ፡ “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም” በለ። ከምዚ ዘጋጠመ ስለምንታይ እዩ፧ ጳውሎስ ቀጺሉ፡ “ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ [ማለት ኣዳም] ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ” በለ።—ሮሜ 3:23፣ 5:12

ብዙሓት ሰባት ነቲ ብሰንኪ ቐዳሞት ወለድና ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ካብ ኣምላኽን ካብ ፍጽምናን ከም ዝረሓቕና ዚገልጽ ሓሳብ እኳ እንተ ነጸግዎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ከምኡ ኢሉ እዩ ዚምህር። የሱስ ካብተን ናይ መጀመርታ ምዕራፋት መጽሓፍ ዘፍጥረት ብምጥቃስ፡ ኣብቲ ብዛዕባ ኣዳምን ሄዋንን ዚገልጽ ጸብጻብ ከም ዚኣምን ኣርኣየ።—ዘፍጥረት 1:27፣ 2:24፣ 5:2፣ ማቴዎስ 19:1-5

ሓደ ኻብቲ ቐንዲ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ነቶም ኣብኡ እምነት ዜሕድሩ ሰባት፡ ካብ ሓጥእ ኵነታቶም ንኼድሕኖም ኢሉ ናብ ምድሪ ኸም ዝመጸ ዚገልጽ እዩ። (ዮሃንስ 3:16) ናይ መጻኢ ተስፋና፡ ነቲ የሆዋ ንመማሰውቲ ደቂ ሰብ ካብቲ ኺቈጻጸርዎ ዘይክእሉ ዅነታት ንምድሓን ኢሉ ዝገበሮ መሰናድዎ ኣብ ምቕባል እተመርኰሰ እዩ። ኣምላኽ ብዛዕባ ሓጢኣት ንዘለዎ ኣረኣእያ ብንጹር እንተ ዘይተረዲእናዮ ግን፡ ነቲ ኻብ ሓጢኣት ኬድሕነና ኢሉ ዝገበሮ መሰናድዎ ኽንርድኦን ከነማስወሉን ኣይንኽእልን ኢና።

መስዋእቲ የሱስን ኣድላይነቱን

የሆዋ ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ሃቦ። ነዚ ተስፋ እዚ ዚስእኖ፡ ካብ ኣምላኽ እንተ ዓልዩ ጥራይ እዩ ነይሩ። ኣዳም ካብ ኣምላኽ ምስ ዓለወ፡ ሓጢኣተኛ ዀነ። (ዘፍጥረት 2:15-17፣ 3:6) ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚጻረር ነገር ብምግባር፡ ፍጽምናኡ ኣጥፍአ፣ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ ከኣ ተበላሸወ። ንሕጊ ኣምላኽ ብምጥሓስ ሓጢኣት ምስ ፈጸመ፡ ናብ ሞት ኬምርሕ ጀመረ። እቲ ዜሕዝን ድማ፡ ኵሎም ዘርኢ ኣዳም፡ እንተላይ ንሕና ሓጥኣን ኴንና ስለ እተወለድና፡ ኣብ መወዳእታ ንመውት ኢና። ስለምንታይ፧

እቲ ምኽንያት ንጹር እዩ። ዘይፍጹማት ወለዲ፡ ፍጹማት ውሉዳት ኪወልዱ ኣይክእሉን እዮም። ኵሎም ዘርኢ ኣዳም ሓጥኣን ኰይኖም እዮም ተወሊዶም፣ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገለጾ ድማ፡ “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ።” (ሮሜ 6:23) ካልአይቲ ኽፋል እታ ጥቕሲ ግን፡ ተስፋ እትህብ እያ፣ “ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ” ትብል። ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ እዙዛትን መማሰውትን ደቂ ሰብ ብመስዋእታዊ ሞት የሱስ ኣቢሎም፡ ካብ ሳዕቤን እቲ ኣዳም ዝፈጸሞ ሓጢኣት ኪነጽሁ ይኽእሉ እዮም ማለት እዩ። a (ማቴዎስ 20:28፣ 1 ጴጥሮስ 1:18, 19) እዚ እንታይ ከም ዚስምዓካ እዩ ዚገብር፧

ፍቕሪ ክርስቶስ “ደሪኹና”

ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ነዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ሕቶ ኺምልሳ ኸሎ፡ “ሓደ በጃ ዅሉ ሞተ፡ . . . ካብ እንብልሲ፡ ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ እሞ፡ . . . ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ” በለ። (2 ቈረንቶስ 5:14, 15) ሓደ ሰብ፡ መስዋእቲ የሱስ ካብ ሳዕቤን ሓጢኣት ናጻ ኺገብሮ ኸም ዚኽእል ተረዲኡ፡ ነዚ መሰናድዎ እዚ ሞሳኡ ኼርኢ ዚደሊ እንተ ዀይኑ፡ ንህይወቱ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ብዚሰማማዕ መገዲ ኺመርሓ ኺጽዕር ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ኣምላኽ ኬማልኦ ዚደልዮ ብቕዓታት ኪርድኦ፡ ንሕልናኡ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኬሰልጥኖ፡ ከምኡውን ምስዚ ስርዓታት እዚ ተሰማሚዑ ኺነብር ኣለዎ።—ዮሃንስ 17:3, 17

ሓጢኣት ነቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ የበላሽዎ እዩ። ንጉስ ዳዊት፡ እቲ ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ዝሙትን ንሰብኣያ ምቕታሉን ዘለዎ ርዝነት ምስ ተረድአ፡ ዓብዪ ሕፍረት ተሰሚዕዎ ኪኸውን ኣለዎ። ልዕሊ ዅሉ ዘገደሶ ግን፡ ንኣምላኽ ምጕሃዩ እዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ግቡእ እዩ ነይሩ። ብተደጋጋሚ ድማ፡ “ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ፡ ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ” ኢሉ ናብ የሆዋ ጸለየ። (መዝሙር 51:4) ብተመሳሳሊ፡ ዮሴፍ ዝሙት ኪፍጽም ፈተና ምስ ኣጋጠሞ፡ ብሕልናኡ ተደሪኹ፡ “ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” ኢሉ ሓተተ።—ዘፍጥረት 39:9

ሓጢኣት፡ ብምኽንያት ዘጋጠመካ ውርደት ምስ ዚስምዓካ ሕማቕ ስምዒት ጥራይ እተተሓሓዘ ኣይኰነን። ሓደ ሕብረተሰብ ዘይቅበሎ ነገር ብምግባርካ ተሓታቲ ምዃን ማለት ጥራይ እውን ኣይኰነን። ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ፡ ቅንዕና፡ ኣኽብሮት፡ ኣምልኾ፡ ከምኡውን ነቲ ብዛዕባ ኸምኡ ዝኣመሰለ ኻልእ ነገራት ዝሃቦ ሕጊ ምጥሓስ፡ ምስኡ ንዘሎና ብሕታዊ ርክብ እዩ ዜበላሽዎ። ደይመደይ ኢልና ሓጢኣት ንገብር እንተ ዄንና፡ ጸላእቲ ኣምላኽ ኢና እንኸውን። እዚ ሓቂ እዚ፡ ኣርዚንካ ኺሕሰበሉ ዘለዎ ጕዳይ እዩ።—1 ዮሃንስ 3:4, 8

እሞኸ ብዛዕባ ሓጢኣት ዝነበረ ኣረኣእያ እንታይ እዩ ዚኸውን ዘሎ፧ ብዙሓት ሰባት ንርዝነት ሓጢኣት ንኼቃልልዎ ኢሎም ብኻልእ መገዲ ይጽውዕዎ ስለ ዘለዉ፡ ብዛዕባ ሓጢኣት ዝነበረ ኣረኣእያ ይቕየር እዩ ዘሎ። ሰባት ንሕልናኦም ኣየስርሕዎን ወይ ከኣ ዕሽሽ ይብልዎ ኣለዉ። ኵሎም እቶም ሞገስ ኣምላኽ ኪረኽቡ ዚደልዩ ግን፡ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝንባለ ኺርሕቁ ይግባእ። ከመይሲ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ፡ ዓስቢ ሓጢኣት፡ ውርደት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሞት እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ሓጢኣት ናይ ሞትን ህይወትን ጕዳይ እዩ።

እቲ ዜሐጕስ ግን፡ ብመሰረት እቲ ናይ ምድሓን ሓይሊ ዘለዎ መስዋእቲ የሱስ ካብ ልብና እንተ ተነሲሕናን ንሓጢኣትና እንተ ሓዲግናዮን፡ ይቕረታ ኺግበረልና ይኽእል እዩ። ጳውሎስ፡ “እቶም ዓመጻኦም እተሐድገሎም ሓጢኣቶምውን እተኸድነሎም፡ ብጹኣን እዮም። ኣምላኽ ሓጢኣቱ ዘይቈጽረሉ ሰብ ብጹእ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—ሮሜ 4:7, 8

[እግረ-ጽሑፍ]

a መስዋእታዊ ሞት የሱስ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ናይ ምድሓን ሓይሊ ኸም ዘለዎ ዜብርህ ምሉእ መግለጺ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ካብ ገጽ 47 ክሳብ 54 ርአ።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ስነ-ሃይማኖታዊ ለውጢ

መብዛሕትኦም ናብ ቤተ-ክርስትያን ዚኸዱ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ፡ ብዛዕባ ሊምቦ ዚገልጽ ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ኣይርድኦምን እዩ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ እዚ ትምህርቲ እዚ፡ ካብ ሃይማኖታዊ ትምህርትታት እውን እንተ ዀነ፡ ቀስ ብቐስ እናጠፍአ ይኸይድ ኣሎ። ብ2007 ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ “ከይተጠምቁ ዝሞቱ ሕጻናት፡ ድሒኖም ናብ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ኪኣትዉ ኸም ዚኽእሉ ዜተስፉ ኣብ ስነ-ሃይማኖትን ቅዳሰን እተመስረተ ምኽንያት” ከም ዘሎ ኣብ ዚገልጽ ሓደ ሰነድ፡ ንትምህርቲ ሊምቦ ብወግዓዊ መገዲ ኸም ዘቋረጸቶ ሓበረት። —ኮሚሽን ኣህጉራዊ ስነ-ሃይማኖት።

ከምዚ ዝኣመሰለ ስነ-ሃይማኖታዊ ለውጢ እተገብረ ስለምንታይ እዩ፧ ከምቲ ኦንሪ ቲክ ዚበሃል ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ዝገለጾ፡ ካብቲ “እታ ተበላጺት ቤተ-ክርስትያን ካብ ማእከላይ ዘመን ክሳዕ መበል 20 ዘመን ኣትሒዛ ኽትጣበቐሉ ዝጸንሐትን ወለዲ ንደቆም ተቐላጢፎም ኬጠምቑ ተፈራርሃሉ ዝነበረትን ብዛዕባ ሊምቦ ዚገልጽ ሕማቕ ልምዲ” ናጻ ኸም እትኸውን እዩ ገይርዋ። ኰይኑ ግን፡ እዚ ለውጢ እዚ፡ ካልእ ጕዳይ ከም ዚለዓል እውን ዚገብር እዩ።

ልምዲ ድዩ ቕዱስ ጽሑፋዊ፧ ታሪኽ ከም ዚምስክሮ፡ ብዛዕባ ሊምቦ ዚገልጽ እምነት፡ ውጽኢት ናይቲ ኣብ መበል 12 ዘመን ምስ ቦታ ንስሓ (ሰባት ድሕሪ ሞት ናብ መንግስተ-ሰማያት ንምእታው ተፍሶም ተነሲሓ እትነጽሃሉ ተባሂሉ ዚሕሰብ ቦታ) ተተሓሒዙ ዚግበር ዝነበረ ስነ-ሃይማኖታዊ ኽትዕ እዩ። ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ ዘይትመውት ነፍሲ ኸም ዘላ ትምህር ስለ ዝነበረት፡ ነፍሳት እቶም ሰኣን ምጥማቖም ናብ ሰማይ ዘይከዱ፡ ኣብ ገሃነም እውን ዘይኣትዉ ሕጻናት እንታይ ከም ዚዀና መግለጺ ኽትህብ ተገደደት። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ብዛዕባ ሊምቦ ዚገልጽ ሓሳብ ተኣታተወ።

ኰይኑ ግን፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዘይትመውት ነፍሲ ኸም ዘላ ዘይኰነስ፡ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ኸም ‘እትምቈስን’ ከም ‘እትመውትን’ እዩ ዚምህር። (ግብሪ ሃዋርያት 3:23፣ ህዝቅኤል 18:4) ስለዚ እምበኣር፡ ነፍሲ ትመውት ካብ ኰነት፡ ሊምቦ ዚበሃል የለን። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሞት ምስቲ ምስ ደቀስካ ሃለዋትካ እተጠፍኣሉ ዅነታት ኣመሳሲልዎ ኣሎ።—መክብብ 9:5, 10፣ ዮሃንስ 11:11-14

ኣምላኽ ንንኣሽቱ ደቂ ክርስትያን ወለዲ፡ ከም ቅዱሳን ገይሩ ኸም ዚርእዮም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:14) ጥምቀት ሕጻናት ንድሕነት ኣገዳሲ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ እዚ ሓሳብ እዚ ትርጕም ዘይብሉ ምዀነ።

ትምህርቲ ሊምቦ፡ ንኣምላኽ ከም ፍትሓውን ፈቃርን ኣቦ ገይሩ ዘይኰነስ፡ ከም ጨቋኒ ኣምላኽ ገይሩ ስለ ዚገልጾ፡ ንዕኡ ዜጽርፍ እዩ። (ዘዳግም 32:4፣ ማቴዎስ 5:45፣ 1 ዮሃንስ 4:8) እዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ዘይብሉ ትምህርቲ ንቕኑዓት ክርስትያናት እንተ ዘይተዋሕጠሎም እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ቃል ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ምንባር፡ ምስ ኣምላኽ ኰነ ምስ ሰብ ጥዑይ ርክብ ከም ዚህልወካ ይገብር